Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ኣኼባ (መድረኽ ልዝብ) ንቀዳም ን9 ሕዳር ሰዓት 3፡00 – ንኤርትራውያን ተቐማጦ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን

ህዝባዊ ኣኼባ (መድረኽ ልዝብ) ንቀዳም ን9 ሕዳር ሰዓት 3፡00 ንኤርትራውያን ተቐማጦ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ጅምላዊ ህልቂት ይኹን ብመሰረቱ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ክወጹን ኣብ ስደት ዘጓንፎም ዘሎ ሓደጋታት ምርኩስ ብምግባር ንቀዳም

ህዝባዊ ኣኼባ (መድረኽ ልዝብ) ንቀዳም ን9 ሕዳር ሰዓት 3፡00

ንኤርትራውያን ተቐማጦ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ጅምላዊ ህልቂት ይኹን ብመሰረቱ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ክወጹን ኣብ ስደት ዘጓንፎም ዘሎ ሓደጋታት ምርኩስ ብምግባር ንቀዳም ዕለት 11/9/2013 ህዝባዊ ኣኼባ ንምግባር ብኣኽብሮት ንጽውዕ። እዚ ኣኼባ’ዚ ነቲ ብሰንኪ ካልኣይ መደብ ኣብ ሽምዓ ምውላዕን ግዳያት ንምዝካርን ዘቋረጽናዮ ኣኼባ መቐጸልታ ናይ’ቲ ብ10/13 ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ።

ዕላማ ናይ’ዚ ኣኼባ ከኣ፡

ነዚ ቀጻሊ መቕዘፍትን ስደትን ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ብወገን ህዝቢ ተቐማጦ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ተረዲእና መሰረታዊ ፍታሕ እንታይ ከምዝሓይሽን ብወገና ከም ህዝቢ ብሓባር ክንገብሮ እንኽእል ፍታሕ ንምልዛብ ይኸውን።

ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ  – 55 South State Avenue Indianapolis IN. 46201

ዕለት – ቀዳም 9 ሕዳር 2013

ሰዓት – 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራውያን ተቐመጥቲ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሽግር ንኩላትና ብማዕረ ዝብጽሓና ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ኢድና ኣጣሚርና ኣማዕዲና ክንርእዮ ዝግበኣና ጉዳይ ከምዘይኮነ ነፍሲ-ወከፍና ክንዓግበሉን ሕልናና ክንሓትትን ይግበኣና። ስለዚ፡ ነዚ ናይ መድረኽ ልዝብ ጸዋዒት ከም ናትኩም ጸዋዒት ጌርኩም ብተገዳስነት ኣብ ሰዓቱ ኣብ ቦታ ኣኼባ ክትርከቡ ብትሕትና ንምሕጸን።

“The Only thing that we have to fear is fear itself”  said FDR.

እታ ሓንቲ ነገር ክንፈርሃ ዘሎና እታ ፍርሂ ትበሃል እያ በለ” ፕረሲደንት ሩዝቨልት

ሰለዚ ንፍርሂ ስዒርና ኣብ ነጻ ህዝባዊ መድረኽ ክንርከብ ሓደራ ንብል!

ንዝያዳ ሓበሬታ 317/332-1584 ወይ 317/937-8317

deleyti.fithi@gmail.com

ማሕበር ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን

ኣብ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you November 4, 2013

    ዋይ ጉድ፦ ኣብ ውሽጢ ሃደ ዓመት 365 መዓልታት ዓለዋ። ኣብ ባሕሪ ላምፓዱዛ`ከኣ 365 ኤርትራውያን ብከንቱ ተቀዚፎም። እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ሃደ ዓመት መኣልታዊ ሃደ ሰብ ሞይቱና ማልት እዩ። ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ኣብ ካልእ ሃገር ከም ቱንዚያን ግሪክን ናይ ሃደ ውልቀ ሰብ ብዘኸተሎ ሞት ሳእቤን መንግሥታት ንክቕየሩ ምክንያት ከምድኾነ ተኣዚብና። ንህና ግን፣ ጸኣዱ ናይ ሽምኣ ዝክሪ ክገብሩ ስለዝረኣና፣ ብዝኽሪ ሽምኣ ጥራይ ነቲ ሕልቂት ክንርስኦን ሂሊናናን ከነቕስኖን ንፍትን ዘለና ኮይኑ ይስምኣኒ ኣሎ። ነቲ ነዚ ቕዝፈት ምኽንያት ዝኾነ ስርዓት ገዲፍና፣ ብሽምዓ ምውላእ ዝክሪ፣ ስድራ ቤት ስውኣት ክድበሱ እዮም ኢልና ንሃስብ እንትደኣ ኮይና፣ ኣዚና ነህዝንን ነህፍርን ሕዝቢ ኮይና ኣለና ማለት እዩ። ድሮ በቲ ዘጋጠመ ሕልቀትን ናይሕዝብና ምጽቃጥን ዝተኣዘበ ሕዝቢ ዓለም ከዋርደና ስልዝጀመረ፣ ኤርትራዊ ዘበለ ኹሉ ብሃፍረት ርእሱ ኣድኒኑ ምኻድ ጀሚሩ ኣሎ። ብወገነይ ካብ ነብሰይ ጀሚረ ነት ዝረኣኽዎ ኤርትራዊ ክንእቆን ክጸልኦን ጀሚረ ኣለኹ። ብሃቂ ኣብ ዓዲ ጀጋኑ ዶ ጀጋኑ ይሰኣኑ!?
    In a year there are 365 days, in Lampadusa 365 innocent Eritreans perished. That means in each day we lasted one citizen. But there is no reaction or concrete change. It seems we decide to stay passive even though we know in Tunisia and Greek a single person life lost when caused regime change. This is really shame to be Eritrawi.

  • Hidat November 4, 2013

    NEAKA BETI KULU NETFAT THRAH ZIEMT TIHUFATKA AKEDIMNA KEM ZENAKNAKA ZEIMFLATKA YEGUHI.

  • oromay November 4, 2013

    Hidat gdefyo iti kur’at aytkuni n’hzbi mendeat keywerdeki meat; tsbah n’gho tetelieki keyteiwoyi ab kir’at.

POST A COMMENT