Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፋውያን! መገዲ ተሓድሶዶ ፖሊሲ ዕንኪሊል፧

ህግደፋውያን! መገዲ ተሓድሶዶ ፖሊሲ ዕንኪሊል፧ ለንደን 23 መስከረም 2013 ህግደፍ እንክንብል፡ ፖሊቲካዊ ውድብ ማለትና ይመስል ይኸውን። እዚ ግን ቅኑዕ ኣይመስለንን። ከመይ፡ ህግደፍ ገባቲ ውልቀ-መላኪ ስርዓት ጥራሕ አይኮነን፡ ትካል’ውን ኣይመስለንን፤ ህግደፍ ናይ ሓደሰብ ኣቶ ኢሳያስ ንብረት፡ ክዳን፣ ሽራብ

ህግደፋውያን! መገዲ ተሓድሶዶ ፖሊሲ ዕንኪሊል፧

ለንደን 23 መስከረም 2013

ህግደፍ እንክንብል፡ ፖሊቲካዊ ውድብ ማለትና ይመስል ይኸውን። እዚ ግን ቅኑዕ ኣይመስለንን። ከመይ፡ ህግደፍ ገባቲ ውልቀ-መላኪ ስርዓት ጥራሕ አይኮነን፡ ትካል’ውን ኣይመስለንን፤ ህግደፍ ናይ ሓደሰብ ኣቶ ኢሳያስ ንብረት፡ ክዳን፣ ሽራብ እግሪ (ካልዚ) ወይ ስምዒታት ድኣ’ምበር፡ ካልእ መለክዒ ዘለዎ ኣይመስለንን። እቶም ብህግደፋዊ ስም ዝራብሑ ዘለዉ፡ እቶም ገዛእ ርእሶም ዘይወነኑ፡ ኩልንትናኦም ኣረኪቦም በቲ ውልቀ-ስሚዒታት ኢሳያስ ዝተተክኡ፡ ተኪኤታትን፣ ብሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓ ዘይጥምቱን፡ ብዘይ ዋጋ ዝተገዝኡ እኽብካብ ኣደናገርትን ተደናገርትን እዮም። ምናልባት ነቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ግሁድ በደላት ኢሳያስ ኣብ ኣእምርኦም ምስዝበርቕ፡ “ኣመሪካ…!” ትብል ዘይትኣርግ ደርፊ የድርፎም። ኣመሪካውያንን ምዕራባውያንን ግን፡ እንተ ኣሽካዕለሉ፡ ኣብ ሃገር እዳማቶም ድኣምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦምን ሃገሮምን ከምዘይኮኑ፡ ንሕዝቦምስ ብሕግን ስርዓትን ከም ዘመሓድሩ፡ ከስተውዕሉ ኣይክእሉን። መሳኺን ህግደፋውያን፡ ሃገር ከም ዘላቶም “ሃገርና!” ይብሉ፤ ግን እታ ሃገር ይትረፍስ፡ ህላወ ገዛእ ርእሶምን፡ ንምዃኑ ኣበይ ምህላዎም’ውን ዘይይፈልጡ፡ ምስሊ እዮም፤ ከም ኣቕሓ ኣገልግሎት ክሳብ ዝሃቡ ከኣ ህልዋት እዮም። ከምዚ ምዃኖም ግን ኩልና ኢና ተወጺዕና። እዞም መጋበሪ ዝኾኑ ነዳያን፡ ንህግደፍ ስለዘገልገሉ፡ ንርእሶም ከም ሃገራውያን፣ ህግደፍ ድማ ከም ሃገራዊ፣ ወይ ናይ ሃይማኖቶም ወይ ኣውራጃኦም ወኪል፡ ይቖጽርዎ። ዕድለኛ ኢሳያስ እዞም ባዕለ-ድንጉራት ዝፈጠረሉ!!! ሃገር ብዘይ ሕዝቢ፡ ሕዝቢ ድማ ብዘይ ድምር ህላዌ ክብሪ ዜጋን ሰላምን የለን፤ እንተልዩ፡ ከንቱ ውእቱ።

እዚ እዋን’ዚ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ካልእ ሓዲሽ መድረኽ ዒንኪላሎ፡ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ይመስል። ነዚ ሓድሽ ጓይላ ዕንክሊል’ውን፡ ኢሳያስ ነዞም ንብረቱን ኣምለኽቱን ኣሚኑ እዩ ዝጅምሮ ዘሎ። ድሮ’ዃ እቶም ባዕለ-ድንጉራት ሰብ ኣመል፡ ብዘይ ገለ ሕቶ፡ “ .. ተሓድሶ ህግደፍ (ዳግመ ውደባን ምደባን) ተጀሚሩ….” “እዚ ሰብኣይ ሕጂ’ውን ነዘን ኣብ መንግስቲ ዘለዋ ኮራፕቲድ ሰባት፡ ከራኽበለን ከጽርየን እዩ፡ ..”… ብምባል፡ ከም ወትሩ ናይ ኮውታ ሃተፍተፎም ከድርብዩ ቀንዮም። እቲ ፖሊሲ ዕንክሊል ጀሚሩ’ምበር ቀጻሊ እዩ። ኢሳያስ ነዞም ምስልታት’ዚኣቶም ሒዙ፡ ቅንይ ኢሉ፡ ብ180° C (ዲ. ሰንት ግረድ) ተዘዊሩ፡ “…. ሕጂ ብዛዕባ’ዚ ቅንጣብ መሬት ባድመ ምልፍላፍን፡ ባድመባ፡ ወያኔ እናበልካ ምህውታትን: ፋይዳ የብሉን፤ ንረብሓና’ውን ኣይኮነን፤ ልቢ ኣዕቢና እንተሰራሕና ይሓይሽ፤ … ንሃገራዊ ዕቤትን ምርግጋእን ዝጠመተ ሓዲስ ፖሊሲታትናን ስትራተጂናን ድማ፡ ኪንየው እዚ ቅንጣብ መሬትን ዘየርብሓና ሃተውተውን ህልኽን እዩ ዝጥምት፡ … እቶም ቅድሚ ሕጂ ዘጋገዩና (ጂ-15፧) ይኣኽለና!” ብምባል፡ ካልእ ጫለዳ ጓይላ ኪኸፍተሎም እዩ። እቶም ብዛዕባ መሰሎምን ሕዝቦምን ሃገሮምን ታሪኽን ክሓስቡን ክርእዩን ዘይክእሉ ባዕለ-ድንጉራት፡ ተንቀሳቐስቲ ንብረት ህግደፋውያን ድማ፡ ከም ቀደሞም፡ ንፖሊሲ ዕንክሊል፡ ብዘይ ሰጋእመጋእ ተቐቢሎም ዕንክሊል ኪብሉሉን እዮም። ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1990ታት እውን፡ ከም መዓል ማሕሙድ ሸሪፎ፡ “እዚ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ፡ ገደብን ስርዓትን ዘይግበረሉ፧ ….” እንተበሉ፡ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ዕቡድ ኢሳያስ፡ “ኢትዮጵያ ናይ ዳግመ ህንጻ-ሃገር መሓዛና ኢያ!” ብምባል፡ ንብጸቱ “ኣይትተንክሉ! ሕማቕ ኣይትሕሰቡ፡ ከማይ ብንጽሕና እንተሓሰብኩም ይሓይሽ” ዝዓይነቱ መልሲ ጨልዲምዎም፡ ንበይኑ ሃጺጹ። ግን ንስለ ፖሊሲ ዕንክሊል እዩ። ከይደንጎየ ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ኣብ 1998 ግን፡ ኢሳያስ፡ ብ180°C (ዝርጋሐ ቀጥታዊ መስመር) ተዘዊሩ፡ “ወያኔ ቀዳመይቲ ጸላኢትና ኢያ” ብምባል፡ ንሃገርን ንመላእ ዞባናን ኣብ ናይ ጽሉላት ኩናት ደቕዲቕዋ። ሕጂ’ውን፡ ነዚ ፖሊሲ ዕንክሊል፡ ከም ዘብቅዕን ናብ ረብሓና ረብሓ ሓፋሽን ሃገርን ክንልውጦን ዝግበኣና፤ ኢሳያስ ዘኮነስ፡ ንሕና ሕዝቢ ኢና፤ ገዛእ ርእስና ንወንን። ኢሳያስ ዝዕረየሉ መድረኽ የለን፣ ኣይክህሉን ከኣ እዩ።

