Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለውጢ ምቕራቡ ዘተምብሁ ባእታታት

ኤርትራ ሃገርና ሽሕ እኳ ብጸጋታት ዝተዓደለት ሃገር  እንተኾነት  ብሰንኪ  እቲ  ኣብ ሃገርና ዘሎ  ቀይዲ ኣልቦ ስርዓትን ቁጠባዊ ፖሊስታትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ተጠቃሚ ጸጋታቱ ኩይኑ ሃገሩ ከማዕብልን  ፍትሒ ዝመለልዪኡ  ሰላማዊ ሂወት ክመርሕን  ኣይተዓደለን።  እዚ ዘሎ ስርዓተ ምሕደራን 

ኤርትራ ሃገርና ሽሕ እኳ ብጸጋታት ዝተዓደለት ሃገር  እንተኾነት  ብሰንኪ  እቲ  ኣብ ሃገርና ዘሎ  ቀይዲ ኣልቦ ስርዓትን ቁጠባዊ ፖሊስታትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ተጠቃሚ ጸጋታቱ ኩይኑ ሃገሩ ከማዕብልን  ፍትሒ ዝመለልዪኡ  ሰላማዊ ሂወት ክመርሕን  ኣይተዓደለን።  እዚ ዘሎ ስርዓተ ምሕደራን  ቀየስቱን  ከይተኣልዩ  ከኣ ኣብ  ኤርትራ  ቁጠባዊ  ምዕበላ ዝሰረቱ  ፍትሓውን ሰላማውን መነባብሮ ክረጋገጽ  ማለት ዘብት ‘ዩ።

ስለዚ ከኣ እዩ  ኩሉ  ጽባሕ ከም ዘሎ ዝኣምን ኤርትራዊ ፡ ነዚ ህልዊ ኩነታት ሃገርና  ኣብ ምቕያር  እጃሙን  ሞራላዊ  ግደታትኡን ዘበርክት ዘሎ።  እዚ ዳግማይ ኤርትራውያን እነካይዶ ዘሎና ህዝባዊ ቃልሲ ‘ውን ከም ኩሎም ድሞክራስያዊ ስዓት ንምርግጋጽ ዝካየዱ ቃልስታት  ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት፡ ማሕለኻታት፡ ኣውንታዊ  ሸናኻትን ዘለዎ  እዩ። ብዛዕባ እቲ  ኣሉታዊ ጎድንታቱን ማሕለኻታቱን  ኣተኩሩ  ብዙሕ ተጻሒፉ እዩ። ካብኡ ዝነቐለ ከይከውን ከኣ  ደምበ ደልይቲ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ፡  ኣሉታዊ  እምበር ኣውንታዊ ፍጻሜ ዘይርኣየሉ ደምበ ኮይኑ ብብዙሓት ዝጥመትን ዝጥቀስን።  ነዚ ኣርኣእያ ‘ዚ ሚዛናዊ ንምግባርን ደምበ ደልይቲ ለውጢ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ዘነይቱን ዘተስፍዉን ፍጻሜታት ኣመዝጊቡ ከም ዘሎን ንኣንባቢ ሓበሬታ ንማሃብ ከኣ እየ አዛ ጽሕፍቲ ዘዳልዎ ዘለኹ። እዚ ጽሑፍ ኣብ ናተይ ተዕዝብትን ገምጋምን ምርኩስ ኮይኑ ዝተደላወ ድኣ እንበር ብዝኾነ ምርምር (መጽናዕቲ) ዝተሰነየ ኣይኮነን። ተስፋ  ይገርብ ከኣ ብዙሓት ካብ ኣንበብቲ ምስዚ ናተይ ዝሳነ ገምጋምን ትዕዝብትን ክህልወኩም።   እዞም ዝስዕቡ ከኣ  ገለ ካብቶም ንዓወቱ ዘተስፉው ኣውንታውያን ፍጻሜታት ጌርካ ክውሰዱ ይኽእሉ እዮም።

