Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 3ይ ክፋል

ሚኒስትሪ ዜና - ብሓሳብ (Idea) ዝነደየ ትካል ሚኒስትሪ ዜና ብሓይሊ ሓሳባት ዝተሳዕረ ትካል እዩ። ሓይሊ ሓሳብ ከይህልዎ ሓቂ የብሉን። ሓቂ ከይሓዘ ከኣ ሓይሊ ሓሳብ ክህልዎ ኣይክእልን። ብቴክኒካዊ ብቕዓት፡ ቴክኖሎጂን ባጀትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዕብየት ከም

ሚኒስትሪ ዜና – ብሓሳብ (Idea) ዝነደየ ትካል

ሚኒስትሪ ዜና ብሓይሊ ሓሳባት ዝተሳዕረ ትካል እዩ። ሓይሊ ሓሳብ ከይህልዎ ሓቂ የብሉን። ሓቂ ከይሓዘ ከኣ ሓይሊ ሓሳብ ክህልዎ ኣይክእልን። ብቴክኒካዊ ብቕዓት፡ ቴክኖሎጂን ባጀትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዕብየት ከም ዘርኣየ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ኹሉ ግን ብገንዘብ ሸሚትካ ዝመጽእ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተመዝጊቡ ዝበሃል ዕብየት ናይ ሓሳብ ዕብየት ዘይኮነ ማተርያላዊ ዕብየት’ዩ። እቲ ትካል ህዝቢ ከደናግር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወዲቑ ስለዘሎ ክህሉ ስለዘለዎ ጥራይ ዝሰርሕ እምበር ህይወት ዘለዎ ትካል ኣይኮነን። ምዕቡል ተክኖሎጂታት፡ ፍሉያት ካሜራታትን ዘመናዊ ስቱድዮታትን ስለዝዓደግካ ጥራይ ናይ ትሕዝቶ ወይ ናይ ሓሳብ ዕድጊ ክትገብር ኣይከኣልን። ፈነወ ኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽን ዋላ ኣብቲ ዝረሓቐ ዝበሃል ኣውስትራሊያን ኒዉዝላንድን ክበጽሕ ከሎ ተክኖሎጂ ዘይኮነ ሓሳብ ሒዙ እዩ ክበጽሕ ነይርዎ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ብሓሳብ ዝጠፈሸ ትካል ዝመሓደራ ሚድያታት ግን ነዚ ክገብራ ኣይክእላን እየን። ስለዚ ሚኒስትሪ ዜና ፈነወን ሕትመትን እምበር ሓሳብ ክሸይጥ ኣይክእልን። ሓሳብ ዘይሸይጥ ትካል ድማ ጸላዊ ኣይኮነን። ማዕከናት ዜና “ህግደፍ” ጸለዉቲ ክኾና ስለዘይከኣላ ድማ ካልኦት ጸለዉቲ ሚድያታት ዓለም (ቢቢሲ፣ ሮይተርስ፣ ኣልጀዚራ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ …ወዘተ) ኣብ ኤርትራ ወኪላት ንኽህልወን ኣይተፈቕደን። እተን ዝርካበን ብኤርትራዉያን ወኪላት ዜና ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ትግርኛን ደሃይ ኤርትራ ዘስምዓ ሬድዮታት ዶቸቨለን ድምጺ ኣሜሪካን እዉን እንተኾና ኣቐዲሙ ብዓሊ ዓብዱ ኤዲት ዝተገብረ ዜናታት እየን ዘመሓላልፋ። ስለዚ ሃገርና ኤርትራ ንዉሽጣዊ ጸገማታ ኣግሂዱ ዝነግረላ ሃገራዊ ይኹን ኣህጉራዊ ማዕከን ዜና ዘይረኸበት ዕጽዉቲን ዝተነጸለትን ሃገር እያ።

