Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልሳን ህግደፍ!

ልሳን ህግደፍ! ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ’ዚ ንምንታይ ከም ዝተጋደለ ረሲዑ፡ ነቲ ራእን ሕልምን ጀጋኑ ስውኣትና ብምርጋጽ፡ ቃል ስውኣትና ጠሊሙ፡ ብሕሰምን መከራን ህዝብና ዘጽንት ዘሎ ገበል፡ ክሳዕ ዕለተ ሕልፈቱ ብተኣማንነት ዘገልገለ ሜጀር ጀነራል ገ/ሄር ዓ/ማርያም

ልሳን ህግደፍ!
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ’ዚ ንምንታይ ከም ዝተጋደለ ረሲዑ፡ ነቲ ራእን ሕልምን ጀጋኑ ስውኣትና ብምርጋጽ፡ ቃል ስውኣትና ጠሊሙ፡ ብሕሰምን መከራን ህዝብና ዘጽንት ዘሎ ገበል፡ ክሳዕ ዕለተ ሕልፈቱ ብተኣማንነት ዘገልገለ ሜጀር ጀነራል ገ/ሄር ዓ/ማርያም (ውጩ) ኣብታ ልሳን መላኺ ዝኾነት ቲቪ ህግደፍ፡ በቶም ኣብ ግዜ ሓዘንን ጓይላን ጥራይ ኣብ መስኮት ተለቪዥን ዝርኣዩ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ኣቢላ፡ ብዙሕ ድርሳንን ውደሳን ክትስንድ ስለ ዝቐነየት’የ ነዛ እትስዕብ ናዕታ ክጽሕፍ ተገዲደ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ግን ብዕለት 07/03/2014 ዝተጻሕፈ’ዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሊሰዩም (ኣስተምህሮታት ኪወሃበሉ ዚተዳለወ ፍሉይ ኣዳራሽ) ኣሰና ብዙሕ ብዛዕባኡ ተጻሒፉ ስለ ዝነበረ’የ ድማ ሽዑ ዘይፈነኹዎ። ዋላ ደኣ መበገሲ’ዚ ጽሑፍ ውጩ ይኹን’ምበር ብቐንዱ መልእኽተይውን ናብ ተለቪዥን ህግደፍ’ዩ።
እዚ ብብዙሕ ዓበይቲ ገበናት ዝኽሰስ ሜጀር ጀነራል ነበር ግን ኣብ ምድምሳስ ናደው እዝ ምስ ጅግና ስውእ ዓሊኢብራሂምን ካልኦት ጀጋኑን ኮይኑ እጃሙ ስለ ዘበርከተ፡ ዝለበሶ ካ ጅግንነት፡ ድሕሪ ናጽነት፡ በቲ ‘ኣያይ’ ዝብሎ መላኺ ከም ዝተቐንጠጠ ዘይተረድኦም ሰባት ከም ዘለዉ፡ ትማሊ ኣብ ሕልፈቱ ካብ ዘውክኡዎ ቃላቶም ክግንዘብ ክኢለ ኣለኹ። እዚኣቶም ጽባሕ ንግሆ እዚ መላኺ ምስ ሞተውን፡ ጅግና ተሰዊኡና፣ መራሒና ጠፊኡና፣ ከምዚ’ባ ተደጊምና ወዘተ. እናበሉ ክቑዝሙ ስለ ዝኾኑ፡ በቲ ኣብ ቲቪ ህግደፍ ዝሰምዑዎ ስንክሳር ተሰሊቦም፡ ኣእምሮኦም ሕሉፍን ህልውን ከመዛዝን ስለ ዘይከኣለ፡ ብዛዕባ’ዛ ኣብ ምሕጻብ ሓንጐል ለዋሃት፡ ዝከኣላ ዝጸዓረት ማዕከን ኩምራ ሓሶት ዝኾነት ተለቪዥን መላኺ፡ ገለ ንኽብል’ዩ ተበጉሰይ። ብቕድሚኡ ግን ብዓቐን’ዚ ናዕታ ማለት ካብ ዓሰርተ ስታንዛ ስለ ዝዛየደ ኣቐዲመ ይቕሬታ እናሓተትኩ፡ ጅግና ማለት፡ ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ብምዃን፡ ኣንጻር ናይ ግዳም ይኹን ናይ ዘቤት ተጻባኢኡ ደው ዚብል፣ ካብ ውልቃዊ ረብሓኡ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም፣ ጌጋን ጉድለትን ክርኢ ከሎ ብመን ተፈጺሙ ብዝየገድስ፡ ብድፍረት ዓገብ ዚብል፣ መሰልን ክብርን ህዝቡ ዘኽብርን ዚሕሉን፣ ኣያ ኪኸውን’ምበር ኣያ ዚኾኖ ዘይደሊ ወዘተ. ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ።
ልሳን ህግደፍ!
ኣንቲ ልሳን ህግደፍ መሕፈሪ ዘይብላ
ኣብ ቅዝፈት ላምፔዱሳ ዝተኸልኪ ጓይላ
ንኹሉ እትምንጥል ሞት ሓያል ከም ዘላ
ልቢ መለኽትኺ ሎሚ’ዶ ኣስተውዒላ
ክትቁዝም ቀንያ ዳስ ሓዘን ተኺላ!
ቲቪ ህግደፍ’ወ ኣገልጋሊት ምልኪ
ብህልቂት ኣሕዋትና ሓዚንና ክንበኪ
‘ዘይሕጋውያን’ ኢልኪ ከምዘይኣላገጽኪ
ሞት ከም ዘሎ’ምበኣር ሎሚ በሪሁልኪ
ኣብ ምስሊ’ቲ *ቀፊር ሽምዓ እናኣንበልበልኪ  *ዋርድያ
