Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ቃልሲ ሕጂኸ ናበይ?

እቲ ብውሽጢ ውሽጢ ኣብ ሓለፍቲ ሰራዊት ክባላልላዕ ዝጸንሐ ስዉር ተቓውሞ፡ ከም ምፍላሕ ዘይወድአ ብርቱዕ ስዋ ብዕለት 21/01/13 ነቲጕ። ኣብ ፈረንሳ ዝመደበራ ሬድዮ ኤረና ድማ፡ “ፎርቶ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዝቃወሙ ወተሃደራት ተታሒዙ..” ዝብል ረባጺ ዜና ፈነወት። እዚ

እቲ ብውሽጢ ውሽጢ ኣብ ሓለፍቲ ሰራዊት ክባላልላዕ ዝጸንሐ ስዉር ተቓውሞ፡ ከም ምፍላሕ ዘይወድአ ብርቱዕ ስዋ ብዕለት 21/01/13 ነቲጕ። ኣብ ፈረንሳ ዝመደበራ ሬድዮ ኤረና ድማ፡ “ፎርቶ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዝቃወሙ ወተሃደራት ተታሒዙ..” ዝብል ረባጺ ዜና ፈነወት። እዚ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ክወዳደሮ ዝኽእል ታሪኻዊ ፍጻሜ’ዚ፡ ካብ 200 ዘይበዝሑ ብክልተ ታንክታትን ረሻሽ ዝጸዓና ቶዮታታትን፡ ነቲ ኣብ ፎርቶ ዝርከብ ብስም ቲቪኤረ (ድምጺ ሓሶት) ዝፍለጥ ጃንዳ ህግደፍ ንመዕፈኒ ሓቀኛ ህሉው ኵነታት ዝጥቀመሉ መደበር ብምቍጽጻር ፈሊሞሞ። ብኡንብኡ መጋበርያ ኢሳያስ ዝኾነ ኮሎኔል ጸሃየ መኰነን ንወዲጽገ ዝብሃል ካልእ ኮሎኔል ኣሰንዩ ክዓግቶም ፈቲኑ። ኣብ ዝርዝር ከይኣተና ወዲሞክየ ብጥይት ተወጊኡ፡ ወዲጽገ ድማ ሽዑ ንሽዑ ብጥይት ተቐቲሉ። ተቓወምቲ ነቲ መደበር ብምቍጽጻር ንኹላቶም ኣባላትቲ ትካል ናብ ሓደ ቦታ ድሕሪ ምእካብ ንኣስመላሽ ኣብርሃ ነዚ ኣንብቦ ብምባል ሓደ ጽሑፍ ሂቦሞ። ኣቲ ጽሑፍ ስፍሕ ኢሉ’ኳ እንተ ነበረ፡ ገለ ኣባላት’ቲ ትካል ከይተፈልጡ መስመር ስለ ዝበተኹዎ ኣስመላሽ፡ “ቅዋም ናይ 1997 ክትግበር፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ድማ ክፍትሑ..” ምስ በለ እቲ ፈነወ ከም ዝተቛረጸ ይፍለጥ። ብዝኾነ፡ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግዜ ዓለም ምሉእ ደጋፍን ተቓዋምን በብዘገድሶ ምኽንያት ልቡ ተቘልዩ፡ ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ዘይፈንቀሎ እምንን ዘይኳሕኵሖ ማዕጾን ኣይነበረን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኵነታት ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ገለ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ ምንጭታት ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት፡ “እቲ ምንቅስቓስ ከም በዓል ጀነራል ወዲኤፍረምን መጀር ጀነራል ፍሊጶስን ተሳቲፎሞ ኣለዉ፡ እቲ ተቓውሞ ብዓርቢ ብኣኼባ ናይ ጀነራላት እዩ ተወሲኑ፡ ኣስመራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ ወተሃደራት ኣትያ ኣላ፡ ኢሳያስ ኣብ ቤትጽሕፈቱ የሎን፡ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ቤትጽሕፈቶም ተኸቢቦም ኣለዉ፡” ዝብል ኣፍካ ማይ ዝመልእ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ክኢሉ። ንጽባሒቱ ግን እቶም ምንጭታት ባዕሎም፡ “ገለ ናይ ሓበሬታ ጌጋ ከም ዝነበረ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝዓስከረ ሰራዊት ድማ ነቲ ምንቅስቃስ ንምፍሻል ዝተቐረበ ከም ዝነበረን፡ ወዲኤፍረም ድማ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዘይኮነ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ከደቍስ ብመጀር ጀነራል ፍሊጶስ ዝተኣዘዘዘ ብሪጋዴር ጀነራል ሓድሽ ኤፍረምም እዩ፡” ብዝብል ክእረም ተላብዮም። ኣብ ርእሲ ኣላታ ተወሰኸታ ከም ዝብሃል፡ ወይጦታት ጭፍራ ህግደፍ ሞራል ኰራኵሮም መሬት ክዘብጥ ስለዝረኣዩ ገለ ነገር ክገብሩ ነይሩዎም። ስለዚ፡ “ሓላፊ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ምድርን ተቐቲሎም፡ እቲ ኵነታት ብምርድዳእ ተፈቲሑ” ዝብል መናፍሕ ፈንዮም። ወኪል ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣርኣያ ደስታ ንባዕሉ፡ ዝኾነ ጸገም ከም ዘየሎ፡ እቲ ኵነታት ድማ ብምርድዳእ ከም ዝተፈትሐ ኣቃሊሑ። በንጻሩ ናይቲ ጭፍርራ ኣምባሳደር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከይሓፈረ ዝኾነ ነገር ከም ዘየጋጠመ ተዛሪቡ።
