Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ!

ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ!   ናብታ “ጽናሕ ኣታ ስዲ ወዲ ሰበይቲ! ናብዛ ገዛ ገጽካ ኪትመጽእ እንዲኻ ከርእየካ’የ ስራሕካ!” እናበለት ኣብ ደገ ወጺኣ፡ ናብቲ ንእሽቶይ ሓወይ ደንጎላ ክትድርቢ ዝጸናሓትኒ ወላዲተይ ቅርብ ኢለ፡ ‘ከመይ ኣምሲኺ ኣደይ? ደሓን ዲኺ ደኣ ምሸት

ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ!
 
ናብታ “ጽናሕ ኣታ ስዲ ወዲ ሰበይቲ! ናብዛ ገዛ ገጽካ ኪትመጽእ እንዲኻ ከርእየካ’የ ስራሕካ!” እናበለት ኣብ ደገ ወጺኣ፡ ናብቲ ንእሽቶይ ሓወይ ደንጎላ ክትድርቢ ዝጸናሓትኒ ወላዲተይ ቅርብ ኢለ፡ ‘ከመይ ኣምሲኺ ኣደይ? ደሓን ዲኺ ደኣ ምሸት ምድሪ ኣብ ደገ ወጺእኪ ትጻረፊ ዘለኺ?’ በልኩዋ በቲ ጸላም ኩነታታ ክመዝን ዓይኒ ዓይና እናጠመትኩ። “እዋይ! መጺእካዶ ኣንታ የዕብዮ ወደይ? ደሓንዶ ውዒልካ? ኣይ እዚ ርጉም ሓውኻ እንድዩ፡ ብእዋኑ ምጻእ ባኒ ካብ ምምሕዳር ከተምጽእ ኢኻ ኢለ ከምዘይኣጠንቀቕኩዎስ፡ እነሀለካ ፈቐዱኡ ኪዘልል ኣምስዩ ደንጉዩ ስለ ዝኸደ፡ እዛ ርግምቲ ባዝራ (ኣንስተይቲ ፈረስ) ‘ኪድ ሰዓት ኣኺሉ’ዩ ባኒ የለን!’ ኢላ ጥራይ ኢዱ ሰዲዳቶ! ንጽባሕ ንግሆ ቁርስኻ ዚኸውን ከይቀረብና ኣንታ የዕብዮ ወደይ!” በለትኒ ጸርጸር እናበለት።
 
ምምሕዳር ናይ ገዛውትና፡ ብሓንቲ ባዝራ እትብሃል ተጋዳሊት ኣቢሉ’ዩ ካብ ሰዓት ሸውዓተ ክሳዕ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንሓደ ሰዓት፡ ንሓደ ሰብ ሓንቲ ባኒ ብኩፖን ዝዕድል። ኣብ ሰዓትካ እንተዘይ ተረኺብካ ድማ ‘ኪድ ባኒ የለን!’ ተባሂልካ ኢኻ ትባረር። ምኽንያቱ፡ እቲ ንኣኻ ተባሂሉ ብፍቕዲ ካብ ምምሕዳር ዝመጸ ባኒ፡ ብድሕሬኻ ንሰብ ገንዘብ ብዚተዓጻጸፈ ዋጋ ስለ ዚሽየጥ። ሽዑ ከኣ ባኒ ከምዚ ሎሚ ዋላ ውሑድ ይኹን ኣብ ድኳናት ይርከብ ኣይነበረን። ብዘይካ ኣብ ምምሕዳር ዋላ ኣብ ምልእቲ ከተማ ኰሊልካ ንፈውሲ ማሕላውን ትኹን ባኒ ዚብሃል ኣይነበረን።
 
