Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ

  ሰነ 9፡  2016 ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ንወለድን ምሉእ ቤተ-ሰብ ግዳያት ማእከላይ ባሕሪ- ፡ ናይ ኩቱር ሓዘንኩም ብጽኑዕ  ተኻፋላይ ምዃና ንገልጽ። ተኻታታሊን ቀጻልን ኮይኑ ጸኒሑ ዘሎ ሓዘንኩምን እህህታኹምን ዝዓርፈሉን ብሰላም ትድበሱሉን

 

ሰነ 9፡  2016

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ንወለድን ምሉእ ቤተ-ሰብ ግዳያት ማእከላይ ባሕሪ- ፡ ናይ ኩቱር ሓዘንኩም ብጽኑዕ  ተኻፋላይ ምዃና ንገልጽ። ተኻታታሊን ቀጻልን ኮይኑ ጸኒሑ ዘሎ ሓዘንኩምን እህህታኹምን ዝዓርፈሉን ብሰላም ትድበሱሉን ኩነታት ክኽሰት፡ ብሓሳብን ብግብርን ኣብ ጎንኹም ኣለና።

ኣብ`ዚ እንሓልፎ ዘለና ታሪኻዊ እዋን፡ ናይ ኣሻሓት  ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኣብ በረኻታት ሰሃራ፡ ኣብ ቀላያት ማእከላይ ባሕሪ፡ ቦታ ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ እስራኤል፡ ሲናይ ዝሳቐ ዘሎ ዜጋ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናበዝሔ፡ ኩነታቱ እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ። ከም ህዝቢ ክብረት ተነፊጉና፡ ኣብ ፈቐዱኡ፡ ብጨወይቲ ጅሆ ክንትሓዝ፡ ኣካላት ዜጋታትና ተዘልዚሉ ናብ ዕዳጋ ክወርድ፡ ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ፈቐድኡ ክዕመጻ፡ ቤተሰብ፡ ካብ ዘይብሎም፡ ንዝተጨወዩ ሰቦም ከድሕኑ ኣሽሓት ዶላራት ከፍስሱ፡  ልሙድ መዓልታዊ ተሞክሮና ኮይኑ።

እዞም ሕጂ ንዓለም ከይተረፈ ቅሉዕ ኮይኑ ዘሎ መቕዘፍትታት፡ ብፍላይ ድሕሪ ነጻነት ቀለልቲ ናይ ዘይኮኑ፡ ብድዕተታት፡ ማህሰይትታት፡ ግህሰታት፡ በቲ ስርዓት ክፍጸሞ ናይ ዝጸንሑ ውህሉላት ሳዕቤናት እዮም። ብዚተፈላለዩ  ምኽኒያታት ሂወቶም ዚሰኣኑ፡ ኣካላቶም ዚጎደሉ፡ ካብ መናብረኦም ዚተመዛበሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብማእሰርትን ካልእ ሓሳረ-መከራን ዚተበሳበሱ፡ ቅሳነትን ርግኣትን ተነፊግዎም ንክልብትና ስደት ዘምርሑ፡ ኣብ ናይ ስደት ጉዕዘኦም ንብዙሕ ሓደጋታት ዝተቓልዑን ኤርትራውያን ዜጋታት ኣሻሓት እዮም።

እዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ነጻነት ዘሕልፎ ዘሎ፡ ጨካን ኣተሓሕዛ፡ ካብ`ቶም ዝሓለፉ ተኻታተልቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ዝፈጸምዎ በደላት ዝመረረን ዝጨከነን`ዩ። ናይ`ቲ ስርዓት ቀንዲ ሽቶ ንብረሰት ናይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ`ዩ። ንልኡላውነት ኤርትራ ንምስራዝ`ዩ። ንታሪኻዊ መንነት ህዝቢ ኤርትራ ንምድምሳስ`ዩ። እዚ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጀመረ ወፍሪ`ዚ፡ ዝተዋደደን ዝተቓናበረን ናይ ብረስትን ዕንወትን ስትራተጂ`ዩ። ስለዝኾነ፡  ነዚ ዝኸሽፍ፡ ዝምክት፡ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ክንውንን ይህልወና።

ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ናይ ህዝቢ ብህዝብን ንህዝብን ምልዕዓል`ዩ። ሓቛፊ፡ ኣሳታፊ፡ ስለዝኾነ፡ ንስትራተጂ ናይ  ህግደፍ ብቐጥታ ዝምክት መስርሕ ህዝባዊ ቃልሲ`ዩ። ኣብ ጎኒ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ  ኤርትራውያን ተሰሊፉ፡  ኣብ ኤርትራ ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ኣረጋጊጹ ብሰላም ክነብረላ ዝኽእል ሃገር ንክሃንጽ ዘኽእሎ መስርሕ ናይ ቃልሲ ሕዙ ይነጥፍ ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ጻዕሪታት፡ ብመርማሪት ኮሚሽን ተበጽሑ ዘሎ ፍርያት፡ ከም ሓደ ኣዝዩ ክብ ዝበለ ምዕራፍ፡ ነቲ ቀንዲ ዝድለ ሽቶ ክጭብጥ፡ ዝያዳ ናህርን፡ ዝተዓጻጸፍ ተግባረ-ስራሕን ይሓተና ኣሎ። “ማሕረሻ ብውዕይታ“ ንበገስ! … ሰነ 23 2016 ኣብ ጀነቫ፡ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝዳሎን ዝሳናዳእን ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዓቢ ኣቓልቦ፡ ኩሉ መዳያዊ ሰፊሕ ተሳትፎ ክግበረሉ ካብ`ቲ ናይ ዓሚ ዝሓየለን ዝደመቐን ክኸውን ንጽውዕ። ንወደብቲ ናይ`ዚ ተባዕ ተበግሶ`ዚ  እና ኣሞጎስና፡ ኣብ ጎኖም ጠጠው ኢልና፡ ብወገናን ክነበርክቶ ንኽእል ኩሉ መዳያት ክንገብር ቅሩብነትና ነረጋግጽ።

ጎኒ-ንጊኒ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰነ 18 ወይ 19፡ ከምኡ`ውን፡ ኣብ ሰነ 25ን 26፡ ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪ፡ ሽምዓ ወሊዕና ክንዝክሮምን፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ሰሚናራት ክካየድን፡ ንነፍሲ-ወከፍ ከተማ ንጽውዕን ነተባብዕን።

ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ!

ደበስ ንወለዲ ግዳያትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን!!

ምሉእ ስዕረትን ፍሽለትን ንስርዓት ህግደፍ!!!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea June 10, 2016

    Every ONEt must do his/ her share. RIP, The primary cause of this disaster is the Eritrean regime, and we must work hard to ask the criminal to pay dearly.

POST A COMMENT