Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገር ብመንጽር ህግደፍን ደምበ ተቓዉሞን።

ሃገር  ብመንጽር  ህግደፍን ደምበ ተቓዉሞን። መጀመርታ  ሃገር  እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦኳ እንተኾነ  ነዚ ሕድሽ ወለዶ ዘደናግር መግለጺ ዝህቡ ናይ ዘመንና ፖለቲካዉያን  ስለዘይተሳእኑ  ብሕጽር ዝበለ ስነ-ፍልጠታዊ መልክዑ ከቕርብ ጽቡቕ ይመስለኒ ። ሃገር ማለት ሓደ ዉሱን ጀኦግራፊካዊ 

ሃገር  ብመንጽር  ህግደፍን ደምበ ተቓዉሞን።

መጀመርታ  ሃገር  እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦኳ እንተኾነ  ነዚ ሕድሽ ወለዶ ዘደናግር መግለጺ ዝህቡ ናይ ዘመንና ፖለቲካዉያን  ስለዘይተሳእኑ  ብሕጽር ዝበለ ስነ-ፍልጠታዊ መልክዑ ከቕርብ ጽቡቕ ይመስለኒ ።

ሃገር ማለት ሓደ ዉሱን ጀኦግራፊካዊ  ኣቀማምጣ  ንሓደ ብባህሊ ፣ብቛንቛ ፣ ብልምዲ  ዝተጣመረ ህዝቢ ዝሓቑፍ  ዓሚቑ ምትእስሳር ንዝሓደሮ እኩብ  ሕብረተሰብ  ማለት እዩ ። እዚ ኣብ ዝተወሰነ ክልል ቦታ ዝሕቆፍ ህዝቢዚ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ክህልዎ ይኸእል እዩ እንተኾነ ብማሕበራዊ ናብራኡ  ብሕርሻ  ብመጓሰ  ብንግድ ስለዘራኽብዎ ካብቲ ጥቡቕ ምትሕዉዋሱ ዝተበገሰ ብዘርኢ ክጣመር  ድልዱል ፍቕሪ ከሕድርን  ክተሓባበርን ጸላእቱ ሓቢሩ ክገጥምን ዘኸእሎ ቕሚቕን ዘይንቕነቕን ሓድነት ኣጥርዩ ነቲ ሃገር ዝብል ሓረግ  የቕዉም  ።

ኣብ ግዜና  ብፍላይ ኣብ ግዜ ህግደፍን ልማዳዉያን ተቓወምትን  ግና  ሃገር ማለት ፖለቲካ/ወገን ፡ ፖለቲካ ድማ ሃገር ክብሉና ንሰምዕ   ኣሎና  ። እዞም ክልተ ደምበታት እዚኣቶም  ካብ ንረብሓ ህዝቢ ንዉልቃዊ ዝናኦምን ናይ ስልጣን ቅድድሞምን ሓሊፎም  ንህዝቢ ዘዉቀይዎ ስለዘየለ  ብኻልእ ቛንቛን ኣገባብ ቃልስን ገጢምካ ንኽልቲኦም  ካብ ዘለዉዎ ከይቅጽሉን  ጠጠዉ ከተብሎምን ኣብ መስመር ሓፋሽ ከተእትዎምን ዝሓሸን ዝበለጸን ይመስለኒ ምኽንያቱ ዘምከንዎ ግዜ ስለ ዘይወሓደ ።

እስከ  ንናይ ክልቲኦም ሞጎት  ዝብልዎን  ዝገብርዎን ምስ ድሌት ህዝብን ስነ-ሞጎታዊ ሓቅን ኣወዳዲርና ንርኣዮ  ።

ህግደፍን/ሰዓብቶምን ፦———-ሃገር  ይብሉ ንሶም  መንግስትና እንተዘየልዩ  ሃገር  የላን ፡ ፖለቲካዊ መስመር ብዘየገድስ ‘’ መንግስትና  ‘’ በቲ ዝኸዶ ክቕጽል ኣለዎ ። ንመስመሩ ምንቃፍ ማለት ሃገር ምኽዳዕ ማለትዩ ።  ንጸላእቲ ኣሕሊፍካ ምሃብዩ ፡ሃገርና በዞም መራሕትናያ ቆይማ ዘላ ። ሕሉፍ ሓሊፎም እዉን በቲ  መራሒና እዮም ዝብሉ ።

