Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍን ቅዋምን

ህግደፍን ቅዋምን   ውልቀ መላኺ ኢስያስ አፈወርቂ ዝሓለፈ መዓልቲ ነጻነትና ብዛዕባ ምንዳፈ ቅዋም ክጅመር ምኻኑ ተዛሪቡ ነይሩ፤ ግን መጀመርታ ዝመጸካ ሕቶ እቲ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም  እንታይ ኮነ፧  እዚ ሕጂ ዝንደፍ ቁዋም ከኒ በየናይ መዓቀኒ እዩ ካብቲ

ህግደፍን ቅዋምን  

ውልቀ መላኺ ኢስያስ አፈወርቂ ዝሓለፈ መዓልቲ ነጻነትና ብዛዕባ ምንዳፈ ቅዋም ክጅመር ምኻኑ ተዛሪቡ ነይሩ፤ ግን መጀመርታ ዝመጸካ ሕቶ እቲ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም  እንታይ ኮነ፧  እዚ ሕጂ ዝንደፍ ቁዋም ከኒ በየናይ መዓቀኒ እዩ ካብቲ ቀዳማይ ብዝበልጸ ሕጋውነቱ ዘመስክር፤

ናብቲ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ናይቲ ቀዳማይን እንኮን ኤሪትራዊ ቅዋም እንተ እንተዓዘብና፣ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፤ ንምሉእ  ኤርትራ መሬታን ህዝባን ነጻ ምስ ኣውጸአ፣ በቲ ብ 1987 ዘካየዶ ውድባዊ ጉባኤኡ መሰረት ንውድባዊ ቅዋሙ ምርኩስ ብምግባር፡ ማእከላይ ሽማለኡ ብብዝሑን ምላኣተ ጉባኤኡን ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ከም ወጋዓዊ ወከልቱ  75 ኣባላት ማአከይ ሸማግለ  መስቶም ካብ ህዝቢ ተዋጺኦም ዝተባህሉ 75 ሰባት ብጠቕላላ 150 ዝኣባላታ ከም መሰጋገሪት ግዚያዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣቆመ.፤ እዛ ዕሸል ሃገራዊት ባይቶ እዚኣ ካብቶ ቅንዲ ዕማማታ ምንዳፍን ምጽዳቕ ቁዋምን ስለ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ፤ ምሁራንን ዓበይቲ ዓድን ዝሕመረታ ሓንቲ ቅዋም እትነድፍ ኮሚተ መዚዙ፤ በቲ ባይቶ ዝሃቦም ስልጣንን መምርሕን  መሰረት ብምግባር ብሄራውነትናን  ሃይማኖታትና ፣ ባህላዊን ያታውን ብዙሕነትና ኣብ ግምት ብምእታው ዝነደፈቶ ቅዋም፤ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ብምቅራብ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ነቲ ዝቐረበላ ንድፊ ቁዋም ድሕሪ ብደቒቑ ምምርማርን ምክታዕን ከም ሓደ መሰረታዊ መሰማምዒን ዘከባብርን ኣብ መንጎ ኣህዛብን መንግስትን ዝቖውም ኪዳን; ማለት ሕገ-መንግስቲ ብ23 ግንቦት1997 ኣጽዲቑ.፤ ቁዋም ከም ሓደ ቅዱስ ምጽሓፍ ዘይቅየርን መኣረምታ ዘይግበሮ ዘይኮነስ፤ ምስ ግዜን ኩነታትን ፤በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝኽሰት ባህላውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባልታት ዝጽሎ ከም ምኻኑ መጠን ፤ ብምልኣተ ጉባኤ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ ብኩሉ ማእዝናት ኣሉታዊን ኣወንታዊን ጎንታቱ ብምምዛን ብብዝሒ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ማለት (ኣርባዕተ ሕምሲት) ብምክያድ  ምምሕያሽን መኣረምታ ወይ  ክልወጥ ከምዝከኣል እውን እቲ ቁዋም ይሕብር፣ ህግደፍ ነዚ እውን ክውከስ ኣይበቐዐን ፤

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ርእሲቲ ገስረጥ ኣመሓዳድራኡ ሓሶት ዘይውደኦ ሰብ ከም ምኻኑን፡  ተሩፍነቱን ዘነጸረ ኣብዛ ዝሓልፈት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣግሂዱልና፡ እቲ ብዛዕባ ዓለም ዘቕነአ ቑጠባዊ መዕባለዶስ እንታይዶስ  ኣፈይ ዘፍቅደለይ ክሕሱ፤ ክብዳዕ፤ ክጀሃር፤ከጸልም መን ዓጋቲ ኣሎኒ፤ ዘረባይ ዝሰልቸዎ ሰብ ኣብ ወርሒ ወይ ኣብ ካልእ ፕላነት ከይዱ እዝኑ ይሕተም ዝዓነቱ ገዲፍና ፤ ናብታ ከም መዛዘሚ ዝቐርዓነ ሓሶቱ ድሕሪ 17 ዓመታተ ኣብ ጎረርኡ ተቐርቂራ ምትንፋስ ተሓሪማ ዝነበረት  ቅዋም እትብል ቃል ዕረ እንዳ ጠዓመቶ ኣምሉቕ ዘበላ ፤ መቸም ካልኣይቲ  መዓልቲ መድፈሪ መስተ ሰትዩ እንተዘይ ኮይኑ ከም ዘይደግማ ፍሉጥ እኻ እንኾነ ናብኣ ከነቶኩር፤