‘እዚ ደኣ’ሞ እንታይ ዘሐርቕ ኣሎዎ ኣንቲ ኣደይ? ከም ቀደምኪ ገዓት ወይ ቅጫ ፍትፍት ዘይተቑርስኒ?’ በልኩዋ ነታ ነዲራ ዝነበረት ወላዲተይ ልባ ክመልስ እናሰሓቕኩ።
“እዋእ! ንሱስ ሓቅኻ ዝወደይ። ካብዚ ደንጎላ ባኒ ወዲ ዓከር ምምሕዳርውን ቅጫ ወላዲትካ ይሕሸካ! እንተ ኾነስ ሎሚ ንግሆ ‘ባኒ ቃሕ ኢሉኒ’ ስለ ዝበልካኒ’የ፡ ነዚ ርጉም ቈልዓ ኣብ ሰዓቱ ከይዱ ከምጽእ ተላብየዮ ኔረ’ሞ ኣይገበሮን። ባኒ ቃሕ ስለ ዝበለካሲ ብእንቋቆሖ ጌረ’የ ከቑረሰካ ሓሲበ ኔረ። ደሓን ጽባሕ ምሸት ምስ ኣምጻእና፡ ድሕሪ ጽባሕ ባኒ ትቖርስ ዝወደይ። ንዓናይ በል እቶ” ብምባል፡ መሪሓትኒ ናብ ካንሸሎና ኣተወት።
 
ኣነውን ሓቂ ይሓይሽ፡ መሊሳ ከይትሻቐል ነደይ ክነግራ ኣይደለኹን’ምበር፡ ናይ ብሓቂ ባኒ ቃሕ ኢሉኒ ስለ ዝነበረ፡ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ኣቢሉ ይኸውን፡ ናብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ፊት የማናይ ሸነኽ እንዳ ኣውቶቡስ ዘለዋ ብርኽ ዝበላ ድዃናት ኣትየ፡ ነቲ ጣውላኡ ተደጊፉ ኣስናኑ ኪምውጽ ዝጸናሓኒ ብዓል ድኳን፡ ‘ባኒ ግዳ ሃበኒ ዝሓወይ?’ ምስ በልኩዎ፥ “ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ ዝሓወይ!” ከም ዝበለኒ ዘኪረ ንበይነይ ፍሽኽ በልኩ። ባኒ ክሸጠለይ ዝሓተትኩዎ ብዓል ድኳን፡ ‘ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ’ ምባሉ ስለ ዘይተረዳኣኒ፡ ኣፈይ ከፊተ፡ ተዓኒደ እናጠመትኩዎ ከለኹ፡ ብድሕሪኡ ናባይ ቁሊሕ ኣይበለን።
 
ኣዒንቱ ብልዕለይ ናብ ደገ ብምልኣኽ ኣተኲሩ እናጠመተ ከኣ፥ “እዋይ ምስክነይቲ!” ብምባል፡ ርእሱ ንየማነ ጸጋም ነቕነቐ። ኣነውን ብዓል ድኳን ዓሚሉ ከየአንገደ፡ ብዘይተገዳስነት፡ “ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ” ዚብል መልሲ ሂቡ፡ ንደገ ይጥምት ስለ ዝነበረ፡ እንታይ እዩ ርእዩ ኢለ፡ ቀልጢፈ ገጸይ ናብቲ ዝኣተኹሉ ማዕጾ ብምምላስ፡ ንደገ ናብቲ እንዳ ኣውቶቡስ ገጸይ ጠመትኩ’ሞ ሓንቲ ቈልዓ ዝሓዘለት ኣደ፡ ነቲ ቁኖኡ ብምእራጉ ወንጪሩ ዝነበረ ርእሳ፡ ብኽልተ ኢዳ ሒዛ፡ ናብታ ሰባት ተጸቓቒጦም ዝድይቡዋ ዝነበሩ ኣውቶቡስ ተዓኒዳ ክትጥምት ተዓዘብኩዋ።
 
“ፈሊጥካ? እዛ ትርእያ ዘላኻ ሰበይቲ፡ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ድኳን ክኸፍት ከለኹ፡ ኣብዚኣ እያ ጸኒሓትኒ! ምስዞም ሪጋ ሒዞም ዝሓደሩ ሰባት’ያ ምስ ቈልዓኣ ኣብዚ እንዳ ኣውቶቡስ ሓዲራ ይመስለኒ። ጌና ከኣ ኣነሀለትልካ መምስ ዝመጸት ኣውቶቡስ ክትጓየ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት ኮይኑ! በቃ ጸሓይ ዓሪቡዋ። ኣንታ እንታይ እዩ ወሪዱና! ቈልዓ ሓዚላ ሰበይቲ እናረኣዩዋስ፡ ጠላዓት ሰብኡትን መንእሰያትን ደደፊኡማ ይኣትዉ!” ብምባል፡ ርእሱ ንየማነ ጸጋም እናነወ ብምግራም፡ ኣንዊሑ ፋጸየ። ‘እንታይ ትብል ኣታ!? ምሉእ ለይቲ ቈልዓ ሓቊፋ ኣብ ቊሪ ኣብ ደገ ሓዲራስ ክሳዕ ሕጂ ኣውቶቡስ ስኢና ቀንፈዘው ትብል ኣላ!?’ ተገሪመ ሓተትኩዎ። “በቃ! ሓዲራ ውዒላ!” በለኒ ብዓል ድኳን እንደገና ናብታ ኣብ እግሪ’ቲ ብእርጋን ተቐላሊጡ ዝነበረ ዓንዲ ናይቲ እንዳ ኣውቶቡስ ተጸጊዓ ኩርምይ ዝበለት ኣደ እናጠመተ።
 
