Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ኣሕነቕኒቑ!

ህግደፍ ኣሕነቕኒቑ!   ኣብቲ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 53 ዓመት ሳህር (ባሕቲ) መስከረም፡ ኣብ ድሮ ባሕቲ መስከረም ብካድራት ህግደፍ ኣብ ሲነማ ሮማ ዝቐረበ ምርኢት፡ ሓንቲ መልቀስ ሞት ውሽማ ዝዓይነታ ሙዚቃዊት ድራማ ተዓዚበ። እወ፡ መዘምራን ህግደፍ፡ ነዛ 'ህግደፍ' እትብሃል

ህግደፍ ኣሕነቕኒቑ!
 
ኣብቲ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 53 ዓመት ሳህር (ባሕቲ) መስከረም፡ ኣብ ድሮ ባሕቲ መስከረም ብካድራት ህግደፍ ኣብ ሲነማ ሮማ ዝቐረበ ምርኢት፡ ሓንቲ መልቀስ ሞት ውሽማ ዝዓይነታ ሙዚቃዊት ድራማ ተዓዚበ። እወ፡ መዘምራን ህግደፍ፡ ነዛ ‘ህግደፍ’ እትብሃል መንጠሊና ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝፈንፈኑዋን ከም ዝተጸየፉዋን፡ ብኣንጻሩ ድማ ነቲ ‘ኣብ በረኻ ሳሕል ከሎስ የማሙቕ’ዩ ነይሩ!’ ዝብሉዎ ‘ህዝባዊ ግንባር’ ዝብሃል ፈርጊ ግን ከም ዝናፈቑዎን ብድሕሪኡ ከም ዝቖረሩን፡ ብምስቁንቋንን ብምስትምሳልን ብምዝካር፡ ክደጒዑ ምስ ሰማዕኩዎም፡ ነዛ እትስዕብ ናዕታ ክውርቕ ተደሪኸ፥
 
ህግደፍ ኣሕነቕኒቑ!
 
ኣብ ስልጣን ሓኲሮም ብመስዋእቲ ደቁ
ብሕሰምን መከራን ህዝቢ እናጨፍለቑ
ከምዘይተጻረፉ እናበሉ ‘ሓንቂቑ’
ሎሚ ኣብ ዕርበቶም ህግደፍ እናኣሕነቕነቑ
ታሪኽ ህዝቢ ኣልዒሎም ተተመጻደቑ
ህዝቢ ጎሪሑ’ዩ ፈሊጡዎ ሓቁ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ከጥፍኦም’ዩ ኣሕቂቑ!
 
ህዝቢ ምስ ሓዙዎ እወ ብምልኪ ጨፍሊቖም
ባህሪኦም ፈሊጡ ጀሚሩ ክንዕቆም
ከም ክንቲት ምስ ፈኾሱ ብሰሪ ሕመቖም
መዘምራን ህግደፍ በረኻ ናፊቖም
‘ሻዕብያ!’ እናበሉ እምብዛ ኣሕነቕኒቖም!
 
ካብዚ ዘለውዎ እወ ውርደትን ሕስረትን
ኣብ በረኻ ይሕሾም ኣብ ዱርን በዓትን
ህዝብና ሓዪሮም ብምልክን መግናሕትን
ፍጹም ሓሞሞ መሰልን ክብረትን
ዕጨኡ ጌሮሞ ጸላምን ማእሰርትን
የጥፍኡዎ ኣለዉ ናብ ስደትን ሞትን!
 
ዝበረቐት ጸሓይና ዳግም ምስ ኣዕረቡ
ብውሽጥን ብደገን ስለ ዝተኻዕቡ
ካብዚ ለዋህ ህዝቢ ድንጋጸ ክረኽቡ
ቅያታት ጀጋኑ ወትሩ እናጸባጸቡ
ታሪኽ ገገንጺሎም ቀጻሊ እንተ’ንበቡ
ኣበይ’ሞ ከይሰሞዖም ዝሰምበረ ልቡ
ፍርዶም ክህቦም’ዩ ኣብ ሕጊ ኣቕሪቡ!
 