*     *     *

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይኸዉን ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ Amharic Desk ምስ ኣብዚ እዋን ብምኽንያት ፈተነ ስግረ ዶብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቋንቋ ኣምሓርኛ እዮብ ከሰተን ሪፖርተር ሬድዮ ዶቸቨለ ኣብ ኣስመራ ጋዜጠኛ ጎይትኦም ቢሆንን ኣብ ዕጹዉ ክፍሊ ሰለስቴና ጥራይ ኰንና እናዕለልና ከለና እቲ ዝተሰምዖ ብምዝራብ ዝፍለጥ እዮብ ከሰተ ንጎይትኦም ቢሆን ከምዚ ክብል ሓተቶ፦ ስማ ልንገርህ! የምታቀርባቸዉ ሪፖቶች ላይ ኣስተያየት ኣለኝ። ኣስተያየት ትቀበላለህ? በሎ። ጎይትኦም፦ ማለት የፈለግከዉ ገብቶኛል ግን ቀጥል ደህና ችግር የለም ኢሉ መለሰ። እዮብ ቀጸለ፦ የኤርትራ ሁኔታን በተመለከተ እኛ እና ኣንተ የምናቀርባቸዉ ሪፖርቶች ምንም ልዩነት ኣላይባቸዉም። እኛ የመንግስትን ሳይድ ይዘን ብንለፈልፍ እንኳ የመንግስት ጋዜጠኞች ስለሆኑ ነዉ ብሎ ማንም ሰዉ ሊረዳን ይችላል። ኣንተ ግን የኣንድ ነጻ ሚድያ ባልደረባ እያለህ እንደኛ ኣይነት ሪፖርት ስታቀርብ ይሄ ሰዉየ ምን ነካዉ ኢያሉ የሚታዘቡህ ሰዎች እንዳሉ ማወቅ ኣለብህ። ነጻ ሰዉ እያለህ ራስህን ትዝብት ዉስጥ የሚጥል ስራ ባትሰራ ጥሩ ነዉ በሎ።

ጎይትኦምን ኢዮብን ጽቡቕ ቅርበት ስለዝነበሮም ጎይትኦም ብዘረባ እዮብ ኣይሰንበደን። ክልቲኦም ኣነ ይሰምዖም ስለዝነበርኩ’ዉን ኣይተሰከፉን። ጸኒሑ ጎይትኦም፦ ኣሁን ያልከኝ ነገርኮ ታድያ ሳይገባኝ ቀርቶ ኣይደለም። ልክ ነህ። ግን ጎይትኦም ነጻ ሰዉ ነዉ ብለህ የምታስብ ከሆነ በጣም ተሳስተሃል። ነጻ ብሆን ኖሮ የምጽፋቸዉን ሪፖርቶች ኣስቀድሜ ለዓሊ እንዳሳይ የምገደድ ይመስልሃ!? እነ ኣማኑኤል በረከትምኮ ኣሁን እንደተናገርከኝ ኣይነት ነገሮች እየተናገሩ ይጨቀጭቁኛል። መንግስት መንግስት የሚሸት ሪፖርት እየላክ እኛን የመንግስቱ መሳርያ ኣስመሰልከን እኮ ነዉ የሚሉኝ። እኔ ደግሞ በተባልኩት መሰረት መስራት ካልቻልኩ ልሰራ ኣልችልም እናንተም ኣስመራ ዉስጥ ሪፖርተር ሊኖራችሁ ኣይችልም እያልኩ ነዉ የምመልስላቸዉ በሎ።

*    *    *

ድሕሪ ኣኽሊሉ ሰለሞን ናይ ኣስመራ ሪፖርተር ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኮይና ትሰርሕ ዘላ ሰናይት ሃብቱ ሓደ እዋን ጸብጻባ ብመገዲ ጳውሎስ ነታባይ ንዓሊ ዓብዱ ከተርኢን ካልእ መምርሒ ስራሕ ክትቅበልን ናብ ሚኒስትሪ ዜና ምስ መጸት ሓደ ብቐረባ ዝፈልጣ መሳርሕተይ “ምስ ሰናይት ትፋለጡ ዲኹም?” ኢሉ ይሓተኒ’ሞ ምስ ስማን ስርሓን እምበር ምስኣስ ሌላ ከም ዘይብለይ ምስ ነገርኩዎ ንኽልቴና ኣላለየና። ኣጋጣሚ ንሳ’ዉን ብስም ትፈልጠኒ ከም ዝነበረት እናገለጸት ተላለየትኒ። እዋኑ ሰዓት ምፍዳስ ስለዝነበረ እናዕለልና ካብ ዉሽጢ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ናብ ኣፍደገ ገጽና እናሰጎምና ከለና ሓደ ካብቶም “ብዱላት” ዝበሃሉ ሓለፍቲ ሚ/ዜና ብድሕሬና መጺኡ ሰላም ምስ በለና ንሰናይት ምስኡ’ዉን ኣላለናያ። ሽዑ እቲ ሓላፊ፤ “ኦ ንስኺ ዲኺ ሰናይት ማለት!? ንስኺ ንፍዕቲ ኢኺ! እዛ ስራሕ ግርም ክኢልክያ ኣለኺ” በላ። ትርጉም ናይቲ ዘረባ ስለዝተረደኣኒ ከዛርቦ ኢለ “እንታይ ማለትካ ደኣልካ” ኢለ ምስ ሓተትኩዎ “ደሓን እንታይ ማለተይ ምዃነይ ንሳ ተረዲእዋ ኣሎ” ኢሉ ገዲፉና ተመርቀፈ።

