Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልበይ እንክነብዕ፤

ልበይ እንክነብዕ፤ ንሕዘነሎም ንግዳያት ውቅያኖስ ባሕሪ ንንባዓሎም ንናይ መጻኢ ሕድሪ በዚ ዘይሓዝን ዓገብ ንበሎ ነውሪ። ቀላያት ኣይኮኑን ተውሳኺቱ ባሕሪ ህግደፍዩ ህግደፍ ሓዊ መሳወሪ ደቁ ሓቚፉ ንኻልኦት መባረሪ። ፍታሕ መሲሉዎ ስደት ዝመረጸ ንሞት ዘማዕደዋ ካብ ቤቱ ከይወጸ ጉዕዞኡ ይጅምር ኣብ ብልሒ መላጸ። ሕጂ ኣብ ባርነት፡ ጽባሕ

ልበይ እንክነብዕ፤

ንሕዘነሎም ንግዳያት ውቅያኖስ ባሕሪ

ንንባዓሎም ንናይ መጻኢ ሕድሪ

በዚ ዘይሓዝን ዓገብ ንበሎ ነውሪ።

ቀላያት ኣይኮኑን ተውሳኺቱ ባሕሪ

ህግደፍዩ ህግደፍ ሓዊ መሳወሪ

ደቁ ሓቚፉ ንኻልኦት መባረሪ።

ፍታሕ መሲሉዎ ስደት ዝመረጸ

ንሞት ዘማዕደዋ ካብ ቤቱ ከይወጸ

ጉዕዞኡ ይጅምር ኣብ ብልሒ መላጸ።

ሕጂ ኣብ ባርነት፡ ጽባሕ ኣብ ሕልፈት ሞት

ክነብር ዘይመረጸ ኣብ ሕስረት ኣብ ውርደት

ዝረኸበ ይርከበኒ ኮይና ናቱ ዕግበት።

ምጽናት ዝብልኹም እዚ’ዩ ምጽናት

ኣብ እንኮ መዓልቲ ክንድዚ ነብሳት

ምስ ምንታይ ይቑጸር፡ ናይ ምንታይ ሰማዕታት።

ሎሚ ሓዚንና ጽባሕ ንርስዕ

ገሌና ነስተንትን ገሌና ንስዕስዕ

ህግደፍ ብወገኑ ብህልቂት ይጎስዕ።

ይኣክል ንበሎ ንብርሰት

የብቅዕ ንበሎ ንስደት

ጸላኢና ይኹን ግዳይ ክልተ ሞት።

ለካሚኻ መርዓ – ቀዳዊኻ ሞት

ኣሎ ይብሉና ኣቦታት ቀዳሞት

መለበሚና ይግበሮ ናይ’ዞም ንጹሃት ሕልፈት።

 

ተኽላይ ኣብራሃ

ኒው- ዮርክ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ሓቀኛ October 6, 2013

    ኤርትራውያን ምስ ሞቱ ጥራይ ትጠርዑን ዓው ትብሉን ግን ካልኦት ሰብ ኣብ ሱርያ ወይ ኮንጎ እንተዝሳቐዩን እንተዝሞቱን ኣይትግደሱን ኢኹም።

POST A COMMENT