Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ናብ ኤርትራ ክገሻሉ ዝሓሰባ ትኬት ነፋሪት ብምቕያር ኣብ ቦለኛ ክቕንያ ይጉስጉሱወን ኣለዉ – ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ልኡኻት ‘ቲ ስርዓት ‘ውን ገንዘብ ተኸፊሎም ኣብ ቦለኛ ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ምንዳይ ወዲቖም

ኣማኢት ሰማእታት ላምፐዱዛ ወግዓዊ ቀብሪ ኣብ ዘይረኸቡሉ፣ ወለዶም ሬሳ ደቆም ስኢኖም ሰንፈላል ኮይኖምሉ ኣብ ዘለዉሉ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ቦለኛ፣ ዓዲ ጥልያን ‘መበል 40 ዓመት ቦለኛ’ ብምምኽናይ ናይ ዳንኬራ ጽምብል ክገብር ዝሸብሸብ ዘሎ ሰብኣዊ እንዶ ዘይብሉ ምልካዊ

ኣማኢት ሰማእታት ላምፐዱዛ ወግዓዊ ቀብሪ ኣብ ዘይረኸቡሉ፣ ወለዶም ሬሳ ደቆም ስኢኖም ሰንፈላል ኮይኖምሉ ኣብ ዘለዉሉ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ቦለኛ፣ ዓዲ ጥልያን ‘መበል 40 ዓመት ቦለኛ’ ብምምኽናይ ናይ ዳንኬራ ጽምብል ክገብር ዝሸብሸብ ዘሎ ሰብኣዊ እንዶ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቲ ናይ ፈንጠዝያ ዳሱ ከይጽሙ መታን፣ ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ኣብ ክራማት ናብ ኣስመራ ክገሻሉ ዝሓሰባኦ ትኬት ኣቐይሩ ኣብ ቦለኛ ክቕንያ ብመንገዲ ልኡኻቱ ናይ ምድንጋር ጎስጓስ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም።

እተን ኣዴታት ዓዲ ጥልያን፣ ሬሳ ዜጋታትና ናብ ዓዱ ከይኣተወ፣ ኣብ ክንዲ ዳስ ሓዘን ከመይ ጌርና ኣብ ቦለኛ ዳስ ጓይላ ክንተክል ኢለን፣ እቲ ስርዓት ንዘዋፈሮም ሃሱሳት ክብድሃኦም ከለዋ፣ “መንግስቲ ኤርትራ፣ መምለሲ ሬሳ ምሉእ ገንዘብ ከፊሉ’ዩ ግን ጥልያን በሊዖሞ’ እናበሉ መታለሊ መልሲ ይህቡወን ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ፣ ዶክተር ኣባይ ኣስመሮምን ዶር ኣስገደ ሓጎስን ንልኡኻት ህግደፍ ኣብ ዘካየዱሎም ቴለ ኮንፈረንስ፣ ናብ ቦለኛ ዝኸይድ ሰብ ስኢና ስለዘለና፣ ከፊልና እንሰዶም ሰባት ርኸቡ ብምባል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ናብቲ ኣብ ቦለኛ ከካይዱዎ መዲቦሞ ዘለዉ ፈንጠዝያ ዝሳተፍ ሰብ ብምስኣኖም፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ንምቅዋሙ ብዘካይዱዎ ዘለዉ ምድላዋት ሰጊኦም ዘለዉ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ገለ ግሩሃት ከዘንግዑ መታን ብታሕቲ ታሕቲ ቲከት ምሻጥ ኳ እንተጀመሩ፣ ኣንፈቱ ተስፋ ስለዘቝረጾም ዓወንወን ክብሉ ይረኣዩ ‘ለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
51 COMMENTS
  • hagos berhane June 14, 2014

    Hafash …

    yereda’aka due? tsere tekmikha aitehseb!!!!! Tesi’e Teberaber^^^^////.

    Enough is Enough. Join the Catholic Church’s current agitation. Let’s rise and stand for the right of our people!. This is a good blow for the Hgdfites. They are accelerating their grave yard. “Remember that!We didn’t act and take an immediate & swift revenge during the incident of Lampedusa”. But the dictator’s flaw is helping us and creating this opportunity for us to take a decisive roll to act and change Bologna to Lampedusa’s memorial day. What a surprise!!!!The time is near at our hand that must determine whether Eritreans are going to be free men and rescue their beloved nation or slaves of HGDF and who knows which cliff they dump us.

