Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ኣኼባ ንቀዳም ዕለት 17 ጥቅምቲ 2015

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ግሁድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስቃይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ይኹን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ካብ ማንም ዝተከወለ ኣይኮነን። ግፍዕታት ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ደረቱ ዝሓለፎ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ምጽናት

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ግሁድ ግህሰት ሰብኣዊ
መሰላትን ስቃይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ይኹን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ካብ
ማንም ዝተከወለ ኣይኮነን። ግፍዕታት ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ደረቱ ዝሓለፎ
ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ምጽናት ኤርትራውያንን ብርሰትን ጥፍኣትን ሃገርና ዝኣንፈተ ስለ
ዝኾነ ከም ሕብረተሰብ ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ዝኾነ ውልቃዊ ይኹን ጉጅለኣዊ
ድልየታትን ዝንባለን ብምውጋን ሓበራውን ሓያልን ተበግሶ ኣገዳሲ እዩ።
ስለ ዝኾነ ማሕበር ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ሆላንድ (ማ.ኤ.ሆ.) ዝተበገሰሉ ዕላማ
ሃገራዊ ባይታ ኣብ ምንጻፍ፣ ዜጋታት ሓቢሮም ንመሰሎምን ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ምትካልን ዕዙዝ
ተራ ክጻወት ትጽቢት ዝተነብረሉ ማሕበር እዩ። ነዚ ማሕበር ክተካይድ ዝተመዘዘት
ግዝያዊት ሽማግለ ሕጋጋት ኣብ ምንዳፍን ህዝባዊ ተበግሶታት ብምውሳድ ሓፍሽ
ክተነቓቕሕን ክትጉስጉስን ክተንቀሳቕስን ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ዕማማ ዛዚማ
ህዝባዊ ኣኼባ ትጽውዕ ኣላ። ንናይ ሓባር ረብሓ ኩሎም ዜጋታት ብውልቂ ይኹን
ብጡርኑፍ ከምኡ ውን ካልኦት ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ክዋስኡ ዝደልዩ ወገናት ብሓፈሻ
ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ነቲ ናጻን ርትዓዊት ኤርትራ ብሕግን ስርዓትን ትምራሕ
ሃገር ክርኢ ዝብህግ ኩሉ ዜጋ ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ድምጹ ከስምዕን
ወከልቱ ክመርጽን እታ ግዝያዊት ሽማግለ ብኽብሪ ትዕድም።
ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ከተማ ሮቶርዳም ጎደና ኼራርድ ስኾልተን ቁጽሪ 128፣ ዝጋባኣሉ
ሰዓታት ድማ ካብ 03:00 ክሳብ 06:00 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ ኩሉ ተሳታፋይ ኣብ ሰዓቱ
ክመጽእ ብትሕትና ንላቦ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ብኢመይል፥
dutcheritrean4change@gmail.com ክትወኩሱና ትኽእሉ።
ብደሓን ምጹ።
ግዝያዊት ሽማግለ ማ.ኤ.ሆ.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT