Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ኣቶ የማነ ተስፋይ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣስረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ኣቶ የማነ ተስፋይ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣስረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኣቶ የማነ ተስፋይ፣ ንቀጥታዊ ምትእትታው ኢሳይያስ ኣብ መስርሕ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ብምቅዋሙ እዩ ግዳይ ማሕዩር

ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ኣቶ የማነ ተስፋይ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣስረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኣቶ የማነ ተስፋይ፣ ንቀጥታዊ ምትእትታው ኢሳይያስ ኣብ መስርሕ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ብምቅዋሙ እዩ ግዳይ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኑ ዘሎ። ቁጽሮምን ኣስማቶምን ዘይተነጸረ ካልኦት ሓለፍቲ ኣብ ቀይዲ ኣይትዮም ከምዘለዉ ‘ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ 27 ሕዳር ዜና ኣሰና ከምዝገለጽናዮ፣ ንትግባረ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ገደብ ግዜን ቅጥዕታትን ብኣዋጅ ተገሊጹ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ትግባሬኡ ግን ኢሳያስ ምስ ሓላፊ ንግዳዊ ባንኪ ኤርትራ  ኣቶ የማነ ተስፋይ፣ ምስ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ  ኣቶ ሓጎስ ገብሪሂወት፡ ምስ ሚኒስተር ፋይናንስ  ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያምን ምስ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኣቶ ነስረዲን ዓሊ በኺትን ኣብ ምውጣጥ ኣትዩ ከምዘሎ ይሕበር ከምዘሎ ምንጭታትና ጠቒሶም እዮም።

እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ እቲ ኢሳያስ ከምኣመሉ ደረት ስልጣኑ ከይሓለወን ብዘይ እኹል ሞያዊ ኣፍልጦን ኣብ መስርሕ ምቅቕያር ባጤራ ናቕፋ ኢዱ ብምእታዉ  ተገራጫዊ መምርሒታት ይህብ ብምህላዉ፣ ተሪሩ ክከራኸሮ ዝቐነየ ኣቶ የማነ ተስፋይ ግዳይ ማእሰርቲ ክኸውን ከም ዝኽእል  ‘ውን ኣሚቶም ነይሮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • wedi haile December 1, 2015

    sebok geru eseyas meknyatu eti genzeb nay waga ehwatnan ahatnan eyo neo nemseray kea zedli lgeber meselu eyo yemanne tesfay hade kabtom courapted zekonu sebat slezkone assena kea nsebok eritrea zkone neger ketdgfu sebok mesleni .

    • Gebrai December 1, 2015

      I think the problem is not Mr. Yemane, the real evil of all this is Mr. Hagos

  • Gabir December 1, 2015

    I don’t think everyone surprised by this news including Yemane himself. Under dictatorship you have only two choices not third or fourth. 1. Abide by the rules of the dictator and execute any thing you are asked to do.
    2. Kill the dictator and liberate yourself and your people. Other than that no option at all. So if Yemane tried to convince Isaias and wanted to live in Eritrea peacefully at the same time. He must be mad! Yemane was dead before he was imprisoned. I am not surprised by his imprisonment but by his tragic death.

  • Gebrai December 1, 2015

    I don’t believe any word, Assenna has posted to be honest with all of you.

  • Josef December 1, 2015

    there is one speech in German´` Fressen oder Gefressen werden`´Kill the Dictator or he will kill you one day.Bebehade wediewom.

  • josef December 2, 2015

    Isayas netom zetakelu mestetekmelom kem reshat kemzederbyom zeyredeu buzuhat jasus natu riga hazu…zehaznelkum yelen… who is next may be osamn or askalu..(well come to dictator game field)

  • alem December 2, 2015

    It is just a gravity law what goes up must come down anybody who works for Issias is like use and throw, not a new thing to suck his stooges. As long as they love his enslavement they will beeaten like the others. At the end of the day it is not about them it is about us the Eritrean people to take care these cowards we have to man up and do the rihgt thing anything less we are a dead meat.

  • jonus Jabar December 2, 2015

    kisab mas ena kemzi geyruna ni ekele asiruwo ni ekelit asiruwa kinbl
    haye nilal ni etoko zinarna.

  • jonus Jabar December 2, 2015

    kinbeki bi essyas 50 amet koynu wala abti sahil eko kemu eyu
    neyru siruhu nay lomi aykonen essyas.

  • Yemane December 4, 2015

    ኣማኑኤል እያሱ…ክሳብ መዓስ ኢኻ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓሶት ከተደናግሮን ንጸቢብ ረብሓኻን ዕላማኻን ክድግፍ ትደልዮ ዘለኻን። ሓቂ ምንጋር የኽብረካን ሰዓብቲ የጥርየልካን። ሓሶት ምዝራብ ድማ የንዕቐካን የዋርደካን የጽርፈካን። እዚ ብዛዕባ ኣካያዲ ስራሕ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ዘርጊሕካዮ ዘለኻ ዜና ውጹእ ሓሶት’ዩ። ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ምንጭታትና ብምባል ተኣማኒ ዜና ከተምስሎ ፈቲንካ ዘለኻ፡ ጠርቋሽ ፈተነ’ዩ። የማነ ስለምንታይ ተኣሲሩ ምሉእ ኣስመራ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። እቶም ካልኦት ዝተኣስሩ’ውን ከምኡ። የማነ ነቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ገንዘብ ዘኻዕበቱ ሰባት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ (ካብ ሕጋዊ መምርሒ መንግስቲ ወጻኢ) ገንዘቦም ናብ ባንክ ክመልሱን ነቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዘኻዕበትዎ ገንዘብ ሕጋውነት ከልብስን ስለዝፈተን’ዩ ተእሲሩ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ስለዝፈጸመ’ዩ ተኣሲሩ ዘሎ። ህዝቢ ከኣ ጸባ ሰትዩ ኣሎ። “ንስለ ህዝቢ እየ ዝጽቃለስ ዘለኹ” እናበልካ፡ ንስለ ህዝቢ ንዝተወስደ ስጕምቲ ዘይሕብሩ ክትቀብኦ እንተፈቲንካ፡ ኣንጻር ህዝቢ ትሰርሕ ምህላውካ ተገንዘብ። ስለዚ ሓሶት ብምዝርጋሕ ነቲ ሓቂ ክትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ ንህዝቢ’ውን ምትላል’ዩ። ህዝቢ ንዝፈልጦን ብዓይኑ ንዝረኣዮን ጉዳይ ብሕልሚ ንዝመጸካ ትንታነ ከም ሓቂ ኣምሲልካ “እዚ’ዩ እቲ ሓቂ” ምባል ንገዛእ-ርእስኽእ ኢኻ ተንዕቓ ዘለኻ።

