Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሐጺርገምጋምኩነታትስደተኛታትኤርትራኣብኢትዮጵያንሱዳንን (ካልአይ)

ዓኮሴኤ (ICER) ሃለዋት እቶም  ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስድተኛታት አማዕዲኻ ምርአዩ እቲ ዝቐለል ኢዩ።  ውሽጡን ውሻጤኡን ንምድህሳስ ምስ እትህቅን ግን ኣስከሕካሒ ምዃኑ ኣነጺርካ ትግንዘቦ። ምናልባት’ውን ጊዜዊ ጋሻ ኴንካ ንቅሩብ መዓልታት ጸገሞም ምስ እትካፈል ወይ ከአ ካብ

ዓኮሴኤ (ICER)

ሃለዋት እቶም  ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስድተኛታት አማዕዲኻ ምርአዩ እቲ ዝቐለል ኢዩ።  ውሽጡን ውሻጤኡን ንምድህሳስ ምስ እትህቅን ግን ኣስከሕካሒ ምዃኑ ኣነጺርካ ትግንዘቦ። ምናልባት’ውን ጊዜዊ ጋሻ ኴንካ ንቅሩብ መዓልታት ጸገሞም ምስ እትካፈል ወይ ከአ ካብ ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ስደትኛታት ካብ ትረኽቦ መጀመርያ ምንጪ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ምህላዎም ትርዳእ።  እምብአርከስ  ነዚ ከቕርቦ ተዳልየ ዘለኹ ጸብጻብቁጽሮም ካብ 40 ንላዕሊ ዝግመት ነበርቲ ስደተኛታት ካምፕ ጎርጎር፣ ዓውድያ፣ወድ ሸሪፋይ፣ሱኪ፣ኣቡዳ፣ሸገራብ፣ስታ ወዕ ሽሪን፣ማይ ዓይኒ፣ዓዲ ሓሪሽ፣ ሽመልባ ወዘተ ዝተለቕመ ኢዩ። ካብ ነበርቲ ስደትኛ ካምፕ ሰመራን ካልኦት ተለጠፍቲ ካምፕታት ዓፋርን ግን ኣብዚ ጸብጻብ ብዘይ ምወሳኹ ምሉእ ከምዘይገብሮ እንዳተነሳሕኩ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝረኸብክዎ ስለ ዘሎ ብኣኡ ክጅምር ይመርጽ።

መጀመርያ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሕጋዊ ተፈላጥነት የብሎምን። ርግጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ካብ ኣደራዕ መንግስቲ ህግደፍ ሃዲሞም ምፍላሶም ዝአምን እኳ እንተኾነ ብዓቅሚ ስእነት ምኽንያት ካብ ምዕቛብ ሓሊፉ ዝኾነ ዓይነት ንዋታዊ ድጋፍ ክገብር ኣይከአልን ኢዩ። እቲ ሕሰም ዝብገስ ካብ ዩንኤችሲአር ኢዩ። ዩንኤችሲአር ነዞም ስደተኛታት ኣቓልቦ ዘይመውሃቢኡ ካብ ዘቕርቦ ሓንካስ ምስምሳት ከአ እዞም ከም ስደተኛታት መሲሎም ዝረአዩ ብሄረሰብ ዓፋር ካብ ስግር ምዕዶ ምፍላሶም ብቑዕ መረድእታ ስለ ዘይብለይ ኢዩ ዝብል። ርግጽ ከም ዝተፈላለዩ ብሄራት ኤርትራ ምስ ስግር ዶባት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብሄራት ናይ ዝምድናዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝከሓድ እኳ እንተዘይኮነ ናይ ዓፋር ብሄር ፍሉይ ዝገብሮ ይብሉ ናይ ዩንኤችሲአር ሰብ መዚ፡ ንአዋርሕ ዝአክል ካብ ካምፕ ተአልዮም ኣብ ፈቐዶ ቁሸታትን ከተማታት ዓፋር ክልል ተሸጋሺጎም ከም ዝነብሩ ጭብጥታት ኣሎና ይብሉ። ብወገና እዚ ብተደጋጋሚ ሓቂ መሲሉ ዝንገር ጭብጢ ዝጎደሎ መጎተ ኢዩ ንብል። ንአዋርሕ ዝአክል ሃለዋቶም ከይገበሩ ምስ ዝፀንሑ ስደተኛታት ዓፋር ሂወቶም ንምዕንጋል ዝወስድዎ ስጉምቲ ድአምበር ካልእ ምኽንያት ከምዘይብሉ ካብቶም ናብ ሃዋሳ ዝመጹ ሽማግለታት ክንርዳእ ንኽእል። ክሳብ ኣዚ ዘለናዮ እዋን ስደተኛታት ቀጻሊ ረዲኤት ከምዘይውሃቦም፡ ቀጺሉ’ውን ክሳብ ሕጂውን ናብ ወጻኢ ሃገር ንምስፋር ዕድል ከምዘይተዋህቦም ጭብጥታት ኣሎና። ብአንጻሩ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ቁጽሮም ክሳብ ሾመንተ ሽሕ ዝኾኑ ናብ ሳልሳይ ሃገር  ምልአኾም መዛግብ ዩንኤችሲአር ይምስክር።

ደሃይ ሱዳን

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምናልባት ካብ ኣፍሪቃ ብቀዳምነት ደረጃ ዝስርዑ ኢዮም እንተበልና ከም ኣጋንኖ ኣይቁጸርን ይኸውን። እዚ ማለት ብቑጽሪ ምብዝሖም ጥራይ ዘይኮነስ ፈለምቲ ስደት ኣብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ብምግማት ኢዩ። ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብወግዒ ክሳብ 270,000 ይበጽሕ። ኣብ ሸገራብ ዝብሃል መዓስከር ጥራይ ክሳብ 75,000 ምህላዎም ይንገር። እዚ ኣሃዝ’ዚ ንተቀማጦ ከረንን ጊንዳዕን ደሚርካ ዝዳረጎ ይኸውን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበርክዎ ዑደት ፈራይ ሳልሳይ ወለዶ ዝኾኑ ሽማግለ፡ ኣብዚ ነዊሕ ዕድሜኦም ብዙሓት ስደተኛ ናይ ስደት እዋኖም ሓልፉ ክሞቱ፡ ዝወለድዎም ኣብ ሽምግልና ዝበጽሑ ከምዘለዉ ኣዘንተዉለይ። ብሓጺሩ ሳልሳይ ወለዶ ዘቕጸሩ ኢዮም። ክንርድኦ ዝግባእ ካብ ተወሰነ ግዜ መሰል ስደተኛ ከም ዝንፈገካ ኢዩ። ብሕልፊ ናይ ምፍላስካ ጠንቂ ዝኾነ ሓድሕድ ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዞቡ ምስ ዝበጽሕ፡ ትጽቢት መጽወትኻ ናብ ሃገርካ ምምላስ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝወሃበካ ህጹጽ ረዲኤት ብአጋኡ ተቆጽዩ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮንካ ሂወትካ ትመርሕ። ዘጓነፈካ ሰንፈላል ኣብ ጥርዙ ዝበጽሕ ድማ ንሃገርካ ንምምላስ ዘሎካ ዕድል እናምህመነ ምስ ዝኸይድ ኢዩ። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠሞም ድቦላ ድማ፡ እዚ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ዝተተኽለ መንግስቲ መዳሕንቶም ኣብ ዝተቐብረሉ መሬት ንኽይምለሱ ብዝገበሮ መሰናኽል ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ብረዲኤት ዩንኤችሲአር  ተሰንዮም ሂወቶም ዝመርሑ ስደተኛታት ቅጽሪ ኣዝዩ ዉሑድ ኢዩ። እቲ ዝተረፈ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ማእሪሩ ይነብር። ናብራ ኣይትበሎ፣ ናብራ ህበይ።

ከም ኣብ ማንም ናይ ስደተኛታት መዓስከር ዘጓንፉ ናይ ሂወት ሽግራት ኣብ ሱዳንውን ብዓቢኡ ኣንጋሕጢጦም ይርከቡ። እቶም ሽግራት ከም ኣገዳስነቶም እንተዘይተወስዱ ድማ ንምፍትሖም ይትረፍ ቆጺርካውን ዘይውድኡ ስለ ዝኾኑ ካብ ኣቕጣጫካ ኣስሒቶም ኣብ ዘርምዘርሞ ወይ አብ ክትወጾ ዘይትኽእል መዓሙቕ ይሸኽሉኻ። በዚ ምክንያት’ዚ እቶም ብዓቅሚ ነፍሲ ወከፍና ክብድሁ ዝኽእሉ ነገራት ምስማይ ንግደድ።  እምበአርከስ ካብቶም ኣገደስቲ ተባሂሎም ዝርቁሑ ሕክምናን ቤት ትምህርትን ኢዮም። ምስ ዶር. ከሊፋ ሳልሕ ሞሃድ ኣብ ዝገበርክዎ ርክባት እቶም ቀንዲ ኣሸጋሪ ሕማማት ከም ሽኮርያ፣ ዓሶ ከምኡ’ውን ካብ ዘይንጹህ ማይ ምስታይ ዘስዕቡ ሕማምት  ይኾኑ። ነዞም ሕማምት ንምቕላስ ወይ ንምዕጋስ ድማ ናይ መድሃኒት ኣቕርቦት ኣዝዩ ይሓጽር። ርግጽ ኣብቶም ጉዙፋት መዓስከራት ኣለይቲ ክንክን ጥዕና ኣለዉ። ብዘይ መድሃኒትን ካልእ መሳርሒ ሕክምናን ግን ህላዌ እቶም ተኸናኸንቲ ጥዕና ፋይዳ የብሉን። እንኮላይ ናይ ዶር. ከሊፋ ሙልእ ተወፋይነት ወሲኽካ። እዚ ኣብ መንጎ መንእሰይን ኣዛውንትን ዕድመ ዝርከብ ሓኪም ኤርትራዊ ብሕጻንነቱ ዝተሰደ ኮይኑ ኣቦ ወንበር ናይ ኤርትራውያን ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ ኣብ ሱዳን ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ ፉሉያት ብኤድስን ብኮላሊት ሕማም ዝሳቐዩ ምህላዎም እቲ ዶር. ይገልጽ።

ብሕክምና መዳይ ካብ ዘድልዩ ነገራት ብኽፋል፡-

1)     ንዓሶ ዝከላኸሉ መድሃኒታት

2)    ኣንጻር ሽኮርያ ኢንሱሊን ብልቃጣት

3)    ኣብ ማይ ዝንስነሱ ጸረ ብዓይኒ ዘይራአዩ ህዋሳት ከኒናታት ወይ ሓሪጭ

ብዝተረፈ ብህያብ ወይ ብወፈያ ክርከቡ ዝኽእሉ ግንከስ ብቀጻሊ ሙሉእ ኣገልግሎት ንኽህቡ ድማ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዘድልዮም ከምኒ ሓንቲ ኦቶብላንሳ ከምኡውን  ኮላሊት ተጻሪ መሳርያ (kidney dialysis) ከም ዘድሊ ዶር. ከሊፋ ይገልጽ። ንመረድእታ ዝአክል ሓንቲ ብጸይቲ ተቐማጢት ጀርመን ወ/ሮ አሕላም ኮላሊት እተጻሪ መሳርያ ብወፈያ  ረኺባ ከተብቕዕ ስአን መጓዓዓዝያን ከምኡውን ብዘጋጠመ ሽግር ቢሮክራሲ ኣብ ሱዳን ጻዓታ ፍረ ከይገበረ በርዓነ። ዝኾነ ኮይኑ ዓቕማ ብዝፈቐዶ መንገዲ መድሃኒት ኣወፍያትሎም ንሃገራ ተመልሰት።

ካልእ ከም ወሳኒ ኮይኑ ዝቐረበ ሕቶ ቤት ትምህርቲ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ ኩለን መዓስከራት ሱዳን ክንዮ 8ይ ክፍሊ ዝውሃብ ደረጃ ትምህርቲ የብለንን። እቶም ኣብ ገበታ ትምህርቲ ንኽሳተፉ ዕድል ዘለዎም ተማሃሮ ዉሱን ኮይኑ ናብ ካልአይ ደረጃ ዝመጣጠሩ ተማሃሮ እንተሃለዉ ካብ ካምፕ ወጻኢ ዝርከባ ከተማታት ክኸዱ ይግደዱ። እዘን ብማከላይ ደረጃ ዝተዓደላ ከተማታት ሱዳን ድማ ካብ 50 ክሳብ 100ኪሎመትር ካብ ካምፕ ሪሒቐን ይርከባ። እዚ ማለት ብተዛማዲ ካብ ጡጡሕ መነባብሮ  ዘለዎም ቤተሰብ ዘይውለዱ ተመሃሮ ንኻልአይ ደረጀ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ ዘለዎም ዕድል እምንቲ ይኸውን። ብግምት ድማ ዳርጋ ፍርቂ ተመሃሮ ዕድሎም ተቖጽዩ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሕዎ ካብ መባእታ ሓሊፉ ናብ ማእከላይ ደርጃ ኮይኑ ይውሰን.። ዘይተወቕረ ነየጥህን ዘይተማህረ ነየድሕን ዝብሃል ምስላ ኣቦታት ነዚ ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዘሎ ዋሕዲ ትምህርቲ ብንጹር ይገልጾ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቶም ብዓይኒ ሞኵባዕቲ ተጸሚቖም ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ዝውድኡ ተማሃሮ ናብ ዩኒቨርስቲ ንምእታው ዘሎዎም ዕድል ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል። ክንግንዘቦ ዘለና ነገር ኣንተሃልዩ ንዋይ ብምስአን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሕጋዊ መሰናኽላት’ውን ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ስደት ተወሊዱ ብሸፈጥ እንተዝይኮነ ብሕጊ ዜግነት ዝተውህቦ ኤርትራዊ የሎን። ሱዳን ክሳብ ሰለስት ሚእቲ ሽሕ ሰብ ተተአናግድ’ምበር መሰል ስደተኛታት ከምዘይትሕሉ ስውር ኣይኮነን። የግዳስ ስደተኛታት ንዘተፈላለየ ብልሽውና ተቃሊዖም፡ ግዳይ ሰርጀንትን፣ ተሓዝ መዛግብትን፣ ዳኛታት ሱዳን ኮይኖም ይርከቡ።

ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሕዳር ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝአተዉ ስደተኛታት ቅጽሪ ብርግጽ 1,500 ኢዮም። ካብ ሰለስተ ዓመት ዘይበዝሕ ጊዜ ዝተመስረተት ሓዳስ መዕቆቢት ዓዲ ሓሪሽ ጥራይ ክሳብ 14,000 ተቐማጦ ምእንጋዳ ይንገር። መብዛሕቶም ስደተኛታት መንእሰያት እኳ እንተኮኑ ብመጠኑ ትሕቲ ዕድመን ኣረጋውያንን ይርከብዎም። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስደተኛታት ካምፕ ምስ ክልተ ሆላንዳውያን ብጾቱ ዑደት ዘካየደ ሃብቶም ዮውሃንስ ከም ዝገለጾ ኣደ ሸሞንተ ቆሉዑ ታሽዓዮም ኣብ ካምፕ ዝተወልደ ናጽላ ኵነታታ ሓቲቱ ከምዝተረደአ፣ ብናብራ ተማሪራ ምስ በዓል ቤታ ዓዶም ራሕሪሖም ከም ዝተሰዱ ኣጻወተቶ። እቲ ዘሕዝን ግን ምኽንያት ናይ መንእሰያት ካብ ሃገር ምፍላስ ኢዩ።  መንእሰያት ካብ ሃገር ምፍላስ ዳርጋ ኣድማሳዊ መልሲ ኮይኑ ዝርከብ ‘ እቲ ዓዲ ተስፋ ስኢናሉ ‘ ኢዩ። ካብ ተስፋ ምቑራጽ ዝተላዕለ ድማ ዓይኖም ከይሓሰዮ ዝብልዔ ይብላዓኒ ብማለት ጉዕዞኦም ይቕጽሉ። እቲ ዘሕዝን ድማ መብዛሕቶም ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመስሪቱ ዝርከብ ስደተኛታት መዓስከር ክድስክሉ ብመጠኑ ድማ ግዳይ ዘረፋን፡ ቕትለትን፣ማእሰርትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብዘይፍቓዶም ናውቲ ሰውነቶም ብሸፋቱን ተሓባበርቶም ናይ ዓለምለኸ ማፍያታት ክምእረር ንዕዘብ። እዚ ኵነታት’ዚ ብርግጽ ከምዘጋጥም  ብዓኮሴኤን (ICER) ብኻልኣት ግብረ ሰናይት ማሕበራት ብተደጋግሚ’ኳ እንተተነግረ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸማም እዝኒ ወዲቑ ይርከብ። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝርከቡ ቤተሰቦም ኣብ ምፍላስ መንእሰያት ብሕልፊ ካብ ስደተኛታት ካምፕ ንኽወጹ ዝገብርዎ ምትብብዓት ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ንረኽቦ። ምናልባት እቶም 1,500 ዶላር ከፊሎም ደቖም ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን መሪቖም ዘፋንዉ ቤተሰብ ገበኖም ዕሽሽ ክብሃል ይክአል። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ እዋንዚ ኣብ  ኤርትራ ምቕማጥ ከም ገሃንመ እሳት ኮይኑ ስለ ዝርአዮም ይኸውን።  ርግፅ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ እታ ብታሻዓይቲ ሲኦል እትምሰል ናይ ዳንተ ኢንፈርኖ ስለ ዝኾነት ኢዩ። ግንከስ ንእልፊ ሕሊና ዘይብሉም  ህግደፋውያን ሰብ ጹሩራን፣ ንሓተላ ኤርትራውያን ዜጋታትን፣ ንሽፋቱ ሱዳንን ረሻይዳን ጁባ ካብ ምስሳን እቲ ካብ 1,500 ክሳብ 30,000 ዶላር ዝግመት ናይ ደም ገንዘብ ናብ ምምሕያሽ ናብራ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እንተዝውዕል’ዶ ኣይመሓሸን?

መሬት ወጊሑ ኣብ ሃገሮም ክሳብ ዝምለሱ ክንግብሮ ዝግበአና ብዙሕ ኣሎ። ቅድሚ  ሕጂ እቶም ከም ዘላቒ መፍትሒ ዘይኮነስ ከም መጠበሪ ግንከስ ኣድላይ ተባሂሎም ዝግመቱ ነገራት ብመንገዲ ICER ተሓቢሩ ነይሩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ብትሽዓተ መንእሰያት (ቶማስ ሰለሞን) ዝተበገስ ፕሮጀክት ድጋፍ ንኽረክብ ብተደጋጋሚ ምሕጽንታ ምቕራብና ይዝከር። ክስትውዓል ዘለዎ እቲ ብዓለምለኸ ማሕበራት ዝውፈ ሓገዛትን ረዲኤታትን ተወሳኺ ድአምበር ምሉእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ጉዳይ ስደታኛታት፡ ጉዳይ እቲ ወዲ ሃገር ኢየ ብሃላይ (ፈታውን ተጻራርን መንግስቲ ብዘየግድስ) ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ዝርስዕ ዜግነቱ ኣብ ሑጻ ከም ዝመስረተ ባዶሽ ይምሰል።

ብዶሆታትና ብኽፋል ከምዞም ዝስዕቡ ኢዮም። ብወልቀሰብ ይኹን ብውዳቤ መልክዕ ከአ ክፍትሑ ይኽእሉ።

ሱዳን

1)     እቶም ንነዊሕ እዋናት ድራር ዕለት ተነፊግዎም ካብ ¾ ንላዕሊ ዝኾኑ ኤርትራውያን ሰፋሮ መዕቖቢ ሸጋራብ፣ ስታወዕሽሪን፣ ዓውድያ ወዘተ፡ ዩኤኔችሲአር ኣቓልቦ ሂቡ እቲ ዘየምውት ዘየሕዊ ራሽን ክዕደሎም ብርቱዕ ጎስጓስ ምክያድ።

2)    ንዓሶ ዝከላኸሉ መድሃኒታት፡ኣንጻር ሽኮርያ ኢንሱሊን ብልቃጣት፡ ኣንጻር ብዓይኒ ዘይራአዩ ህዋሳት ኣብ ማይ ዝንስነሱ ከኒናታት ወይ ሓሪጭ

3)    ንኾላሊት እተጽሪ ማሺን- ወይ ተገዚኡ ወይ ብወፈያ- ምልጋስ

4)    ኣውቶብላንሳ-ወይ ተገዚኡ ወይ ብወፈያ- ምቕራብ

( እዚ ብድሆ’ዚ ብሕልፊ ነቶም ብሕክምና ሞያ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሰባት በቐዳምነት ይምልከት። ሁጹጽነቱ ብምስትውዓል ድማ ከተሓባብሩ፣ ወፈያ ክሓቱ፣ ግዴታኦም ይኸውን)

5)    ንተወሰነ ጊዜ ብወለንታ ዘገልግሉ ሓኻይምን ኣለይቲ ሑሙማትን ኣገዳስነቶም ዑዙዝ ኢዩ።

6)    ዝወሰደ ጊዜ ይውሰድ ብዘየገድስ፡ ሓንቲ ማእከላይ ደረጃ ኣብታ ዓባይ መዓስከር ዝስረሓሉ ሜላታት ሃሰውሰው ምብል።

ኢትዮጵያ

1-     ህዝባዊ ኣደራሽ

1.1     ቤተ መጻሕፍቲ

1.2    ኢንተርነት መደበር

1.3    ኢንፎርማሺን ማእከል

1.4   ማሕበረ ሰብአዊ ኣገልግሎት ዝውፍያ ቢሮታት

2. መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ንሕጻናት

3. ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ

3.1   ሹዱሽተ ኮምፕዩተራት( ኣዲስ ኣበባ፡ መቐለ፡ ሰመራ)

3.2   ሰለስተ ኮፔራት(Xerox)

3.3     ሰለስተ ሓተምቲ(printers)

 

*እዚ ኣብ ደብረማርቆስን፡ ባሕረ ዳርን ደሴን ዩኒቨርስታት ዝተመዝገቡ ተመሃሮ ዘይምልከት ኢዩ።

** ብዛዕባ’ዞም አብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ፕሮጀክትታት ንምውካስ ኣብ ታሕቲ ዝተመልከቱ ኣድራሻታት ተጠቐም(ሚ)።

 

Sudan Project

Dr. Khalifa Salah Mohd

Physician , University of Sudan

Tel.     249122448859

e-mail. ibnssalih@yahoo.com

OR          ibnsalih@yahoo.com

 

Ethiopian Project 

Tomas Solomon &

Efrem Khasai

www.urer.org

Tel. 202 718 o889

ICER

www.iceritreanrefugees.org

Tel. 202 568 6508

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Abdi December 16, 2011

    thanks woyane,what a picnic,next to none.good for them

    • Semhar December 16, 2011

      Abdi,
      Your master Isayas is from Tigray province in Ethiopia. His foster father Afeworki Abreha was from Tembien and his mother are from Adwa. He was born out of wedlock. His uncle on his foster father side Degezmach Solomon Abreha was the former Governor of Wollo Province. All his brothers and sisters live in USA. We all know that Isayas is 100% Ethiopian. Isayas has no self-esteem, he has inferior complex. He is bipolar and is a psychopath.
      We don’t hate him because of his origin but we hate him because he is a dictator and has ruled Eritrea for more than 20 years without election. He took us to war with Ethopia, Djibouti, Yeman and Sudan.

  • Popular Front for Dictatorship and Jail(PFDJ) December 16, 2011

    abdi..
    you have to thank Ethiopia in real, as far as you and your tyrant the so called president isayas closes our univeristy, Ethiopia gives the chance to learn to our people…
    so Abdi.. you are a looser.. you dont have any valuable issues like your father isayas…
    sooner or later.. you will be punished for what you did…
    abdi.. all the time you preach us, our kids our young people that Ethiopia is our enemy and especially you preach our people by saying that Tigrians are the enemy of Eritrea and so on so on 1000 lies…
    now time is running, at this time no one cannot listen you…. so give your hand up.. otherwise you will be paralyzed for what you doing for our people

    • Abdi December 16, 2011

      Why you refer them as tigrians,are you ashamed of saying agame or scared not to be kicked?
      You looser tgrigna is not our enemy Agames are,also don’t forget to the picnic they organized for you.
      As for the education our refugees would have been in a better situation and education than In Ethiopia if they were let to go to the nations which have sponsored them and not stealing their chances and send tegarus under their name.

    • Abdi December 16, 2011

      Why you refer to them as tigrians,are you ashamed of saying agame or scared not to be kicked out from your picnics?
      You looser tgrigna is not our enemy Agames are,also don’t forget to thank them for the picnic they organized for you.
      As for the education our refugees would have been in a better situation and education than In Ethiopia if they were let to go to the nations which have sponsored them and not stealing their chances and send tegarus under their name.
      Stop dreaming you looser and criticize holiday makers in Eritrean’s name.

    • Brandy April 28, 2016

      If inoftmarion were soccer, this would be a goooooal!

  • tess December 16, 2011

    Some times politic is a jock when I see Dr Yebio visiting Eritreans in the camp to him it is a picnic because his the number one he went to Ethiopia to work with DERG he careless about Eritrea

  • eden081962@yahoo.com December 16, 2011

    Abdi : you are an empty Drum like yuor leader CHEMICAL ALI. You donot know even the word what Agame is !!in your asumption you are thinking you are insalting, but , Agame is a place an Awraja , therefore if you call some one Agame 1000 times no pain,as one can say Asmara or Keren. If I call you keren, just I am calling a place .

    • Abdi December 16, 2011

      It means lemani and aray beles too.

  • Ahmed Saleh December 16, 2011

    Guys, why do not concentrate on this article first. This refugees issue is big problem to all of us
    Its effect to those people psycologicaly and socially should take in consideration. For some
    might be new things, but some of us have experienced inside our families. At the end, all the
    outcome out of it is unbearable to think of, it distroy familliy connections unless we are eager
    on resolving the matter before it is too late.

POST A COMMENT