Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራን ሕጋውነቱን፡

23.06.16፡ ከምዝመስለኒ፡ እንሆ ኣብ ታሪኽና ካብ ዝተሰነደ ሎሚ’ውን ን5ይ ግዜ ናብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንቐርብ እነና። ህዝቢ ኤርትራ ብዝውንኖ ሓይልን ሕጋውነትን ዝተፈልጠ ምዃኑ እቶም ክብሉዎ ዘይደልዩ ከይተረፈ ይኣምኑሉ ኢዮም ። ሓያል ኢዩ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ናጻነት ክነብር ስለዘይ

23.06.16፡

ከምዝመስለኒ፡ እንሆ ኣብ ታሪኽና ካብ ዝተሰነደ ሎሚ’ውን ን5ይ ግዜ ናብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንቐርብ እነና።

ህዝቢ ኤርትራ ብዝውንኖ ሓይልን ሕጋውነትን ዝተፈልጠ ምዃኑ እቶም ክብሉዎ ዘይደልዩ ከይተረፈ ይኣምኑሉ ኢዮም ። ሓያል ኢዩ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ናጻነት ክነብር ስለዘይ ደሊ። ሕጋዊ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ሕጋውነት መሰረት ናጽነ ትን ሰላምን ምዃኑ ስለዝፈልጥ። ብኣተረጓጉማ ህዝቢ ኤርትራ ሕጋውነት ማለት ሰብኣውነት ምዃኑ ይእመነ ሉ። ብመንጽሩ “ሰብኣውነት” እንተ ኢልና “ሕጋውነት” ንብል ኣለና ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ ሰብ ኴንካ ብዘይ ሰ ብኣዊ ክብሪ ክንበር ከምዘይኽእል ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ ንኩሉ ህዝቢ ዘማእክል ንዋታውን መንፈሳውን ሕግታ ት ይውንን ህዝቢ ኤርትራ። ኩሉ ሰብ ድማ ትሕቲ ሕ ጊ ምዃኑ ይኣምነሉ። ማለት ማንም ዜጋ ትሕቲ ፈጣሪ ኡ ንልዕልና ሕጊ ይኣምንን ብኡ ይቕየድን።

ብሕጊ ንዝምእዘዝሲ ብሕጋውነት ክትከላኸሎ ይከኣል ። ሕጊ ጥሒሱ ንዝብድለካ ዓማጺኸ እንታይ ትገብሮ?

ነገር ሓይልን ድኽመትን ገዲፍና ህዝብና ዝኣምነሉ ኣፈ ታትሓ ግርጭት ኩሉ በደላት (ዓመጽ ከይተረፈ) ብቀ ዳምነት ብሕጋዊ መገዲ ክብዳህ ከምዘለዎ ኢዩ። ንሱ ምስዘይሰልጥ ካልእ ትሕጃ ዓይነት ቃልሲ (ከም ጎነጽ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ብልሓታት) ምጥቃም ሃብታም ተሞኩሮና ንርእሱ ምስክር ኢዩ። ዋሕስ፡ ሽምግልና፡ ውሳነ ባይቶ፡ ፍርድን መቕጻዕትን ዝኣመሰለ ገለ ካብቲ ፍሉጥ ሕጋዊ መስርሕ ኣፈታትሓ ግርጭታትና ምዃኑ ንዝክር።

ኣብ ሰነድ ታሪኽ ህዝብና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ሕጋዊ ቤት-ፍርዲ ዓለም ከምዝቐረበ’ውን ንዝክር። ንምጥቃሱ፦

1ይ፡ እቲ ኣብ እዋን ሓመሳታት ሃገርነትና ንምብርዓን መደብ ምቕሊ ምስተጠበበልና፡ ሃገርና ንምውሓስን ናጽነትና ንክጸ ድቀልናን ዝቐረበ ጥርዓን ነበረ። እንተኾነስ ሕቶና ከይተመለሰ ናብቲ ህዝብና ዘይደለዮ ምስ ኢቲዮጲያ ብፈደረሽን ክንቁ ረን ተገብረ። ከምቲ ንፈልጦ ውጽኢት ፈደረሽን ናብ ሰለስቲኡ መኣዝናት ማለት ናብ ሙሉእ ናጽነት፡ ሙሉእ ውህደትን ከምዘለዎ ብፈደረሽኑ ክረግእን ናብ ዝኽእለሉ ኩነት ከምርሕ ኣብ መስርሕ እንከሎ፡ ስርዓት ኢቲዮጲያ ዓለማዊ ሕጊ ጥ ሒሱ ብሓይሊ ስለዝለሓቐና ናብ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ከምዝተሰጋገርና ንዝክር።