  • ምውሳኽ ብዝሒ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ

ኣብዚ እዋን ዘሎ ብዝሒ ደልይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነብረ ብዝሒ ከውደዳር ከሎ  እቲ ኣሃዝ  እንተ ወሓደ ብ ሓሙሽተ  ዕጽፊ ወሲኹ’ሎ እንተበልኩ ዘጋነንኩ  ኣይመስለንን።   እዚ ሓርፋፍ ገምጋም ኣብ እቲ  ብደልይቲ ለውጢ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ኣኼባታት፡ በዓላትን  ዝሳተፉ ኤርትራውያን ምርኩስ ብምግባር ዝተወስደ እዩ። ን ኣብነት ኣብ’ዚ ዝነብረሉ  በይ ኤርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍለ ግዛት ካሊፎርንያ  ኣብ’ቲ ብ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ  ንለውጢ  (EYC) ኣብ 2010  ዝተዳለወ ብዶር በረኸት ሃብተስላሴ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ዝነበረ ብዝሒ ተሳታፋይ ካብ 50-75 ኣቢሉ ክኸውን ከሎ፡  ብ ኣንጻሩ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2013  ብወዲ ቫካሮ ዝተዋህበ ህዝባዊ ሰሚናር ዝነበረ ብዝሒ ተስታፋይ ካብ 250-300 ኣቢሉ ይኸውን ነይሩ።   ብኻልእ ኣበሃህላ  ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ንህግደፍ ዝቃወም ሰብ ዘይነበረን ከተማታት  ኣብዚ እዋን ፡ እንተ ወሓደ  5 ዝቃወሙ  ሰባት  ኣለው ማለት እዩ። ካልእ ነዚ ዝድግፍ ምስክርነት  ከኣ  እዘን ሎሚ ኣብ ነፍስ ወከፍ  ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝቕመጡለን ዓበይቲ ከታማታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን  ተመስሪተን ዝነጥፋ ዘለዋ ንልውጢ ዝሰርሓ ህዝባውያን ማሕበረት እየን።

 

  • ንለውጢ ዝቃልስ ንኡስ ሓይሊ ኣብ  ኤርትራ ክትንስእ ምጅማሩ

ድሕሪ’ቲ  ብ ጂ-15 ዝነቐለ ንለውጢ ዝጽውዕ መጸዋዕታን  ምስኡ ተኣሳሳሲሩ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ኩነታትን፡  ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ጥሪ 2013  ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣፍካ መሊእካ ክትዛረበሉ ዘኽእል ተረኽቦ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣይተኸስትን ። እዚ ግን በቶም ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊ ዝርከቦም  ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል  ኣብ 21 ጥሪ 2013 ዝተውስደ ፍጻሜ ነጥበ መቐይሮ ተገርሉ ‘ዩ ። ብዘይካዚ እቲ ብኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ  ሓርነት  በቢ ግዜኡ ዝካየድ ምልጣፍ  ፖላቲካዊ መልእክቲ ዘለዎም ፖስተራት፡ ምዝርጋሕ ምስጢራዊት መጽሔት “መቓልሕ ፎርቶ”፡ ሓሓሊፉ ብህዝቢ ዝውሰድ ዘሎ ኣዝዩ ንኡስ እምቢታታት፡ ህዝቢ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ብዓውታ መረርኡ  ይዛረብ ምህላውን  ገለ ካብቶም ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንለውጢ ዝቃለስ ንኡስ ሓይሊ የለን ንኸይትብል ዝድርኹኻ ተግባራት እዮም።

  • ንጡፍ ስታፈ መንእሰያትን ዲቂ ኣንስትዮን

እዚ ዳግማይ እነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብዘይ ንጡፍ ደገፍን ተሳታፍነትን ኩላቶም ኣባለት ሕብረተስብ ኤርትራ ኣይክረጋገጽን እዩ፡፡  እንተኾነ ግን ከምቲ  ዝሓለፈ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ዝተፈላልዩ ቃልስታትን ምንቕስቓሳትን  ዝምስክሮ  ንጡፍ ተሳታፍነትን ደገፍን መንእሰያትን  ደቂ ኣንስትዮን ዘየረጋግጽ  ምንቅስቓስ ንኽዕወት ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ‘ዩ።   ቅድሚ 3 ዓመት  ኣብዚ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ  ተራን  ተሳታፍነትን   እዞም ክልተ ኣካላት ማሕበረሰብ ኤርትራ ብዙሕ ኣይነበረን።  እንተኾነ ግን ብሰንክቲ ኣብ 2011 ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን  ዝተከስተ “ብኣራብ ስፕሪንግ” (Arab Spring)  ዝፍለጥ  ህዝባዊ ምንቕስቃስን ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ዝተተባብዑ ኤርትራውያን መንእሰያት  ብዝወሰድዎ ተበግሶታት፡ ሎሚ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ነዊሕ ተሞክሮ ብዘለዎም ሰብ ጸጋ ዕድመ፡  መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ  ተባሒቱ ዝነበረ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራ ሎሚ እቲ ዘድልዮ ብዝሕን ዓቕምን መንስእሰያት ደሊቡ እዩ እንተተባህለ ካብ ክውንነት ዝወጻ ኣይመስለንን። ብተውሳኺ እተን ብኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ጥራይ ዝርኣያ ዝነብረ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ተሳታፍነትን ኣዝዩ ዘተባብዕን ተስፋ ዝህብን ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተወሊደን ዝዓበያ ኤርትራውያን ምዃነን ከኣ ካልእ ተደራቢ ብልጫ እዩ።