ከምቲ ኻልድ ዓብዱ  ተባዕ ጋዜጠኛ ዝበሎ  ሰዓብቲ   ህግደፍ  ኣርሒቆም  እንተዝጥምቱን  ብሓቂ ደገፍቲ ሃገር እንተዝኾኑን  ነቲ መንግስትና ዝብልዎን ማዕረ ሃገር ዝሰረዕዎን  ካብ ጌጋኡ  ከድሕንዎን ይሓይሽ ዝብልዎ  ክገብር ከገድድዎን  ሃገር ካብ ዕንወት ከድሕንዋ  ንግዕዙይ ዲፕሎማሲኡ  ኣይፋል ክብልዎን ምተገበኤ በንጻሩ ግና በቲ ተናኻሲ ባህሪኡ  ክቕጽል፣ ስለዘጣቝዑሉ  ናብ እገዳን ኩኔኔ  ዓለምን  ከምዝሽመም ገሮሞ።  ዝገበሩ እንተገበሩ ድማ ካብዚ ታኼላዚ  ከዉጸእዎ ኣይከኣሉን ። ሓደ  ዝሰሓትዎ  ዓብን ኣገዳስን ጉዳይ ግና   ሕሉፍ ሓሊፉ  ንነብሶምን  ስድራቤቶምን  ዘዋርድ ፖሊሲ ይድግፉ ምህላዎም እዩ  ።ነዚ  ብዉልቂ ይኹን ብስድራቤት  ዝዓኑ  ዘሎ እናረኣዩ  ዋላ ትንፈርምበር ጤልያ  ዝዓይነቱ  መርገጺ ምሓዞም  ዓቢ ታሪኻዊ ጌጋ ይፍጽሙ ምህላዎምን ተጣዒሶም ክመልስዎ ዘይከእሉ ምዃኖም  ዘይምግንዛብ እዩ ።መንግስቲ ክተኻኻእ ስርዓታት  ክለዋወጡ  ብዓይኖም  ዝረኣዩን ዝሰሙዑን  ኤረ ገሊኦምስ  ስርዓታት ንምልዋጥ  ሂወቶም ዝበጀዉን  ምዃኖም ክትዕዘብ ከሎኻ  ንምግምጋሙን ምምዛኑንዩ ዘሸግረካ  ካብምንታይን ንምንታይን ስለምንታይን ንምፍላጡ የጸግም ። ብዙሕ እንተታትን ናይ ረብሓ ምኽኑይነትን ክለዓሉ ይኸሉ እዮም እዚኦም ግና መባድድልቲ ደም ህዝቢ ክኾኑ ከቶ ኣይክእሉን እዮም  ይቕረ ዝበሃሎምዉን ኣይኮኑን ።

      ልማዳዉያን ተቓወምትን ደገፍቶምን ከ ?          

ተቓዉሞ መስርሕ ምዕባለዩ  ብዘይ ተቓዉሞዉን  ምዕባለ  የለን  ። ነዚ ስነ-ሞጎታዊ ሓቂዚ  ንምርግጋጽ ግና  ቀይድን ዲሲፕሊንን ዘለዎ ብዲሞክራሲያዊ ሕላገቱ ዝልልለ  ንቑሕን ፖለቲካዊ ብስለት ዘለዎን  ጥሙር ሓይሊ  ምህናጽ  ግድነት እዩ ። ኣብ ሃገራዉያን ተቓወምትና ግና ሽታ ማይ ዩ ።ተቃወምቲ  ስነ-ሞጎቶም  ሃገር  ብኣና ክትምራሕ ኣለዋ ። ሰልፍና ወይ ዉድብና  መተካእታ  እዚ ሕጂዘሎ ስርዓት ክኸዉን ኣለዎ ። ምዉዳብና ኣዕቢና ዝለዓለ ኢድ ሒዝና ክንጸንሕ ኣሎና ስለዚ መተዓቢይትና  ወዲ ገዛዉትና ወዲ ሩባና  ካብዚ ሓሊፉዉን  ምስ  ኣካይዳና ዝሳነ  ክንሕዝ ክንቀዳደም ኣሎና ነዚ ንምፍጻም ድማ  ፋይናንሳዊ ዓቕምና ከነዐቢ ኣሎና  ተሰማዕነትና  ክብ ከነብል ክንጓየ ኣሎና  እዩ እቲ  መበገሲ ። እዚ  ስነ-ሞጎትዚ ንድሌትን ሃንቀዉታን ህዝቢ ንጎኒ ገዲፉን ዘንጊዑን ይሃልል ምህላዉ ዝተገንዘቡዎ  ኣይመስለንን ፡ ካብቲ  ስልጣን ናይ ህዝቢዩ ዝብል ዲሞክራሲያዊ መትከል ኣንሸራቲቶም  ናብ  ናይ ቀትሪ ሕልሞም ዘማዕደዉ ይመስለኒ ። ስለዝኾነዩ ድማ  ንህዝብን በጃህዝብን ክስየፉን ክብጀዉን ዘይተራእዩ ። ብሓጺር ኣብነት ኣብ ከባቢና  ሰሚናር ኣካይዶም ናይ ህዝቢ ንቕሓት ሓፍ ከብሉ ኣይተራእዩን፡ ድልዱል ማሕበረ-ኮም መስሪቶም ህዝቢ ጠርኒፎም ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ምኽታትን ዲፖሎማሲያዊ መኽሰባት ከኻዕብቱን  ኣይመከቱን ።፡ንሓድነቶም ኣብ ምትራር  ግቡእ እጃሞም ኣብ ክንዲ ምጽዋት ንዝተመስረቱ ኣብ ምፍራስ እዮም ተጓይዮም ፡ እዚን  ካልኦት ወርቃዊ ናይ ቃልሲ ምቹዋት እዋናትን ብምምካኖም ድማ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብሮም ኣይመስለንን ።

በዞም  ክልተ  ወገናት  ህግደፍን ስም-ለበስ ተቓወምትን ህዝቢ ዝተበደሎ ተመሳሳልነቱ  ኣብ ምምካን ግዜን ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዉን  ክሳራን  ቁጠባዊ ሃስያን ማሕበራዊ ዕንወትን  እዩ ።እቲ ዝፈልዮም እቲ ስልጣን ዝሓዘን  ቅሉዕ ቤት ማእሰርቲ ዘለዎን ገባርን ሓዳግን ክኸዉን ከሎ  እቶም ስልጣን ዘይሓዙ ኣብ ደገ ብስም ሃገረ ኤርትራ ዝነግዱን ሞያ ኣልቦ ምዃኖምን እዩ ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልኽላኽ ወቕቲ ተራ መንእሰይ  እንታይዩ  ፧፧፧፧፧?መንእሰይ  ሓድሽ ወለዶ መሃዚ ተበግሶኡ ወሲዱ ባዕሉ ንባዕሉ ተወዲቡን ንቕሓቱ ክብ ኣቢሉን ንርሑቕ ኣማዕድዩን ሃገር ካብዞም ክልተ ጎሓላሉ ከድሕና ሓላፍነት  ክስከም ኣለዎ።  መጋበርያ ናታቶም ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብራ ክቃለስ ኣለዎ።  ንዓታቶም  ግዜ ክምህሮምኳ እንተኾነ  ነቲ ግዜ ዘቀላጥፎን ዝጥቀመሉንሲ ንሱ እቲ ሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ መንፈስ ምስዝብገስ ጥራሕ እዩ ። ንቕሓት ወሳኒ እዩ ዓወት ድማ ናይ ግድን እዩ ።

ሞጎስ ታኺታ  ካብ ኮሎምቦስ  ኦሃዮ  ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • THE NOBLE TEACHER May 14, 2014