2ይ፡ ሰውራ ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1991 ዓወቱ ብሓይሉኳ እንተዓተረ ሕጋውነት ክህልዎ ም እንቲ፡ ብ1993 ምስ ሕ/ሃገራትን ገዛኢትና ነበርን ብዝተገብረ ስምምዕ ናጽነትና ብጉቡእ መስርሕ ረፈንዱም ከምዘውሓስ ና’ውን ንዝክር።

3ይ፡ ናጽነትሲ ተረኺቡ። እንተኾነስ ሃገርና ድሕሪ ናጽነታ ከምቲ ትምኒትና ክትኮነልና ኣይከኣለትን። ፕረሲደንት ሃገርና ኣቶ ኢሳይያስ ነዛ ሃገር ካብ ሕግን ሕጋውነትን ኮሊፉ ነቲ ክሳለጥ ዝነበሮ መስርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ብምብርዓን ሃገር ና ብ ቀጻሊ ዘይሕጋዊ፡ ዘይኣድላይን ዘይዕዉትን ሓፈሻዊ ውግኣት ብምውላዕ ኣብ ዘየቛርጽ ሽኦል ደልሃመታዊ ኲናት ሸሚ ሙ ቁጠባና ከምዝባድም፡ ህዝብና ከምዝስደድ፡ ከምዝድኽድኽን ከምዝጸንትን ገይርና። እቲ ቀንዱ ንምጥቃስ ኣብ ግንቦ ት 1998 ምስ ኢቲዮጲያ ዝተገብረ ዶብ ዝጠንቁ ምስሕሓብ ኣይሕሱብ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ከምዘምራሕና ንጠቅስ። ኲና ት ከም ውሑስ ጥበብ ህላወኡ ዝመረጸ መራሒና ምስ ኩሉን ከባቢና ብዝወልዖ ባርዕ ከምተለብለብና ብምስትውዓል፡ በላሕቲ ሓርበኛታትና ንኩሉ’ቲ ኣብ ውሽጥና ዝወረደ ጥልመት ውሒጦም፡ ኲናት ድው ክብልን ዓለም በደለኛ ክትፈል ጠልናን ዶባትና (ከም ምስ የመንን ኢቲዮጲያን) ከተርጋኣልናን ብማለት ኣቤቱታና ዘቕረብናሉ እዋን ምንባሩ ንዝክር።

4ይ፡ ሃገር ኣብ ዘይትወጾ ዘይዕዉት ዓዘቕቲ ኲናት ሸሚሙዋ ጥራይ ከይኣክል፡ በሰላ ድሕረ-ኲናት ቀሊል ኣይነበረን። በ ቲ ሓደ ጠንቂ ኲናት ካብ ሱሩ ክንዲ ምፍታሕ ተወንዚፉ ከምዝተርፍ ብምግባር ነቲ ካብ ሞትን ስደትን ዝተረፈ ተረካ ብ ሕድሪ መንእሰይ ብኲናት ኣሳቢቡ ኣብ ዘየቋርጽ ግዱድ ዕስክርና ሸሚሙ ዘርም-ዘርሞ ከምዝተርፍ ገይሩ፡ ኣብ ርእሲ ለውጢ ዘድመጹ መሳርሕቱ ዝወሰዶ ጃምላዊ ሕየራ ዝገደደ መገዲ ዕንወቱ ኣምርሐ። መገዲ ጸሊም ጥልመት ዝመረጸ  መራሒ ንኩሉ ብሒም ዘዝበለ ዜጋ እናቀፈደን ቀተለን ፍጹም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምስከፍኣና፡ ኣቤቱታና ንምቅራ ብ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ማለት ዕለት 26 ሰነ 2015 ማዕጾ ውደብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝዃሕዃሕና ንዝክር።

 

5ይ፡ ዓለም ካብቲ ብድሮኡ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ሓርፋፍ ጸብጻብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኣቕረበት፡ ምስቲ ቁጥዐን ኣቤቱታን ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ኮምሽን ምጽራይ ገበናት ስራሓታ ብዝጸፈፈ ንከተቕርብ ዕማማ ንሓደ ዓመት ተናዊሕላ ብምጽንሑ እነና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ሓቅነት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘቕረበቶ ብእልፊ ተወሰኽቲ ግናያት ክ ንድርዕን ጸብጻባ ከነድምቕን ሎሚ ዕለት 23 ሰነ 2016 ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ ውድብ ህቡራት ሃገራት ብምቕራብ፡ ኮሙሽን ዘቕረበቶ ኣዝዩ ውሑድ ጸብጻብ ናብ ዝምልከቶ ላዕለዋይ ኣካል ሓሊፉ ገበነኛታት ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡ ንጠርዕ እነና።

ክቡራትን ክቡራንን፡

“ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርናኽ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከነቕርቦ ጉቡእ ዲዩ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ንሕቶና ባዕልና ክንምልሶ እንከለና “እወ ይካኣል” ዝብል መልሲ ኢዩ ዘለና። ስለምንታይ?