‘ሓንሳብ በል! መጻእኩ’ ኢለዮ ብጉያ ናብታ ተኾርምያ ዝነበረት ኣደ ከይደ፥ ‘ሰላም ዝሓብተይ’ በልኩዋ። “መዓልካ ዝሓወይ” በለትኒ ከም ስንብድ ኢላ ኣንቃዕሪራ እናጠመተትኒ።
‘ናበይ ኢኺ ክትከዲ ደሊኺ?’
“ንተራእምኒ” በለትኒ ካብቲ ተኮርሚያትሉ ዝነበረት መሬት ብምትንሳእ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተት። ‘እዛ ኣውቶቡስከ ናበይ እያ ትኸይድ ዘላ?’ ምስ በልኩዋ ናብታ ኣብ ጎድንና ዝነበረት ሰማያዊት ኣውቶቡስ እናኣመልከትኩ ከኣ “እዚኣ?” በለትኒ ንሳውን ናብታ ሞተረኣ ‘ራንራን’ ተብል ዝነበረት ኣውቶቡስ ብየማናይ ኢዳ እናኣመልከተት።
‘እወ’ዚኣ’
“ንመንደፈራ እያ”
‘እሞ እንታይ ኴንኪ ደኣ ምሳኣ ክትከዲ ዘይትስቀሊ?’
“ከመይ ጌረ’ሞ ቈልዓ ሓዚለ ክጸቓቐጥ!? ወደይ ከይቀትሉለይ ፈሪሀ!” በለትኒ ናብቲ ኣብ ዝባና ሓዚላቶ ዝነበረት ከደራይ ጽቡቕ ቈልዓ ክሳዳ ጠውያ እናጠመተት።
 
‘ናብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ኣትየ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ!’ ብምባል፡ ኣብ ቅድሚት ደው ኢለ ኣጣቓዕኩ’ሞ ኣድህቦ ናይቲ ንጉዕዞ ተዳልዩ ዝነበረ ህዝቢ ምስ ሰሓብኩ፥ ‘ንዒ ደይቢ ዝሓብተይ?’ በልኩዋ ነታ ማዕጾ ናይታ ኣውቶቡስ ተደጊፋ ብሃንቀውታ ትጽበየኒ ዝነበረት ኣደ ቈልዓ። ኣብ ጎድነይ መጺኣ ደው ምስ በለት ከኣ፡ ‘ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ትርእዩዋዶ ኣለኹም ነዛ ኣደ? ከምዛ ዘላታ ቈልዓ ሓዚላ፡ ትማሊ ኣብዚ ሓዲራን ውዒላን። እንደገና ሎሚ ለይቲውን ኣብ ቁርን ኣስሓይታን ንኽትሓድር ንሽግርን መከራ ትዳሎ ኣላ። ስለዚ፡ መን ኣሎ ካባኻትኩም ቦታኡ ብምሃብ፡ ካብ ስቓይ ኣድሒኑዋ ዝዕወት ምሩቕ? ኣብ ርእሲ ዓወቱውን እዘን ሓሙሽተ ሚእቲ ቅርሺ ክስልሞ’የ።’ ምስ በልኩ ዓው ኢለ፡ ክልተ መንእሰያትን ሓደ ኣቦን ካብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ብድድ በሉ። ‘የቐንየለይ። እሞ ካብ ሰለስቴኹም ሓደዶ ኪወርድ?’ ምስ በልኩዎም ከኣ እቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ መንእሰይ ናባይ ገጹ መጸ።
 
