Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)  ክቡራት ኤርትራውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ መንእሰያት ደቅናን ብሓባር ኣቐዲመ ዝዓዘዘ ሰላምታይ የቕርበልኩም። ኣስዒበ ነዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ንኽትቅበሉኒ ብትሕትና ይላቦ። እዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኤርትራ

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ

ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

 ክቡራት ኤርትራውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ መንእሰያት ደቅናን ብሓባር ኣቐዲመ ዝዓዘዘ ሰላምታይ የቕርበልኩም። ኣስዒበ ነዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ንኽትቅበሉኒ ብትሕትና ይላቦ።

እዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታተራዊ ስርዓተ- ኣልቦ ዝኾነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅዝፈትን ብርሰትን ኣሊኻ ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምትካል ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ንእግሪ መንገደይ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ጉዳይ እንተሎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ግጅለኻን ካብቲ ብኢደ ወነንካ ኮፍ ኢልካዮ ዘሎኻ ኮረሻ ስልጣን ሕጂ ክትወርድ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠልቦ ዘሎ እዋናዊ ምሕጽንታ እዩ።

ብዙሕ ሰብ ከምዝፈልጦ ዑደተይ ብወርሒ ጥቅምቲ 2013 ብውልቀ ተበግሶይ ከምዝጀመርኩ ዝዝከር ኮይኑ ብኡኡ መሰረት ድማ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን፡ ካናዳን ኤውሮጳን ከምኡውን ማእከላይ ምብራቕን ንዝቕመጡ ኤርትራውያን ሰሚናራት ሂበ ኔረ። ኣብቲ ንህዝቢ ዝህቦ ዝነበርኩ መደረታት ኩሉ ንሓድነትን ጥርናፈን ናይ ኩሉ ተቓዋሚ ህዝቢ ኢዩ ኔሩ። ዕላምኡ ድማ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምትካል ኮይኑ እቲ መጸዋዕታ ናብ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝዓለመ ኮይኑ ብዕድመ ብጾታ ብሃይማኖት ብዓሌት ብብሄር ወይውን ብፖለቲካዊ ኣረአእያ ብዘይአፈላላይ ዝጽውዕ ምንባሩ ዘይርሳዕ እዩ።

ጸዋዒተይ ብዝያዳ ናብ መንእሰያትና ዘተኮረ ኮይኑ ነዚ ህዝብናን ሃገርናን ዘብርስ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኣብ ምእላይ ቀላሲ ግደ ክጻወቱ ዝጽውዕ ኢዩ። ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ንናይ ኢሳያስ ኣፈርወርቅን ጉጅልኡን ካብ ሱሩ ንምእላይ ኮይኑ ብፍላይ ንመንእሰያትና ዝምልከተሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ንሳቶም ናይ መጻኢት ኤርትራ ተረከብትን መራሕትን ስለ ዝኾኑን ነቲ ናይ ህዝብና ዝሓለፈ ዘሕብንን ዘኹርዕን ታሪኽና መታን ምዕቃብ ንክኽእሉ ዝሕግዝ ኢዩ። ከምቲ ናትና ወለዶ ዝኾና ኤርትራውያን ናይ ኣቦታትናን ኣቦ ሓጎታትናን ሽሞምን ሽጎምን ዘልዓልና ንአብነት ከም ናይ በዓል ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን፣ ኣቦና ወልደአብ ወልደማሪያም፣ ክቡር ኣቦና ዓብደልቅድር ከቢረን ኣያና ዑስማን ሳልሕ ሳበን፡ ወዘተ ሕጂ ድማ መንእሰያትና ነዚ ቅዱስ ሓልፍነት ተሰኪሞም ኣብዚ ህዝባዊ ማዕበል ንጡፍን ተሪርን ተሳታፍነት ከካይዱ ይጽውዕ።

ኤርትራውያን ምሁራትና ሓበንን ሃብቲ ሃገርናን ህዝብናን ኢዮም። ከምኡ ብምዃኖም ድማ ብቕዳምነት ንመንእሰያትና ኣብ ምዅስኳስን ምእላይን እዚ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ ዓቢ ጻውዒት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ድማ ድሕሪ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅሉኡን ምጉሓፍ ሃገርና ኣብ ናይ ምዕባለ ጎደና ኣብ ናይ ምስራዕን ምምራሕን እቲ ዝዓበየ ግደ ከምዘለዎም ህዝብና ብሃንቀውታ ይጽበዮም ከምዘሎን ሃገርዊ ሓላፍነቶም ከም ዝኾነን ክፈልጡ ይግባእ።