ህዝቢ ኤርትራ ከም ማሕበርተኛ ሕቡራት ሃገራት መጠን፡ ብጥልመት መራሕትና ንዝተሓረመና ሰብኣዊ ክብሪ ክንረክብ ናይ ምጥራዕ ሕጋዊ መሰል ስለዘለና ክንጥቀመሉ ይግባእ። ኣብቲ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከቢ ድ ገበን ብምዃኑ፡ ኣብ ርእሴና ዝፍጸም ዘሎ ድማ ግደፍ ንዓናስ ንከባቢና ዝለከመ ፋሉል ስርዓት ብምዃኑ ንጉዳይና ተ ደራቢ ርዝነት ይህቦ።

ኣብዚ ክለዓል ከምንሰምዖ መደናገሪ ሓሳባት ክመጽእ ይኽእል። ንኣብነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ሃገራት ብቀጥታ ኢዱ ከእቱ ኣይክእልን ኢዩ” ክባሃል ይከኣል ይኸውን። ቀንዲ ኣጋፋሪ ናይዚ ሓሳብ’ዚ’ውን ህግደፍ ከምዝኾነ ኣየማትእን። ግናስ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰትን ግህሰትን መሰላት ህዝቢ ከምተፈጸመ እንተኣረጋጊጹ፡ ብሞንጎኛታት ሳልሳይ ኣካል ይኹን ባዕሉ ብቐጥታ ምስ ተኸሳሲ መንግስቲ ተኸራኺሩ ብጥርዓናት ህዝቢ ክሕለቕ ግዴታ ኣለዎ። ብሓጺሩስ እቲ ዓገ ባት ከምተፈጸ ብዝጥቀመሉ ኣገባብ (ንኣብነት ኣብ ሃገር ኣትዩ ጭብጥታት ክእክብ) ከረጋግጽ እንተኽኢሉ ንኣፈታትሓኡ ንዕዑ ይምልከት። እንተ’ቲ ሓፋሽ ዘቕርቦ ጥርዓን’ሞ ኣባልነትና ዘፍቅዶ ሰብኣዊ መሰላት ስለዝተጋህሰ ክንጠርዕ ፍጹም ቅኑዕ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።

መንግስቲ ህግደፍ ድሮ ብድርኺት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይቅየድ ክጉስጉስ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ብናጽነት ናይ ል ኡላዊት ሃገር ዝተኸወለ ጓይላን ፋም-ጣጥን ድሮ ነቲ ደገፍ ሃገራት ዝረኸበ ከም ትግባረ ናይ 1997 ቅዋም፣ ምፍታሕ እ ሱራት ፖለቲካን ሃይማኖትን፣ ደረት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናይ ዋንነት ናጽነትን ኩሉ ዝውሰኾን ምትግበር ዝብል ጠለብ ሓፋሽ፡ “ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልኡላዊ ጉዳይ ሃገራት ክትኣቱ ኣይግቡእን” ኢሉ ክነጽግን ክዳረቕን ይስማዕ ኣሎ።

መቸም እቶም ከም በዓል መስከረም ኔትን ካልኦት ልሉያት ገተርቲ መጋረጃ ቀታሊናን ዝጣበቡዎ ከውልነት ርኢኹም ከ  ይገረመኩም ኣይተረፈን። ንሳቶም ኢሳይያስ ንህዝብና ብኣካሉን ከም ኩሊቱን ካልእ ዛንጡይ-ማንጡዩ ፈታቲሑን ከምዝ ሸጠና እናረኣዩ፡ ቤት መንነት ምዃኑ ስለንፈልጥ ኣባይትና ብቡልዶዞር ከዓኑ እናረኣዩ ናብ UN ምጥራዕና ንሃገር ኣሕሊፍ ና ነረክባ ከምዘለና ኣምሲለም ክጉስጉስሉስ ኣይገርመኩምንዶ? እንተዘይገሪምኩም እቶም ተኸላኸልቲ፡ ሰብ ረብሓ ሽያጥ ኣካላትና ምዃኖም ስለዝፈለጥኩም ጥራይ ምስ ዝኸውን ይመስለኒ!!!

ክቡራትን ክቡራንን፡ እቲ ብጉልባብ ልኡላውነትን ረብሓ ሃገርን ዝቀየደና ዛርቲ ክድዓት ሎሚ ብዘየማትእ ስለዝተኸሽሐ ፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ድማ መሰልና ንምኽባር ህግደፋዊ ጋኔን ክሽረጥ’ኳ እንተለዎ፡ ካልእ ኣማራጺ ቅድሚ ምንዳይና እንሆ ከምማሕበርተኛታት መጠን ተጠቀምቲ ናይቲ ዝግባኣና ዓለማዊ መሰል ሰብኣውነት ንምዃን ድምጽና ናብ ዝምከ ከቶ ላዕለዋይ ኣካል ሓሊፉ ክስማዓልናን ገበነኛታት ክፍረዱልናን ዝዓኣላማኡ ቃልስና ብሰላማዊ መገዲ ነቕርቦ እነና።

ሓሙስ ዕለት 23.06.2016 ዓ.ም፡

ክብርን መጎስን ንሃገርናን ህዝብናን!                                                                                                    ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና፡

ዓወት ንሓፋሽ!

ተስፋሚካኤል ኣብራሃ (ወዲ ጥሮታ) ፍራንክፉርት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • ኣይበልናብን'ዶ June 26, 2016

