Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ 30 ሽሕ፣ ሓያለ ኤርትራውያን ርከቡዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፣ መሰል ዑቕባኦም ክሕሎ ዝጽውዕ ዕዉት ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ፖሊስ እስራኤል ‘ውን “ኣብ ታሪኽ ናይዛ ሃገር ኣይሁዳውያን ዝተኻየደ ዝዓበየ ሰልፊ ስደተኛታት” ክብሉ ብዕብየቱ መስኪሮም።

ልዕሊ 30 ሽሕ፣ ሓያለ ኤርትራውያን ርከቡዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፣ ሎሚ ንጉሆ፣ ኣብ ተልኣቪቭ፣ እቲ ሓዱሽ ናይ ማእሰርቲ ሕግታት ክውገዝ፣ ብዓቢኡ መሰል ዑቕባኦም ክሕሎ ዝጽውዕ ዕዉት ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ፣ ኣብቲ ዕዉት ውዕሎ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን

ልዕሊ 30 ሽሕ፣ ሓያለ ኤርትራውያን ርከቡዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፣ ሎሚ ንጉሆ፣ ኣብ ተልኣቪቭ፣ እቲ ሓዱሽ ናይ ማእሰርቲ ሕግታት ክውገዝ፣ ብዓቢኡ መሰል ዑቕባኦም ክሕሎ ዝጽውዕ ዕዉት ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ፣ ኣብቲ ዕዉት ውዕሎ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ንድምጺ ኣሰና ሓቢሮም።

ጸጥታ ከኽብሩ ዝወዓሉ ፖሊስ እስራኤል፣ ኣብ ታሪኽ ናይዛ ሃገር ኣይሁዳውያን ካብ ዝተኻየዱ ናይ ስደተኛታት ሰልፍታት እቲ ዝዓበየ ምንባሩ ከምዝመስከሩ ‘ውን The Daily Star ዝተባህለት ጋዜጣ እስራኤል ኣብ ዜናኣ ኣስፊራ።

Eri_Issrael_chantእቶም ነታ ሃገር ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ ዝተፈላለየ ጉልበታዊ ስርሓት ተዋፊሮም ዝዓዩ ጻዕረኛታት ስደተኛታት፣ ንሰለስተ መዓልታት ስራሕ ደው ብምባል ነቲ ናይ ዑቕባ መሰል ነፊጉዎም ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ጸቕጢ ብምግባር ከስምዑዎ ብዝወሰኑዎ መሰረት እዮም ነቲ ስሙርን ዕዉትን ሰልፊ ኣካይዶሞ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ እስራኤላውያን ኣስራሕቲ (ወሃብቲ ስራሕ) ከይተረፈ ተረኺቦም፣ ነቶም ሰልፈኛታት ከምዘተባብዑዎም፣ እቶም ‘ፈላሻ’ ተባሂሎም  ዝፍለጡ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ‘ውን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብኣካል ብምስታፍ ምድንጋጾም ከምዝገለጹ ምንጭታትና ኣገንዚቦም።

ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ተዋፊርም ዝነበሩ ፖሊስ ቴልኣቪቭ ብወገኖም፣ እቶም ስደተኛታት ነንሕድሕዶም እናተኣላለዩ፣ ብስነስርዓት፣ ሰላምን ጸጥታን ዝሰፈኖ ሰልፊ ምክያዶም ኣድናቖቶም ከምዝገለጹ ተፈሊጡ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ሎሚ ብተሳታፍነት 30 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝተኻየደ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ፣ ጽባሕ ሰኑይ ሰዓት ትሽዓት ንጉሆ ‘ውን፣ በብኣማኢት ተኸፋፊሎም ናብ ኩለን እተን ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከባ ኤምባሲታት ወጻኢ ሃገራት ብምውፋር ስምዕታኦም ከቕርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

Eri_Israel_chant2ብዙሓት ካብዞም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ እቲ መባእታዊ መሰል ዑቕባ ተነፊጉዎም ዘሎ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዓሰርተታት ዜጋታት ኣፍሪቃ፣ ብሲናይ ክሰግሩ ከለዉ ብመሰጋገርትን ጨወይትን እዚ ዘይብሃል ስቓይን ዓመጽን ዝበጽሖም እዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ይኹኑ ኣፍሪቃውያን፣ ናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ፣ ነቲ ጀሚሮሞ ዘለዉ ወፍሪ ምርግጋጽ  መሰልን ክብረትን ክድርኹዎ ኸኣ ይጽውዑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • abasanjo January 6, 2014

    ewy cheguri riesi

  • Genet January 6, 2014

    I want to see that kind of passionate domo every where against the dictator in Eritrea.
    Genet

POST A COMMENT