Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ስቱትጋርትን ከባቢኣን / ጀርመን

  ኣብ  ስቱትጋርትን  ከባቢኣን / ጀርመን  እንነብር ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራውያን  ድሕሪ  እቲ  ብዕለት 23 ሰነ 2016 ዓ.ም.ፈ  ብዓይነቱ ኮነ ብብዝሒ ተኻፈልቲ መወዳድርቲ  ዘይርከቦ  ድሙቕን  ሰፊሕን ኣብ ዙርያ ቀጽሪ ህንጻ  ውድብ  ሕቡራት ሃገራት ዓለም ጀነቫ/ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ

 

ኣብ  ስቱትጋርትን  ከባቢኣን / ጀርመን  እንነብር ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራውያን  ድሕሪ  እቲ  ብዕለት 23 ሰነ 2016 ዓ.ም.ፈ  ብዓይነቱ ኮነ ብብዝሒ ተኻፈልቲ መወዳድርቲ  ዘይርከቦ  ድሙቕን  ሰፊሕን ኣብ ዙርያ ቀጽሪ ህንጻ  ውድብ  ሕቡራት ሃገራት ዓለም ጀነቫ/ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ኣዎንታዊ  ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሽዑ ንሽዑ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ደኺምና ከይበሉ ንወርቃዊ ጊዜኦምን ጒልበቶምን ከይቖጠቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብምእካብ ንምእንቲ ሓልዮትን ድሕነትን ሕዝቦምን ትውልዲ ሃገሮምን ኤርትራ፡ ክላዘቡን ክረዳድኡን ጸኒሖም ኢዮም። በዚ ከኣ ንዂሉ ዕንቅፋትን ተጻብኦን ሰጊሮም ቅዋምን ውሽጣዊ መምርሕታትን ጥርናፌኦም  ኣዋዲዶም ብምጽፋፍ ቀዋሚት ሽምግለ ንምምራጽ ናብ ጒባኤ የምርሑ ኣለው።

ነዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዕለት 14.05.2017 ዓ.ም.ፈ ካብ ሰዓት  14፡00 ድ.ቀ ዝጅምር ኣብ Migrationszentrum Bad Canstatt, Spreuergasse 47, 70372 Stuttgart ቀዋሚት ሽማግለ ንምምራጽ ጒባኤ ክግበር ምዃኑ ከነፍልጥ ከለና ንሰናይን ቅዱስን ተበግሶ ኲሉ ኤርትራዊ  ዜጋ ብህልዊ ኲነታት ሃገሩን ሕዝቡን ዝሓምምን ዝግደስን ኣብ  ስቱትጋርትን ከባቢኣን ዝነብር ብኣካል ተሳቲፉ ወከልቱ ንኽመርጽ ብትሕትና ንምሕጸን።ርሑስ በዓላት ፋሲካ ይግበረልና ንሕዝብናን ሃገርናን ከኣ ምሕረቱ የውርድ።

! ብደሓን ምጹ !

 

ኣኽበርትኹም  ጊዝያዊት ሽማግለ   

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Merhawi April 11, 2017

    ዝኸበርኩም ኣዋሃሃድቲ ሽማግለ ህዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ስቱትጋርትን ከባቢኣን / ጀርመን – ኣቐዲመ ንትገብሩዎ ዘሎኹም ጻዕሪ ዓወትን ኣሳልጦን ይምነየልኩም። እዚ ከምዚ ዛኣመሰለ ህዝባዊ ምጥርናፋት እናበዝሒ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ጸላእቲ ሰናይውን ከምኡ ከምዝበዝሑን ክሕንኩልዎ ከምዝፍትኑን ኣስተብህሉ፣ እቲ ዝምረጽ ሰብ ታሪኹን ኣማጽጽእኡ ናብ ደለቲ ፍትሒ ንጹር ተኾነ ንስራሕኩም ሓጋዚ እዩ። ዓወትኩም ዓወትና ንይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ስለ ዝኾነ ኣጆኹም።

  • Zegay August 11, 2017

    ደለይቲ ፍትሒ ስቱትጋርትን ከባቢኣን
    ኣነ ኣብ ስቱትትጋርት ዝቕመጥ ኢየ። ስመይ ጸጋይ ወልደየሱስ ይብሃል።
    ኣብ ስቱትጋርት ዘሎ ተቓውሞ ዝጠቅም ኣይኮነን። ብነንሕድህዶም ዝበላልዑ
    ዝተፈላለየ ዕላማታት ዘሎዎም ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ዝቖመ እዩ።
    ዳንጋ ኣንተሃልይኩም ኣብ መንገዲ ባህሪ ንርእየኩም ቢለ ይዛዝሞ።
    ኣነ ባዕለይ ግና ኣብ ቃረና መንገዲ ኣንተዝበጽሕ እሞ, መንገዲ ክመርጽ እንተዝግደድ
    ናብቶም ደም ዝጸገቡ ክኸይድ ምመረጽኩ። ክሳብ ኣብ ከብዶም ዘሎ ዝሓቅቕ ናይ
    ምህዳም ዕድል እንተረኸብኩ።
    ኣብ ስቱትጋርት ከምዚ ከማይ ትሓስቡ እንተሃሊኹም
    zegwo@yahoo.com ክትረኽቡኒ ትኽእሉ።
    ብሓደ ሻሂ ምሰተና

Post a Reply to Merhawi Cancel Reply