Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Updated: ሓለፍቲ ህግደፍ ገንዘብ እናገፈጡ ናብ ወጻኢ የስግሩ፣ ልዕሊ 60 ዝዕድሚኦም ወለዲ ናብ ታዕሊም ምስግዳድ ይቕጽል፣ ኣባይቲ ህዝቢ ዓዲ ቐይሕ ብሓይሊ ይፈርስ (ዜናታት ውሽጢ ሃገር ብ ግ.ሃ.ድ.ኤ.)

ዜናታት ውሽጢ ሃገር ኣስመራ፡ ኣብ ዘመን ውርውራ ነብስካ ኣይተዕብራ ዝበሃለሉ ኩነት ኣብ ኤርትራ ብኣባላት ህግደፍን መሳርሕቶምን ብቑሉዕ ይረኣ ከም ዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ምግፋጥ ንብረትን ገንዘብን ኣካይድካ ናብ ወጻኢ ምስዳድን፡ ከምኡ’ውን መነባቡሮኻ ኣደልዲልካን ኣውሒስካን

ዜናታት ውሽጢ ሃገር

ኣስመራ፡

ኣብ ዘመን ውርውራ ነብስካ ኣይተዕብራ ዝበሃለሉ ኩነት ኣብ ኤርትራ ብኣባላት ህግደፍን መሳርሕቶምን ብቑሉዕ ይረኣ ከም ዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ምግፋጥ ንብረትን ገንዘብን ኣካይድካ ናብ ወጻኢ ምስዳድን፡ ከምኡውን መነባቡሮኻ ኣደልዲልካን ኣውሒስካን ንምህዳምን ብብዙሓት ልሉያት ኣባላት ... ምቅርራብ ይኸይድ ካም ዘሎ ዝሕብሮ ሓያሎይ ምልክታት ኣብ ቃልዕ ይርአ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ብዙሓት ናይ ህግደፍ ናይ ጸጥታ ኣባላት ዝነበሩ፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህግደፍ ኣብ ነንሕድሕዶም ተማቒሎሞም በብሓደ ወይውን በብ ክልተ ገይሮም ነጋዶ ኣምሲሎም ኣብ ምምሕልላፍ ገንዘብን ወርቅን ይጥቀምሎም ከም ዘለዉን፡ ካብ ሃገር ክወጹ ከለዉውን ስልጣኖም ተጠቒሞም ብዘይ ፍተሻ ከም ዝወጹ ገይሮም፡ እቲ ሒዘሞ ዝወጹ ገንዘብን ወርቅን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተጠቒሞም ንብረት እናገዝኡ የዋፍርሙሎም  ምህላዎም ተረጋጊጹ። ብትካላት ናይ ስርዓት ... ዋላውን ንይምሰል፡ ነዚ ርኡይ ብልሽውና ዝቍጻጸር ይኹን ዝግደስሉ ኣካል ከም ዘየሉውን ተፈሊጡ።  ኣብ’ዚ ክጥቀስ ዝግበኦ፡ እቲ ዝወጽእ ዘሎ ብኪሎታት ዝግመት ወርቂ (Gold Bars) ናይ ኤርትራ ኮይኑ ካብ ሱዳን ከም ዝኣተወ ኣምሲልካ ናይ ሓሶት ናይ ቀረጽ ቅብሊታት ኣዳሊኻ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ይሸየጥ ምህላዉ ተረጋጊጹ። ብተወሳኺ ናይዚ’ውን ንብረትን ኣባይትን ናይ መንግስቲ ዝበሃል ብውሽጢ ውሽጢ እናተሸጠ ይኹን ወይ ብስም ኣዝማድ ናይ’ቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እናተመዝገበ ናይ ምምሕዳር ትካላት ኩሉ ቦኽቢኹን ዓኒዩን ምህላዉ ተሓቢሩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ታርጋታት መካይን መንግስቲ ተመንዚዑ ናብዞም ናይ ኮንተሮባንዶ ሸቃጦ ይሽየጥ ከም ዘሎ’ውን እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