    ዝኸበርኩም ፣እቲ ኣነ ሓወቦኹም፣ ኣእምሮኹም ብለባምን ክሃንጾ ነቲ ዋለኻ ዝኾነ ኣእምሮኹም ትኸፍቱ፣,

    ኣነ ድማ ምስዚ ሓወይ ኣብ ላዕሊ ዝበሎ ዘይዋቓዕ መግለጺ ሃገር ክህበኩም።

    ከምቲ ኣቦ ትግራይ ትግርኚ፣ኣይተ ወለኣብ ወለማርያም ብመጀመርታ ዝበልዎ ፣እቶም ካብ ኩሉ ሸነኻት ክምሃሩን ንህዝቦም ክዕንግሉን ንድሕሪት ዘይብሉ ህወሓት ዝተኸተልዎ__መግለጺ
    ….ሃገር ማለት ሩባን ኩርባን ግራትን ዘይኮነ __እቲ ህዝቢ እዩ።ከመይ ሓቂ !!!
    ንኣብነት ድምበዛን ተሰዲዶም, ንድምበዛን ,ቃጣርያውን እንተዝሰፍርዎ ሽሙ ዋላ ናብ “ኣውላዲን ድምበዛኒዩን” ተባሂሉ ኣብ ዝኸዶ የብሉን። ዓዲ ዃላ ድማ ጀርመናውያን እንተዝትክእዎ __”ዱዘል ኳላ” ወይ “ዓዲዃላሸን” ተባሂሉ ምተጸውዔ ይኸውን እቲ ቦታ ግን ናብ ዝኸዶ የብሉን።እቲ ህዝቢ ግን ከምዚ ሕጂ ባዶ ዝተርፎ ዘሎ ኤርትራዊ ገዲፍዎ ምስ ከደ እቲ ሃገር ተደምሲሱ ማለት እዩ። __ስለዚ ንፉዓት ደቂ ሓወይ __ሃገራዊ ዝብሃል ከምዚ ከማይን ከማኹምን ዝኣመሰለ ናይ ህዝቢ ፍቕሪ ዘለዎ እዩ።እቲ ንሓደ ሰሙን ተዓሊሙ ብዘይድለቱ ን ኤርትራ ዝመጸ_እግሩ ዘይጭምት ደቡብ ኢትዮጵያዊ ከምባታን ኦሮሞን ሓሪድካ__ንድሙ ድሙ ሰኺርካ __ናደው ይመስክር እናበለ ዝዕንድር ዓማጺ ደቀንስትዮን_ጨዋይ ገባርን ደቂ ገባርን ኣይኮነን።
    My precious Nephews ,
    2000 yeatrs ago a son of true God came to earth ,heales the dead ,made the cripple walk ,& raised the dead….. but in unfair & unjust Refferendum..99.9% of the people sentenced him to be crucified..DOES THAT MAKE IT RIGHT BECAUSE ALMOST 100% voted this innocent son of God to be killed ?
    On the same manner because three million brain dead people sentenced their own kids to death & rape does not male it right !!!
    Quantity of idiots & brainless does not change the TRUTH !!!!
    At a certain point The Whole world believed the world was flat..until one truthful man (just like yours’ truly)disproved the erronious theory.He mast have been called Weyane ;Agame..for transmitting knowledge & wisdom ,intellect .SP THE TRAINED COWARD PSYCHOPATH SHAIBIYA TEGADELTI ARE NOT NATIONALIST BUT YOU & I, if course !!!

    ሃገራዊ ዝብሃል ከ መን እዩ ፧ I heard this on American talk radio::The best form of nationalism is oppose your country when it is on the wrong side of History !!!
    እቶም ንዓጋመ ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከእትዉ ሂወትኩም ሂወት መንእሰያት ኣብ ግሃነም እሳት ዝል ኣኹ መሃይማት ዘወርቲ ታክሲ ናይ ወጻ ኢ ፣ኣብ ሲናይ ወድኹም ጓልኩም ንነደዊን ክትዕመጹ ከለኽዑም ግን ን ኢሳያስ የላግቡሉ።
    ኢሳያስ ንነጻነት ዘይጎዶሎ ዓሻ ህዝቢ ከም ኮንዶም ተጠቒሙ ዘውዲ ኢትዮጵያ ክሕዝ ደልዩ ዝነበረ ሰብ እዩ።ክሳዕ ሕጂ እውን ተስፋ ኣይቆረጸን፣ ብሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ጌሩ ከባላሽወሎም ይጽበ ኣሎ፣ወያነ ነቀይ ክብሉ እሞ ብኣ ጌሩ ክኣቱ እዩ መዓልታዊ ዝጽዕር ።
    እቶም ተጋደልቲ ነበር ኮይኖም ወዲ ገራህቱ ኣጋግዩና ቀምሽ መስፍን ሓጎስ ዓንቂፉና ዝብሉ ድማ፣እሞ ንዓና እንታይ እዩ በልዎም።
    A Jew does not want to hear the heroism of Nazis or Hamas, Why do you fall to the Gedlna crap ???
    AS THE GERMAN SOLDIERS FOUND OUT ” I WAS JUST FOLLOWING HITLER’S ORDERS ? DID NOT FLY..this motherf***rs who tell you otherwise they are insulting you ???
    Where were they when intelle3ctuals from Akeleguzai were Being slaughtered ?? I know ,they were waiting for the bullshit independence !!!
    Where were they when my Geshnashim uncles were butchered by putting knife in their stomach & their heads..because they were selected to set up Qebele by Dergi ,,after Mudadas alcoholics “tactically withdrew” withdrew ???
    My nephews ,YOU ARE THE NATION & THE NATIONALISTS ..

