Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህይወት ድሕሪ ጥልመት

ህይወት ድሕሪ ጥልመት ዝኸበርካ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ካብ ኩሎም ንዕድመ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝከላኸሉን ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ዘብእሱን ዘለዉ ልሙሳት መሳርሕትኻ ንዓኻ ምሕራየይ፡ ተራኻ ንምቁንጻብን ወይ ንምንኣድን ኢለ ኣይኮንኩን። የግዳስ ብኣኻ ኣቢለ ናብ ካልኦት ሰበስልጣን

ህይወት ድሕሪ ጥልመት

ዝኸበርካ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡

ካብ ኩሎም ንዕድመ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝከላኸሉን ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ዘብእሱን ዘለዉ ልሙሳት መሳርሕትኻ ንዓኻ ምሕራየይ፡ ተራኻ ንምቁንጻብን ወይ ንምንኣድን ኢለ ኣይኮንኩን። የግዳስ ብኣኻ ኣቢለ ናብ ካልኦት ሰበስልጣን ህግደፍ ከሕልፎ ዝደለኹ ኣገዳሲ መልእኽቲ ስለዘሎኒ’የ። ከምዘይትስሕቶ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብተራን ሓላፍነትን ምሳኻ ዝሰርሑ ዝነበሩ መዘናታትካን መጋድልትኻን፡ ዓው ኢሎም ንብልሹው ኣሰራርሓ ኢሳያስ ስለዝተቃወሙን ፍትሒ ይንገስ ስለዝበሉን፡ ብልኡኻት ኢሳያስ ተቀቲሎምን ተሓይሮምን። ንኣብነት፡ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ብእምነት ምሳኻ ካብ ዝመኸሩ ብጾትካ፡ ከም በዓል ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር፡ ሳልሕ ከኪያ፡ ጀነራል ዑቁበ ኣብርሃ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ በራኺ ገብረስላሴ፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ እስቲፋኖስ ስዩምን ካልኦትን፡ መብዛሕትኦም ሓመድ በሊዕዎም እቶም ብህይወት ኣብ ማሕዩር ኣለዉ ዝብሃሉ ድማ ብሕማም፡ ጭንቀትን ዓጸቦን ብዘይ ፍርዲ ይሳቀዩ ኣለዉ። ዝኸበርካ ጀነራል ስብሓት፡ እስከ ዘክር ሞያን ተወፋይነትን ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቅሱን ካልኦትን ሓርበኛታት!! ኣብ ውዑይን ዝሑልን ንናጽነት ሃገሮም፡ ንእስነቶምን ህይወቶምን ዘወፈዩ ክንሶም ከድዓት ክበሃሉን ንስኻ ተኣሚንካ ብህይወት ክትነብርን ከመይ’ሉ ወሪዱልካ? ሕሰብ’ሞ ንድሕሪት ተመሊስካ፡ ኣብ ዓውደ ኩናት ምትሓዝ ከተማታት፡ ወራራት ደርጊ፡ ምፍራስ ናደው እዚ፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ምሕራር መላእ ኤርትራን ካልእ ኣጋጣሚታትን ምስኦም ዘሕለፍካዮ ህይወት!!