    ተጋግየ ክኸውን እኽእል።ግን ሽም ከምዝሕብሮ መን ምዃንካ ቅሩብ ትዝ እብለኒ ኣሎ።ካልእ ወዲ ጡሮታ እንተኾንካ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣይትገደሰሉ።እቲ ኣነ ዝፈልጦ ወዲ ጡሮታ እንተኾንካ ግን ኣንብቦ።ኣብ ኣቕሪብካዮ ዘሎኻ ጽሑፍ ተቃውሞ የብለይን፡ኣብ ቅድሚ ኦኣይንና ዘሎ፡ር ኡይን ትግብሩን’ዩ።ደላይ ፍትሕን ኣብ ኣኤርትራ ብግፍዒ ዝሕተቱ ከምዘለው’ሞ ናብ ፍትሒ ንምቕራብ ድጋፉ ንምሃብ ኣብዝተኣከበ ውጹዕ ኤርትራ ከኣ ዝኾነ ይኩን ተቃውሞ የብለይን፡እኳ ደኣ እኾርዕ።ምኽንያቱ ኣብ ርእሽ’ቲ ዘይተሰነደ ሕሉፍ ግፍዕን ናይ ሎሚ ኣብ ኣኤርትራ ዝግበር ዘሎ ግፍዒ፡ኣብ ስደት ስዒቦም’ውን ንስደተና ዝገብሩዎ ዘሎ ግፍዕን ጸይቕን ንርእዮ ስለዘሎና ኣብ ጽሑፍካ ተቃውሞ የብለይን።ተቃውሞይ ኣብ ተጋዳላይ ወዲ ጡረታን ድሕረ ባይታኡን’ዩ።እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ኩነታት ክፍጠርን ኣብዚ ጠርዚ ክብጽሕ ዝገበረ ስቕታ ህዝብና’ዩ።ህዝቢ ክብል ከለኹ ከኣ ኩሉ ብውሽጥን ብግዳምን ዘሎ፡ኣብታ ናይ ርእሱ ጉዳይን ኣብ ርእሰይ ኣይትብጸሓኒ ብምባል’ዩ።ኣዚ ግን መበገስ ኣለዎ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ካብ ዝነበረ ኣከያይዳ’ዩ።ናይ ግዜ ቃልሲ ከኣ ብፍላይ ባመሓዳድራ።ብሓጺሩ ኣብ ክፍሊ ህዝቢ ዚነበሩ ተጋደልቲ ዝገብሩዎ ዚነበሩ’ዩ።እቲ ኣብ ግንባር ዚነበረን ኣብ ካልእ ስራሕ ተዋፊሩ ዝነበረ ንግደፎ፡ብዘይካ ግንባሩ ንዓረርን ንካልእ ባህሪያዊ ጸገማት ምሃብ ሃሊፉ ዝክሰሰሉ መገዲ የለን።ህዝባዊ ምምሕዳር ተዋፊሮም ህዝቢ ዘመሃድሩ ዝነበሩ ግን፡ናይ ዋህስ ኣግብእ፡ነዓ ተሰራዕ ኢሎም ናብ ሽማግለን ናብቲ ዚነበሮም ፍርዳዊ ኣገባብ ዝቐርቡ ኣቦታትን ኣነባባሮምን ኣዳኺሙዎ’ዩ።ኣዳኺሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ኩሉ ክሃድምን፡ስቕ ክብል፡ካብ ወሃቢ ርእይቶ ካብ ኣብ ጉዳይ ኦኣዱ ተሳታፊ ካብ ምኳን ኣኼባ ተወዲአ ናጻ ዝኮነሉ ኩነታት ጥራይ ክር ኢ ዝጽበ፡ኣብ ዝኮነ ጉዳይ ዓዲ ብወለንታ ዚሳተፍ ካብ ጉዳይ ኦኣዲ ክሃድምን ክክወልን መሪጹ’ዩ።ብሓጺሩ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ዚነበሩ ተጋደልቲ፡ምዝጉብ ሕጊ ዘይነበሮም፡ኣብቲ ብሃፋሽ ውዱባት ኣኪብናዮ ኢሎም ጭብጥነት ዘይብሉ ፍርዲ ሂቦም ወይ ኣብ ጽንኩር ጉዳያት ዘሕለፍዎ ውሳነ ገለ ሰባት ኣይከውንን ይግባኝ፡ናብ ርእሴኹም ኣሕሉፉና ኢሎም ኣብዚ ሕጊ ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ሕጊ ህዝባዊ ግንባር ኢሎም ( ብዘይካ ወተሃደራዊ ሕጊ ህዝቢ ዘመሃድር ቦኣንቀጽ ዘተሰነየ ገበናዊ ይኹን ካልእ ሕጊ ኣብዘይብሉ ) ብምምላሽ ንህዝብና ደለይ ፍትሒ ክንዲ ዝከውን፡ደላይ ፍርሂ ክኸውን ጽቡቕ ገይሮም ሰሪሖምን ሚሂሮሞን’ዮም።ንስካ’ውን ብዙሕ ግዜ ግበር ውሑድ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዚነበርካ ነቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሃላለፍ ታሪኽ ዘለዎ ኣነባባር ህዝቢ ገጠራት ኤርትራ፡ነቲ ኒሕንን ብዛዕባ ጉዳይ ኦኣድካ ምዕጣቕ፡ኣብ ዋኒን ዓድካ ምስታፍ ዚ ኣመሰሉ ነዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኩነታት ከይውለድ ዝሕግዙ ባህርታት ተሓኺኾም ባዶ ዝኾነ ወለዶ ክዓቢ ነ’ቦታት ኣፎም ብምትሓዝ፡ንገሊኦም ናይ ስልታን ስስዕቲ ዚነበሮም ወይ ናይ መነባብሮ ድኽመት ወይ ኣብዝሃለፉ ስሮኣታት ተበዲልና ዝብሉ ሕነ ክፈድዩ ቅብል ንዝበልኹም ከም እሙናት ጌርኩም ተቀቢልኩሞም ምስ ኦም ኮንኩም ከኣ ኣብ ህዝብና ካብ ሃታቲ መሰሉ ናብ ስቕታን ፍርህን ከምርሕ ጽቡቕ ጌርኩም ሰሪሕኩምስ ተኦኣዊትኩም ኢኹም።ተረዳእ ንናጽነት ተባሂሉ ዝተጀመረ ቃልሲ እቃወም የለኹን።ሕጂ ክብሎ ዝደሊ ሎሚ ንስካ ደላይ ፍትሒ ኮንካ ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ ዝኾነ ጽሑፍ ጽሒፍካ፡ግን ኣነ ንባዕለይንባህርታትን ባህልታት ህዝቢ ቐንጢጠ ነዚ ገፋዒ ስርዓት ከምዚ ክስውድ ዝገበርኩ’የ ዝብል ሃሳብ’ዶ ይመጻካ።ነዚ ክሲ ዘቕርበልካ ዘሎ ሰብ’ከ እቕረታ’ዶ ትሓቶ።ኣዚ ማለት ብሰንኪ’ቲ ሕማቕ ፍርድታትኩም፡ብሕርቃን ድዩ ብጓሂ ወይ ካልእ ሕማቕን ሓጺር ውሳነ ወሲዶም ዘይቅኑዕ መርገጺ ወሲዶም ዝሞቱ ኣለው።ኣዚኣቶም ጽቡቕ ምምሕዳር ረኪቦም እንተዝኾኑ እዚ ኩሉ ኣይምኾነን።ኣዚ ወደሃንካ ፡