  • Simon G. June 14, 2014

    ኢሳያስ ንኹሉ ብማዕረ ዩ ዝርኢ። ክትሪኦ ግን ከምኡ ኣይመስልን። ከመይ እንተልና፥ መጀመርታ ኣሰረርዓ ትካላቱ ንርአ:
    1) ናይ ወተሃድራዊ ሓለፍቲ ዝበዝሑ ካብ ሓማሴን ኮፍ ኣቢሉ: ከም ድሌትኩም ንህዝቢ ኤርትራ ኣባአሳብስዎም ኢሉ ሓላፍነት ሂብዎም። ሓደሓደ ብፍጥረቶም ጥዑያት ተዘኮይኑ ከምዛ ትሪኡዋ ኩሉ ሰብ ዓዲ ገዲፋ ሃጽ ከምትብል ጌሮማ(እቶም ዘይተቐትሉ ወይ ዘይተኣሰሩ ማለተይ’የ)።
    2) ነዞም ዓያሹ ጀነራላትን ኮሎኔላትን ድማ ኣከለጉዛይ ኣምጺኡ ዱብ ኣበለሎም: ነቕ ከምዘይብሉ ድማ ጌርዎም። ብዓይኒ ሓቂ ድማ ብሓላፍነት ንሶም ይልዕሉ። መንዮ’ም ዞም ሰባት ተልኩም: ናይ ስለያን ቤት ጽሕፈት ኢሳያስን ማለተይ ‘የ።
    3) ነዚኦም ዝሕልዉ ድማ ልዕል ዝበለ እምነት ዘሕድረሎም ውልቀሰባት ደቂ ኣርበዓ ኮፍ ኣበለሎም። ሓደ ተንከስ ከምዘይብል ድማ ኮነ።
    4) ዓሻ ድዩ ኢሳያስ: ኣብ ደቂ ኣርበዓ ምሉእ እምነት ዘለዎ መስለኩም? ኖ። ብርክት ዝበለ H-1B Visa ሂቡ ደምሒት ኣምጺኡ ዓዲ ስግጥ ኣበላ።
    ስለዚ እቶም በሃማት ኢሳያስ ውላድና ዩ፣ መንግስትና ዩ፣ እንዳና ዩ ወይ ድማ እቶም ኢሳያስ ንሓማሴን ጥራይ ዩ ዘፍቱን ዝከናኸንን ትብሉ፥ ኢሳያስ ንነብሱ ተዘይኮይኑ ናይ ካልእ ሰብ ወይ ከባቢ ኢዝኒ የብሉን። ኢሳያስ፥ ሓንቲ ‘ያ ድሌቱ። ንሳ ድማ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ኣምበርኪኽካ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ የእቲኻ ሽዑ ንሱ ንዓባይ ኢትዮጵያ ክመርሕ።
    መተሓሳሰቢ: ነቶም፥ ዓዲ ናይ ኣከለ ጉዛይን ናይ ሓማሴንን ጥራይ መዓስ ኮይና፧ ናበይ ረሲዕካን ትብሉ። ኣነ ኢሳያስ ዝብሎ’የ ዝነግረኩም ዘለኹ። ሓደ ሓደ ቦታ ንመርኣዪ ኮፍ ኮፍ ኣቢሉ: ከም ወዘተረፈ (miscellaneous) ኢሉ’ዩ ጎሲዎ ዝሓልፍ. ጥርዓን ዘለዎ ሰብ ብትሕትና ናብ ኢሳይስ ከመሓላልፍ ይምሕጸን።

    • Eritreawit June 14, 2014

      Simon G.
      Eventhough it sounds scarry, your analysis makes sence. They showed him so much divistion and backstubbing eachother and the dictator used it. Any regionalist should be asemed of him/her self. Eway hisret bikindey jegannu dem zemetset addi ay nilaili ay nitahti koynna kof. Dehan ginn alenna deqa wediqa aykitwediqen ya.