ኣብ መልቀስ ቀኒኺ ጸሊም ተኸዲንኪ!
ኣገልገልቲ ምልኪ ኣልኮሆል ተቐተሎም
ብጓህን ሓዘንን ጸጒሪ ትነጽይሎም
ሓርነትን ፍትሕን ምልኪ ዝመንጠሎም
ኣባጽሕ ክጠፍኡ ግን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም
ወለድን ኣሕዋትን መቕርብ ከምዘይብሎም
‘ኣፍሪቃውያን’ ኢልኪ ከተሽካዕልልሎም
ንሕናን ዓለምን ግን መሪር ሓዚንናሎም!
ኣንቲ ልሳን መላኺ ምቕንጻል ኣመሉ
ንምሉኽ ጀነራል እትቁዝሙሉ
ነጋዶ ብጥይት ትማል ኣቃቲሉ
ፍትሒ እናኣማዕደዎ ኣብ ከብሒ ኮፍ ኢሉ
ዕድመ ዘይወሰኸ ጎይታኡ ኪሕሉ
ዳስ ሓዘን ተኺልኪ ዓንገረር ኢልክሉ!
እቲ ዘጉሂ ግና ካብ መጠን ንላዕሊ
ታሪኽ ጅግንነቱ ቅያ ናይ ትማሊ
ስለ ዝደምሰሶ ምልክነት ከሳሊ
ቲቪ ናይ መላኺ ምስልና በላሊ
ነዚ ሕዘንሉ ተኸዲንኪ *ከሊ!                          *ጸሊም ክዳን ሓዘን
እዚ *ሰገር መላኺ ትማል ዝደቀሰ    *ዓስከር፡ ወተሃደር
ንሓርነትን ፍትሕን ከምዘይተቓለሰ
*ደማሒ ብብረት ኣፍና እናዓበሰ      *መላኺ
ኲናት ኣኣጒዱ ደምና እናኣፍሰሰ
መሰልናን ክብርናን ወትሩ እናገሃሰ
‘ኣያይ’ እናበለ ምልክነት ዘንገሰ
‘ጅግና ኔሩ’ ኢልክዮ ደራሲት ውዳሰ!
ጅግንነት ከመይድዩ ኣገልጋሊት ምልኪ
*ተጃር ብማሕለኻ ኣሲርካ ክደኪ             *ሃብታም
እቲ ምሁር ክህደን ከም ንህቢ ብትኪ
ደቃ እናተጨውዩ ወላዲት ክትበኪ
ይኣክል ዘይበለ *ዘለማ ናይ ምልኪ     *ጭቆና፡ ረገጻ
ኣብ *ፍሒል ዝነበረ ኣብ ኣረቂ ዊስኪ    *ስኽራን
ጅግና እትብልዮስ መን’ዩ ክኣምነኪ!?
ብሕሰም’ዚ ህዝቢ እናተቐንዘዉ
“ንኺድ ጥራይ” ዘይበሉ መላኺ ከፍትዉ
ቃል ስውእ ከይጥለም ሕድሪ ክሕልዉ
ብትብዓት ንመላኺ ትማል *እተቓተዉ  *ዝበድሁ
እቶም ጀጋኑሲ ኣብ ማሕዩር ኣለዉ!
ህዝቡ እናጠፍአ ጓሳኡ ዘይኮነ
ኣብ ጎድኒ መላኺ ወትሩ ዝወገነ
ቅዱሙን ድሑሩን ታሪኹ መዚነ
ጅግና ንምባሉስ ከቢዱኒ ኣነ!
ንውልቀ መላኺ ስለ ዘገልገለ
ውጩስ ተቐቢሩ ‘ጅግና’ እናተባህለ
ወዲ ዓሊ ግና ምስ ህዝበይ ዝበለ
ሓጺናዊ ዕርዲ ብታንኪ ዝፈንቀለ
ንሰላሳ ዓመት ከምዘይተጋደለ
ከዳዕ ተባሂሉ ብጠላም ጉጅለ!
እዞም ኩሎም ኣባጽሕ ኣብ ኲናት ኣጥፊኡ
ሓሊፉዶ ውጩ ዋርድያ ኣያኡ
ግዜ ኣኺሉ’ወ ብሞት ተጸዊዑ
ብሰሪ መላኺ ቅዝፈት ምሕደራኡ
እዚ መቓብር ግን ብሬሳ መሊኡ
ረኺቡዶ ይኸውን ቦታ መዕረፊኡ!?
ዕምባባ ዘርግፍ ዘርኡ ከይሸወተ
ተመስገን ዘይፈልጥ ኩሉ እናገበተ
ብስልጣንን መስተን ቀልቡ ዝሰሓተ
እዚ መላኺ ከሎ ሃገር ዘጸልመተ
ኣንበጣ ቀንዩ *ጐደበ እንተ ሞተ          *ካብ ኣንበጣ ዝናኣሰ ሓሸራ
ቡቚሊ ኣይድሕንን’ዩ ዘርኡ *ከይጸነተ!          *ከይበረሰ
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 21-03-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
30 COMMENTS
  • ERITRAWIT March 26, 2014

    Mesinas
    Tv-Eri da eza hfret zeybla hejey ka nazom 3 Generalat hansab mstezarebet aseketa weyza weslata tv eri grem geberkaya kubur haw kkkkkk.

  • Esaw March 27, 2014

    A Lion passed away, may God forgive your soul brother wuchu good by.

  • fitsum March 28, 2014

    Don’t accused the died person u guys you will have your time to pass away and u will be judged in front of God don’t be fool

POST A COMMENT