ኣብዚ ኩነታት እዚ ንኽንህሉ ዝገበረና ምኽንያታት፤ በዚ ፖሊሲ ዕንክሊል ክምእንዋረድ ዝገብሩና ዘለዉ ጸገማት ብዙሓት እዮም፤ ደረጃታት ክህልዎም ይኽእል። ግን መሰረት’ዚ ኩሉ ጠንቂ ኮይኑ ተንሲኡ ድኣ ይኸውን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ቀንዲ ሽግርና፡ እቲ ክፉእ ጥራሕ እናኣለመን ፖሊሲ ዕንክሊል እናበተንን ክነብር ዝድሊ በዓል ዕላማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይኮነስ፡ ንሕና ፖሊቲካ ሓንጺጽና ምርጫና ክንትግብር ስለዘይበቓዕናን፤ እቶም ካብ ድቃሶም ክበራበሩ ዘይከኣሉ ጸረ-ውልቃውን ሃገርውን ረብሓኦምን ሰላምን ጠጠው ዝበሉን፣ ንሰብኣዊ-ባህላዊ-ሞራላዊ ሓላፍነቶም ዘየለልዩን፣ ንኢሃገራዊ ዕላማ ኢሳያስ ብዘይሕቶ ንኽትግብሩ ድቃስ ዝስእኑ፡ ህግደፋውያን ኣምለኽቲ ኢሳያስ እዮም። ገለ ካብዚኣቶም፡ ሕሉፍ ሓሊፍዎም፡ ንመደባት ህግደፍ ምስ እምነተ ክርስትናን እስልምናን ኣተኣሳሲሮም፡ ብመደባት ኣብያተ-ክርስትያናትን መሳጊድን ኣቢሎም ክትግብርዎ ሕኺት ዝብሉ ከምዘለዉ፡ ቅንይ ኢልኩም፡ ኣብቲ ወፍሪ “ምቕላዕ” ዕራቖም ወጺኦም ክትርእይዎም ኢኹም። እቲ ካልኣይ ደረጃ እዋናዊ ጸገማትና፡ ብዘይ ስራሕ/ጻዕሪ፡ ምህርቲ ምድላይ እዩ። እቶም ግዳማውያን (ኣብ ወጻኢ ዘለዉ) ህግደፍ ገዲፍካ፡ እቶም “ንለውጢ” እናገዓሩ፡ ግን ንመድረኽ ሕዝባዊ ቃልሲ ሒዞሞ ዝደቀሱ፡ ጠለብ እዋናዊ መድረኽ ዝበኾሮም ዘይሓላፍነታውያን ዜጋታት እዮም። ኣብ ቅድሚ’ቲ ንነፍፊ ወከፍ ዕለት፡ ከም ዕለተ-ሞት ዘሕልፋ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ገበናት ናይዞም ክልተ ቡኹራትን ግዳማውያን ህግደፍን ዝኾኑ ኣካላት’ዚኣቶም፡ ብዓይነቱን ደረጃኡን እምበር፡ ብትሕዝቶኡስ ካብቲ ናይ ኢሳያስ ዝፍለ ኣይመስለንን። ገለ ካብዞም ብኹራት፡ ነቲ ካብ ሕዝቢ ዝሰኣንዎ ደገፍ፡ ኣብ ክንዲ ዳይናሚዝም ብምፍጣር ክምልሽዎ ዝፍትኑ፡ “ምናልባት ደኾን፡ ኣብ ኤርትራ ጢሻ ቀልጢፉ ይመጽእ” ናብ ዝብል ናይ ትጽቢት መድረኽ ዘማዕድዉ፣ ወይ’ውን “ከምቲ ናይ መዓል ሓሚድ ካሳይ (ኣፍጋኒስታን) ተሓንጊሩ ዝኣተወን ኣብ ቫዞ ዝተተኽለን፡ ዝመስል ኣጋጣሚ ዕድላት እኸስብ” ናብ ምባል፡ ተነጺሎም ዝሓልሙ ዘየለዉ ኣይኮኑን። ካብ ሕልሚ ሓሊፉ ግን፡ ንግብራውነቱ ዝስጉም የለን፤ እንተልዩ፡ ጉዳዩ ንረብሓ ወላሓደ ከምዘይውዕል ብሩህ እመስለኒ።