“እዋይ! ኣንታ ከመይ ጌርካ ኣሳፊርካያ!?” ተገሪሙ ሓተተኒ’ቲ ብዓል ድኳን፤ ነታ ኣደ ኣፋንየ ናብ ድኳኑ ምስ ተመለስኩ፡ ናብታ ትብገስ ዝነበረት ኣውቶቡስ እናጠመተ። ‘ሓደ ዕዉት መንእሰይ ረኺብና፡ ቦታኡ ሂቡዋ!’ ምስ በልኩዎ ከኣ፡ “እምበኣር ኣማስይኡስ ናይ ብሓቂ ባህልን ልምድን ወለድና ዘየጥፍአ ለባም ሰብ ረኺባ? ከመይ ኣደንጊጻትኒ ኔራ ይመስለካ! ኣታ ወዲ ሎሚ’ኮ በቃ እንትርፎ ንኣይ ንዓቢ ወይ ንቈልዓ ዚብል ሰብ የለን! ገለ’ዩ ኮይኑ እዚ ህዝቢ! ቀደም ደኣ ከምኡ ዘይነበረ! ቅድሚ ጓለንስተይትን ዓቢ ሰብን መን ክሓልፍ! ኣየ ግዜ! ብቐዳማይ ኣደይ ትብለጽ ዝብሉወን ጎረቤትና፡ ኣብቲ እንዳ ላምባ ሪጋ ሒዝና ከለና እንታይ ኢለን ሓቲተናኒ እመስለካ?” በለኒ።
‘ህ፡ እንታይ ኢለናኻ?’
 
“ኣንታ ብርሂን ወደይ፡ እዚ ኣምላኽሲ እንታይ ጌርናዮ ኢና እዚ ኹሉ ስቓይ!? ንባኒ ሪጋ፣ ንኣውቶቡስ ሪጋ፣ ንእንዳ ጠሓኒት ሪጋ፣ ንእንዳ ስጋ ሪጋ፣ ንማይ ቦጥ ሪጋ፣ ንላምባ ሪጋ፣ ንኹሉን ኣብ ኩሉን ሪጋ! ኣንታ ብርሃን ዓይነይ፡ ኣብዛ ምድርስ ብሪጋ፡ ኣብ ጸሓይን ቁርን ብደሮና እናተደፈንና ዘይምሱል መሲልና ብምረት ነሕልፎ ኣለና! እዞም ኤርትራውያንስ ነቲ መንግስተ ሰማያትከ ብዘይሪጋዶ ንኣትዎ ንኸውን!?’ ኢለን ሓቲተናኒ።” ኢሉ ምስ ኣስተንተነ፡ ‘መንግስተ ሰማያት ብህግደፍ ስለ ዘይመሓደር ሪጋ የብሉንዶ’ሞ ኢልካየን? እንታይ ማለትካ ኢኻ ደኣኸ ባኒ እንተ ሓተትኩኻስ ‘ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ!’ ዝበልካኒ?’ በልኩዎ ፍሽኽታ ኣሰንየ ኣብ ጣውላኡ እናተደገፍኩ። “ኣብ ኤርትራ ከም ዘለኻ ኣይትፈልጥን ዲኻ ሳሓበይ?” በለኒ ንሱውን ቅልጥፍ ኢሉ።
‘እፈልጥ’ባ’ በልኩዎ ኣነውን ሕቶኡ ገሪሙኒ።
 