    • ልፍንቲ ኤርትራውያን June 14, 2014

      ሓቅኻ፥ እቲ ቀንዲ ዕላማ “ኢሳያይስ ኣፈወርቂ” _ ነብሰ ፍትወት እዩ፥
      ብጀካ እታ ነብሱ፥ ናይ ካልእ ኩሉ፤ ፈጺሙ ኣይግድሶን እዩ።
      እዚ ከም ዘሎዎ ናይ ዲብሎስ ከም ሰብ ኮይኑ ኣብ መንጎና ዝድብል ዘሎ ተርእዮ እዩ።

      ህግደፍ፥ ዲያብሎስ እዩ ዝመርሖም ዘሎ፤
      ኢስይያስ ኣፈወርቂ “ሃገር” ኣይኮነን፥ “ፍትሒ” ኣይኮነን፥”ሕጊ” ኣይኮነን።
      እዚ ስብኣይ እዚ እቲ “እንኮ” ጸላኢ “ኤርትራውነት” እዩ። ብግብሩ ኣመስኪሩ ድማ ኣሎ።
      ኢስይያስ ኣፈወርቂ፤ ኤርትራዊ ኣይኮነን፥
      ኤርትራዊ ዕላማ የብሉን፥
      ንኤርትራ ኣይኮነን ዝሰርሕ ዘሎ፤
      እዚ ኣምር እዚ ናይ ሕጂ ድማ ኣይኮነን፤
      ግን ክንደይ ህዝቢ እዩ ጠፊኡ ዘሎ ነዚ ክትግበር? እዚ እዩ እቲ ሕቶ።
      እዚ መደላሓቂ፥መጧቆሲ፤ ኣምሰሉ፤ መን ምዃኑ ሕጂ ኩሉ ህዝቢ ርእይዎ ኣሎ።
      እምበኣር፥ “ሞት ናይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፥ ሓርነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ”።

      ሃጸይ ኢሳይያስ ወይስ “ሃጸይ ዮውሃንስ 5ይ”

      ራዛ ናያቡኡ ሓዛ።

  • Gerimuna June 14, 2014

    Meskerem (Meshrefet) is again showing its façade of being an opposition; but a real agent of HGDF. To think otherwise is simply a mockery. They feel in pain when opposition gets stronger and gets emboldened that unfortunately when they dream one to be.

  • hadnet June 14, 2014

    ኣብ ኢዚ ግዚ ኢዚ ኢቲ ሐቒ ዝጠፎ ሰብ ዉሑድ ኢዩ ናይ ህግደፍ ሽጣራ ህዝቢ ምሳና ኣሎ ንምባል ኢዩ ኢዚ ኩሉ ከልታዕታዕን ሽበድበድ ዝብልዎ ዘለዉ ከምኡ ድማ ከምቲናይ ቐደም መሲሉዎም ብኽሻ ገንዘብ ተሰኪሞም ክምለሱ ተራኢዎም መሳኪን ኣብ2014ሲ ይኣክል ይኣክልልል የለን ዘበት ዓሻ ኣይኮነን ህዝብና

  • ERITRAWIT June 14, 2014

    Kndzey chekane ab zegatatka ab Eritrawyan tray eu zre zelo kab Alem!!!!!!!
    Kulet tesheytew.
    Ab sahara terefom.
    Ab barhey telekom.
    darga kulu b hagerew ztezarebe taserew teketelew.
    hzbna sdetecha koynew ab mulu alem regesewo.
    hzbna kab zebeleo zeybelo malt-tat ybezeh.
    ENTAY EU MO TEREFEWNA ZELO ZEYWEREDENA!!!!!!

  • SUICIDAL FREEDOM June 14, 2014

    “እዚ ዝስዕብ ርእይቶይ ነቶም ኣርሒቖም ዝሓስቡ ጥራይ እዩ፣ነቶም ሽግርናን ሕብረተሰብኣዊ ሕማምናን እንተዘየልዓልናዮን እንተሸፈንናዮን እንተዘይሓከምናዮን የቃራርበና ኢሎም ዝሓስቡ ደንቆሮታት ኣይኮነን ”

    “እታ ጻሕልናስ ነታ በራድና ኣንቲ ጸላም ኢላታ”ወይ ጉድ !!!