ፖሊቲካ ብቐንዱ ሕዝባውን ናይ ሕዝባዊ ተልእኮ ህልውናን ክሳብዝኾነ፡ ካብ ሕዝቢ ዝተነጸለ ፖሊቲአካውነት፡ “ኪዳናዊ ፍትሕ ምስ ሕዝቢ” ዘረጋገጸ፡ ተርእዮ ፖሊቲካ ምዃኑ ብሩህ እዩ። መድረኽ ምንባርን መድረኽ ፖሊቲካን ዘይነጻጸላን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና ውህብቶን ክሳብዝኾና፡ ንቕሓትናን ናጽነትናን ሜላናን እዩ እቲ ወሳኒ ኪኸውን ዝኽእል። ስለዚ መልስን ፈውስን እቲ ናይ ሓቢርካ ምንንባርን ብሓባራዊ ረብሓ ምጥማትን ሕቶ፡ ናህናን ንዓና ንሕዝብን እዩ፤ ጠሉን ረመጹን ንዓና ስለዝኾነ። ሰብ ኮይንካ፡ ኣብ መሬትካን ባህልካን ከም ሕዝቢ ናይ ምንባር ጸጋ፡ እቲ መወዳድርቲ ዘይርኸቦ ዕግበት ናይ ኣብዛ ፕላነት’ዚ ዝነብር ሰብ እዩ። መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ድማ፡ ካብዚ ተልእኮን መኣጻእን (destiny) እዚ፡ ካልእ ዝሓሸ ምርጫን ዕድልን ክህልወካ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ብተወሳኺ፡ ነቶም ኣብ ዓውደ ኩናት፡ ምእንቲ ህዝቦም እዚ ዘይብሃል ጅግንነትን ብጻይነትን ኣመዝጊቦም ዝሓለፉ፡ ሰማዕታት ጀጋኑ ኣቦታትን ኣያታትን ክልቲኡ ጾታ፡ ሕጂ’ውን ከም ናቶም ደበስን መዛዘሚ ቃልሶምን፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ብሱል ፖሊቲካዊ-ዲሞክራስያዊ ቃልስን፡ ጅግንነትና ዳግም ከነመክር፡ ንዝተበለለ ስም እንዳባና፡ ናብ ክቡር ቦታኡ ክንመልስን፡ መጸዋዕታን ሓላፍነትናን እዩ፤ ከመይ፡ ብሰላምን ምዕባለን ናይ ምንባር ዝግብኣና መሰልን ዋጋ ዝተኸፍሎ ዕድልና ስለዝኾነ፡ ንዳግማይ በድሆታትና፡ ዓቕምታት ኣወሃሂድካ ምብጋስ፡ ኣብ ዝባና ዘሎ እዋናዊ ሕቶ ምዃኑ ንዝንግዖ ኢና ኣይብልን።

የቐንየለይ!

ክብር-ኣብ ይሥሓቕ፣ ዶ/ር (ለንደን)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • COW FACE September 24, 2013

    Dr Kibreab stated….”ህግደፍ እንክንብል፡ ፖሊቲካዊ ውድብ ማለትና ይመስል ይኸውን። እዚ ግን ቅኑዕ ኣይመስለንን። ከመይ፡ ህግደፍ ገባቲ ውልቀ-መላኪ ስርዓት ጥራሕ አይኮነን፡ ትካል’ውን ኣይመስለንን፤ ህግደፍ ናይ ሓደሰብ ኣቶ ኢሳያስ ንብረት፡ ክዳን፣ ሽራብ እግሪ (ካልዚ) ወይ ስምዒታት ድኣ’ምበር፡ ካልእ መለክዒ ዘለዎ ኣይመስለንን። ”

    ክቡር ዶክተር፣

    እቲ ገድሊ እውን ከምዚ ላዕሊ ዝጠቐስካዮ ምታንታ ኢሳያስ ኢዩ ኔሩ___ንሕና ኢና ዋላ ዶክተርና ዋላ ሓረስታይና__ካብ እንቋቝሖ ተመን ዛግራ ተጸቢና እምበር ኢሳያስሲ ኣይለወጠ ኣይሸቀጠ__ገድሊ ግን ካብ ግፍዒ ኢትዮጵያ ሓራ ከውጽኣና ኢሉስ ግፍዒ ሰሪሑ ነዚ ንርእዮ ዘለና ነጻነት ኣምጺኡልና።ንሕና ግን ንገድሊ እንታይ ኢና ንብሎ ዘለና ኣንቱም ተጋደልቲ እቲ ግፍዒስ ኣብቲ ሓረስታይ ወዲእኩሞ፣ኣሳመራ ምስ ኣተኹም ክትቅየሩ ኔሩኩም ኢና ንብል ዘለና።
    ክቡር ዶክተር ኢሳያስ ድዩ ዓቢዱ ንሕና ፧ እቶም ተጋደልቲ ብዝሰተይዎ ድሙ ድሙን ኢሳያስ ብዝሰተዮ ዊኪን ንሕና ሰኺርና።

    ወይ ኣነ ድየ ዘይገጥም ኤርትራዊ ኮይነ ፧ንኤርትራዊ ዘይጠቅም ሓንጎል ኣጥርየ ፧

  • Sorobeti September 25, 2013

    From the narrations of several EPLF veteran fighters, it is very obvious that Isaias Afwerki since the first day of his secession from ELF was acting as a mafia leader.

  • COW FACE September 25, 2013

    Sorobeti,

    That is what Eritrean people are refusing to accept, The Gedli as practiced by EPLF has always been Mafia & terrorist organization.

  • Haki September 26, 2013

    DETORE

    Why don’t you sell your Phd and earn a living for yourself instead of swimming in the river that you don’t know which way it flows.

    Talking about mad dog makes the talker mad so for change can we please forget issayas and get on with our business.

POST A COMMENT