Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝብና ከይንውጽዕ

ህዝብና ከይንውጽዕ ምስ ሓራዲና አይንሳዕስዕ Tesfamariame W/giorgis 25/07/2014/Norway ጓይላ ንጓይላ ኮይና ተሪፋ ህግደፍ ዘይምሕር ሕማም ጸላኢና ይጎነፍ ንኣዳም ገረሞ ስንፍና ናይ ህግደፍ ሬሳ ረጊጾም ናብ ጓይላ ሃንደፍደፍ   ኣቲ ከውሒ ልባ ንጽጉም ዘይትሓሊ ደቃ ዘጥፍአት ትነብዕ ንሰኺ ትኳሓሊ ኣየሕፍረክን ምስ ደቂደቅኺ ክትዕውሊ መሕፈረኪኳ ምስ ሕጻና ቆልዑ ክትዘሊ   ዕድሚኤን

ህዝብና ከይንውጽዕ

ምስ ሓራዲና አይንሳዕስዕ

Tesfamariame W/giorgis

25/07/2014/Norway

ጓይላ ንጓይላ ኮይና ተሪፋ ህግደፍ

ዘይምሕር ሕማም ጸላኢና ይጎነፍ

ንኣዳም ገረሞ ስንፍና ናይ ህግደፍ

ሬሳ ረጊጾም ናብ ጓይላ ሃንደፍደፍ

 

ኣቲ ከውሒ ልባ ንጽጉም ዘይትሓሊ

ደቃ ዘጥፍአት ትነብዕ ንሰኺ ትኳሓሊ

ኣየሕፍረክን ምስ ደቂደቅኺ ክትዕውሊ

መሕፈረኪኳ ምስ ሕጻና ቆልዑ ክትዘሊ

 

ዕድሚኤን በሊዑ ህግደፍ ዘጎበጠን

ዕለተን ዝወደቐ ተጠቒሙ ዝደርበየን

ነብሰን ዘተዓሻሽዋ ቅብኣት ተለኽየን

ቆናጁ ክመስላ ውሽጠን ንዘይፈልጠን

 

ፈጣሪአን ረሲዔን ዘምልኻ ንወደፎርቂ

ዓለም ዝፈንፈኖ ሰይጣን ዝቐብኦ ጸይቂ

ብዘይካ ናዕቢ ሁውከትን ዘይፈቱ ዕርቂ

ሕማቕ ፍጥረት ንህዝቡ ኣግሂዱ ዝሳቒ

ሰይጣን ዝሰረረክን ብዓል ኣደይ ምንያ

ኣብ ዓዲ ዘለዋ ኣደታት ይነብዓ ይበኽያ

ኣባቕል ህግደፍ ግን ከይሓፈርክን ትለሃያ

ራህዋ ሰላም ምስ ኮነ ታይኽን ተመኽንያ

 

ከምኡውን ኣናብስ ጉብጥሽ ኣናብስ ክሽነ

ሕቡኣን ፈላስፋታት ብዓል ኣነ ፈልጥ ኣነ

ናይ ማዕዶ ወራዙት ተጠራጠርቲ ዕነምነ

ኔው በሎ ፍርሒ ይቀላቐልላሎ ሰናይ ቅነ

 

እርደኣና ኣሎ ከም ትሳቐዩ ብሀዝብኹም

ከምትሓስቡ ድቃስ ከምዘይ ወስደኩም

ከም ትጉህዩ ከም ትሓዝኑ ብውሽጥኹም

ዓው ከይትብሉ ግን ንህግደፍ ፈሪሕኩም

 

ግን ፈሪሕካ ተምጽኦ ምዕባለ ኣይተራን

መሰለይ ከይትብል ብሕቶን ብመልስን

ኣታሊሎሙኻ ብጓይላን ብሳዕሲዒትን

ህዝበይ ከይትብል ዘርሞ ከምትኸውን

ትሰምዑዎኹም ኣብ ዓዲ ዘሎ ኩነታት

ሃገር ተቐይራ ናብ ሓዘን ናብ ብኽያት

ጠቐር ተኸዲነን ኤሪትራውያን ኣደታት

ንኹሉ ንጹርዩ ኣየድልዮን እዩ ምሕታት

ኣስተውዕል ኣብ ሕቑፎ ህግደፍ ዘለኻ

ካብዚ ዝለዓለ ቅዝፈት ታይ ትጽበ ኣለኻ?

ትዕቢት ግደፎ ከይትስእና ተፍቅራ ዓድኻ

ሕጂ ሕሰብ ዘለኣለም ከይኸውን ጣዕሳኻ

 

ካብ ብማዕዶ ኮንኩም ትወራዘዩ ትራቐቑ

ውድባት ኣይሰርሓን ናልኩም ካብ ተዳምቑ

ተሰርዑ ምስ ህዝብኹም ካብ ህግደፍ ረሓቑ

ብቆራጽነት ስራኹም ሸጥ ኣቢልኩም ዕጠቑ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Abisho July 25, 2014

    Yes, Yes, Yes Mr. Tesfamariasm W/giorgis You wrote very Interesting Poem, or Message i proud of you my dear bro, just keep going. This is the best straggle of mind, so that don’t stop your attitude share to us on the Assenna our web suite the people who need freedom and democracy our country and peace to Eritrean people our duty is speech out instead of speechless our innocent people of Eritrean inside the country, thanks so much my dear bro.

  • Abisho July 25, 2014

    Yes, Yes, Yes Mr. Tesfamariam W/giorgis You wrote very Interesting Poem, or Message i proud of you my dear bro, just keep going. This is the best straggle of mind, so that don’t stop your attitude share to us, on the Assenna our web suite, the people who need freedom and democracy. peace to Eritrean people, our duty is speech out instead of speechless our innocent people of Eritrean they live inside the country, thanks so much my dear bro.

POST A COMMENT