Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት!

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት!   እዞም ደቂ ህዝቢ፥   'ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንምሉእ ሓርነት' ንኹሉ ገምጊሞም ዘለናዮ ኩነት ኤርትራ ምስ ህዝባ ንኽትረክብ ድሕነት ዋጋ ከም ዘድሊ ክቡር መስዋእትነት፡ *ከተያ ክረክብ መግዛእቲ ባርነት          *መዕጸዊ፡ መዛዘሚ ኩልና ክንጥርነፍ ኣብ ጽላል ሓድነት ይጽውዑ ኣለዉ ከብቅዕ ምልክነት!   *ሃጥር ብምስኣኑ ደማሒ ዚቕንጽል   *ጅግና እንሆ ጥፍኣትና ብዕጽፊ

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት!
 
እዞም ደቂ ህዝቢ፥
 
‘ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንምእ ሓርነት’
ንኹሉ ገምጊሞም ዘለናዮ ኩነት
ኤርትራ ምስ ህዝባ ንኽትረክብ ድሕነት
ዋጋ ከም ዘድሊ ክቡር መስዋእትነት፡
*ከተያ ክረክብ መግዛእቲ ባርነት          *መዕጸዊ፡ መዛዘሚ
ኩልና ክንጥርነፍ ኣብ ጽላል ሓድነት
ይጽውዑ ኣለዉ ከብቅዕ ምልክነት!
 
*ሃጥር ብምስኣኑ ደማሒ ዚቕንጽል   *ጅግና
እንሆ ጥፍኣትና ብዕጽፊ ይቕጽል
ኣብ ሑጻ ንቕበር ኣብ ባሕሪ ንጥሕል
ብዙሓት ክነብዑ ውሑዳት ንዕልል፡
ኣብ ሓደ ሰሚርና ይኣክል ከይንብል
ፍትሒ ዝጠለበ ሓውና ከነቃልል
መፍቶ ህግደፍ ኴንና ጉዕዞና ዕንክሊል!
 
ልኡኻት መላኺ ሃገር ዝደወነ      
መሰለይ ተበለ ፍትሒ ዝሰኣነ
ከዳዕ ትሰምዩዎ ወይጦ ናይ ወያነ፡
ህዝብና ብሕሰም እናተበተነ
ስደቱ ንምግታእ ብዘይገለ ፈተነ
ንሲ ኣይ ኤ (CIA) ትኸሱ ወትሩ ብጠቐነ!
 
ሓራሳት ኣደታት ህጻውንቲ ቈልዑ
ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዓሳ ክብልዑ
መሳኪን ወለዶም ደም እናነብዑ
ጓይላ ተተኺልኩም ወትሩ ክትስዕስዑ፡
ኣእዛንኩም ጸሚመን ቃንዛ ከይትሰምዑ
ሰማእታት ጠሊምኩም ህዝቢ ካብ ትኸድዑ
ኣታ ኣይትሓፍሩንዶ ሽምዓ ክትውሉዑ!?
 
ኣቱም *ጒልሓይ ህዝቢ ልኡኻት ደማሒ  *ተላባዕን ቀዛፍን ሕማም ከብቲ
ወርቃዊ ዕድልኩም ናይ ሰለስተ ወርሒ
ከይትጥቀሙሉ ገበን መናስሒ
ነግ ፈረግ ክትብሉ ብጥቕሚ ብፍርሒ
ግዜ ይሓልፍ ኣሎ ትመርጹሉ ፍትሒ!
 
እዚ *ፋህም ህዝቢ ለዋህ ሓዳግ ልቡ        *ለባም፡ መስተውዓሊ
ህግደፍ ገበናትኩም እንከሎ ዘቕቢቡ
ይቕረ ካብ በለልኩም ንርሑቕ ሓሲቡ
ካብ ደም ናይ መላኺ ኣእዳውኩም ሕጸቡ
ጣዕሳ ዋጋ የብሉን መሬት ተዓሪቡ
ግዜኹም ከይሞተ ሎሚ ኣፈርክቡ!
 
ይቕረ ዝበለልኩም’ወ ህዝቢ ንኽትክሕሱ
ካብ መገዲ ጥፍኣት ንኸይትምለሱ
ኣሐንቂቖሙኹም ብዓል ንሕና ንሱ
ተንኰል ተዓጢቕኩም ደምና ከተፍስሱ
ህዝቢ ከይሓተኩም ባይቶኡ ፈሪሱ
ናይ ጨካናት ጨካን መላኺ ነጊሱ!
 
ህዝቢ ፈላሊኹም ብወገን *ብዘውጊ                      *ብሌላን ጉሌላን
ሓሳርን መከራን ኣወንዚፍኩም ከም *ፈርጊ              *ጋቢ
ኣሲርኩም ትርሽኑ ከየቕረብኩም ኣብ ሕጊ፡
ጽዕነቱ ኣኽቢድኩም ከም ናይ ቀውዒ ኣድጊ
ኣካሉ ኣቑስልኩሞ ገሪፍኩም ብሓለንጊ
ናይ ሎሚ ብኢሱ ካብ መግዛእቲ ደርጊ!
 
ድያብሎስ ኮይኑ’ምበር ዘየናሕሲ ገበል       
እዚ ዓቃል ህዝቢዶ ብዓመጽ ይብደል!?
ንሰላሳ ዓመታት ኣባዩ ክጋደል
ብቐሊል ዘይስገር ሓሊፉ መስገደል፡
ክንዲ ሓርነቱ *ብሽንሆት ዚጽንበል   *ብዘሐጉስ ነገር
ኣእጋሩ ኣሲርካስ ይብሃልድዩ ዝለል!?
ህዝቢ ይጠፍእ ኣሎ ኣሕዋት ዓገብ ንበል!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ፡ ኣካል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት 29-08-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Tess.Dereba August 29, 2014

    The best way to beat DIA and his regime is total and complete isolation from the World and its blind diaspora support. This makes the regime more and more desperate and exposes its lies and hopefully people can say enough is enough and march into his office and take him out & roast him alive. The other sad and hopeless thing is some of the so-called intellectuals have opted for life silence while poor Eritrea is disappearing from the map all together. Protecting the criminal DIA is not protecting the nation and its people. Eritrean people will tell you exactly when they have the right to say without coercion.

  • Habte K. August 30, 2014

    Dear Mesinas,

    What a great poem!!! Great way that tells the Eritrean problem in very precise and ellequent way!!!!
    Great job!!!!
    Hterrrrrrrrrrrrrrrrrrrrr!!
    Sewidddddddddddddddddddd!!!

  • Semhar August 30, 2014

    ህዝቢ ይጠፍእ ኣሎ ኣሕዋት ዓገብ ንበል!

    ሃየ`ባ ኢደይ ኢድካ ንበል !

    Amanuel and Assena team you forgot to post
    Interview with Yemane T/Gergish, former Member of the EPLF’s Secret Party & Intelligence – Part 6 – Please post it.

  • Awet Nihafash August 30, 2014

    MESINAS
    VERY NICE POEM.. AJONA TIRAY EMRI MILKI KIHATSR EYU… YIKERAREB KEMZELO ETOM DEGEFTI ENA ZIBLU `WN KIRDOM JEMIRU ALO
    AWET NIHAFASH- BGIBRI

POST A COMMENT