ህግደፋውያን ካብ ውህደተ-ኣልቦን ኣዋፍራ ንህቢ ነናብ ዝጠዓሞም ዝህውትቱ ጉጅለ  ካብ ምኹኖም ዘብርህ ሓሊፉ ካልእ ትሕዝቶ ዘይነበሮ መደረ ኢሳያስ፡ በዓል የማነ ማንኪ ኮነ ዘምህረት ቕዋም ኣሎና ነተግብሮ ኣሎና ቑዋም ድማ ማዕባሊ ስለዝኾነ ነቲ ተሪፉ ዘይተተግበር ኣብ መስርሕ ምዕባለ ዝትግመር እዩ ክብሉ ከም ዘይሓገዮ ከም ሓደ መርድእ ቑዋም ክንነድፍ ኢና ንክብል ሓሶቶም ንከቃልዕ ከምዚ በለ  (ኣብመቓንናይሃገራዊህንጸትዕማማትና፡ፖለቲካዊህንጸትከምመብጽሒ (ወሲላ) ኣገዳሲእጃምስለዘለዎ፡ንመጻኢመንግስታዊስርዓትመርሓፖለቲካዊጐደናዝቕይስቅዋምምንዳፍክጅምርምዃኑ፣በዚኣጋጣሚ’ዚከፍልጥእፈቱ”)ዝዓይንርቱ መደረ ብቓንቓ ትግርኛ ለቢጡ ተፋኣሎም፡ እንበር ህዝቢ ኤሪትራስ ፤ ካብ ሃመማስ መዓር ስለ ዘይጽበ ህግደፍን ኣቅዋውምኡን ዘይፈልጥ ኣይኮነን. ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንግዚኣዊ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ኣልመሰ ህግደፍ ወይ ኢሳያስ  ብኩሉ መዓቀኒታቱ  ቁዋም ክነድፍ ሕጋውነት ከምዘይብሉ ኣጸቢቁ ዝፈልጥ ህዝቢ እዩ.

ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ እኮ በቲ ዘውጽኦን ዝተሰማማዓሎምን ሕግታት ቀይድታትን ተቕይዱ ምስ ዝጎዓዝ ጥራሕ እዩ ህላውነቱ ከም ሓደ ትካል ዘረጋግጽ፤ እስከ መጀመሪያ ነዞም ዝስዕቡ ንመልከት፡

ህግደፍ ነቲ ኣኣብ ኣርባዕተ ዓመት ውድባዊ ንጥፈታቱ ገምጊሙ ናይመጻኢ ትልምታቱ ቐይሱ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት እትመርሕ መሪሕነት እመርጽ ዝብል ስምምዕ ፍሩስ ካብ ዝገብር፤ 20 ዓመታት ኣቑጺሩ.

ንምኻኑ ከኒ ህግደፍ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ውድባዊ ጉባኤ ኪገብር ሕጋውነት ኣሎዎዶ፤ ምኽንያቱ በቲ ብሰንኪ ዓንዳራዊ ባህሪያት ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ማሕዩር ተቐፊዶም ዘሎዉ ብ ጉጅለ 15 ዝፍለጡን፤ ከምኡ እውን ካብ ሃገር ተባሪሮም ዝነብሩን ዘሎዉ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ፤ ብዓቢኡ ከኣ በቲ ውዲተኛ ተጻይ ባህሪኣቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩን ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ብ 94 ዝተመርጹ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ብዝሒ ኣሎዉዶኒ፤ ወይ ድማ ወግዓዊ መተካእታታት ንኪግብር በቲ ቅዋም ናይቲ ውድብ ዘፍቅዶ መሰረት ኣካይዱ ዶኒ.   ብዘይምልኣተ ጉባኤ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ጉባኤ ይኹን ምርጫ ኪገብር ሕጋውነት የብሉን፡ ካብዚ ብምብጋስ ህግደፍ ይትረፍ ዶ ንሃገር ዘመሓዳድር ሃገራዊ ቑዋም ክነድፍሲ ወይ ሰባት ክመዝዝሲ ይትረፍሲ፣ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ መጠን ህላውነቱ ዘብቀዐ ብዘይካ መጋበሪ ውልቀ መላኪ ዝተቀየሩ ኣባላት እንተዘይ ኮይኖም ተርጉም ዚህብ ውድባዊ ቅርጹ ህላውነቱ ብመሰረት ብውድባዊ ሕግታቱ ኣብቂዑ እዩ፡

እቲ ዝዓበየ ሃሎውሎው መደር ኢሳያስ ግን ቅዋም ብዘይ ሃገራዊ ባይቶ ፍቓድ ከምዝንደፍን ከምዝጸድቕን ንህዝብ ክሕብሮ ምፍታኑ እዩ ዝከውን፤ ወይ ደማ ከምቲ ኩሉ ግዜ ግምጡል ፖለቲካዊ ሞጎተኦም ነቲ ሓያል ወተሃደራዊ ምስጢራውነት ህግሓኤ ዝነበረ እሞ ዘዐወተ ነዚ ገልቢጦም ከም ሓደ ፖለቲካዊ  ሚስጢራውነት ከምዝንበረ  ኣምሲሎም፤ ሕጂውን ዘይትፈልጥዎ ብምስጢር ዝተዓቀበት መስጢራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣሎና እሞ ወግዓዊ መሰል ኣሎዋ ሃገራዊ ቅዋም ክንነድፍ ክብልዎ ንሓንቲ ካልኢት እውን ዝሓስቡላ ኣይኮኑን.

ተስፋኣለም ተኪአ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • mahta August 31, 2014

    Eziy dea flut endiu hji tray nay sebay ngber hzbna ytefee alo.

POST A COMMENT