  • ማሓውር ህግደፍ ነቀይ ክብል ምጅማሩ

ህግደፍ ከም  ቀንዲ መለክዒ  ተቐባልነቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠቀመሉ ባእታ፥ እቲ ብኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘለዎ ደገፍን ተፈታውነትን  እዩ።  ኣብዚ እዋን ግን እዚ መለክዒ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ወዲቑ ኣሎ እንተ በልኩ ዝተጋነነ ኣይመስለንን። ን ኣብነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ 1999 ኣሜሪካ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ ነቲ ንሱ ዘካየዶ ሰሚናር ንኽከታተሉ ዝተኣከቡ ኤርትራውያን ኣስታት 10000 ኣቢሉም ከምዝነብሩን፡  እዚ ከኣ ካብቲ ንመእከቢ ዝተዳለወ ኣድራሽ ክሕዞ ዝኽእል ብዝሒ ኣዝዩ ስለ ዝዛይድ፡ ብዙሕ ብሰንኪ ጽበት ኣብ ኣፈደገ  ደው ክብል ተገዲዱ፡  ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣደራጽ ካብ ዓቐን ን ላዕሊ ሰብ ስለ ዝተኣከበ  ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ሀሊኮፕተር  ተጠቒሞም ነቲ ህዝቢ ከምዝበተንዎ ይዝከር። ብ ኣንጻሩ ኢሰያስ ኣብ መስከረም 2011  ኒው ዮርክ ኣብ ዝመጻሉ እዋን እቶም ሰባት ብብዝሒ ንኽሳተፉ ገዛገዛ እናዘሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝተጸገመ ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት ክንሽፍነልኩም ኢና እናበሉ ዝጎስጎሱ ካድረታት  ህግደፍ ዘዋህለልዎ ሰብ እንተነይሩ ካብ 2500 ዘይዛይድ እዩ ዝነበረ፡ ብተጻራሪ እቶም ኣንጻር ኢሰያስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነብረ ቁጽሪ በርኪቶም ከምዝነብሩን ነቲ ናይ ኢሰያስ ናይ ፖለቲካ ኣማኻሪ እዩ እናተባህለ ዝንገረሉ የማነ ገብረኣብ ‘ውን ገለ ካብ ኣባልታት (አይች) ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ከምዝደፈርዎ  ኩልና እንዝክሮ ናይትማሊ ክውንነት እዩ። ብዘይካ እዚ  እቲ ቅድሚ ሕጂ ብ ኣሽሓት ሰባት ዝኽፈት ዝነበረ ፈስቲቫላት ህግዳፍ ሎሚ ካብ ሚኢቲ ብዘይ በዝሑ ሰባት እዩ ዝኸፈት ዘሎ።  ብተወሳኺ  እተን ቅድሚ ሎሚ ከም ቀንዲ መንሃርያ ንጥፈታት  ህግደፍ ዝነበራ ኮማዊ ማእከላትን ኣብያተ ክርስትያን ሎሚ ካብ ጽልዋ ህግደፍ  ነጻ ብዝኾና  ማእከላት ይትከእ ምህላወን ሓደ ካልእ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ካብ ህግደፍ ይርሕቕ ከምዘሎ ዘረድእ መርትዖ  ‘ዩ።