ምዕራብ ኤርትራ፡

ስርዓት ህግደፍ ስልጣን ካብ ዝሕዝ እትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከካይዱ ዝጸንሐ ናይ ምጽናት ፖሊሲኡ ጌና ብዝበኣሰ ኣገባብ ይቕጽሎ ምህላዉ ተፈሊጡ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ድሕሪ  ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ መንእሰያት  ናይ ኣስገዳድ ዕስክርና፡ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ  60ታት ዝዕድሚኦም ወለዲ፡ ንታዕሊም ብዝብል ምኽንያት ናብ ዲፋዓት ገጹ ይጓርቶም ምህላዉ ካብ ምዕራብ ኤርትራ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣቐዲሙ፡ ካባቢኹም ንምሕላው ክትበቕዑ ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ብረት እዕጢቕዎም ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ንታዕሊም ብምባል  ካብ ኩለን ዞባታት ብምእካብ  ናብ ከባቢ  ሽላሎ ፣ዓዲ ሃኪን፣ ማይ ቆቓሕ ብምዝርጋሕ፡ ናይ ደቆምን ደቂ ደቆምን ከይኣክል፡ ንነብሶም ኣብ ዘይሓሰብዎ ሃለዋት ኣቲዮም ምህላዎም ተፈሊጡ። ዕድል ናይ ምምላጥ ዝረኸቡ ከኣ፡ ብረቶም  ደርብዮም  ናብ ኢትዮጵያ  ይኹን  ናብ ሱዳን ከምኡ’ውን ንድሕሪት ንዓዶም ገጾም  ይሃድሙ ምህላዎም’ውን ተረጋጊጹ።  

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕድሚኡን ጾቱኡን ብዘይገደስ፡ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ስደት ገጹ ሃጽ ክብል ዝድርኽ ዘሎ ስርዓት፡ ኤርትራ ህዝባ ክጸንትን መሬታ ክባድምን፡ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመደብ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ውዴት ምዃኑን ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ምህላዉ እናተረጋገጸ ይከይድ ኣሎ።

ዓዲ ቐይሕ፡

ኣብ ዝሐለፈ ሓጺ እዋን ዝዘርጋሕናዮ ናይ ውሽጢ ሃገር ዜና ተጠቒሱ ከም ዝነበረ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ኣመሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ርህራሄን ናይ ህዝቢ ሓልዮትን፡ ብዕለት 04/03/2015 ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣባይቲ ከፍርስ ጀሚሩ ምሃላዉን ብሰንኪ’ዚ ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ከቢድ ነውጽን ቅልውላውን ተፈጢሩ ምህላዉ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ነዚ ተግባር’ዚ ብምቅዋም፡ ነባሮ ዓዲ ቀይሕ ብፍላይ ድማ ተመሃሮን መንእሰያትን ሎሚ ንግሆ ዕለት 05/3/2015 ኣብ ጎደናታት ብምስላፍ ምስ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣብ ጥምጥም ኣቲዮም ምህላዎም እቲ ዜና ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ፡  ሰለስተ መንእሰያት ብጥይት ክቕተሉ ከለዉ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብመኪና ናይ ሓይልታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተረጊጻ ህይወታ ከም ዝሓለፈ ተረጋጊጹ። ኣብ’ቲ ቦታ ዝረከቡ ሓለፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናዕቢ ናይ ህዝቢ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ይኸይድ ምህላዉ ኣመልኪቶም ናብ ላዕለዎት ሓለፍቶም ጸብጻብ ኣልዒሎም’ኳ እንተኾኑ፡ ዝመጾም መልሲ ግን፡ “እቲ ህዝቢ ኣበይ ከይበጽሕ ዕማምኩም ስቕ ኢልኩም ቀጽሉ” ዝብል ከም ዝነበረ እሙናት ምንጭታትና ኣረጋጊጾም። እቲ ናዕቢ ይቕጽል ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.

05/03/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • dawit meconen March 6, 2015

    The con artist isaias afecherqi is doing what he has been doing for ages, recruiting genuine Eritreans as his accomplices by disguising himself as patriotic Eritrean.

    However, as if adding insult to the injury, he has also been getting necessary assistance to wage his destruction on our country from the opposite end, from those Eritreans who are fooled by woyane’s disguise as a friend of Eritrea.

    As professor Albert Einstein once said,….. The definition of Insanity is to do the same thing over and over and expect different results…., we must learn from our past mistakes and change course.