“እዋእ! ኣብ ኤርትራ ከም ዘለኻ ትፈልጥ እንተ ደኣ ኴንካ ደኣ’ሞ ከመይ ጌርካ ቀትሪ ምድሪ ናብ ድኳን መጺእካ ባኒ ትሓትት ኣለኻ!? ኣብዛ ሃገር ባኒ ካብ ዚሰኣን ክንደይድዩ ጌሩ ዘሎ!?” ብዓል ድኳን ተገሪሙ ሓተተኒ። ‘እዋእ! ከምድላይካ ከም ዘየለስ ይፈልጥ’የ፡ ግን ዋላ ንጨናድዩ ዘየለ?’ በልኩዎ ኣነውን ናብቲ ኣብ ዙርያ ድኳኑ መሊኡ ዝነበረ ቀንጠ መንጢ ኣስቤዛ እናጠመትኩ። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ምልእቲ ሃገር ባኒ ዚብሃል ብፍጹም ከምዘይነበረ ሰባት ክዛረቡ’ኳ ሰሚዐ እንተ ነበርኩ፡ ባኒ ኣሎዶ ኢልካ ምሕታት ኣገራምን ኣሰንባድን ኪኸውን ይኽእል’ዩ ኢለ ግን ኣይገመትኩን። ‘እሞ ሕጂ ደኣ ኣበይ ይረክብ?’ በልኩዎ እንደገና ገለ ንሱ ዚፈልጦ ሕቡእ ቦታ እንተ ሓበረኒ ኢለ፡ ብሕቶይ እናተሰከፍኩ ርግእ ኢለ። “መዓስ ዲኺ ወጺእኪ ሳሕበይ ካብዚ ዓዲ?” ዋና ድኳን ካብ ጽፍሪ እግረይ ክሳብ ጸጒሪ ርእሰይ እናጠመተ ሓተተኒ። ‘ብ1988 እየ ወጺአ።’
 
“ኣሃ፡ ሓቅኻ እንዲኻ ደኣ’ሞ! ናይ ሽዑ ባኒ እንዳ ኣልፋ፣ እንዳ ሃይለ፣ እንዳ ኣባ ግራይን እንዳ ራፌቶን እንድዩ ደኣ ተራኣዩካ! ዋይ ሓወይ! በል ጽባሕ ንግሆ ካብ ሆቴልካ ተንሲእካ ኣንጊህካ’ሞ ምጽኣኒ፡ ካብተን ምምሓዳር ንገዛና ዝህቡና ሓሙሽተ ባኒ፡ ንገዛና ቀጺዐ ኣብዚኣ ከጽንሓልካ’የ! ምጻእ ጥራይ!” በለኒ ብዓይኒ ድንጋጸ እናጠመተ። ‘ኖኖ! ካብ ኣፍ ስድራኻ መንጢልካ ክትህበኒስ ኣይደልን’የ! በቃ ደሓን የቐንየለይ። ቻው ከይደ’ ኢለዮ፡ ርእሰይ ንየማነ ጸጋም እናነቕነቕኩ ካብታ ድኳን ቀልጢፈ ወጻእኩ።
 
“ናይ ደሓን ዲኻ ደኣ ዝን ኢልካ የዕብዮ ወደይ?” ሓተተትኒ እታ ዘኪረ ደኒነ ክሓስብ ዘስተውዓለትለይ ኣደይ ትኩር ኢላ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተት። ‘ደሓን’የ ኣደይ። እንታይዶ ኮይነ’የ? ባባ ደኣ ኣይኣተወንድዩ ኣደይ’ በልኩዋ ቅልጥፍ ኢለ፡ ደጊማ ከይትሓተኒ ስለ ዝፈራህኩ። “ኣትዮም’ባ። እንተኾነ ሕጂ ቀቅድሜኻ ተሌፎን ተደዊላቶምሲ ‘ኣብዚኣ በጺሐ ኪመጽእ’የ’ ኢሎሙኒ ወጺኦም ኣለዉ። ቀልጢፎም ኪምለሱ’ዮም። ንዓ በዚኣ ኮፍ በል ዝወደይ” ብምባል፡ ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ሳሎን ኣመልኪታትለይ ናብ ካንሸሎ ወጸት። ‘ሕራይ’ ኢለ ኮፍ ምስ በልኩ ከኣ ካብታ ኣብ ኮሪዶር ናይቲ ዝነበርኩዎ ሳሎን ዝነበረት፡ ኣሕዋተይን ትዕበ እታ ሰራሕተኛናን፡ ደርፍታት ራድዮ ዛራ ዝሰምዓላ ንእሽቶይ ራድዮ፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ደርፊ ሰማዕኩ፥
 
“ከምዛ ቅጫ ዓተር ብላዕሊ እፈትወኪ
ከም *ጫልዖ ስርናይ ኣመና እሃርፈኪ፡                *ኣጸቢቑ ዘይነቐጸ ሸዊት ስርናይ
ገዛና ፍትውቲ፡ ናይ ቀደም ናይ ጥንቲ፡ ወኒ ትቕስቅሲ!
 
ዓይነ ብርከይ ሰድዮ ሰድዮ
ዘይንዓኺ እንታይ ኣሎዎ ዕዮ
ሕልምታተይ ሰድዮ ሰድዮ
ዘይጽባቐኽስ እንታይ ኣሎዎ ዕዮ!
*  *  *
*ኣርያም፡ ኣርያም ገዛና፡ ተወሪቑ ኣሎ ዙርያኺ   *ላዕሊ፡ ሰማየ ሰማያት
ሰማይ በጺሑ እቲ ስምኪ፡ ሰማይ በጺሑ ዝናኺ፡
ሽሻይኪ፡ ሽሻይኪ ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሑ፡
ልዳትኪ፡ ልዳትኪ ቀርኒ ሓርማዙ ሰቒሉ;
 
ኣነ ዝብሎ ንስኺ ትብልዮ ሓደ፡
መዝሙረይ ንግሆ ተንሲአ ዝደርፈኪ
ማህሌተይ ዓይነይ ዓሚተ ዝደግመኪ!” እትብል፡ ሽዑ ቀዳመይቲ ድያ ካለአይቲ ወጺኣ ተባሂላ ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ንሽልማት ዝበቐዐት ደርፊ ምስ ሰማዕኩ፡ ምስቲ ሽዑ መዓልቲ ኣብ ደገን ኣብ ገዛናን ዘጋጠመኒ ናይ ባኒ ምስኣን ኩነታት ኣዛሚደ፡ ነቲ ካብታ ራድዮ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ግጥምታት ናይ ብሓቂ ብእዝነይ ይሰምዖ ከም ዝነበርኩ ስለ ዝተጠራጠርኩ፡ ካብ ሳሎን ተንሲአ ናብታ ብትሑት ድምጺ፡ ብማዕዶ ዝሰምዓ ዝነበርኩ ራድዮ ቀርብኩ’ሞ፡ እንደገና እዝነይ ጸለኹ።
 
ሽሻይኪ፡ ሽሻይኪ ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሑ፡
ልዳትኪ፡ ልዳትኪ ቀርኒ ሓርማዙ ሰቒሉ
ክትብል ደጊመ ምስ ሰማዕኩዎ ከኣ መጀመርያ ብጥዕና’ቲ ደራፋይ ተጣራጠርኩ። ኣብዛ ፈውሲ ሞት ዋላ ሓንቲ ባኒ ብገንዘብካ ዘይትረኽበላ፡ ዜጋታታ ብኩፖን እናቐለበት ብድኽነት ትልኽ ትብል ዘላ ሃገርስ “ሽሻይኪ ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሑ!” ይብሃል’ዩ!?’ ብምባል፡ ከይተፈለጠኒ ስለ ዘድመጽኩ ከኣ “ተዳሂኻኒ ዲኻ የዕብዮ ሓወይ?” ኢላ እታ ኣብ ክሽነ ምስውሱው ትብል ዝነበረት ትዕበ፡ ናብቲ ደው ኢለሉ ዝነበርኩ ኮሪዶር ቅልቅል በለት። ‘ኣይተዳሃኹኽን ትዕበ ሓብተይ’ መለስኩላ ከም ሕፍር ኢለ።
 