    እቶም ብንጹህ ሓንጎል ትካታተሉኒ ,ብድምጺ ሰብ/popular opinion ወይ ኣየናይ እዩ ህዝቢ ዝድግፎ/crowd pleasing ኢለ ዘይኮነ፣ብሕልናይ ከም ዝጽሕፍ ትፈልጡ ኢኹም።ኣነ በቦይ ድምበዛናይ፣በደይ ጉሕጭዓታይ ምዃነይ ገሊጸልኩም እየ።80% ነቐፌታይ ድማ ኣብዘን ክልተ ኣውራጃ ዝተመርኮሰ እዩ፣ንጀበርቲ በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ኣዎንታዊ ሸነኾም ክካላኸለሉ ከለኹ፣ነቶም ራቢጣ ኢስላሚያ ኢሎም ዝተላዕሉ ፖለቲካውያን ግና ብርዔይ ካብ ሴፍ ናይ ዘርኣይ ደረስ ይበልሕ።…ካብ ጀበርቲ ይኹን ሓማሴን ሰራየ ናይ ፈላላዪ ወይ ሓሲኻ ዝብል ኣይረኸብኩን።ምንም እኳ ብጠቕላላ ክንዛረብ እንተዘይክኣልና፣ሓደ ኣውራጃ ይኹን ኮሙኒቲ ናይ ሓባር ዝኾነ ጽቡቕን ኣሉታውን ሸነኽ ኣለዎ።ብዛዕባ ኣከለጉዛይ ከዕልል ከለኹ ከመይ ዝኣመሰሉ በላሕቲ፣ሓዎም ዝፈትዉ__ናይ ኢትዮጵያ ሲቪላዊ ሃብቲ ድማ 85% ኣብ ኢዶም ከም ዝነበረ ፣እዚ ድማ ብዘይ ሓዎም ዘይበልዑ ምዃኖምን ፈተውቲ ደቂ ኣውራጅኦም ምዃኖምን ዝገልጽ ኣዎንታዊ ነጸብራቕ እዩ።ብኣምሆይ ግን ሓንቲ ኣሉታዊት ነገር ስለ ዘልዓልኩ፣ካብዞም ኩሎም ለባማትMIGHTY EMBASOYRA /MIGHTY AKELE ንኢትዮጵያ ሰዲዱኒ ጥራይ ዘይኮነስ ፣ኣነ ፈላላዪ ምዃነይ ገሊጹ።ወዲ ኣከለጉዛይ ንዓይ ፈላላዪ ክብለኒስ ሓደ ኣብ WHEEL CHAIR ዘሎ QUALRAPLEGIC ቆራይ ከም ዝበለኒ እዩ ዝቝጸር !!!!
    ግን እቲ ጉዳይ ዘምጻእኩዎ “ናይ ደረውህ ግራዝማች እየ እሞ ኣውራጃይ ኣይትተንክፉ ” ዝብሉ ደቂ ኣከለጉዛይ ኣብ ኩሉ ኮንቲነንትን ሃገራትን ስለ ዝርኣዅዎም ኣይገርመንን።
    ናብቲ ቀንዲ ጉዳየይ ክኣቱ፣ኣነ ከም ውላድ,ከም ሓው,ከም ኣቦን ..ሰፍ ዘይብል ጌጋ ስለ ዝገበርኩ ብኡ ምኽንያት እየ ጽቡቕ መኻራይ ዝኸውን ኢለኩም እየ።
    ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ ነዛ ጉዳይ ኮተሊኽ ብኣከለጉዛይ ኣውራጃ ከም ዝተላዕለት እዩ ክጠውያ/ክገልጻ፣ክዕወተላ እዩ ድማ።ነዛ መሳርያ እዚኣ ዝህብዎ ድማ እቶም እንተተማህሩ መሊሶም ኣውራጃውያን ዝኾኑ ማእለያ ዘይብሎም ደቂ ኣከለጉዛይ እዮም !!!