 

*            *           *

ኣብ ዓመተ 2009 ኣብ ቅንያት በዓል ናጽነት ሚልዮናት ዶላራት ወጻኢ ዝተገብረሉ ናይ ሚድያ ተዋስኦታት ብሚኒስትሪ ዜና ተኻየደ። እቲ መደብ ዓሊ ዝመሃዞ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ኣማተራት ጋዜጠኛታት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብገንዘብ ተዓሲቦም ብምምጻእ ብስም ዓበይቲ ናይ ሚድያ ኮርፖረሽናት ንኢሳያስ ተኸታታሊ ቃለ መጠይቓት ከም ዝገብሩሉ ምግባር ነበረ። ዕላማ እቲ መደብ ማዕከናት ዜና ዓለም ንኢሳያስ ኣዒንተን ከም ዘዉደቓሉ ኣምሲልካ ኢሳያስ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ ኣፍሪቃዊ መራሒ ጌርካ ምቕራብ እዩ ዝነበረ። ሽዑ ነቲ መደብ መካየዲ ዝኸዉን ገንዘብ ወጻኢ ንምግባር ኣብ መንጎ ዓሊ ዓብዱን የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ)ን ዝረአ ዝነበረ ናይ ሓይለይ ሓይልኻ ህልኽ (ዓሊ ይፈቐደለይ ክብል ቻርሊ ድማ ኣይፍቀድን ክብል) ኩላትና ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ዝነበርናን ዘለናን እንዝክሮ እዩ።

 

ኣብ መወዳእታ ኢሳያስ እቲ መደብ ንረብሕኡ ምዃኑ ፈሊጡ ንቻርሊ ግዲ ሕሹኽ ኢልዎ ኮይኑ ቻርሊ ነተን ገንዘብ ናብ ካዝና ሚኒስትሪ ዜና ንኽኣትዋ ፈቐደ። ቻርሊ ምስ ገንዘብ ዝተኣሳሰረ ዓቢ ግን ከኣ ዘይወግዓዊ ስልጣን ስለዘለዎ እዩ ምስ ዓሊ ዝዋጠጥ ዝነበረ። ብዝኾነ ዓሊ ዓብዱ ካብተን ዝተፈቕዳሉ ገንዘብ ዝስረቕ ሰሪቑ በቲ ተረፍ ከኣ ብዙሓት ኣማተር ጋዜጠኛታት ካብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤዉሮጳ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብገንዘብ ዓሲቡ ኣምጽአ። ሓደ ካብኦም ጋዜጠኛ ቪኦኤ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣቶ ተወልደ ወልደገብርኤል ነበረ። ተወልደ ወልደገብርኤል ኣምሳያ እቲ ኣብቲ እዋን ብስም ድምጺ ኣሜሪካ ንኢሳያስ ዝገበረሉ ቃለ መሕትት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ምስ ተዋህበን ኣብ ኣስመራ ናይ ዝጸንሓሉ ናይ ሆቴልን መግቢን ወጻኢታቱ ምስ ተሸፈነሉን ብድሕሪኡ ናይ ሓዋሩ ዕሱብ ዓሊ ዓብዱ ኮይኑ ከገልግል ንዝቐረበሉ ዕድመ ክሰግሮ ኣይከኣለን።

 

ኣብቲ እዋን እዝከረኒ ተወልደ ወልደገብርኤል ምስ ዓሊ ዓብዱ ዝመስረቶ ዝምድና መታን ብኣሉታ ከይሽረፍ ስም ተወልደ ንምዕባይ “ተወልደ’ኮ ናይታ ኤርትራዉነት ሒዛቶ ብነጻ’ኮ እዩ ነዚ ሰብኣይ ኢንተርቪዉ ገይሩሉ” እናተባህለ ተወርየ። ሽዑ ግዜ ተወልደ ኣብ ምሉእ ሚኒስትሪ ዜና እናዛወረት ዑደት እተግብሮ ዊንታ ዝተባህለት ጋዜጠኛ ተመዲባትሉ ኣብቲ ትካል ከም ዓቢ ጋሻ ዑደት ገይሩ ምስ ኩሉ ኣባል ተላለየ። ካብኡ ንደሓር ዓሊ ዝርከቦም ገለ ሓለፍቲ ኣሜሪካ ጸላኢትና ስለዝኾነት ቪኦኤ ንዓና ናይ ጸላኢ ሚድያ እዩ። ኣብዚ ጸላኢና ዝዉንኖን ናጽነት ኤርትራ ዘይወሓጠሎም ኢትዮጵያዉያን ዝሰርሑሉን ሚድያ ናትና ሰብ ክንገብር ምኽኣልና ዓቢ ዓወት እዩ እናበሉ ክዛረቡ ሰማዕናዮም። ወዮ ተወልደ ነታ መጻወድያ ሽዑ ምስ ኣተዋ ብኽልተ ደሞዝ እናተናበየ፤ ኣብ ክልተ ጻሕሊ እናልመጸ (ጻሕሊ ኣሜሪካን ጻሕሊ ‘ህግደፍ’ን) ምስ ኣጽናቲ ስርዓት ወጊኑ እነሆ ክሳብ ሕጂ ዘሕትቶ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።