    Excrusiating death to dead bandits & alive!!!
    ..please start with my relatives..unfortunatelly I am the only person remainning.

    • Tesfu Kidane May 15, 2014

      ኖብል ቲቸር ኢልካ ትኣቱ ከም ስምካ ኣይረኸብኩኻን። ስለምንታይ እንተበልካኒ ኵሉ ግዜ ብጅምላ ኢኻ ትዛረብ። ንተጋደልቲ ብጅምላ ትኹንን እንተ ኼንካ፡ ንሕናኸ ንስኻ ድማ ወይ ኩላቶም ሲቪል ኢሰፓታት እዮም፡ ኣብ ትሕቲ ደርግ ኮይኖም ምስኡ እናተሓባበሩ ሃገር ኣድምዮማ ወዘተ ወዘተ ክንብለካ፡ ወይ ድማ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ጨቋኒ ትብሎ ጭፍራ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገር ኴንካ ምቅላስ ቈርበትካ ክተድሕን ህዝብኻ ጠንጢንካ ዝሃደምካ በለጸኛ ኢኻ ዲና ክንብለካ፡ ወይ ከኣ ኣብ ደገ ትነብር ዝነበርካ ተረፍ መረፍ ናይ ህግሓኤ ወይ ተሓኤ መሳርሒ ዝነበርካ እንተ ዄንካ፡ ኣሕዋትና ነዚ ኣይተጋደሉን ኢልካ ኣብ ክንዲ ምቅላስ ኣብ ወጻኢ ዝሑልን ውዑይን እናማረጽካ ትነብር ዘለኻ ተበላጺ ኢኻ ክንብለካ ማለት ድዩ። ወዲሰብ ብዝፈጸሞ ገበን ጥራይ እዩ ተሓታቲ። ስለዚ፡ ኣብ ድሕሪ ሳይበር ተሓቢእካ ንሰብ ምውንጃል ሓሲብካ ግደፎ። በዓል ሓቂ እንተ ዄንካ ስምካ ብጋህዲ ቀሊዕካ ቁምነገር ዘለዎ ትሕዝቶ ጸሓፍ። ካብኡ በለ ኖብል ቲቸርዶ መንደፍዶ ብዝብል ስም መንነትካ ሓቢእካ ምጽሓፍ ፋይዳ የብሉን። ኣብ መወዳእታ ሓደ ተቓላሳይ ቅድሚ ኵሉ ንነፍሱ፡ “ኣነኸ እንታይ ገይረ ወይ እገብር ኣለኹ?” ኢሉ ክሓትት ኣለዎ። እስኪ ንገረና እንታይ ትባቝጥ ኣለኻ ንስኻ? ንኤርትራ እዝን እዝን ኣበርኪተ እስኪ በላ። ሓቂ እንተለካ ነቲ እጸልኦ እየ እትብል ስርዓት ተቓለሶ። ዘረባ ምብዛሕን ንዓኻን ከምዚ ከማኻን ዳንደታት ናጻ ከውጽኡ ንእስነቶም ዝኸፈሉን ደሞም ዘፍሰሱን ንጹሃት ተጋደልቲ ምስቶም ገበነኛታት ጸምቢርካ ኣይትወንጅሎም። ነውሪ እዩ። ፈሊኻ ተዛረብ ከምዚ ትብሎ ዘሎካ ኣይሰርሕን እዩ። ወይ ድማ ሓደ ትምህርትን ልቦናን ዝጐድለካ ሰብ ኢኻ ክትብሃል ኢኻ። ንለባም ኣምተሉ እዩሞ እዚ ወድሓንካ። ምሕረት የውርደልካ።