  • ክቡር ሓው ፣

    ከም ሓው እናኽበርኩኻ ነዚ ጽሑፍካ ግን ጡፍ እውን ኣይብለሉን።ምኽንያቱ ከብርሆ፣
    __ እቲ መጀምርያ ብዛዕባ ኤርትራውነት ጠባይና ዝገለጽካዮ ጽውጽዋይ ንሱ እዩ ቀዳማይ ጸገምና፣ንሕና ኤርትራውይያን ብዘይ ናጽነት ዘይንነብር ሰባት ዝበልካዮ፣ነጻነት ዘይጎደለና፣ነጻነት ከነናዲ በዕራብ ብሕልፊ ድማ ብግብጺ ተላኢኽና ኣንጻር ጥቕምናን ጥቕሚ ደቅናን ንጠፍእ ዕደታት ምዃንና ታሪኽና ይገልጾ፣ ነቲ ካልእ ትሕቲ መሬት ክለለና ሰማይ ዝሰቐልካና፣ እንዳ ጃህራ ድራረንሲ ሰለስተ ሞጎጎ ኣርሲነን ጾመን ይሃድራ ከም ዝብሃል ነበረያ ነበር ክምልስ ጊዜ ኣየጥፍእን።ንሕና ኣዋልድና ብኮሮኔላት ሙዳዳ እናተዓመጻ፣ኣወዳትና ብበደዊን እናተጋሰሱ ደቂስና ንሃድር ሕልና ዘይብልና መጻብብቲ መሬት ኢና።
    ነቲ ፌዴሬሽን ዝበልካዮ እወ ቅ ኡሩብ እዋእ ዘብል ስካፈ እኮ እንተሃለዎ፣ ህዝቢ ባሕረነጋሽ ብህልፊ እቶም ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ካብ ትግራይ 100.ooo ኣብ ሓማሴን ዝሰፈሩ ሓወቦታተይን ኣሞታተይን ታቤላ ሒዞም “ኢትዮጵያውያን ምዃንና እናፈለጥኩም ንምንታይ እንታይ ትደልዩ ኢልኩም ትሓቱና” ኢሎም ንሕቡራት መንግስታት ዘፍለጡ እዮም፣ህዝቢ ኣከለጉዛይ ብህልፊ ጅግና ህዝቢ ጸንዓድግለ ኢትዮጵያ ኣደይ ምስ በለ ኣይተመልሰን ኔሩ፣ጃንሆይ ምስ ፈሸለ እዩ ናብ ሻዕብያ ተጸጊዑ ምስ ቶርዓ ጸገም ስለ ዝነበረ፣ህዝቢ ሰራየ መቐጸልታ ዓድዋ ፣ገለን ካብ መንዜ (ዓደምሓራ) ዝመጸ ጸሩይ ዓሌት ኢትዮጵያ ኢሉ፣ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ህዝቢ ብሌን ኢትዮጵያ ሃገረይ ኢሉ፣ዳሕራይ ወትሃደራት ጃንሆይ ብዝገበርዎ ግፍዒ ኣሕዋቱን ኣሕዋትናን ኣስላም ተፈልዮም ክሕረዱ ምስ ርኣየ ናብ ጀብሃ ዝብሃሉ ሸፋቱ ኣምዚኑ፣ድሓር ብሰፈርቲ ከባሳውያን ብሌን (ወረቐት)ናብ ሻዕብያ ተሸይጡ።
    ሓንቲ ሕቶ ንምንታይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ወላዲታ ፌዴረሽን ኣትያ ??? ኣሜሪካ ተጻዊቶምልና ዝብሃል ጽውጽዋይ ፣ከምኡ እንተዝነብር ንምንታይ እቲ ፈደሬሽን ኣድልዩ ፣ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያዊ ጥራይ ዘይኮነ ኔሩስ ብጀጋኑ ደቁ ከም ዘርኣይ ደረስ፣ኣውዓሎም በርሄ፣ኣብርሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣገዶምን፣ኣብ ውግእ ዓድዋ፣ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ ዝተባህለሉ ሓማሴናይ ሓወቦይ __በሽሓት ዝቑጸሩ የውስጥ ኣርበኛ ተባሂሎም ኣብ ሻሸመኔ ቦታ ዝተዋህቦም ጀጋኑ ኤርትራውያን ምስ ጣልያን መሲሎም ብውሽጢ ውሽጢ ንኢትዮጵያ ወላዲትና ዝወደቑ ጀጋኑ፣መትብዒ ናይ ሓሶት ናይ ፍሒራ ደርፍን ድሙ ድሙን ከይደለዩ ብንቕሓትን ሓበንን ዝተዋግኡ ሜላዊ ምዝላቕን መኻልፍን ዝብሃል ኣብ ስትራተጂኦም ዘይርከብ ማሕበር ኣንድነት ወለደይ፣ ጀጋኑ ኤርትራውያን እዮም፣ ኣብ ከረን ካብ ትግራይ መጺኦም ንሰራዊት ግብጺ ሳላጣ ዝገብሩ ወለድና ፣ደቆም ንበደዊን ክንድበር ክርእዩ እናጕሃዮም ከምዚ ሓውና ነቲ ፍቱሕ ምዓንጣና ከም ጅግንነት ጌሩ ዘቕርቦ ዘሎ ኣብ መቓብሮም ዕግርግር ከም ዘብሎም ኣይጠራጠርን።