እዚ መራሕ ምልኪ ዘየብሉ እዝኒ
ኣሎኒ ዘይፈልጥ እንትርፎ ኔሩኒ
ክህበኩም ዘይወጾ እንትርፎ ሃቡኒ
ታሪኽ ጀጋኑና ብጓይላ ክቓኒ
ክሳዕ መዓስኮን’ዩ ብዶብና ከመኽኒ!?
 
እዚ ምስሉይ ደማሒ’ወ ነውራም መታለሊ
ሕመቑን ፍሽለቱን ንኪኾኖ ከውሊ
ክንደይሳዕ ክሕባእ ኣብ በዓቲ ገድሊ
በዚ ጨካን *ባልዋ ናይ ሃገርና ቁስሊ   *ኣርሓ መፍለስ
ካብ ሎሚ ንደሓር ከምዘይትታለሊ
ተኾርሚኻ ምንባዕ ተኸዲንካ *ከሊ   *ጸሊም ክዳን ሓዘን
ይእክል ወላዲት ምልኪ የብቅዕ በሊ!
 
ውላድኪውን ኣደይ ከምዚ ትርእይኒ
ከም ሰብ መርዓን ደርዓን ከምዘይምልከተኒ
ስልጣኑ ክሕሉ ኣብ በረኻ ኣስፊሩኒ
ስንብት ሓቲተ ካብዘይሰማዓኒ፡
ታሪኸ ንኽደግም ናይ ቀዳሞት ወኒ
ብረት ከቕንዓሉ እንካብ ቀሰበኒ
ንህግደፍ ብቋንቋኡ ክዛረቦ ኣለኒ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
*ብርግጽ ሎሚ፡ መንነት ይትረፍ  እንታይነት መላኽን ቁንጣሮ ሰዓብቱን ዘይተረድኦ ዜጋ የለን! ዕላማ ጽሑፈይውን ነዚ ንምብራህ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ነቲ ቁስሊ መስዋእቲ ጀጋኑ ደቁ እናሻዕ ብፈንጊ ህግደፍ ዝጉዳእ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽንናዕ’ዩ።
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 7-09-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • mahta September 7, 2014

    Jigna mesinas btaemi tsbikty gitmi ketslo ajoka . Nay behaki ezom telamat hzbi eritra kemzi ainet wdit ayterayen 65 shih swat kefilu adeda motn sdetn hsrann maesertn ewe geyromna nhgi hzbi ashkiom bwdeet tselae kemzelena bdege kendi tselaety tsenihom bwshtywshty
    .

  • SAVING YOUNG ERITREANS September 7, 2014

    “ህዝቢ ምስ ሓዙዎ እወ ብምልኪ ጨፍሊቖም
    ባህሪኦም ፈሊጡ ጀሚሩ ክንዕቆም”

    Thank God it only took 53 years our people to figure out the vanity of Gedli ,Ethiopians must be dump ,It took them like 200 days to say….THESE BANDITS WILL SELL OUR PEOPLE TO BEDEUIN ARABS…”.
    The Ethiopians said that in 1962 after 200 days of observing..200 days people !!! We the wise people only took us 53 years ..not two hundred dayssssss like the Ethiopians.
    I am glad we separated from those backwards !!!

  • SAVING YOUNG ERITREANS September 7, 2014

    Correction..

    The “Ethiopians must be dump” statement should be read to mean “Ethiopians must be dumb”..I think I should have given them both.Those bad,bad colonizers..

  • Saba Tmicael September 7, 2014

    etom jeganu sirom ab bereka eyom gedifoma metsiom .

    • Asghedom Woldeghiorghis September 17, 2014

      Ayonot Jeganu?Saba Habtey , Eritrawian B’egrna dina ways bresena nhaseb.
      Behelfi kebesa b’egru eyu zehaseb. Enteraakio men mquanu Hawna eqko ainfelten.
      Nehena eko , mestemaselti ember hasebti aikonan. This is the problem

  • Habte K. September 7, 2014

    Dear Mesina,

    Great POEM!!! SEWIDDDD !!!! HITERRRR!!!! KISAB GUJILE HISEM ZIBARER!!!

  • ERITRAWIT September 8, 2014

    Mesinas,
    Ezom gohalalew bznebere jgn-net hzbenan yehwatna n da ynberew enber entay emo afrewom bjeka skay, tmet, sdet……….

POST A COMMENT