  • ተወልደመድኅን May 15, 2014

    ዝኸበርካ ጸሓፊ፡
    ኣብቲ ትሕት ኢሉ ዘሎ መግለጽታትካ ተቃውሞ የብለይን።
    ብዛዕባ ሃገር ዝብል ትርጉም ግን ንጹር ኣይኮነን መግለጽኻ፡
    ልክዕ ሃገር ማለት ሓደ ውሱን ጆኦግራፊያዊ ሕንጻጽ ማለት ዶባት ዘለዎ’ዩ።ግን ክሳብ ሎሚ ብሓደ ውሱንን ፍሉይ ባህልን ቋንቋን ዝቖመት ሃገር የላን።
    ብሕጽር ዝበለ ትርጉም ሃገር ፡ዚተፈላለዩ ህዝብታትን ቋንቋታት ምስ ባህልታት ይኹን እምነት ዘለዎም ህዝብታት ዝሓቖፈት ውሱን ጆኦግራፊያዊ ዶብ ዘለዋ’ያ።እቲ ሃገር ዘብላ ቀዳማይ እቲ ጂኦግራፊያዊ ሕንጻጽን ዶብን’ዩ።እዚ መነ ሂቡዎም ከመይ ኢሉ ተሃንጺጹ ናይ ታሪኽ ሕቶ’ዩ።መብዛሕቱ ኣቲ ታሪኽ ንድሕሪት ተመሊስካ ኢኻ ተናድዮ።እዚ ታሪኽ ከኣ ናይ መግዛእቲ ክከውን ይኽእል።ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ።ንሱ ከኣ ሃገር ህዝብታት ዝፈላልዮም ንድሕሪት ገዲፎም ተሓቛቒፎም ሃደ ታሪኽ ኣብዝሰርሕሉ እዋን ዝምስረት’ዩ። ንኣብነት ሃገረ ኤርትራ ክንብል ከሎና፡ኣቦታትና ኣብ ሽዕብ ገድገድን ማይ ኣዋልድን ኣንጻር ደርቡሽ ተዋጊኦም ስዒሮም’ዮም።ነቶም ዓመጽቲ መስፍንቲ ትግራይ ብሓባር ኮይኖም ተዋጊኦም’ዮም።ኣብቲ መግዛእቲ ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ማለት ካብ ምእታው ኢጣልያውያን ክሳብ ምውጻኦም ኣብ ውሽጥዚ ኣመራርሃ ብሃደ ጸኒሖም’ዮም።ብመንግስቲ እንግሊዝ ቆላ ኣኤርትራ ናብ ሱዳን ከበሳ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምቃል ዝተገብረ ዘፍሸሉ ኤርትራውያን ከኣ መበገሲኦም ካብቲ ክሳብ ሽዑ ኣጽኒዖሞ ዚመጹ ናይ ምትሕቓኡቛፍን’ዩ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ከኣ ምስቲ ሽዑ ዚነበረ ጌጋን ክሳራን ኤርትራዊ ደቂ ኩሎም ብሔራት ብሓደ ኢድ ን ኢድ ተተሓሒዞም ተቓሊሶም ታሪኽ ሰሪሖም።እዚ ታሪኽ’ዚ ዘይፈላለ ስለዝኮነ ነቲ ዝጸንሓ ኣመጻጽኣ ሃገረ ኤርትራ ዘጽንዕ’ዩ።
    ስለዚ ኤርትራ ዝተፈላለ ቋንቋን እምነትን ባህልን ዘለዎ ህዝቢ ዝሃቖፈት ሃገር’ያ።እዞም ኩሎም ህዝብታት ከኣ ኣብታ ውሱን ዶብን ታሪኽን ዘለዋ ሃገር ይጥርነፉ።
    ካብዚ ብምብጋስ ከኣ፡ሃገር ውሱን ዶብን ታሪኽን ዘለዋ’ምበር ውሱን ሓደ ዓይነት ህዝቢን ቋንቋን ዘለዋ ኣይኮነትን።

  • MEHARI Tekle May 15, 2014

    Dear Tesuf,

    Thank you for your wonderful comments. This guy is very useless (chew zayblu) has a great hatred with (serahti kiya) Tegadelti and all the Eritrean people as well. He is weird I think he is mentally abnormal.