ካልእ ምስዚ ዝተኣሳሰር ኣብነት ከኣ ኣብ ውሽጢ እቶም ንህግደፍ ዝመርሕዎ ገበርቲ እከይ ሰባት ውን ናይ ሓሳባት ፍልይ እንዳ ጎለሐ ይመጽእ ምህላዉ እዩ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ማዕከንት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ኤርትራ  ናይ ዝኾነት  ካልእ ሃገር ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ድገፍ ዘይትደሊ ፡ ንኩሉ  ዝመጻ ብድሆታት ብገዛእ ርእሳ እትገጥም  ፍልይቲ ሃገር እያ ክብል ከሎ።  እቲ  ቀንዲ የማናይ ን ኢዱ ምዃኑ ዝነገረሉ   የማነ ገብርኣብ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ናይ ሩስያ ቲቪ  ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ  “ኤርትራ ናይ ሩስያ ሓገዝ ከምዘድልያን፡ ሩስያ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተገዳስነታ ብምቁራጻ፡ ኣብ ዚእዋን  ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ  ይርከብ  ኣሎ”  ብምባል  ንመንግስቲ ሩስያ ከም ዝተማጻደቐ ኩልና ሰሚዕናዩ ዘሎና ዘረባ እዩ።  ከምኡ ‘ውን  እታ ናይ ህግድፍ ቀንዲ ኣሳስይት ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝኾነት ሶፍያ ተስፋማርያም ፡  ኣብ ሕቡራት መንግስታ ምስ ዝርከቡ  ናይ ሎቢ (lobbying) ትካላት ንምርኻብ ላዕልን ታሕትን ትብል ከምዘላን፡ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብተሉ ‘ውን ነቶም ኣብ መርበባት ሓበሬታታትን  ናይ ፓልቶክ ሮማትን ከተናእእሶም  ከተናሽዎምን እትውዕል ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ  ኢድ ክትነስእን፡ ንሑስር ፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ዝኾና  ስእሊ ክትሳእልን ህርድግ ከም እትብል ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ዘረጋግጾ እንተ ሃልዩ ከኣ  መሓውር ህግደፍ ከምቀደሙ ትረት ከም ዘይኮብሉ እዩ።

  • ምስሳን ፖለቲካዊ ብዙሕነት

ሓደ ካብቲ  ደልይቲ ለውጢ  ብድሆ ኮይንዎ ዝጸንሐ፡  እቶም ዝበዝሑ ገዳይም ኣባላቱ ካብ ሓደ ውድብ ማለት  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ( ተሓኤ)  ጥራይ  ዝፈለሱ ብምንባሮም እዩ።  ብሰንኩ  ከኣ ደንበ ተቓውሞ  ንፖለቲካዊ ብዙሕነት ኤርትራውያን ዘንጸባርቕ ኣይነበረን።  ከም ሳዕበኑ ከኣ ብዙሓት ሃንደፍ ኢሎም  ክጽንበርዎ  ስክፍታ  ነይሮም  ‘ዩ። ሎሚ ግን ድሕሪ ነዊሕ እዋን እቲ ደንበ ምስቲ ሎሚ ንፖለቲካዊ ሞሓወር ኤርትራ ኣልሚሱ ንሃገርና ንብረቱ ጌርዋ ዘሎ ኣብ ጨቛኒ ሓይሊ ዝተባተኹ  ተጋደልቲ  ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበርር ፡ ሓፍሽ ውድባት ፡ ካልኦት ንህግደፍ ንነዊሕ ዘገልገልዎን ውልቀሰባት፡ ስነ ጥበበኛታት፡ ፖለቲክኛታት፡ ዲፕሎማሳኛታት፡ ምሁራት ኤርትራውያንን ብዘተባብዕ ብዝሒ ክጽንብርዎ ምጅማሮም   ደንበ ተቓውሞ ንፖለቲካዊ ብዙሕነት ኤርትራ ከንጸባርቐሉ ኣብ ዝኽእል ደራጃ በጺሑ ኣሎ እንተተባህለ ሓሶት ኣይኮነን። እዚ ሓደሽ ወሰኽ እውን ደምበ ተቃውሞ ብብቕዓቱ፡  ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ጎድንታቱን ጸብለል ክብል ክሕግዙ  እዩ።