ካብዚ ዘይፍለ ክኣ ግብራዊ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኤርትራ ከም ዓንዲ ሕቖ ቃልስና መጠን ብሰፊሑ ክቃለሳን ነቲ ዝሓለፈ ዘሕብንን ዘኹርዕን ቃልሰን ብዝያዳ ሓፍ ኣቢለን ኣበርቲዕን ክቃለሳ እምሕጸነን። ህዝብና’ውን ኣብ ጎነን ከም ዘሎ ከረጋግጸለን እፈቱ።

ከምቲ ኣብ ዝተፋላለየ እዋናት ዝሓበርኩዎ ኣነ ናይ ስልጣን ህርፋን ይኹን ድልየት ፈጺሙ የብለይን ኢለ ገሊጸ ኔረ፡ ሕጂውን መርገጸይ ንሳ ኢያ። ዕላማይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዘሎ ህዝብና ምልዕዓልን ምጥርናፍን ዝወሰድኩዎ

ተበግሶ ኩሉ ህዝብና ብሓባር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ነዚ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዘሎ ዲክተታራዊ ስርዓት ጉሒፍካ ኣብ መቓብሩ ድማ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን መንግስቲ ንምትካል ዝዓለመ ኢዩ። ኣብቲ ኩሉ ክሳብ ሕጂ ዘካየድኩዎ ሰሚናራትን ምደረታትን፣ ጻዋዒተይ ኩሉ ኤርትርዊ ነቲ ኣሎና ዝብልዎ ፍልልያት ኣወንዚፎም ሙሉእ ጠመተኦም ነዚ ዘሎ ስርዓት ምእላይ ቀዳምነት ክህብዎ ይግባእ ኢለ እየ ዝአምን። ስለዚ ኩሎም ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ውልቀሰባትን ፖለቲካዊ ፍልልያቶም ብዘየገድስ ናብቲ መሰረታዊ ሃገራዊ ድሕነት ከቕንዕ ይግባኦ። እዚ ማለት ግን ነቲ ዘካይድዎ ዘለው ስርሓት ከወግድዎ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደአ ብሓደ ወገን ነቲ ዘካይድዎ ዘለዎ ፖለቲካውን ሲቪካውን ስርሓት እናካየዱ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ነዚ ጨፍላቒ ስርዓት ናብ ምውጋድ ከተኩሩ ኣለዎም። ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ ዕላማ ናይ ሓድነት ንኤርትራውያን ንፍትሒ ምንቅስቓስ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ስልጣን ንምሽማው ኣይኮነን። ዕላምኡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣምጺእካ ንናይ መጻኢ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምጥጣሕ ዝሕግዝ ስርሓት ምክያድ ኢዩ።

ብሓጺሩ  “ ሓድነት  ኤርትራውያን ንፍትሒ“ ዘይፖለቲካዊ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኢዩ።

ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትና ድማ ምስ ኩለን ሃገራት እንገብሮ ዝምድናታት ናይ ሓባር ጥቕምና ንምድንፋዕ ኢዩ እምነተይ። ብፍላይ ድማ ምስ መሓዙትናን ጎረባብትና ሃገራት ኣብ ነንሕድሕድና ብምክብባርን ልዑልነትን ሃገራዊ ሓድነትንናን ብምኽባርን ኣብ ነንሕድሕካ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘይምትእትታውን ኢዩ። ብወገነይ እቲ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ነብሰ ተነጽሎን፣ ንሃገር ጎዳኢ ዝዅነ ተግባራትን ከምኡውን ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣቲኻ ጦብላሕላሕ ማለትን ህውከት ምፍጣርን ኣጸቢቐ ኢየ ዝኹንኖን ዝቃወሞን። በንጻሩ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኩለን ሃገራትን ብፍላይ ድማ ምስ ኣብ ጎረባብትና ዘለዉ ኣህዛብን መንግስትታትን ብናይ ሓባር ተረድኦ ጌርና ናይ ሓባር ጥቕምታትና ምምዕባል ኢዩ። ንሱ ድማ ናይ ሓባር ሰላምን ቅሳነትን ምእንቲ ክፈጥረልና።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፋላለዩ ኩርናዓት ዓለም ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ተራኺበ ዘትየ ዝዝከር ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ዕዉት ንምግባር ድማ ተራዳዲእና ኣሎና። ብወገነይ ምስ ሓፋሽ ህዝብና ምርኻብ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን፣ ምስ ምሁራትን ዓበይትን፡ ከምኡውን ምስ ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን፣ ምስ ናይ መዲያ ሓለፍትን ክኢላታትን፡ ምስ መራሕቲ ማሕበር ደቂ ኣንስቲዮን ከምኡውን ብቐንዱ ምስ ማሕበር መእሰያት ኤርትራውያን ተራኺበ ዘትየ ኢየ። በቲ ዝሃቡኒ ሓሳባትን ለብዋን ብምምርኳስ ድማ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝብል ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ሕጋዊ መጸውዒ ሒዝና ንክንጎዓዝ ተሰማሚዕና ኣሎና። እቲ ምንቅስቓስ ብብዙሓት ፈቓደኛታት ኤርርትራውያን ግዜኦምን ክእለቶምን እናአወፈዩ ዘድሊ ምድላዋት የካይዱ ከም ዘለው ክሕብር ይፈቱ። እቲ ዘድሊ ምድላዋት ምስ ተወደአ ድማ ናብ ህዝቢ ክቐርብ እዩ።

ኣነ ብወገነይ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዝገለጽኩዎ መትከለይ ሓደ ሕቡር ሃገራዊ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ መስሪትሪካ ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ኣሊኻ ሓደ ደሞክራሲያዊ ቅዋም መስሪትካ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምትካል ኢዩ።

እተን ክሳብ ሕጂ ተቛቒመን ዘለዋ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን በቲ ዝመስለን ኣገባብ መንነተን ዓቂበን ምስ እዚ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ድማ ተሓባቢረን ንጡ ፍ ሓገዝን ምትሕብባርን ክገብራ ጽኑዕ ጻውዒት የቕርብ።

ክቡራት ኤርትራውያን ደቂ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ኩላትና ንስሕቶ ኣይመስለንን። እሞ እዚ እንዳርኣና እንታይ ኢና ንጽበ ዘሎና?  ሓድነትና ከነደልድልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ክንኣሊዶ ወይስ ከምዚ መዓልቲ መዓልቲ ህዝብና ብፍላይ መንእሰያትና ብጀልባታት ኣብ ሓደጋ ክጓዓዙ እንዳርኣና ዳግመ ላምፐዱዛ ኢና ንጽበ ዘሎና?  እዚ መልስን ሓላፍነትን ንነፍሲ ወከፍና ይገድፎ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ፡

1, ኣብ ሙሉእ ዓለም ተበቲኖም ዝርከቡ ስደታኛታትና ናይ ኩነታቶም ምክትታልን ምምሕያሽን ናይ ንፍሲ  ወከፍና ሓላፍነት እዩ።

2. ድሕሪ ምውዳቕ ናይዚ ዘሎ ስ ርዓት መነባብሮ ጀጋኑ ሰራዊትና ይከኣሎን ዋርሳይን ንምጥጣሕ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላትን መንግስታትን ካብ ሕጂ ጀሚርና ልዝብ ከነካይድ ኣሎና።

3. ነዚ ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ገበኛታት ንምቕራብ ምስ ናይ ሕጊ ክኢላታት ኤርትራውያን ንላዘብ ኣሎና።

እምበኣርከስ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነ ነዚ ጀሚርናዮ መሪር ቃልሲ ክሳብ መወዳእታ ምእንቲ ከነብጽሖን ናይ ሓዋሩ ራህዋን ቅሳነት ሃገርናን ህዝብናን ንኸራጋግጾ፣ ሓቢርና ክንቃለስ ንኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ  ደቀባት ኤርትራውያን ኣብ ዘዘሎኹሞ ሃገራትን ከተማታትን ቀጻሊ ኣኼባታትን ምንስቓሳትን ናይ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኸተካይዱ ጻውዒተይ የቕርብ።

ዕንወት ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንኹሎም ስውኣትና!

ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ!

ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
63 COMMENTS
  • m April 21, 2014

    we are only best in the whole world to say lelelelelelelelekkkkkkkkklelelelelelelelele our Eritrean pepole suffering a lot but we escape like rats and crynig like monkeyss only say we we, we do nothing only we do ,,Gurrrra,,

  • Sami April 22, 2014

    Aye lbona kemaka ybzah Wedi vacaro Hawey ezgeabiher DMA n wtsie hzbi yr a selam yhabka selam yewrdelna kubur hawna

  • awewt ebrahim April 22, 2014

    Yea u r right 100% percent

  • Sami tesfay April 22, 2014

    Thsnxs doctor tewelde really hanatsi zone meliekti

  • Dr.Mesghina Medhin April 24, 2014

    We are so proud of your powerful message of reconciliation and forgiveness.
    there is no doubt in my mind that you have a vision to bring the Eritreans together.I believe in you and I am ready to help.
    Dr.Mesghina G.medhin

  • Maggie April 28, 2016

    You’ve got to be kidding me-it’s so trlntparensay clear now!

POST A COMMENT