    • Wedi Hagher June 29, 2016

      “ህዝቢ ባሕረነጋሽ ብህልፊ እቶም ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ካብ ትግራይ 100.ooo ኣብ ሓማሴን ዝሰፈሩ ሓወቦታተይን ኣሞታተይን ታቤላ ሒዞም “ኢትዮጵያውያን ምዃንና እናፈለጥኩም ንምንታይ እንታይ ትደልዩ ኢልኩም ትሓቱና” ኢሎም ንሕቡራት መንግስታት ዘፍለጡ እዮም፣”

      ነጻነት ዝጎደሎ aka Cow Face (a hate monger Tigreyan)

      To readers:

      Please ignore this guy who keeps calling Eritrea ባሕረነጋሽ (according to him an Ethiopian province). He is one those who lived in Eritrea, treated by us as brothers and sisters, but because of a few bad among us who used to call them “Agame”, he has so much hate in heart. He think this is the right time to take revenge.

      • GOODBYE eritrea June 29, 2016

        Wedi Hagher/ወዲ ሃገር ,

        ኣብ ክንዲ ዘይትፈልጦ መበቆለይን ጠባየይን እትገልጽ፣ ነቲ ኣነ ዝጽሓፍክዎ እንተትምጉቶ መንእሰያት ብዝበልጽ ኣይምተማህሩን ዶ ኣይመስለካን ? እንድሕር ኣብ 19 ክፍለዘበን 100000 ኣቦታትናን ኣዴታትናን ካብ ትግራይ ዘይመጹ ኮይኖም ሞጉቶ።ኣነ ታሪኽ ተሞርኵሰ፣ነቲ ኣብ ገሽናሽም ዝርከብ ማህደር ተወኪሰ ድምበዛን ካብ ጎንደር ደምቢያ ከም ዝመጻእና ደጋጊመ ይገልጾ።እዚ እንታይ ዘሕምም ኣለዎ፧ ኢትዮጵያውያን ዝገብረና ተጋሩን ጎንደሬን ስለ ዝኾንና ኣይኮነን።የመን ኣዕራብ እዮም ስዑዲ ቃጣር ሶርያ እውን ኣዕራብ እዮም፣ግን ሃሃገሮም ኣለዎም።ምንም እኳ እቲ ክትዕ ኢትዮጵያውያን ዲና ኣይኮነን እንተዘይኮነ፣ ሓበሻ ምኳንና ዘረጋግጽ ጀመርትን ዓንዲ ሕቖን ናይ ኣቢሲንያ ንሕና ምዃንና እምበር ሓደ ቋንቋ ስለ ዝተዛረብና ኣይኮነን።ዳሕራይ ኣነ ኣብ ክንዲ ድምበዛናይን ወዲ ጉሕጭዓን ወዲ, ዓጋመ እንተድኣ ኮይነ እሞ ኤርትራውያን እንድሕር ኣተሓሒቶምኒ ፣ኣሕዋት ኣይኮንናን ክብል እንድዩ ዝግብኣኒ ??? ግን ከም ኤርትራዊ ትምጕት ስለ ዘለኻ ኣይሕዘልካን።ምንም እኳ ኣነ ኣእምሮን ሕልናን ስለ ዘለኒ ዓጋመ እንተመሰልኩኻ ሓማሴናይ እየ፣እንተዘይኮንኩ እውን መለስን ወያነን ነቲ ናይ ምጽወታ ነጻነት/charity independence ክፍርምዎ ከለዉ ንምንታይ ዓጋመ ዝመጽወቱልና ነጻነት ኣይንቕበልን ኢና ዘይበልና ???
        ሓው ወዲ ሃገር ፣
        ኣነ ሽፍታ ተጋዳላይ ኮይነ ንገባር ብሓይሊ ቅጫ ካብ ኣፍ ደቁ ኣየሕደግኩን፣ደቀንስትዮ ብሓይሊ ኣይዓመጽኩን።ፈልየ ንደቂ ኣውራጃ ደቡብ ኣየሕቀቕኩን፣ወይ ክሓቁ ከለዉ ሱቕ ኢለ ኣይርኣኹን፣ ብዝዕባ ነብስኻ ከምዚ ዝብሎ ዘለኹ ትብልን ኣይትብልን ንዓኻ ይገድፎ፣ ምኽንያቱ ስለ ዘይፈልጠካ…” እዚ ወዲ ራቢጣ ዝነበረ ጀበርቲ እዩ ወይ ማሕረስ ጸሊኡ ንሽፍትነት ዝወፈረ ሓማሴናይ እዩ” ኢለ ኣይፈርደካን፣ምኽንያቱ ዘገድሰኒ ርእይቶኻን ሕልናኻን እምበር ዘርእኻ ኣይኮነን።ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ኣላህ ጥራይ እዩ።
        I have officially changed my cyber name to goodbye Eritrea