    To me the only way forward is to disengage ourselves from both woyane and isaias and start rebuilding our bridges that the two vicious enemies duped us to break.

    Remember, A house divided against itself cannot stand.

    • AHMED SALEH !!! March 6, 2015

      Dawit
      I respect your opinion but in perspective on
      engagement with WEYANE which happen to be the
      main actors of governing political party
      in Ethiopia , I don’t think it is realistic
      argument if Eritreans have no choice rather
      to accept any offer for safe place existences .
      Sudan was other alternative but it’s government
      reputation in concern with Eritrean opposition
      parties doesn’t guarantee their safety .
      Again I agree that we shouldn’t let any external
      force meddle with our internal affairs . As you
      said only a fool can’t learn from past mistakes.
      Still with fresh blood in hand some funny people
      say AHWATNA to define the word far from it’s true
      meaning .
      Do I respect our neighbors ? Yes I do .
      Are we the same people ? Facts doesn’t lie .

  • Berhe March 6, 2015

    ADI KZMET AYNIDO YIEMET.
    SEBDOTA YEBLANYA EZA HAGERRRRRRR.

  • HYPE AND CHANGE March 6, 2015

    some people have said that the region is specially
    targeted by Isaias.

  • Jura March 7, 2015

    ato dawit meconen,

    ሓቁ ደኣ፤ በዓል ኣምሰሉ ቅጥፈት ኣይገድፍኩሞን ?
    እምበኣር እዞም ” ወያነ ” ትብሎም እዮም፣ ዓዲ ዘብርሱ: ኣባሕጎታቶም ዝጸርፉ: ታሪኾም ዝንዕቁ: ደቆም ንወሻልኽ ዓረብ ዝሸጡ: ኣውያት ደቆም ዝይሰምዑ: ቋንቋታቶም ትግረ-ትግርኛ ዝንዕቑ ?
    ብሓልንጊ ዓረብ በደዊን እንዳተገርፍካ፤ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ግብጺ ብኣዋልድካን ደቅኻን ዓቲኹ፤ ዓረብ ጡፍ እናበለልካስ፤ ” ወያነ ” ትብል ኣለኻ? መዓስ እሞ ክስቆረካ?

  • yonas March 10, 2015

    እዚ ስርዓት ህግደፍ ብሐቂ ጨካንን አብ ግብራውነት ዘይአምን ጸረ ህዝቢ ኢዩ።ንዐመታት ገዛዉቲ ከይስራሕ ዝአገደ እሞ መስቲ ብዝሒ ህዝብን ስእነት አባይትን ዘጋጥሞ ዘሎ ህዝቢ ከይዓጀቦ፣ህዝቢ ባዕሉ ብኽንደይ ጨቖኽ ዝሰረሖ ገዛዉቲ አብ ምፍራስን ስድራ ቤታት አብ ምብታንን ተጸሚዱ ይርከብ አሎ።ህግደፍ ዘቕርቦ ምኽንያት ከአ አባይቲ ብዘይ ፕላንን ሕግን ይስርሑ አለው ኢዩ ዝብል ከም ሕጊ ዝኽተል ስርዓት ዝገርም ኢዩ።አብ መላእ ኤርትራ እገብሮ አለኹ ዝብሎ ልምዓት ብጀካ ብአረግቶት አንስትን ቆልዑትን እምኒ ምስካም ዝሐልፍ አይኮነን ምኽንያቱ እቲ ኩሉ መንእሰይ አብ ጎዳጉዲ አብ ቤት ማእሰርትታት አብ ስደትን ኢዩ ዘሎ።ናይ አይተ ኢሰያስ ምዕባለ ንህዝቢ ድሂኽካ ሃገር አጥፊእካ ዘርሞ ዘርሞ አትሪፍካ አብ ኮረሻ ስልጣን ምጽናሕ ኢዩ።ከም አባ ጎብየ ምሱጓም ይትረፍ ዝሞተ ጎብየ ኮይኑ አሎ፣እዚ ዕረ ከአ ደገፍቲ ህግደፍ ተመንጊግኩም ዉሐጥዎ ናይ አይተ ኢሱ ገጸ በረኸት ኢዩ።ሰላምን ፍቕርን ካብ እግዚአብሔር እዩ ባዕሉ ከአ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ፍቕርን ይሃቦ።

POST A COMMENT