 

ኣቶ ተወልደ ቅድም ክብል ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ምስ በዓል ገብረመስቀል ገረዝግሄር (ሓላፊ ጨንፈር ምዉህሃድ ፕሮግራማት ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ከምኡ’ዉን ናይ ወትሩ ኣንባቢ ሓተታ ኣብ ሬድዮ) ብቋንቋ ትግርኛ ዝሰርሕ ዝነበረ ዜጋ ኮይኑ መሳቱኡ ሃገር ከምጽኡ ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ እዋን ኤርትራ ኣይትንጸልን እያ! ደም ወንበዴታት ከም ዛራ ማይ ክዉሕዝ እዩ! እናበለ ዝጭድር ዕሉል “ጋዜጠኛ” ኢሰፓ ከም ዝነበረ እንፈልጥ ክንደይ’ኮን ንኸዉን!? እዚ’ዩ እምበኣር እቲ ዝበዝሕ ሰብ ዘይፈልጦ ታሪኽ ጋዜጠኛነት ተወልደ። ነዚ ታሪኹ ኣብ ክንዲ ዘዐሪ ሕጂ’ዉን እንደገና ነዚ ትልኽ ዝብል ዘሎ ስርዓት ‘ህግደፍ’ ከሳሲ ግዜ ይሓልፎ ኣሎ’ሞ ፈተዉቱ እንተሊኹም በጃኹም ምዒድኩም ናብ ልቡ ምለስዎ። ምስ ዝመዉት ዘሎ ስርዓት ኣይምወትን እዩ በልዎ።

 

ራብዓይ ክፋል ይቕጽል….

 

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • kemal January 26, 2013

    Thank you Amanual for the articulated presentation.

  • Halafi Mengedi January 26, 2013

    Excellent article. However, it would be nice had you translated the the Amharic text into Tigrina

  • true January 26, 2013

    tewelde is inhumane – not only to his country, even to his close families n hostages in sinai ! mewaredi seb, teberaber

  • Asmerom January 26, 2013

    you are telling the truth, many of us we knew Tewelde since Gergi regime.He has being a material such a long time and we don’t needto wary about him as far as we know his behaviour.i mean we will him buy with time hàa.
    keep up!!!!!!!

  • mehari G. January 27, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ኣማኑኤል ብመጀመርያ ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ተቢዕካ ን መሰልካን መሰል ህዝብኻን ንምርግጋጽ ጠጠው ምባልካን ናይ ብሓቂ ወዲ ህዝቢ ይብለካ። እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ ሽፍታ ስርዓት ራሕሪሖሞ ክነሶም ኣብ ራዕዲ ዝነብሩ ዘለዉ ናትካን ኣማኑኤል ኣሰናን ካሎኦትን ኣብነት ተኸቲሎም ፍርሖም ቀንጢጦም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ንሓቂ ጠጠው ክብሉ ድማ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ እዋናዊ መድረኽ እዮ። ኣማኑኤል ጽሑፋትካ ናይ ብሓቂ መሰጥቲ ኢዮም። ኣብ ልዕሊ እቲ ሓቅነቶም ኣነዳድቕኦምውን መሳጢ ይገብሮም እዮሞ ኣጆኻ በርትዕ፥ ብርዕኻ ነዚ ፋሉል ስርዓት ኣብ ምቅላዕ ጠጠው ኣይተብላ። ኩሉ ደላይ ሰላም ኣብ ጎንኻ እዮ። ፍትሒ ዝተረጋገጸላ ራህዋን ሰላምን ዝሰፈና ኤርትራ ክንርኢ ርሑቕ ኣይኮነን።

  • Elsa January 28, 2013

    Thank you so much for exposing Tewolde, the VOA ‘journalist’. Now I know who this evil man is. Now i know why he does not speak up for Eritrean victims in Sinai desert. I feel sorry for this guy. By the way is he truly Eritrean? He maybe ‘Tewelije’. I am not implying that all ‘Tewelijis’ are bad. In fact some ‘Teweljis’ are very patriotic Eritreans who stand for truth.

    Elsa

Post a Reply to Asmerom Cancel Reply