Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ህሉው ኩነታቱን ትስፉው መጻኢኡን ዘተኮረ ሰሚናር ኣካይዱ።

ኣብ'ቲ ብዕለት 30 መጋቢት 2013 ቅ.ቀ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ዝተኸፍተ ሰሚናር፡ ብርክት ዝበሉ ካብ ኩለን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራት ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ተረኺቦሞ ኔሮም። ኣብ መኽፈቲ'ቲ ሰሚናር ቃል ዝሃበ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ፡ " ንተሳተፍቲ ሰሚናር እንቋዕ ድሓን

ኣብ’ቲ ብዕለት 30 መጋቢት 2013 ቅ.ቀ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ዝተኸፍተ ሰሚናር፡ ብርክት ዝበሉ ካብ
ኩለን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራት ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ተረኺቦሞ ኔሮም። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ሰሚናር ቃል ዝሃበ ኣቶ
ዮውሃንስ ኣስመላሽ፡ ” ንተሳተፍቲ ሰሚናር እንቋዕ ድሓን መጻእኹም ድሕሪ ምባል፡ እዚ ሎሚ ንኸፍቶ ዘለና ሰሚናር
ንሕና ከም ኣባላት ባይቶ በብእዋኑ እናተራኽብና፡ ንኹላትና ብዘገድሱ ኣርእስታት እናተመያየጥና፡ ናብ ዝሓሸ
ፖለቲካዊ ኩነታት ከሰጋግረና ዝኽእል ሓሳብ ንምሓዝ’ዩ ክብል ገሊጹ። ኣስዒቡ ኣቶ ዮውሃንስ፡ ኣብ ባይቶና ክፍጠር
ዝኽእል ሃጋጓፋት ብኸም’ዚ ጀሚርናዮ ዘለና ሰሚናራት ኣቢልና ናይ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ድሌትን ሓሳብን ወሲኽና
ንቕድሚት ክንምርሽ ይሕግዘና’ዩ ዝብል እምነት ኣለና ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ ሃገራዊ ባይቶ ብዘይካ’ቶም ንዕኡ ዘቖሙ
ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ካልእ ርእሱ ዝኽኣለ ማሓውር የብሉን። ስለ’ዚ ኣባላቱ ዝኾኑ ውድባትን ሲቪክ
ማሕበራትን ኣብ ባይቶ ዘለዎም ተሳታፍነት ክሕይል ከሎ ዝሕይል ክዝሕትል እንከሎ ድማ ዝዝሕትል ከም ሙዃኑ መጠን፡
ሃገራዊ ባይቶ ከም’ቲ ህዝቢ ዝጽበዮን ክኾኖ ዝግብኦን ኣይኮነን ክንብል ከለና፡ እኩብ ድምር ናይ’ዚ ዝተጠቕሰ
ሙዃኑ ይርድኣና’ዩ” ምስ በለ፡ “ብሓፈሻ ዕላማ ናይ’ዚ ሰሚናር ኣብ ባይቶና ንዝተኸስቱ ሽግራት ብዝርዝር
በርቢርና ብምውጻእ፡ ነቶም ከይንስጉም ሓሊኾምና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ፈቲሕና ንቕድሚት ከኽይደና ዝኽእል ኣንፈት
ምቕማጥ’ዩ” ክብል ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቶ ዮውሃንስ “ዘለናዮ መድረኽ ናይ ኣፈርክቡ ስለዝኾነ፡ ዘለና ሓይሊ ጠሚርና ህዝብን ሃገርን
ክነድሕን ክንቀላጠፍ ይግባእ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ንድሕሪት ዝጎቱና ዘይቅዱሳት ሕድሕዳዊ ምውጣጥ እንተተወጢርና ግን
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ብርሰት ህዝቢ ክጋደድን ኣስተዋጽኦ ንገብር ምህላውና ዝጠፍኣና
ኣይኮነን’ሞ፡ ዕላማ’ዚ ሰሚናር ተገንዚብና ኩላትና ዕዙዝ ተሳተፎ ክህልወና ይምሕጸን ክብል ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ
ዘለዎ እምነት ዕዙዝ ሙዃኑ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ካብ 30-31 መጋቢት ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሰ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ህሉው ኩነታት
ሃገራዊ ባይቶን ድኽመታቱን ብሓፈሻ፡ ኣብ ውደባ፡ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ሜድያዊ ስራሓት፡ ፋይናንሳውን ምምሕዳራውን
ንጥፈታት ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ፡ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ከከም ኣድላይነቱ ብምእካብን ብምስልሳልን
ናይ’ቲ ህሉው ሽግራት መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ዓቢ ተራ ክልዎም ሓባራዊ መረዳእታ ክሕዙ ክኢሎም። ተሳተፍቲ ሰሚናር
ብተወሳኺ “እዚ ሰሚናር’ዚ ኣሉታውን ኣወንታውን ጎንታትና ከነለሊ ሓጊዝና’ዩ’ሞ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሚናራት ድማ
ሽግራትና ክንፈትሕን ሃጓፋትና ክንመልእን ዘለና እምነት ሰፊሕ’ዩ” ብምባል፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ድማ ነዚ
ዝፈሰሰ ሓሳባትን ርኢቶታትን ኣኪባ ኣብ ስራሕ ንምውዓሉ ብሓላፍነት ኣትኲራ ክትሰርሕ ኣተሓሳሲቦም።
ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ስሚናራት’ዚ ንዘለዎ ኣድላይነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በብእዋኑ ክቕጽል
ሙዃኑ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ሃገራዊ ባይቶ ዲሞክራስያዊ ለውጢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • kebbire@gmail.com April 7, 2013

    ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ንምምሕዳር ህግደፍ ይጸልኦ እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ንኹሎም ተቓወምቲ ይድግፎም እዩ ማለት ኣይኮነን።
    መንእሰያት ኤርትራ መሪርዎም እኳ እንተሎ ንጀብሃ ይኹን ተረፍ ናይ ጀብሃ ኣቃውማ ንዘለዎ ዝመስል፣ ንባይቶ ሃዋሳ ዝብልዎ፣ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ደገፍ የብሎምን።
    መእሰያት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ተረፍ መረፍ ናይ ጀብሃ ወይ ሻዕብያ፣ ሓርነት ወይ ዘላቒ ሰላም፣ ክርከብ ኣይጽበዩን እዮም። እቲ ኣረጊት ወለዶ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ፣ ብጀካ ክፍኣት ተንኮልን ጽልእን፣ ካልእ ዝረብሕ ሃናጽን ገስጋስን ኣፍሪቃዊ መንነት ቋንቋን ባህልን ኣይምህርን እዩ። ካብ ሃገራዊ ባይቶ ሃዋሳ ይኹን ብላያት መሰልቱ፣ እዚ ሓድሽ ወለዶ ዝመሃሮ ነገር የልቦን። መንነቱ ባህሉ ቋንቋኡ መረበቱ ዘይፈቱ ሰብ፣ ንነብሱ ይኹን ንሓዉ ከፍቅር ዝሕሰብ ኣይኮነን።
    ቅድም ቀዳድም ባይቶ ሃዋሳ ክሓቶ ዝግብኦ ሕቶ፤ ስለምንታይ እዩ መንእሰይ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻእን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ከይተረፈ፣ ንባይቶ ሃዋሳ ክቐርቦ ዘይደሊ ?

  • kabbire April 7, 2013

    ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ንምምሕዳር ህግደፍ ይጸልኦ እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ንኹሎም ተቓወምቲ ይድግፎም እዩ ማለት ኣይኮነን።
    መንእሰያት ኤርትራ መሪርዎም እኳ እንተሎ ንጀብሃ ይኹን ተረፍ ናይ ጀብሃ ኣቃውማ ንዘለዎ ዝመስል፣ ንባይቶ ሃዋሳ ዝብልዎ፣ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ደገፍ የብሎምን።
    መእሰያት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ተረፍ መረፍ ናይ ጀብሃ ወይ ሻዕብያ፣ ሓርነት ወይ ዘላቒ ሰላም፣ ክርከብ ኣይጽበዩን እዮም። እቲ ኣረጊት ወለዶ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ፣ ብጀካ ክፍኣት ተንኮልን ጽልእን፣ ካልእ ዝረብሕ ሃናጽን ገስጋስን ኣፍሪቃዊ መንነት ቋንቋን ባህልን ኣይምህርን እዩ። ካብ ሃገራዊ ባይቶ ሃዋሳ ይኹን ብላያት መሰልቱ፣ እዚ ሓድሽ ወለዶ ዝመሃሮ ነገር የልቦን። መንነቱ ባህሉ ቋንቋኡ መረበቱ ዘይፈቱ ሰብ፣ ንነብሱ ይኹን ንሓዉ ከፍቅር ዝሕሰብ ኣይኮነን።
    ቅድም ቀዳድም ባይቶ ሃዋሳ ክሓቶ ዝግብኦ ሕቶ፤ ስለምንታይ እዩ መንእሰይ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻእን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ከይተረፈ፣ ንባይቶ ሃዋሳ ክቐርቦ ዘይደሊ ፧

    • OROMAI hope deficient ERITRA April 8, 2013

      Kebbire,

      Kebbire ..like his name..With all due respect to people like Amanuel Iyasu..who,at the center of their principkle is gennuine love of people…others I would not follow to a chicken fight let alone to national issue. This is were I separate bandits from gennuine heros of chqange like Amanuel…I may not agree on a number of things with Amanuel..but he is someone I can work with or even work under.
      Kebbire ,I am 50++++, if you see one run away from such people…There is AZT drugs for AIDS..the 50++++ Eeritreans are the pioneers of destruction..except your´s truly of course.

      Hawka /Abokha

  • fetsum abraham April 9, 2013

    With all respect, I do not get any information from this post as to what was discussed and agreed upon in the meeting. Why do you give us this without details? You also need to inform people in English at least so that the young people in diaspora can understand you. Personally, I do not understand this post and what the group tried to achieve. Is this group assuming everyone knows it? I do not. What do you expect from us from this post?

POST A COMMENT