    ደቀየ ፣ኣነ ትምህርቲ ክኾነኩም ናይ ዝተፋላለዩ ሕብረተ ሰባት ተደላዪን ዘይተደላዪን ባህሪታት ገሊጸ ከለብመኩም ስለ ዝደሊ እየ።ፈሊጥኩም ድማ ነቲ ጉድለት ክትርድእዎ እሞ ብሜላ ክትምክትዎ እዩ።ዝኾነ ኤርትራዊ መሰሉ ክሕለወሉ ኣለዎ።ሃገር ናይ ለባም, ዓሻ, ወገናዊ, ሃይማኖታዊ, ምሁርን ምሃይምን እያ።ነቶም ወገንነት ኣብ ሃገራውነት ዘየእትውዎ ድማ ከም ድላዮም ወገናውያን ክኾኑ መሰል ኣለዎም፣እንተደልዮም ስእሊ ሓምሊ ኣድጊ, ኩዕንቲ. ወይ መሸበኽ ዘለዎ ካናቴራ ኣስሪሖም እንተኸዱ እውን መሰሎም እዩ። ኣነ ዘልዕሎ ዘለኹ ኣብቲ ሃገራዊ ጉዳይ እውን ከም ዝኣቱ ስለ ዝርኣኹ እየ።
    ብሓጺሩ እዞም መራሕቲ ካቶሊካዊት በትኽስያን ዝገበርዎ ዝድነቕን ንነብሶም ድሕንነት ኣብ መቓብር ኣእትዮም ዝገበርዎ ንመስዋእቲ ቅሩብነት እዩ ዘርኢ።
    ከምቲ እቲ ዓቢ መጽሓፍ ዝብሎ ግን ኣብ ዓይንና ዘሎ ጉንዲ ከየውጻእና ኣብ ዓይኒ ካልእ ዘሎ ገፈል ከነውጽእ ምፍታን ኣምስሉነት እምበር ካልእ ኣየስምዕን።
    ኣብ ኢታልያ ዝግበር ዝነበረ፣ሕጂ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣይፈልጥን (ድሙ እንተቖረበትሲ ጸባ ምስራቕ ኣይትገድፍን)ከም ዝብሃል እቲ Process እንተሃልዩ እቲ ተግባር ናይዞም ነውራማት ኣቕሽሽቲ ጠባይ እውን ክቕጽል እዩ።
    እቲ በትኽስያን ጣልያን ንኤርትራውያን ካናዳ ንክኸዱ Interview እናገበረ SPONSOR ይገብር ኣብ ዝነበረሉ ፣እቶም ደቀያይ ንኢስ ኣቕሽሽቲ “ኣይቲ እዩ ዓድኺ እዛ ጓለይ??? ኣይቲ እዩ ዓድኻ እዚ ወደይ” እናበሉ__ብዙሕ ናይ ምፍልላይ ጉዳይ ከም ዝነበረ ብብዙሓት ወራዙ ሰባት ዝተገብረ ዘነውር ልማድ እዩ ኔሩ ፧ወዮ Sponsor ገበርቱ ማሕበር ካፑቺኒን ቫቲካንን ከለዉ ቀዳምነት ንደቂ ኣውራጅኦም ከም ዝነበረ እዩ !ንኣምላኽ ነብሶምን ጾታዊ ርክብን ቶባ ኢሎምሲ ነታ ወገንነት ግን ናይ ኣምላኽ ኢና እናበሉ እውን ክሓድግዋ ኣይክኣሉን።ኣብ DNA ናቶም ስለ ዘሎ እዩ።ካብቲ ደፋእ ኣድጊ ክሳዕ እቲ PHD holder !!!ወረ እንተተማህሩን ናይ ኣምላኽ እንተኾኑን መሊሶም ይገዱ ።ስለዚ እቲ ንህዝቢ ምቛምን ምስዋእን ዝድነቕ እንተኾነ፣ግን ገዛኹም ምጽራይ ክኣ ኣድላዪ እዩ፣ካብቲ DNA-ኦም* ብመርፍእ ስሒብኩም ከተውጽእዎ እንተኽኢልኩም እምበር ዝሓድጕዎ ኣይመስሉን።ኢሳያስ እንተገበሮ ጨካንን ፖለቲካውን እዩ ንስኻትኩም ግና ብሽም ጽድቅን ክርስትናን ንገመል እናውሓጥኩም ንመርፍእ ምስትምቓር ግደፉ!!!