እቲ ኵነታት ናይ ሞትን ህይወትን ነይሩ’ኳ እንተ ዘይተባህለ ኣዝዩ ተሃዋሲ ስለ ዝነበረ፡ “እቲ ሓቂ ከምዚ እዩ፡ ርግእ በሉ፡” ኢልካ ነቲ ድሒሩ ዝተረኽበ ኣሉታዊ ሓበሬታ ንምህባ ዝከኣል ኣይነበረን። ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ኣብ ፓልቶክ ክትገልጾ ዘጸግም ድብልቕልቕ ዝበለ ኵነታት ነይሩ ክትብሎ ዘድፍር ሃዋህዉ ነይሩ። ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝጋጮ ሓበሬታ፡ ዝበዝሕ ካብኡ ድማ ካብ ሰናይ ድሌትን ባህግን ዝተበገሰ ምንባሩ ንምግማቱ ዘሸግር ኣይነበረን። ኣብ ሳልስቱ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ዳርጋ ኣለዋ ዝብሃላ ናይ ዜና ማዕከናት ዓለም ከቃልሓኦ ከለዋ፡ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ጥርቅም ኢሉ ቀንዩ። ብወገን ተቓወምቲ ውድባት’ውን፡ ብዘይካ ሃገራዊ ድሕነት ስፍሕ ዝበለ ትንታኔ ዝሃቡ ካልኦት ዛጊት ሕትም ኢለን ተሪፈን። እቲ ዘገርም እተን ዘዝረኸባኦ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክዝርግሓ ዝጀመራ ኣሰናን ዓዋተን፡ ብሰንኪ ምብዛሕ በጻሕቲ ዕልቕልቕ ስለ ዝኣተወን ክሳብ ሕጂ ልኵት ኢለን ኣለዋ። ስለዚ፡ እቲ እንኮ ሰብ ሓበሬታ ክለዋወጠሉ ዝኽእል ፈይስቡክ ጥራይ ኮይኑ ኣሎ። ህዝብና ክቱር ባህጊ ሰላም፡ ነጻነትን ፍትሕን ስለ ዘለዎ፡ ነቲ ስለ ፍትሒ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ብዓቢ ውጥረት ክከታተሎ’ዩ ቀንዩ። እቲ ጕዳይ ግን ማዕረ ባህጉ ዘይኮነ ከም ሓንቲ ለይለይ ኢላ ክትበቍል ዝጀመረት ተኽሊ ሃንደበት ብባርኖስ ወይ ብኣድገበቕሊ ተመንጪታ ካብ ሱራ ትምሖ፡ ዕምሪ ኣይገበረን ንግዜኡ ተቘጽዩ። ከም ኣጀማምራኡ ናይ ብዙሕ ሰብ ስምዒት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ወኑ ድማ ክግንፍል ተራእዩ። መርኣያ ናይዚ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዉ መንእሰያት ንኤምባሲ ጭፍራ ህግደፍ ብምቍጽጻር ነቲ ዕድመኡ ምሉእ ካብ ኵናት ዝሃድም ዝነበረ ወዲገራህቱ፡ እግረይ ኣውጽኒ ከም ዝብል ክገብሩዎ ከለዉ፡ ናይ ኢሳያስ ስእሊ ሰባቢሮም ደርብዮሞ፡ ክሳብ ፖሊስ ተጸዊዖም ዝመጽኡ ድማ ነቲ ቤትጽሕፈት ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሮሞ። ኣብ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ኢጣልያን ዝነብሩ መንእሰያት’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ብምውሳድ ናብ ኤምባሲሳታትን ቈንስላዊ ቤትጽሕፈትን ናይቲ ጭፍራ ብምእታው፡ ድምጺ ለውጥን ፍትሕን ከስምዑ ክኢሎም። ኣብዚ ሓደ ዝተጋህደ ተርእዮ እንተ ነይሩ፡ ኣብ ዲያስፖራ ኣዝዩ ብርቱዕ ናይ ቃልሲ ወኒ ኣሎ ክነሱ፡ ሰኣን ኣብ ሓደ ዝጠምሮን ዝውድቦን ኣካል፡ ግዳይ ህንጥያናን ስምዒትን ብምዃን ክሰምዖ ናብ ዝምነ ህዝቢ ተቐዪሩ ምህላዉ እዩ። ርግጽ’ዩ፡ ነዚ ዘስተውዓሉ ብዙሓት ሰባት ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ጐስጓሳትን ዝሕብሩን፡ ንኣሉታዊ ፍጻሜታት ተቐቢልና ቃልስና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክነደይብ ከም ዘለና ዝምሕጸኑን ውሑዳት ኣይኮኑን። ተቓወምቲ ወድባት ኣብነት ብምዃን ሓቢረን፡ “ቀዳማይ ዕላማና ኣንጻር ኢሳያስን ህግደፍን ምቅላስ ይኹን! ፍልልያትና ካልኣዊ ስለ ዝኾነ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ግንባር ተጠርኒፍና ቃልስና ነደንፍዕ! ንውድብካ ቀዳምነት ሂብካ ምስራሕ ንዮ ንበሎ! ወዘተ” ኢለን ክብገሳ ይግብአን። እዚ ግን ዘይከኣል’ኳ እንተ ዘይኮነ ቀሊል ግን ኣይመስልን።
ካብ’ዚ ናይ ዕለት 21 ጥሪ ምንቅስቃስ እንታይ ኢና ንመሃር? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። ብኵናትን ወረ ኵናትን፡ ብመስዋእቲ ደቁን ስደትን ዝሰክሐ ህዝብና፡ ደም ብዘይምፍሳሱ ብመጠኑ’ኳ እንተ ኣተንፈሰ፡ እቲ ምንቅስቓስ ንግዜኡ ተቘጽዩ ብምትራፉ መዓንጣ ከብዱ ሓሪሩ ከም ዘሎ ምስክር ዘድልዮ ጕዳይ ኣይኮነን። ምስቶም ዝተንቀሳቐሱ ደቁ ኣብ ጽርግያ ወጺኡ ሆ! ክብል ምደለየ ነይሩ። ግንከ፡ ናይ ሓበሬታ ጸገም ስለ ዘለዎን፡ እቲ ስርዓት እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ከም ዝህቦን ስለ ዝፈልጥ ከምኡ ምግባር ዝከኣል ኣይነበረን። ልዕሊ ዅሉ ግን ዝውድቦን ዘተባብዖን ክረክብ ነይሩዎ፡ ተንቀሳቐስቲ ድማ ብውሑዱ ንገለ ክልተ ሰለስተ ሰዓት ብቴለቪዥንን ሬድዮን መልእኽቶም ከተሓላልፉክኽእሉ ነይሩዎም። ስለዚ፡ እዚ ዝቐነየ ናይ ኣባላት ሰራዊት ምልዕዓል ቃልስና ናብ ሓደ ደረጃ ከም ዝሰገረን፡ ደጊም ኢሳያስ ከም ድላዩ ዝዕንድረሉ መድረኽ ከም ዘብቅዐን ኣግሂዱልና ኣሎ። ደጊም ህግደፍ ይኹን ኢሳያስ ልክዕ ናብ ዝነቕዐ ጥርሙዝ ከም ዝተቐየሩ ክፈልጡ ኣለዎም። ኣብ መንጎኦም ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ ሃጓፍ ካብ ተፈጥረ፡ ኢሳያስ ድሕሪ ሕጂ ንመን ኣሚኑ ንመንዩ ክኽሕድ ብዕቱብ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ’ዩ። እቶም ቀንዲ ኣርካናት ናቱ ማዕረ ንኽእለ ኣብ ሽርሒ እንተ ኣትዮም፡ እቲ ትሕቲኦም ይኹን ኣብ ጐድኖም ዘሎ እንታይ ክሓስብ ይኽእል??
ሓደ ካብዚ ምንቅስቓስዚ እንመሃሮ ነገር እንተ’ልዩ፡ ህዝባዊ ቃልሲ ልክዕ ከም ዝተደጐለ ሓዊ ምዃኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎን ኣብ ደገ ዘሎን ቃልሲ ድማ ኣብ ነንሓድሕዱ ከም ዘጸላለው፡ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ድማ ካብ ጌጋኦም ብምምሃር ብሕጂ ናብ ዝሓየለ ቃልሲ ከም ዝሰጋግሩ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ ሓቀኛ ህዝባዊ ባህሪ ከም ዝነበሮ ድማ በቲ ቅዋም ይተግበር፡ ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ ዝብል መትከላቱን ደማዊ ዘይምንባሩን ክልለ ይኽእል። ኣብ ዝኾነ ሃገር ሰራዊት ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ መጀመርያ ጠለባቱ ምቕራብ ወይ ድማ ብዝኾነ፡ ወላ ደም ከም ውሕጅ ኣፍሲስካ ስልጣን ምጭባጥ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ንዝለዓለ ቃልሲ ክቕረብ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዘለና ደለይቲ ለውጢ ድማ ብዝለዓለ ናይ ቃልሲ መንፈስን ተወፋይነትን ንቕድሚት ክንምርሽ ይግብኣና። ደጊም፡ ቃልሲ ህዝቢ ኣብ ዝባንና ምዃኑ ተገንዚብና ዓቕምና ዘፍቅዶ ብምግባር፡ ንጭፍራ ህግደፍ ትንፋስ ክንከልኦን ይግብኣና። ቃልሲ ክብሃል ከሎ ከም ገለ ሰንኰፋት ዝሓስቡዎ፡ ኣብ ኵርናዕ ተጸጊዕካ ብምጽናሕ ስልጣን ክትማቃራሕ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ምስ ሓፋሽ እሂን ምሂን እናተባሃሃልካ ጕልበትካን ገንዘብካን ኣድላዪ እንተ ኾይኑ’ውን ህይወትካ ምውፋይ’ዩ። ብመልሓስ ጥራይ ወይ ኣብ ድሕሪ ሳይበር መነነትካ ሓቢእካ ናይ ዘረባ ጨለ ብምዃን ዝመጽእ ለውጢ የሎን።
ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ!
እስጢፋኖስ ተሞልሶ
ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Weygud February 3, 2013

