Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ መንግስቲ ኤርትራ

ሓደ ምስ ኤርትራ ጽቡቅ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ፡ “ምስ መንግስቲ ኤርትራን ፕረሲደንት ኢሳያስን ክላለ ደልየ” ኢሉ እንተዝሓተና መልስና እንታይ ምኾነ? ብርእይቶይ እቲ መልሲ ኣብ ክልተ ምተመቅለ፡ ዝጎበጠ ምጉትን ትኽ ዝበለ ሓቅን። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፋይ ድማ

ሓደ ምስ ኤርትራ ጽቡቅ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ፡ “ምስ መንግስቲ ኤርትራን ፕረሲደንት ኢሳያስን ክላለ ደልየ” ኢሉ እንተዝሓተና መልስና እንታይ ምኾነ? ብርእይቶይ እቲ መልሲ ኣብ ክልተ ምተመቅለ፡ ዝጎበጠ ምጉትን ትኽ ዝበለ ሓቅን። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፋይ ድማ ኣብቲ ትኽ ዝበለ ሓቂ ክፋል ጥራይ ከተኩር። ብዛዕባ ዝጎበጠ ምጉት ግን፡ ወግሐ ጸብሐ ብህግደፍ ይልፍለፍ ስለዘሎ ግዜ ከባኽን ኣይመረጽኩን። ኣብ ዘመናዊ ዓለም፡ ኤርትራ ጥራይ’ያ ተራን ሓላፍነትን መንግስቲ ዘነጽርን ዝቅይድን ከምኡ’ውን መሰልን ሓላፍነትን ዜጋታት ዝቅልስን ቅዋል ዘይብላ ሃገር። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ህዝብን መንግስትን ዝምእዘዝሉ ቅዋም ዝነድፍ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ 1991፡ ብኢደ ዋኒኑ ኣብ ስልጣን ብምድያብን ንኹሉ ጉዳያት ብምብሓትን ህዝቢ ኤርትራ ይጭፍጭ ኣሎ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ንውሓትን ስልጣን ዝወዳድሮ መራሒ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከም ዝፍለጥ፡ ኢሳያስ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ድማ ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኣሎ። ስልጣን ማለት ንኢሳያስ፡ ከም ዕጸ ፋርስ ኣብ ደሙ ዝሰረጸ ሕዱር ሕማም’ዩ። ኢሳያስ፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብደረጃ መንግስቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ምስ መራሕቲ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ኣንጎላ፡ ኡጋንዳ፡ ዚምባብወ፡ ካሜሩንን ሱዳንን ክብረወሰን ንምጭባጥ’ዩ ዝወዳደር ዘሎ። ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ’ታ ብመንግስቲ እትውነን ሓንቲ ራድዮ፡ ሓንቲ ተለቪዥን ሓንቲ ጋዜጣ ንስርዓት ህግደፍ ምውዳስ እንተዘይኮኑ፡ ሓሳብካ ብነጻ ትገልጸሉ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን የለን። ኣብ ኤርትራ፡ ካልእስ ይትረፍ፡ እቲ ንዓለም ናብ ሓንቲ ቁሸት ቀይርዋ ዘሎ መባእታዊ ዝኾነ ስሩዕን ብቁዕን ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ቡስጣን መንገዲ ኣየር’ውን የለን።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ብኢትዮጵያ ዝተጎብጠ መሬትና ኣይተመልሰን፡ ዶብና ኣይተሓንጸጸን” ብዝብል ኣብ መሬት ዘየለ ምስምስ ንልዕሊ 20 ዓመታት መደብ ግዱድ ዕስክርና ዘካይድ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ክፍሊት ጉልበቶም ዝምዝምዝን መሰላቶም ዝግህስን ስርዓት’ዩ። እቲ ዝርካቡ ቁጠባዊ ትካላትን ኣብያተ ንግድን ኤርትራ፡ ብስርዓት ህግደፍ ዝተባሕተን ንኻልኦት ዜጋታት እጃሞም ከበርክቱ ዕድል ዘይህብን’ዩ። ብሰሪ’ዚ፡ ክኢላታትን ሰብ ጸጋን ኤርትራውያን ሃብቶምን ሞያዊ ክእለቶምን ሒዞም ኣብ ካልኦት ሃገራት ክነብሩ ተገዲዶም። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብዘይብሉ ስርዓት ስለትመሓደርን ባጀትን ገንዘባዊ ምንቅስቃስ ዝቆጻጸር ባይቶ ወይ ህዝቢ ዝወከሎ ሕጋዊ ኣካል ስለዘየለን፡ ጉቦ፡ ምጥፍፋእን ቀንዲ ሕላገት ናይቲ ስርዓት’ዩ። ህግደፍ፡ ነቀፌታ ምቅባልን ጉድለታቱ ምእማንን ሕማም መርዘን ስለዝኾኖን፡ ካብ ናቱ ኣተሓስባ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ክቅበል ክፉት ኣእምሮ ስለዘይብሉን፡ ኣፉ ዝኸፈተ ዜጋ ዝእሰረላ፡ ብዘይ ፍርዲ፡ ጠበቃን መባእታዊ ንሰብ ዘድልዮ ኣገልግሎት ብምሕራም ንዓመታት ኣብ ጎዳጉዲ፡ ቁርን ሙቆትን ዝምቁሑላን ብሕማም ዝማሱኑላን ሲኦል ኣፍሪቃ’ያ። እቲ ብኣፉ ወካሊ ህዝቢ ኤርትራ’የ ዝብል ህግደፍ፡ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ኩናት ዝተማረኹ ወተሃደራቱ ብህላወኦምን ብድሕነቶምን ዘይግደስን ንምፍትሖምን ሰብኣዊ መሰላቶም ንኽሕሎን ዘይጣበቅ ጠላሚ ስርዓት’ዩ። ዘይከምህግደፍ፡ ካልኦት