‘እዋይ ዛንታ! ሃገር ብሰንኪ ቀይዲ በተኽን ስርዓት ኣልቦን ሸፋቱ ህግደፍ፡ ሕማቕ ስም ተለጢፉዋ ብእገዳን ወዲ እገዳን ኣብ ዓለም ስማ ከም ሕሱም ኣብ ዝኸፋኣትሉ እዋንሲ “ዝናኺ ሰማይ በጺሑ…፡” ይብሃል’ዩ!? ‘ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ!’ ስለ ዝተባህለትድዩ ዝናኣ ሰማይ በጺሑ!? ካድራት ህግደፍስ ደሓን ንጸሊም ጻዕዳ ኢሎም ንኽደርሱ ስራሖም ስለ ዚኾነ ይምሃዙ ንበል፡ እቶም ስነ ጥበበኛታት ዝብሃሉ ጓሶትን ቀለስትን ህዝቢ ክኾኑ ዝግብኦም ድምጻውያን ሃገርናኸ? ኩነታት ሃገር ኣብ ባይታ ብግብሪ ከመይ ከም ዘሎ ከየመዛዘኑ፡ ከም ፓፓጋሎ ዘዝተባህሉዎ ክደግሙ ክትሰምዕ ከለኻ ግን ኣዚኻ ትግረም! ምግራም ጥራይ ዘይኮነውን ብሓቂ ስነ ጥበበኛታት ሙዃኖምውን ትጠራጠር! ሎሚ ዓመት ብዓል ናጽነትከ ካድራት ምልኪ እንታይኮን የስምዑና ይኾኑ?’ ብምባል ድማ፡ ዝብሎ ስለ ዝጠፋኣኒ፡ ነዛ እትስዕብ ናይ ሓደ ገጣማይ ናዕታ ዘኪረ፡ ከምዚ ክብል ንኣኣ ብሕልናይ ደገምኩዋ፥
*   *   *
ድምጻውያን ኤርትራ ዓቢ ንእሽቶኹም
ንስኻትኩም እኮ ጓሶት ህዝቢ ኢኹም
ብምልኪ ክሳቐ ኣብ ማሕዩር ህዝብኹም
ፍንጭራዕ ክትብሉ ልግዐኡ ሰቲኹም
ብጓይላን ደበላን ተጥፍኡዎ ኣለኹም!
 
ህዝቢ ኣብ ቀይዲ ከሎ ከይዕንገል ሰሪሑ
ንግሆ ምስ ቆረሰ ዘይረክብ ምስሑ
ቆፎኡን መሶቡን እንከሎ ጥርሑ
መዘምራን ህግደፍ ብሓሶት ክትረብሑ
*
ጦብያ ናይ መላኺ ኣብ መድረኽ ክትነፍሑ *ኣብ ዓለም ዘየሎ ኣእምሮ ዝቐረጾጽቡቕ ነገር
ሽሻይ ኣሎ ትብሉ ከም ሑጻ ምብዝሑ!
 
ንብዓት ማይ ወዲኡ ህዝቢ ደም ነቢዑ
ኣእዛኑ ኣጽሚምኩሞ ከበሮ ክትወቕዑ
ውሑዳት ሰብ ዕጫ በይንኹም ክትበልዑ
ኣብ ጸላም እንከሎ ህዝቢ ተወጺዑ
ብርሃን ኮይኑ ኢልኩሞ ባና ተወሊዑ!
 
ካብ ሓደጋ ጥሜት’ወ ከድሕና ንነብሲ
ንቑጽ ባኒ ኣብ *ውጩ ጠሚዑ ኪዃሲ *ብማይን ብበርበረን ጥራይ ዝስራሕ ጸብሒድኻታት
ኣብታ መረበቱ ኣብ ጸላም ከምሲ
ጐርዞ ግን ኣብ መድረኽ ምልኪ ክትውድሲ
ሓሊፉሉ ኢልክዮ ሽሻይ ኮይኑ ራሕሲ!
 
ፍረ ጻማ ናይ ዓወት፡ ትኽክል’ዩ እዚ ዘረባ
ጻማና’ዩ እዚ ራህዋ ንንበሮ ብዓጀባ
ዘይውዳእ ሓጐስ ዘይረግፍ *ሕዮባ       *ጻዕዳ ዕምባባ ዘሎዎ ገረብ
ትሃንና ነውጽእ ነኹድደሉ’ዚ ከብከባ!”
 
እናበለ ህግደፍ ብልሳን ኣባጊዕ
ልብና ኣጐምጅዩ ቀልብና ኪዘርዕ
ኣብ ጥሙይ ከብድና ከስዐና ከጉስዕ
ተላሃዩ ኢሉና’ወ ክንዘልል ክንስዕስዕ!
 
ድምጻውያን ሃገርና ሓቂታት ንገሩ
ንውልቀ መላኺ ኣይተቀባጥሩ
ደጊም ነቒሉ ናብታ መቓብሩ
ብኣረጊት *ባልዋ ኣብ ራዕዲ ኣይትንበሩ   *ኣርሓ መፍለስ
ከምቶም ሓርበኛታት ወትሩ ክትዝከሩ
ህዝቢ ነባሪ ምስ ህዝብኹም ሕበሩ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 15-05-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Rahayta May 16, 2014

    Mesinas writes: “ኣንታ ብርሂን ወደይ፡ እዚ ኣምላኽሲ እንታይ ጌርናዮ ኢና እዚ ኹሉ ስቓይ!? ንባኒ ሪጋ፣ ንኣውቶቡስ ሪጋ፣ ንእንዳ ጠሓኒት ሪጋ፣ ንእንዳ ስጋ ሪጋ፣ ንማይ ቦጥ ሪጋ፣ ንላምባ ሪጋ፣ ንኹሉን ኣብ ኩሉን ሪጋ! ኣንታ ብርሃን ዓይነይ፡ ኣብዛ ምድርስ ብሪጋ፡ ኣብ ጸሓይን ቁርን ብደሮና እናተደፈንና ዘይምሱል መሲልና ብምረት ነሕልፎ ኣለና! እዞም ኤርትራውያንስ ነቲ መንግስተ ሰማያትከ ብዘይሪጋዶ ንኣትዎ ንኸውን!?’ ኢለን ሓቲተናኒ።” ኢሉ ምስ ኣስተንተነ፡ ‘መንግስተ ሰማያት ብህግደፍ ስለ ዘይመሓደር ሪጋ የብሉንዶ’ሞ ኢልካየን? እንታይ ማለትካ ኢኻ ደኣኸ ባኒ እንተ ሓተትኩኻስ ‘ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ!’ ዝበልካኒ?’ በልኩዎ ፍሽኽታ ኣሰንየ ኣብ ጣውላኡ እናተደገፍኩ። “ኣብ ኤርትራ ከም ዘለኻ ኣይትፈልጥን ዲኻ ሳሓበይ?” በለኒ ንሱውን ቅልጥፍ ኢሉ።
    ‘እፈልጥ’ባ’ በልኩዎ ኣነውን ሕቶኡ ገሪሙኒ።

    Welcome to “free Eritrea”, where things get worse by the day, thanks to Ghedli. Add to this the Arab slavery, identity crisis by burning Eritrean languages, the number of jails built, the number of refugees leaving the cursed land, the abuse of Eritrean women in the hand of hgdef and the camel driving Arabs …

    Only idiots will celebrate this Day of Slavery as “Liberation Day” after 23 years of slavery and destruction.

  • grimuna May 16, 2014

    Ajoka Berhane!!!!!!!!!!! HGDF will be scraped to the garbage bin as his predecessors. I can feel it in which we will wake that special morning of celebration. The question is: are we ready for the next phase of governance? I am not sure. About haven: Well, if there is haven, in which it must, at least for us as the most neglected creatures on earth, Eritreans, minus HGDFites and supporters, should be allowed to get in free ticket, irrespective of their penance. We have paid too much, hence compensation or pay back is fair game. Amen!!!!!!!!

  • silent May 18, 2014

    to the author: compliments for your tigrinya, not bad for somebody who has left the area
    in 1988.
    No one can deny that there are some difficulties in Eritrea yet considering the negative realities hovering over the country it is not that tragic as its enemies would like or hope to depict. 1993 an infant nation with meager financial possession or meaningful assistance from anyone, ruined infrastructure, no functioning institution etc. 1998 sustaining a declared destructive war followed by an unjust UNSC embargo..2002-2014 no peace no war and still living under the threat of being invaded
    again (the declared war not yet lifted), the conspiracy of a bunch of traitors etc. etc. are ugly circumstances that would kneel down any country (war related world history is a vivid witness).
    Thanks God the almighty, Eritrea is inhabited by magnanimous people led by exceptional
    individuals thus no scare-craw will ever see its capitulation.
    ሃገር ተጋጊኻ አለኻ፣ ዘብል ባኒ ስለዝጎደለ አይኮነን እንታይ ድአ፣ ናይ ደራሲ ጉድለት ንቅሓትን ብልሹው ልቦናን ዝሕብር እምበር፣
    …ንኹሉ አባይ ኤርተራ፣ ርኹስ ትፅቢትኩም ዘበት ክትሪኡዎ!
    ናፅነት ኤርተራ ንዘንተ ዓለም ክፅንበልን ክኸበርን እዪ!!!

POST A COMMENT