  • MightyEmbasoyra May 15, 2014

    ስውእ ተዛሪቡ፡ ይዛረብ ወ፡ ከመይ ዘይዛረብ
    ሃገርን ህዝባን ተደቊሱ፡ ተረሚሱ፡ ተዳሂኹ፡ ክዕዘብ
    እወ ስውእቲ ተዛሪባ
    ደቃ፡ የሕዋታ፡ አዴታታ ‘ታይ ረኸባ
    ብድሕሬኣ፡ ኣትየን አብ ጸበባ
    ዓሪቀን፡ ተኸላቢተን፡ ጠሜን፡ አብ ክንዲ ዝጸግባ

    ሕብረን ተጀሊሑ፡ ዘይንቡር መሲለን
    ናብራ ደም ጥዒሙወን፡ ዘይ ናይ ቀደምን
    ከምዚ ኔርና ተበላ፡ መን’ዩኸ ክኣምነን
    ንዘይፈልጠን
    ኣበደን

    ኣንቱም ሰባት፡ ከመይ ድዩ ትነገር
    ቃል ስውኣት ክስበር
    ህልዋት ክጭፍለቁ፡ ክትበርስ ሃገር
    ዓመታት ሓሊፉ
    ብህግደፍ፡ ዕንወት ብ ምዕባለ ተሸሪፉ
    ሂወት መንእሰያት ተኾሊፉ
    ውጥን ወለዲ ተወንዚፉ፡ ተዓንቂፉ
    ብላሽ ተሪፉ

    ራኢ ናይ ስውኣት ከምዚ ኣይነበረን
    ሰብ ተንከስ መበሊ ስኢኑ፡ አብ ጸበባ ክቁረን
    ክድሃኽ፡ ክጭፍለቕ፡ ክዳጎን
    ብዘይገበን

    ከላ ከላ ግደፉኒ
    ሒጅስ፡ ስውኣት ከይወቕሱኒ
    ሕድሮም፡ ስለ ዝጠለምኩ
    ሕልምታቶም ስለ ዘየተግበርኩ
    ስውኣት ስለዘይደብስኩ

    ስድራ ጀጋኑ ዝሪኦም ስኢኖም
    ከምዝኸሰርኩሞ ኪዱ ተባሂሎም
    ተዋሪዶም፡ ካን ተኻሒዶም
    ዘይ ኢዶም

    እሞ፤ ከመይ ደኣ ስውኣት ዘይዛረቡ
    መቓብሮም ፈንቂሎም ተዝውጹ
    ኢድና አይኮነን፡ ኢድ ዝለዋህ ህዝቢ ኣይኮነን
    ኢሎም፡ ብዓውታ፡ መሬት መናውጹ

    አንታ ጠላም ኢሳያስ ክብሉ
    አንቱም ጠላማት ኮሎኔላት፡ ጀነራላት ክብሉ
    ካልኣይ ግዜ፡ በታ ክብርቲ ሂወቶም ክምሕሉ
    ንዝተበደለ፡ ኣለናልካ ኢሎም ሓሕ ክብሉ
    ሓበን ክኾንዎ
    ስርዓት ኢሳይስ ቦርቚቖም ክምሕውዎ
    ስርሒት ደቓይቕ ምኾነ
    ህዝቢ ምቐሰነ

    ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጨካናት ህግደፍ ተበይኑ
    ሰሙን ሰሙን ኣብ ዝሓለፍካዮ፡ ሓዘን ኮይኑ
    አለኹልካ፡ አጆኻ ዝብሎ ስኢኑ
    እንታይሞ፡ ስውእ ዘይትንስእ ኮይኑ

    ናይቶም ብሂወት ዘለና
    ዳርጋ፡ ከም ምውታት ኮይና
    ካን ብጠጠውና
    ስውኣት ሓዚኖም ብኣና
    እወ! ብኣና

POST A COMMENT