    ነዚ መምሃሪ ብርቱዕ ፈውሲ ,ከም ንሓደ ኣውራጃ ምጥቃን ዝጥቀሙሉ ናይ ባዕሎም ድኻም እዩ ዘርኢ።ኣነ ግን ድሩዕን ኮሮኔል ዑቕበን ክእሰሩ ዘይዓጅበኒ፣ጴጥሮስ ሰለሙን ክእሰር ግን ቀጭቀጭ ዝብለኒ ኣይኮንኩን።

    Uncle SYE

    • Mehari T. Teklay June 15, 2014

      SUICIDAL FREEDOM,
      Dearest Uncle SYE, as always, you’ve used the conduit of courage to deliver the truth. Eritrean issue/illness/madness couldn’t be cured even by Obama’s Care plan! If only character assassination would change the reality on the ground. The reality on the ground is Eritrea is trapped in its own “independence”, with no way forward. Let’s have people first and land second principle for a change.

    • Teclay June 15, 2014

      Susidal freedom

      It is very nice balanced approach.I think you are the only one who talks directly as it is on the reality world.The rest of us ,at least the whole kebessa has two faces one to the public and the other in small circles .I do not know when and how it has developed this character ? may be it has also developed with this devil Ghedli? Why? Because our fathers are more open Eg they used to say just normal Serewetay, Hamasienay ,Akeleguzetay ,Mensiatay etc. In fact it is healthy and natural to be regionalst ,the question is its limit and must not be at the expense of others.Not only this, in the country of lie and deception called Eritrea( red insects ) you see a lot of abnormality eg it is normal among diaspora Eritreans to observe two brothers they do not talk each other at all, but both of them attend the opposition or government meetings. Normally love starts from your own brother-village -wereda -awraja- country let as finish here otherwise Eritrean abnormality is end less .

      Susidal Freedom you are racist you write a lot about human beings.Why not about animals .eg about the Donkeys.every one who was in the countryside of Eritrea in Ghedli time knows the price paid by Donkeys including MESWATI . After the so called independence ,when the Camel applauded every where in the name of HADNETNA even to the passport cover, no one remembered the poor Donkeys ,they died in vain. THE POOR DONKEYS!

      • ERITRAWIT June 15, 2014

        Teclay,
        You are right no body remembered the poor donkey.you didn’t know after independent zserehe zeykone zewdeldele ab kdmet kemztesere and we have seen the result.

      • SUICIDAL FREEDOM June 15, 2014

        Mehari T. Teklay & Teclay ,

        You know me & thank you for understanding me..I am reflecting our weak side so that we can deal with it.
        I WANT YOU TO PICTURE A GOOD NUMBER OF COLLEGE EDUCATED ,OVERWHELMINGLY FROM AKELEGUZAI AWRAJA WERE SENT TO SUICIDAL MISSIONS ON PURPOSE..TEN EDUCATED PEOPLE AGAINST 150 ETHIOPIAN SOLDIERS ON PURPOSE..THIS IS ERITREAN BRAIN..I WEEP WHEN I THINK OF THIS.ALL THE EDUCATED PEOPLE WERE LOOKED WITH SUSPICION,,SPECIALLY IF THEY HAPPEN TO BE AKELEGUZAI. STILL ,EVEN SOME TEGADELTIS DO NOT SEE THEM WITH WHOLE FAITH. AT A CERTAIN TIME PEOPLE NEED TO LOOK INTO THE MIRROR.
        YOU KNOW MY NEPHEWS ,ISAIAS HATES ARABISM & MOSLEMHOOD..& HE ISOLATES THE AKELEGUZAY PEOPLE BECAUSE HE KNOWS THEY ARE POWERFUL & UNITED.I WANT THEM TO BE POWERFUL & UNITED WITH US ..NOT ONLY IN A BASEMENT OF A HOUSE WITH FELLOW AKELES.

        THAT IS MY HOLY MESSAGE & I APPROVE OF IT.

    • ERITRAWIT June 15, 2014

      Uncle SYE,
      Mighty da melesulka ykewen enber anewen kab mas da lew SYE N kulu do aykonen elewen hameka nere. ezey tblo zelka ka ab kulu Eritrea eu zelo ane bztazebkwo. Ezewom ba Etewom knbahal Isaias meftetew rekebew n kula bebhade yetfana alo. Hade koynew nabtey kedamay selay ktmet ka tesfa ngeber.

      • SUICIDAL FREEDOM June 15, 2014

        Respected ERITRAWIT ,

        Thank you ,

        Actually I find it more repulsive when fellow a good number Hamasiens ,worship the butcher & even those who do not like him kind of cheer for him ,as on your face to one Awraja.
        But ,when it is done by clergys it is worse.
        I am Hamasien & kenisha..& I feel nauseated the support Isaias has by a good number of such people. If we do not approach it it will not go away on it’s own.

        thank you

  • Saba June 16, 2014

    ክቡራት ህዝቢ ድቂ ክቡራት ኢና ኔርና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ናይ ታሪኽ ሓተላን ዘይቁኑዕን በቲ ድኽመትና ኣቲዩ ቆጺዩና። ከይተጻራረፍና ቁስልና ነሕዊ።

POST A COMMENT