ኣይትርስዖን ትኸውን፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ሓላቂ ጠቅላሊ ስታፍ፡ ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳርን ምስጢራዊ ሰልፍን፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጸሕፈት ህዝባዊ ግንባርን ወኪል ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ኣብ ድሕሪ መስመር እንከለኻን፡ ንህዝብን ተጋደልትን ትህቦ ዝነበርካ ሰሚናራትን ጎስጓሳትን፡ ጽንዓት፡ ሞራልን ሃገራዊ ፍቅሪ ዘሕይልን’ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ “መጻኢት ኤርትራ ዝመርሑ ሰባት’ባ ኣለዉና’ዮም” ኢልና ብኣኻ ንኾርዕ ኔርና። ከምዚ ሎሚ፡ እቶም ንኣምነኩም ዝነበርና ላዕለዎት ሓለፍቲ ናብ ምጹጹላይ ከይተቀየርኩም፡ ዝናኹም ላዕሊ’ዩ ነይሩ። ንምዃኑ፡ ዘዕበኻዮምን ብልግነት ዝሓዝካዮምን ደቂ ብጾትካ ወለዶም ስኢኖም ብመሪር ናፍቆት ክሳቀዩ፡ ብስእነት ንሕሰም ክቃልዑን ክስደዱን ክትሰምዕን ክትዕዘብን እንታይ ይስምዓካ። ገዳይምን መዛኑኻን ብእምነት ምሳኻ ዝመኽሩ ዝነበሩ ክትጠልሞምን ምስ ሓራዲኦም ኢሳያስ ጉምብሕ ጥልዕ እናበልካ ክትነብርን ሕልናኻ ከመይ ኣቢሉ ይቅበሎ ኣሎ? ብፍላይ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብሓባርን ብጉጅለን ምስኦም ዝተሰኣልካዮ ኣብ ኣልቡማትካን መናድቅ ገዛኻን ኣንጠልጢልካዮ ዘሎኻ ስእልታት ንግሆን ምሸትን ክትጥምቶ እንከለኻ ከምትሓዝንን ኣብ ትዝታ ከምትጥሕልን ይግምት። ምናልባት ከምቲ መላኺ ኢሳያስ፡ ስእልን ድምጽን ናይ ተቃወምቱ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ንኸይቅልቀል ኣጊድዎ ዘሎ፡ ስእልታቶም ናብ እንዳ ጉሓፍ ደርቢኻዮ እንተኾይንካ ግን ንስዉኣት ዳግማይ ምቅታልዩ።

ክቡር ጀነራል ስብሓት፡ ኢሳያስ ከም መሳርሒ ክጥቀመልካ እምበር ከምዘይኣምነካን ሓደ መዓልቲ ዕጫ ናይ ጉጅለ 15ን ካልኦትን ከምዝረኽበካን  ፍሉጥ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ሎሚ’ውን ዝቅጽሎ ዘሎን ንተራኻ ዘልምስን ንሚዛንካ ዘጉድልን ዘይንቡር ኣሰራርሓ ብዙሕ’ዩ። ሓደ ቀሊል ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኢሳያስ፡ ንመሰልካን መሰል ካልኦትን ብሒም ኢልካ ከምዘይትዛረብ ስለዝፈልጠካ፡ ከም ሚኒስተር ምክልኻል መጠን ንዓኻ ከይሓበረ ምስ ጀነራልትን ካልኦት ታሕተዎት ሓለፍትን ብኹሊት ኣኼባታት የካይድ፡ ካብን ናብን ብእሙናት ሰባት ደብዳቤታት ይልእኽን ይቅበልን ርክባት ራድዮ የካይድን። ብመዝነትካ ክትካፈሎን ክትፈልጦን ዝግባኣካ ጉዳያት፡ ኢሳያስ ብመደብ፡ ብመገሻን ኣገዳስነቱ ብምሕባእን ከምትግለል ይገብረካ። ካብ ንዓኻ፡ ነቶም ትሕቴኻ ዘለዉ ጀነራላትን ሞኮነናትን ከም በዓል ኣብርሃ ካሳ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ፍሊጶስ ወልደሃንስ፡ ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ ሓድሽ ኤፍረምን መሰልቶምን ስለዝኣምን፡ ህላወ ናትካን ዘሎካ ስልጣንን ስማዊ’ዩ። ኢሳያስ ሓንሳብ ይንእደካ ካልእ መዓልቲ የጓጥጠልካ፡ የጸልመካን ብድሕሬኻ ይሓምየካን። ከም ምኩር ተጋዳላይን ሚኒስተር ምክልኻልን መጠን፡ ካባኻ ብዙሕ ኢና ንጽበ ኔርና። ኢሳያስ ንዓኻን ንኻልኦትን ከም ኣቅሓ ካብ የማን ንጸጋም  ክገላብጠኩም እንከሎ ምስቃጥካ፡ ብፍትወተ ነብሲ፡ ብፍርሒ ወይ ብጥቅሚ ክኸውን ይኽእል። ሞት ግን ሓንቲ’ያ፡፡ ሞት ብሞቱ ታሪኽ ፍጺምካ ብጅግንነት ንህዝብኻ ምብጃውን ብመጻኢ ወለዶ ክትዝከርን’ዩ ዘምሕረልካ’ምበር ብጥልመትን በለጽን ክትመውት እንከለኻ ክልተ ሞትን ተሓጺብካ ናብ ጭቃን’ዩ።

