Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ ምስጢራዊ ስራሓቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ቀስ ብቀስ ይጋለጽ ኣሎ፡።

ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ ምስጢራዊ ስራሓቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ቀስ ብቀስ ይጋለጽ ኣሎ፡። ድሕሪ ምእላይ እቶም ክልተ ካድራት ህግደፍ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ዝተረከቡ ክልተ ጳጳሳት ኣባ ጴጥሮስን ኣባ ባስልዮስን፥ብስም ቤተ ክርስትያን

ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ ምስጢራዊ ስራሓቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ቀስ ብቀስ ይጋለጽ ኣሎ፡።

ድሕሪ ምእላይ እቶም ክልተ ካድራት ህግደፍ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ዝተረከቡ ክልተ ጳጳሳት ኣባ ጴጥሮስን ኣባ ባስልዮስን፥ብስም ቤተ ክርስትያን ዘሎ፥ ሕሳብ ናብኣቶም ከመሓላልፉ ምስ ሓተቱ፥ ባንኪ ኤርትራ ዘይተጸበይዎ ድቡላ  ሰለስተ ናይ ሕሳባት መቐመጢ ከም ዘሎ ሓቢርዎም፥ እቲ ሲኖዶስን እቶም ዝርከቡ ጳጳሳትን ግን ሓደ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ከም ዘሎ እዮም ዝፈልጡ፡።

እቲ ክልተ ብሕቡእ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ቁጽሪ ሕሳባት ብስም ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ሃብቶም ርእሶምን እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ዝኾነ ሓላፊ ሕሳብ መንበረ ፓትርያርክ ነዚ ክልተ ቁጽሪ ሕሳባት ኣይፈልጦን እዩ።

እዚ ሕቡእ ነገር ምስ ተረኸበ፥ ብፍላይ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሰመረ በይን፥ እዚ ሕሳብ እዚ ከይግለጽን፥ ኣብ ደገ ከይወጽእን ይቃለስ ኣሎ። ሰመረ እዚ ሓሳብ እዚ  ንሲኖዶስ ንዘይምሽጋር ተባሂሉ ንቐለልቲ ወጻኢታት ተባሂሉ ከም ዝተኸፍተ፥ ነቶም ጳጳሳት ሓባቢሉ ኣፎም ንምትሓዝ ይልምንን ይጽዕርን ኣሎ። ነዚ ነገር እዚ ንምዕባስ ድማ  ኣብ ቅያር ዮፍታሄ ምስኡ ፍሉይ ርክባት ዘለዎምን ምስጢሩ ዝሕልዉሉን  ዘገልግልዎ ሰባትን ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ክሳብ ዕለት ሎሚ ድማ ነቶም ጳጳሳት ጅሆ ሒዙ ንገለን እናፈራርሐ፡ ንገለን እናቀባጠረ፥ ሃሱሳት ናቱ ኣብ ምስኳዕ ይጽዕር ኣሎ።

ካብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ዝወደቦም በጋሚዶታት ዲግሪ ኣለዎም፥ ክለኣኹ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም፥ ኣምጺኡ ንጳጳሳት ኣእሚኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ከቐምጦም ፈቲኑ እዩ፣ እንተ ኾነ ናይ ኣስመራ ዲያቆናትን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን፥ ነዞም በጋሚዶታት ዘጋልጽ ደብዳቤ ናብ ጳጳሳት ምስ ዘርግሑ፥ ሓደ ውዲት ዕላምኡ ፈሺልዎ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ኩሉ ስለ ዝጸበቦ፥  ምንም እንዶ ዘይብሎምን ፈርሃትን ጃጀውትን፥ ከም ድላየይ ክገብሮም እኽእል ዝበሎም ኣቕሽሽቲ ካብ ኤውሮጳ ዝተባረረ ቀሺ ገብረታትዮስን፥ ኣብ ውሽጢ መንበረ ፓትርያርክ ኮይኑ ነገር ከሳውርን፥ ክሕሱን ዝውዕል፥ ኩርኩር ዮፍታሄ ኮይኑ ኣብ ዕንወት ቤተ ክርስትያን ዝጸንሐ ቀሺ ዘርኣይን፥ ብስም ኣቕሽሽቲ ሽፋን ቦታ ክህቦም ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ።

ሰመረ በይን ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ቀሺ ሃብቶምን፥ ብዝኾነ ገበን ከይሕተቱን ከይክሰሱን ነገር ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ከይግልበጥ ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ኣሎ፡

ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ምስ ዮፍታሄን ሃብቶምን ተሰማሚዖም፥ ሞባእ ቤተ ክርስትያን ክገናዘዩሉ ዝጸንሑ ፍርሃት ኣምላክ ዝጎደሎም ሰባት እዮም።

እቲ ቀንዲ ገበነኛ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፥ ምስ እዞም ክልተ ጎሓሉ ብፍላይ ድማ ምስ ቀሺ ሃብቶም ብምምስጣር፥ ክንደይ ንጹሃት ኣቕሽሽትን ዲያቆናትን፥ ካብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝጠፍኡን ገይሩ፥ ጉቦን ብላዕን እናተቐበለ ካብ ሃገረ ሰብ ከይተረፈ እናምጽአ ተኪእዎም ኣሎ። እዚ ድማ ገና ካልእ ተደጊሉ ዘሎ ሃዊ እዩ፣ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፥ ብማእሰርቲ ቀሺ ገብረመድህን፥ ዶር ቀሺ ፍጹም ብርሃን፥ ዶር ቀሺ ተኽለኣብን ብደም ዝሕተተ ገበነኛ ካድር ህግደፍ እዩ፣

መላእ ህዝቢ ኣስመራ ግን እዚ ኩሉ ሽግርን ጸገምን ቤተ ክርስትያን መርገም ኣቡነ እንጦንዮስን፥ ሞባእ ድኻታት ኣዴታትን እዩ ክብል መረርኡ የስምዕ ኣሎ፣

 

ሕጅውን ግዱሳት ደቂ ሃገርን ደቂ ቤተ ክርስትያንን ካብ ከተማ ኣስመራ፣

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • ሰላም November 7, 2014

    Eritrawi, can you explain why some one becomes corrupt, ignorant or greedy?

  • failed people November 7, 2014

    ሰላም on
    ገንዘብ መጋገዪ እዩ ሰላም።

  • Merhawi November 9, 2014

    The church is rich and thats why the government is controlling its economy, there is no other reason. Priests are paid from the church money, not government, why would he do?

  • fthi November 13, 2014

    EOTC is definitely entering into a new era. An era that reveals the evil of the immoral s and their sinful acts and an era the honesty are tested for their innocence. Nothing will remain uncover, everyone will harvest his deed. Whether Keshi or Papas or Deakon will be judged for his deed. Inevitabley with the act of the Holy Sprit church is eradicating its pests and declaring liberity

  • yohannes November 15, 2014

    kone niziese fsaha we selam

POST A COMMENT