ሃገራት፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኩናት ዓለም ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ዜጋታተን ከይተሓለላ መውደቂኦም ክፈልጣ፡ ኣስከሬኖም ናብ መሬት ዓዶም ተመሊሱ ብኽብሪ ስነስርዓት ቀብሪ ክግበረሎምን ንስድራቤቶም ሞሳ መስዋእቲ ደቆም ክወሃቦምን ንዕዘብ። ዓለም ነቶም ብሰንኪ ግዕዙይ ምምሕዳሩ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ዝተገደዱን ኣብ ጉዕዞኦም ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ህይወቶም ዝስእኑ ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን፡ ሓዘናን ምድንጋጻን ክትገልጽን ሬሳታቶም ንምእካብ ክትደጋገፍን እንከላ፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ጸማም እዝኒ ይህቦም። ካብኡ ሓሊፉ፡ ነዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ሰብኣዊ መሰላቶም ተጋሂሱ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ኤርትራውያን’ውን ኣብ ክንዲ ብኣታቶም ምሕላቅ፡ “ሕራይ ኮንኩም፡ ብትካላት ስለያ ኣመሪካ ዝተታለልኩም ኢኹም” ብምባል’ዩ ዝኽሕዶምን ስቅታ ዝመርጽን ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት የለን፡፡ እቲ ውልዕ ኢሉ ዝጠፍእ ባኒ፡ ሽኮር፡ እኽሊ ይኹን ነዳዲ’ውን ብመቁነን’ዩ(ብኩፖን) ዝዕደል። እዚ ክትረክብ’ውን፡ ህግደፍ ኣብ ዝዓደሞ ኣኼባታት፡ በዓላትን ጓይላታትን ክትሳተፍ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወዳእካ ወይ ከምዘይምልከተካ ምስክር ወርቀት ክህልወካ ኣለዎ። ካብ ወጻኢ ሃገሩን ስድራቤቱን ዝበጽሕን ብኣፍ ኣርክቡ ዝገይሽን ኤርትራዊ፡ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ዓቢ ማሕንቆ’ዩ ዝኾኖ። ብተጻባኢ ባህርያት ህግደፍ፡ ካብ ስነ ስርዓት ቀብርን መርዓን ስድራቤቶም ተፈልዮም ዝውዕሉን ብሕማም ዝተደነሱ ወለዶም ዘየጸናንዑን ኤርትራውያን ብዙሓት’ዮም። እታ ንእሽቶ ሮማ ትብሃል ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ፡ ኣብ መዋእል ጥልያን ዝተሰርሐ ትሕተ ቅርጺ፡ ከም መስመራት ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ ጽርግያታት፡ ዕዳጋታትን ካልእ ኣማሕበራዊ ገልግሎትን ስለዘለዋን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ካብ ዘቁጸልጽል ቃላትን መግለጺታትን ካልእ ዝጭበጥ ተግባር ስለዘይፈጸመን፡ ኣስመራ ይትረፍ ንእሽቶ ሮማ ክትብሃል ምስቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዘሎ ዓድታት ኤርትራ ከትወዳድራ’ውን የጸግም’ዩ። እቲ ምንታይ፡ ኣብ ኣስመራ ብቁዕ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ክፋል ኣስመራ ዓይኒ ምድሪን መጓዓዝያን ተሓሪሙ ስለዘሎ፡ ኣስመራ ምዕብልቲ ገጠር ክትብሃል ‘ዩ ዘምሕረላ። ኤርትራ ምስ ብዝሒ ህዝባ ምብንጽጻር ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ካብ ህዝባ (ኣስታት 250 ሽሕ) ብረት ኣዕጢቃ ዘላ ሃገር’ያ። ስርዓት ህግደፍ፡ ወትሩ ዘይንቡርን ዘይልሙድን ኣሰራርሓ’ዩ ዝኽተል። ንኣብነት፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ካብ ሚኒስተር ክሳብ መራሒ መስርዕን ኣማሓዳሪ ቁሸትን ቃሕ ከምዝበሎ ስልጣን ይህብን ካብ ሓላፍነት የወርድን። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ሚኒስተራትን ብሓባር “ኣኼባ ሚኒስተራት” ዝብል ስም ብምጥማቅ ዘይስሩዕ ኣኼባታት የካይድ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ሰባት ብዘይ ምኽንያት ካብ ስርሖም ንዓመታት ምድስካል፡ ብስነ ኣእምሮ ምጭናቅን ካልእ ዓይነት መቅጻዕትን’ዩ። ኣብ ዓለም መራሒ ሃገርን ህዝብን እናተባህለ በዓልቲ ቤቱ ደቁን ኣብ ገዛ ኣቀሚጡ ዝዝሙ፡ ኣብ ኣብያተ መስተ ዝሰክር፡ ደቂሉ ዝወልድ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ። ኣብ ዓለም መራሒ ሃገር ተባሂሉ ንህዝብን መንግስትን ብወግዒ ከይሓበረ ተሓቢኡ ናብ ካልእ ሃገር ዝገይሽ፡ ምብራቕ ኣሎ እናተባህለ ብሹኩሹኳ ምዕራብ ዝርአ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ። ኣብ ዓለም ንህዝቡ ከየፍለጠ መሬትን ባሕርን ካልእ ሃገር ክትጥቀመሉን ምስጢራዊ ውዕላት ዘካየድን፡ ስርዓት ህግደፍ ጥራሕ’ዩ። ብዙሓት ተዋዘይትን ፖለቲከኛታትን፡ ንደረት ዘይብሉ ዕንደራን ዘይንቡር ጠባያትን ህግደፍ ምስተዓዘቡ፡ “ኣንታ ኣብ ኤርትራ ያዕ ዝብል ሰብ የለን’ድዩ” ክብሉ ርእይቶኦምን ዋዛኦምን ገሊጾም።    

         ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ታሕሳስ 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Joshuwa January 29, 2017

    He looks like a scary drakula ghost, what happened to the stunning handsome Esayas of old?
    He must have eaten so many ugly people to make him look so ugly and so beast! I feel sorry for his poor wife.

  • k.tewolde January 30, 2017

    Over 20 years in the field, and 25 years and counting after ‘statehood’ perched at the top looking down telling everybody,I made this happen,I own this,this is mine,all of it including you the people ‘….and I will see you in the next 50th jubilee.’ on that note, he dismisses the crowd and goes home. That says a lot about us.The narcissistic tyrant has introduced himself to the world a long time ago,it is time to introduce our tacit,obedient,timid,subservient…….selves, why we are the way we are, because the prudent world community has been grappling with this unique behavior for awhile. Me and my comrades took a shot at him at one time,but we were overpowered and outflanked by our brothers and his cousins,now the time has come the same monster in the picture only old and looking more sinister than ever drenched with our blood is haunting all of us regardless if we served him or not because he doesn’t give a rat about anybody except his insatiable quest for power.I don’t want to hear this Arab,Abeed……..bullshit, we have a common enemy,you looking at him,who is threatening our very existence as Eritreans.placing us on the endangered species list. It is time to stop bickering and fight hand in hand for our own survival.After all there wont be a nation without us.

POST A COMMENT