እዚ ንመዘኻኸሪ ዝኣክልን ምናልባት ኣብ መደቀሲኻ ኮይንካ ካብ ዝተጋደልካላ መዓልቲ ክሳብ ሎሚ ምሳኻ ዝነበሩ’ሞ፡ ብጅግንነት ኣብ ዓውደ ኩናት ዝተሰውኡ፡ ብኢሳያስ ዝተረሸኑ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘለዉ ብጾትካ ኣሕዋትካን ኣሽሓት ዜጋታትን፡ ዋላ ንሓንቲ ካልኢት ብሕልና ኣብ ጎላጉል ሰምሃር፡ ደንካልያ ባርካ፡ ጎቦታት ሰሜናዊ ባሕሪ፡ ሳሕል፡ ከበሳን ካልኦት ቦታታትን ዘክሮም። ብዙሓት ብቀረባ ዝፈልጡኻን መሳርሕትኻን፡ “ወዲ ኤፍረም በሊሕ፡ ጎራሕ፡ ክኢላን ፈታው ነብሱን’ዩ’’ኢሎም ንባህርያትካ ይገልጹኻ። ብልሕኻን ክእለትካን ግን ስለምንታይ’ዩ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንምውጋድ ዘይሰርሐን፡ ንጨካን ኣገዛዝኣ ኢሳያስ ክብድህ ዘይክኣለን? ብኣንጻሩ፡ እተን ፈታዊ ነብሱን ጎራሕን ዝብላ ጠባያትካ ተሰኪምካ ሓሓሊፍካ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋደልቲ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕምባባ ከተቀምጥ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን ካልእ ኣጋጣሚታትን ደድሕሪ ኢሳያስ ዞኽዞኽ ክትብል ትርአ ኢኻ። ነቶም ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝተቀትሉ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቀዩን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝሃልቁ ዘለዉ  ዜጋታትን ግን፡ “ስለምታይ” ኢልካ ሓቲትካሎም ኣይትፈልጥን ኢኻ። ምኽንያቱ ትብዓትካን ብልሕኻን ኢሳያስ ረጊጹ ቀቲልዎን ጃጂኻን። ተቀቢልካዮ ዘሎኻ መዓርግ ጀነራል፡ ፍረ ጻማኻን ጅግንነትካን ስለዝኾነ ይግብኣካ’ዩ። እዚ ዘለካ መዓርግ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክጭፍጭፍ፡ ርኢኻ ከምዘይርኣኻ ከተስቅጥን ምስ ኢሳያስ ክትቆማጣዕን ግን ዓገብ። ክቡር ጀነራል፡ ከምቲ ልሙድ፡ “ድሓን ሕደር” ኢለ ክፋነወካ፡፡ “ዘየደቅስ ነጊሮሙኻስ ድቅስ ይሓድሩ ከይትብለኒ ግን ይስከፍ። እንተኾነ ናይቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ለይትን መዓልትን ድቃስ ዝኸልእ ዘሎ ሕማም ዝያዳ ተሓተቲ፡ ፈወስትን ልዋም ንምርካብን፡ ንስኻን ብጾትካን ምዃንኩም ንምእማትን ህይወት ድሕሪ ጥልመት ከመይ ተስተማቅርዎ ከምዘለኹም ንምሕታትን’የ። ሕጂ’ውን ማይ ኣይሓለፎን፡ ከቢድ ደበና ጥፍኣትን ጸልማት መዋእል ህዝብናን ከብቅዕ፡ ልቢ ይሃብኩም ትብዓት ይስዃዓልኩም።’

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (8 ነሓሰ 2015)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • deden September 4, 2015

    dear reporter,I really really appreciated the words you used,am very sure he open his mind after he read it . the best thing is how to change them for those who lost their conscience and make them to think about their folks not on aggressive way, with positive and polite words.

POST A COMMENT