    Anti Gamey kuhlo Asmera do’ b’DMHIT t’hilo lebzemen hadi u alo (2).

  • mussie February 3, 2013

    Very good article Estifanos.
    Now we have to concentrate on the other cases of the struggle,
    Let us look at ourselves. 21 January has shown that the opposition is still lagging behind, lets pinpoint and adjust our struggle. The big question of alliances between the democratic movement is not answered yet.
    We need also to focus on the ongoing massacre and torture of our citizens in Sinai and other places.
    Lets also work actively to alienate the Bandit System in Asmara in the diplomatic areas.

  • HalewaSewra February 3, 2013

    ” Anti Are Kuhlo
    Asmera do b DEMHIT t’hlo
    Loms hadi’au’lo!! “

  • HGDEF February 3, 2013

    Individuals who tried to enter the Eritrean Embassy in Paris were given a warning not to come close to the embassy premises.

    Criminals who entered the Eritrean Community Cultural Civic Center and vandalize it were told by the court to pay the damage they caused and court expenses.

    Everyone is free to play the occupay game and commit suicide.

    Good Luck with your occupay!!

    • Semhar February 3, 2013

      As long as Isayas and HIGDEF rule Eritrea this will continue.
      The only solution is to get rid of Isayas, his son and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi and his sons.
      Eritreans should unite and get rid the tyrant Isayas, his son and his blind followers HIGDEF.
      Reply ↓

    • Endaboy Teages February 3, 2013

      Wow, what a fear strategy, agent of PFDJ

  • HGDEF February 3, 2013

    correction: Criminals who entered the Eritrean Community Cultural Civic Center in Oakland

    • Semhar February 3, 2013

      We must liberate all The Eritrean Community Cultural Civic Centers from the blind followers of the mad dog tyrant terrorist dictator of Eritrea.
      As long as Isayas and his blind followers HIGDEF rule Eritrea this will continue.
      The only solution is to get rid the terrorist Isayas, his son and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to terrorist Gadafi and his sons.
      Eritreans should unite and get rid the tyrant Terrorist Isayas, his son and his blind followers HIGDEF.
      Reply ↓

      • HGDEF February 3, 2013

        Hi Mister Tsemam hade derfu.
        Don’t compare yourself with the Libyans. Everyone of Simerr Heros was chased and robbed by a libyan child with with a nail clipper. Now in Europe you pretend to be courageous.

POST A COMMENT