        ርሑስ ሮመዳን ንኹሉ ህዝብና
        The brilliant Cow(ard) face

        • Wedi Hagher June 30, 2016

          “ኣነ ሽፍታ ተጋዳላይ ኮይነ ንገባር ብሓይሊ ቅጫ ካብ ኣፍ ደቁ ኣየሕደግኩን፣”

          Cow(ard) face

          Who is shifta ? : You and your cousins in Asmara.
          ‘Felitnaka alena anta kirdad !!!”

          • GOODBYE eritrea June 30, 2016

            Wedi Hagher,

            እቶም ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ካብ ትግራይ መጺኦም ኣብ ሓማሴን ዝሰፈሩ በዚሓኦም ወት ሃደራት ራእሲ ኣሉላ ዝነበሩ ሓወቦታተይ፣ክቡር ህዝቢ ጀበርቲ እውን ሽዑ ካብ ትግራይ ናብ ሰራየን ዝተፋላለየ ቦታታት ባሕረ ነጋሽ ኣትዮም እዮም፣ ስለዚ ኣነን ንስኻን ካብ ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ቀረባ ዝመጻእና ተጋሩ ኢና።ስለዚ ኣነን ንስኻን ክልቴና ዓጋመ ኢና።ሕጂ ከም ደም ዓጋመ ዘለዎ ለባም ምኽሪ ሃብ።ሜላዊ ምዝላቕ ድማ ንዓይን ንዓኻን ኣይምልከተናን እዩ፣ቆረጣ እዩ ዝምልከተና።ሳሞራ ብርቱዕ ጀበርቲ ትግራዋይ እዩ።ብታሪኽካ ኩራዕ ከምዚ ኸማይ።ጀበርቲ ማለት ትግርጉሙ ጸጋናይ ዘዔሪ ዘትዓርቕ ማለት እዩ፣ኩርዓሉ፣ካብ ስዑዲ ዓረብ ይምጻእ እምበር ክሳዕ ምስ ዓጋመታይ ሃጸይ ዮውሃንስ ዝቅሓሓር ሂወቱ ሙሉእ ትግራዋይ ኮይኑ ዝነበረ ክቡር ህዝቢ እዩ።
            ሕጂ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ከም ዘይውሓጠልካ ፈሊጠ።ድሓን ኣጆኻ ,ብሃጸይ ዮውሃንስ ዝፈጸሞ ንህዝቢ ትግራይ ኣይትፍረዶ፣ፍሉይ ጊዜ ኔሩ፣ሓሊፉ እዩ።ይቕረ ንብሃሃል

    • Fithiyesus June 30, 2016

      እንዳ ጃህራ ድራረንሲ ሰለስተ ሞጎጎ ኣርሲነን ጾመን ይሃድራ…….

      Gele gele hakitat tsihifka ekua ente aleka nay zerie guday aykonen shigr ertrawi……….dliet Natsinet nay Ertrawyan bGibxii (Egipt) ztebegese zbl hasab tirgum sienelu *Ertra leAreb attshetim wey haymanotkum bgenzeb atikumo wezete neti hasab dliet seb niminxag try zbhal eyu kemzi hji niana Etyopia eya bgenzeb liekatkum zbluna eyu
      Rigix yu ms ahwatna Etyopiawyan kuenina nezi denaqurn ayashu* HGDEFn degeftun) kinikalesom yigibae

  • Wedi Hagher June 28, 2016

    እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ኩነታት ክፍጠርን ኣብዚ ጠርዚ ክብጽሕ ዝገበረ ስቕታ ህዝብና’ዩ።ህዝቢ ክብል ከለኹ ከኣ ኩሉ ብውሽጥን ብግዳምን ዘሎ፡ኣብታ ናይ ርእሱ ጉዳይን ኣብ ርእሰይ ኣይትብጸሓኒ ብምባል’ዩ።ኣዚ ግን መበገስ ኣለዎ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ካብ ዝነበረ ኣከያይዳ’ዩ።ናይ ግዜ ቃልሲ ከኣ ብፍላይ ባመሓዳድራ።

    I don’t have words to express my appreciation to the writer of the comment above. He framed in few words the root causes of our current problems: silence and indifference.
    As ex-tegadalay myself I know what he is saying: “Jamahir” the units of EPLF public administration were implimenting Iseyas’ agenda.
    Since then we are in this situation of fear, reprisals and erosion of age old traditional values of solidarity and social justice.

Post a Reply to Fithiyesus Cancel Reply