Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ፍላደልፍያን ደላዋወርን ብሓባር መዓልቲ ሰማእታት ኣብዒሉ

መዓልቲ ምኽባር ሰማእታት ኣብቲ ቦታ ናይ ሎሚ  ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ'ተሎ። ቀዳማይ፣ ንመጀመርታ ግዜ ሙኻኑን፣ ፍናን መንእሰያትን ዓበይትን፣ ብፍላይ ከኣ ስደተኛታት፣ ሞራሎም ን ደሌቶምን  ናብ ንቡር ዝመለሰን ምንባሩ ፣ ካልኣይ ከኣ ፣ብመትከልን ከም መርኣያን፣  ኣብነት ኣብ ካልኦት ከተማታን ሃገራትን

መዓልቲ ምኽባር ሰማእታት ኣብቲ ቦታ ናይ ሎሚ  ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ’ተሎ። ቀዳማይ፣ ንመጀመርታ ግዜ ሙኻኑን፣ ፍናን መንእሰያትን ዓበይትን፣ ብፍላይ ከኣ ስደተኛታት፣ ሞራሎም ን ደሌቶምን  ናብ ንቡር ዝመለሰን ምንባሩ ፣ ካልኣይ ከኣ ፣ብመትከልን ከም መርኣያን፣  ኣብነት ኣብ ካልኦት ከተማታን ሃገራትን ዘሎ ህዝብና ንሙኻን፣ ኩሉ ዓቅሙ፣ ኣንጻር’ቲ መስዋኣቲ የሓውትናን ኣሓትናን ክንቱ ዝገበረ: ኣደዳ ስደትን ሞትን መጭወይትን ዝኾነ ለዋህ ህዝብና ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ ደው ንኽብልን፣ ብሓደ፣ ከም ሓደ ስሙር ደላይ ፍትሒ ኮይኑ ክሰርሕ ብጥርኑፍ ሓይሊ ክሰርሕ ምውሳኑ እዩ።

ንስለ’ቲ ዝተበደልን ዝተጠልመን ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ድሕነት ህዝቢ ብምባል ከም ሓንቲ ስድራቤትን መርአያን ንሙኻን ብግብሪ ክሰርሕ ተበጊሱ።

ኣብቲ  መዓልቲ፣ ሓንቲ ኤርትራዊት ስድራቤት፣ ነቲ ጽቡቅ መርኣያ ዝኾኑ ህዝቢ ብዝሓደሮም ዕግበትን ሞራልን፣ ሓደ ገዛ ምስ ኣርባተ መንበሩኡ ከም ኮሙንትይ ክንጥቀመሉን ብፍላይ ከኣ ነቶም ስደታኛታት የሕዋትናን ኣሓትናን ነገልግለሉ ክኸውን ን ዓሰርት ዓመት ብናፃ ክንጥቀመሉ ተወፍዩ።

ነዚ ክዉን ንምግባር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምድላው መዓልቲ ሰማእታትና ዝተገብረ ምድላዋት፣ ሜላታት ከኣ  ሮቦ ኮል መልክዕ ዓርቢ ሓርነት ዝሓዘ ኮይኑ ቀዳማይ ናብ ነፍስ ወከፍ ገዛ ዝተደወለ፣ ከምኡ ከኣ እቲ ሕልና ዘልዎ ኤርትራዊ ሎሚ እዩ ድሉውነትካ ዝረጋገጽ ዝብል መልእኽቲ እዩ ኔሩ ። ተስፋ ንገብር እቶም ሰብ ሕልናን ደለይቲ ጽቡቅን ሎሚ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣካል’ቲ ደላይ ጽቡቅ ክሕዙ። ሕጅምበር ጽባሕ ዝበሃሎ ከምዘይኮነ ብትሕትና ክንሓቶምን ኣካል መድሕን ህዝቦምን ሃገሮምን ክኾኑ ተስፋ ንገብር፣ ብሃንቀውታ ከኣ ንጽበዮም።

ሸግር ኤርትራ ሸግር ኩሉና እዩ። ኣንጻር ህዝብኻ፣ ብግዝኣዊ ረብሓኻ ምልዋጥ ግን ኣይግድን እዩ እሞ፣ ዳግም ነቶም ሸግር ህዝቦምን ሃገሮምን ረጊጾም መሳርሒ ናይቲ ኣረሜን ስርዓት ዝኾኑ  ገዲፍኩም ኣካል ህዝብኹም ኩኑ ንብል።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ን ሚካኤል አዶናይ ነቲ ዝገበሮ ለዋህ ን ርህርሑን ውፈያ ኣርት ” መልክዕ እታ ዘይትጠፍእ ሸምዓ” እዚ ዓመት ንዝኽሪ ስዉኣት ሓያል ምልዕዓል ዝገበረ ምስጋና ይብጽሓዮ ።

ዘለዋለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ጆርጅ ገብረስላሴ

አሜሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT