Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሐጻር መልእኽተይ ንተጋባቲ ሀገራዊ ጉባኤ

ክብርን ሞጎስን ንኣጋይሽ ዝተቀበሉ፡ ባይታ ዘጣጥሑልና ጉባኤ ክንገብረሉ ፡ ንሰናይ ጉርብትና ማዓልቲ ኣለዎ ኩሉ፡ ንሕና ካኣ ንጽቡቕ ዕድልና ንጠቀመሉ፡ ሎሚ ዝዕመም ጽባሕ ኣይትበሉ፡ የማነ ጸጋም ኣስተብህሉ፡ ንኣና እንበር ንኣይ ኣይትበሉ፡              ሕሰቡ!!!!!!! ኤርትራዊት ኣደ ከመይኮን ትህሉ፡ እወ! ኣደ ግዳያት ሲናይን  ባሕሪን ዝጣሓሉ።   ፖ.ዉድባት፤ ምሁራት፤ ዉልቀሰባት፤

ክብርን ሞጎስን ንኣጋይሽ ዝተቀበሉ፡

ባይታ ዘጣጥሑልና ጉባኤ ክንገብረሉ ፡

ንሰናይ ጉርብትና ማዓልቲ ኣለዎ ኩሉ፡

ንሕና ካኣ ንጽቡቕ ዕድልና ንጠቀመሉ፡

ሎሚ ዝዕመም ጽባሕ ኣይትበሉ፡

የማነ ጸጋም ኣስተብህሉ፡

ንኣና እንበር ንኣይ ኣይትበሉ፡

             ሕሰቡ!!!!!!!

ኤርትራዊት ኣደ ከመይኮን ትህሉ፡

እወ! ኣደ ግዳያት ሲናይን  ባሕሪን ዝጣሓሉ።

 

ፖ.ዉድባት፤ ምሁራት፤ ዉልቀሰባት፤ ኩልኹም፡

መንእሰያት፤ ኣደታት፤ ሲቪክ ማሕበራት፤ ኩልኹም፡

ኣብሓንቲ ኣዳራሽ ኣብ ጉባኤ ዘለኹም፡

እንታይ ይጽበ ኣሎ ህዝብኹም ፧ ፧ ፧

 

እታ ሓጻር ዓቐብ  ጀሚርኩማ ኣሎኹም፡

ሓያል ፀሓይ ኣሎ ኣብ ርእሸኹም፡

ንድኹም ሓዚልኩም፡ንሕማቕ መኺርኹም፡

ተጻዋዊርኹም፤ ተኻባቢርኹም ፤ተላዚብኹም ፡

ናብ’ታ ዝባን ኣዉጽኡና ኢኹም።

 

እወ! ኣብ’ቲ ዝባን ጥጡሕ ጎልጎል፡

ንፋስ ዶግዓን ባሕርን ዘጠቓልል“

ንዳግማይን ንሓዋሩን ክድበል ክዕለል፡

ስመሩ ተራዳድኡ ኣይትበሉ ኾለል፡

ትንፋስ ከይረክብ እዚ ሕሱም ገበል፡

ክርገጽ ኣለዎ ኣብ ቲሕቲ እግሪ ህዝቢ ክጥቅለል።

ዓወት ንሃገራዊ ንጉባኤ

ኢስጢፋኖስ መንግስትኣብ ( ካብ ሃገረ ጀርመን)

ዕለት 23.11.2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • cicero-paradiso November 23, 2011

    where is Alena’s message he posted in asmarino.com that demands Amaha’s resgnation?

POST A COMMENT