    • R.K. December 7, 2015

      Mr.Yemane it is very easy to speak on behalf of People, to act on behalf of People and ect,ect. When the wright of the People is not even taken in to a consideration by those self appointed “advocates” and “leaders” of a country without any mandate from the People. That is the main issue here,the role of the Journalist is to inform the public, of course in an ideal situation the validity of the information has to be confirmed directly, but in the Eritrean contest until we, the People will elect a Government that will respect our wrights and freedom of information we will have to be content with what the present circumstance offers us.

  • Yemane December 12, 2015

    ሸልእም R.K.። ኣማኑኤል እያሱ ጋዜጠኛ ኣይኮነን። ብስም ጋዜጠኛ ዘደናግር ዕሱብ እዩ። ጋዘጤኛ ማለት ዝመጸካ ምጽሓፍ ማለት ኣይኰነን። ጋዘጤኛ ዝበሃል ቅኑዕነት ናይ ሓደ ዝረኸቦ ሓበሬታ ንምርግጋጽ መጽናዕቲ ዘካይድ፡ ኣቀራርብኡን ቃንኡን ዘይሻራዊ ኰይ። ኣንበብቲ ካብ ዘንበብዎ ተበጊሶም ናይ ገዛእ-ርእሶም ርድኢት ናይ’ቲ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዝሕዙ ዝገብር ደኣምበር፡ ንኣእምሮ ኣንበብቲ ብምጽላው ንገበነኛ ዘንጽህ ንሕጋዊ ስጕምቲ ገበነኛ ዝገብር እንተኰይኑ፡ ሓፋሽ ተመሊሱ ንዓኻ’ዩ ዝዕዘበካ። ሓደ ነገር ክነግረካ። ኣነ ኣብ ኤርትራ ይነብር። ሓደ ዓርከይ ኣሎ ንመርበብ ሓበሬታ ‘ኣሰና’ ቀጻሊ ዝኸፍታ። ኣብ ዝተራኸብናሉ ግዜ “ኣታ ‘ኣሰና’ ከም’ዚ ኢላ” ብምባል የዕልለኒ። “ኣብ ኤርትራ ኢኻ ዘለኻ፡ ‘ኣሰና’ ከም’ዚ ኢላ ኢልካ ዘይኰንካስ፡ እቲ ዝዘረበሉ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ጥቓኻ እዩ ዘሎ ኬድካ ኣረጋግጾ።” እብሎ። ክልተ መዓልቲ ‘ኣሰና’ ብዛዕባ “ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝበለቶ” ዜና ንምርግጋጽ ተታሓሒዝና ኬድና። ኩሉ ዝተባህለ ሓሶት ኰይኑ ምስ ረኸቦ፡ “እታ ነዚኣስ ‘ሓሰና’ ክብሉዋስ እባ ሓቆም’ዮም” ኢሉኒ። ካብኡ ንንዮ ዳርጋ ኩቦ ደርብዩላ ኣሎ። ዘየለ ኵነታት ብትምኒት ክትፈጥር ኣይትኽእልን ኢኻ። ዘየለ ኵነታት ብሓሶት ብምዝርጋሕ ለውጢ ከተምጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓሶት ብምዝርጋሕ ኣንበብቲ ከተሰስን ኣይትኽእልን ኢኻ። “ሕጋዊ መንግስቲ” ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣይኰነን። ምስሉያት ኣይንኹን። መንግስቲ ህዝቢ ዝመረጾ ይኹን ኣይኹን፡ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዘይሕጋዊ ስራሕ’ዩ። ዘይሕጋዊ ስራሕ ክስራሕ እንከሎ፡ እቲ ብሕጊ ዝተመርጸ ይኹን ብሕጊ ዘይተመርጸ መንግስቲ ነቲ ሕጋዊ ስራሕ እንተዘይተቘጻጺሩን ዘይተኸላኺሉን፡ ንዘይሕጋዊ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ስጕምቲ እንተዘይወሲዱን፡ ህዝቢ ይጕዳእ እምበር ኣይጥቀምን። ሰባት ኣእምሮ ኣለና፡ ንሓስብ ኢና፡ ነመዛዝንን ንመዝንን ኢና። መን እንታይ ገይሩ፡ መን እንታይ ኢሉ ድማ ኣይጠፍኣናን’ዩ። ከም ንቘልዑ “ሀ ሁ” ትምህር ዘለኻ ግን ህዝቢ ንዝርእዮን ዝፈልጦን ጉዳይ “ከም’ዚ እዩ” ኢልካ ክትነግሮ ኣይከኣልን።

POST A COMMENT