ሳላቲ ኣዝዮም ውሑዳት ከይሰልከዮም ዘካየድዎ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቃልሲ፡ ኣብ’ዚ እዋን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ዓለም ጽቡቕ ተቐብልተን ተፈላጥነት ረኺቡ ኣሎ። ነዚ ናብ ረብሓና ንምልዋጥ  ከኣ ኣዝዩ ገሳጋሲ (progressive) ዝኾነ ኣካይዳ ብምኽታል ፡ ምስ ኩሎም ንቓልስና ዝድግፉን ዝደናገጹን ሓይልታት ኣብ ክልትኣዊ ረብሓታት ዝተሰረተ  ርክባት ክንፈጠር ይግበኣና።  እዚ ብምግባርና ከኣ እቲ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ  ዘድልየና ኣገዳሲ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሓጸር እዋን ንኽንረኽቦ ኣይክንሽገርን ኢና። ነዚ ክውን ንምግባር ከኣ ነዞም ኣብ ላዕሊ  ተዘርዚሮም ዘልዎ ኣውንታውያን ፍጻሜታትን ካልኦትን ብምዝካር ብምስትብሃል ንቃልስና ንቕድሚት ዝደፍእዎ ሓደሽቲ ቅድታት ኣብ ምንዳፍን ፡ ምትግባርን  ክንጽመድ  ግዜኡ ዝጠልቦ ሓቅነት እዩ።

ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ገዛኢ ዘርኢሰናይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Paradiso April 2, 2014

    ደምበ ተቓውሞ ከምዚ ኣጸብቕ ኣቢልካ ዘቕረብካዮ ኣይመስለንን። ደምበ ተቓውሞ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ነንሓድሕዱ ዝናኸስ፣ ጽባሕ ንግሆ ዋላ ኢሳያስ እንኩመ ስልጣን ተቐበሉ ውን እንተበሎም፣ ክርከቡ ብቕዓትን ጥርናፈን ዘይብሎም እዮም።
    ደምበ ተቓውሞ ብሓንቲ ባንዴራ ውን ኣይሰማማዕን እዩ። ብድሕሪ ኢሳያስ ኤርትራ ከም ሓንቲ ሃገር ክትቅጽል ኣይትኽእልን እያ፤ ዝብል እምነት ኣናሳዕረረ ኣብ ዝምጻሉ እዋን፣ ካብ ዘየለን ዘይትግበረን ባዶ መብጽዓታት እንተ ንቑጠብ ይሓይሽ።

    • solomon April 3, 2014

      Izi paradaiz wala gele intay kestbe kabuu 03 srha gemira trah ena nbl

  • Wedi Hagher April 2, 2014

    “ብድሕሪ ኢሳያስ ኤርትራ ከም ሓንቲ ሃገር ክትቅጽል ኣይትኽእልን እያ፤ ዝብል እምነት ኣናሳዕረረ ኣብ ዝምጻሉ እዋን፣ ካብ ዘየለን ዘይትግበረን ባዶ መብጽዓታት እንተ ንቑጠብ ይሓይሽ።”

    Paradiso aka Bokre

    You never stop demoralizing Eritreans. I know, it pains you to see a stable and democratic Eritrea, that is the problem with the rootless like you and Iseyas.

  • Hidat April 3, 2014

    TEDELIO EMO YEZENGAKIN DELEYAT WEYANE MISESAY GIZIU HALIFU EYU.

  • tesfaldetabraha April 3, 2014

    this person must be blaind when he say abaout the trip by the lion of nakfa IN NEWYORK ceminar mey be he was covering his eays he dont want wach he say only 2500 idont know whay ASSENA alow people like this person to post alie & propoganda but he is dameging the oppositon he try to boost moral because evry body sow the ceminar so even the oppositon he try to give moral dont belive what he is talking abaout meybe he can wach the vidoe again in WWW, YOUTUBE .COM

  • Armon April 3, 2014

    ነዞም ጡምዙሓት እሞ ካኣ ዘይርቡሓት ኣይትገደሰሎም ጽቡቅ ጽሑፍ ኢዩ

  • Zeray April 3, 2014

    Opposition progress is undisputable, however a lot of work needs to be done educating those same opposition groups who desire democracy but are very weak when it comes to tolerating opposing ideas.

  • solomon April 4, 2014

    Zeyele tesfa .it doesn’t make sense your hateta men.

  • Isayas April 4, 2014

    Well done Ghezae. We should also look on the positive side that all the ‘deleyti fithi’ has accomplished. A lot of work has been done…a lot of work is of course left that we all should pick up our share. Thanks Assenna for broadcasting this piece on your radio.

POST A COMMENT