Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓሳውን ቆርበትን እናሓደረ ይፈኵስ።

ኢሳያስ ፍጥር ካብ ዝብል ምሕሳው መፋጥርቱ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምህሳው ሓጥያት ወይ ጌጋ ምዃኑ ጠፊኡዎ ዘይኮነ ግን ኣብ ስልጣን መታን ክጸንሕ ከደናግር ስለ ዝደለየ ጥራይ። ብዝኾነ፡ ድሕርቲ ታሪኻዊ ፍጻሜ ስርሒት ፎርቶ፡ ንሰለስተ ቕነ

ኢሳያስ ፍጥር ካብ ዝብል ምሕሳው መፋጥርቱ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምህሳው ሓጥያት ወይ ጌጋ ምዃኑ ጠፊኡዎ ዘይኮነ ግን ኣብ ስልጣን መታን ክጸንሕ ከደናግር ስለ ዝደለየ ጥራይ። ብዝኾነ፡ ድሕርቲ ታሪኻዊ ፍጻሜ ስርሒት ፎርቶ፡ ንሰለስተ ቕነ ተሓቢኡ ድሕሪ ምቕናይ፡ ነቲ ኵነታት ብዝጥዕሞ መነገዲ ኣቃሚሙን ብሃሶት ላዕጢጡን ከቕርቦ ፈቲኑ። ኢሳያስ፡ እቲ ሰብ ከይለበመ ክሕሱ ከሎ ካባይ ጀሚርካ ሰብ ይኣምኖ ነይሩ እዩ። ሎሚ ግን መን ክኣምነኒ ኢሉ እዩ ሃተው ዝብል ዘሎ? እቶም ኣብ ጥቓኡ ዘለዉ ኣማኸርተይ ዝብሎምከ ኣይሕብሩዎን ድዮም? ብዝኾነ እቲ ጕዳይ ለባም ዘይብሉ ዓዲ ዘብል’ዩ። ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ዝብሉዎ፡ ኢሳያስ ካብ ዝፈኵስ ነዊሕ’ኳ እንተ ኾነ፡ ሎምስ ካን ጨሪሹ ናብ ጓሓፍ ተቐዪሩ። ኢሳያስ ኣብ መዋጥር ክኣቱ ከሎ ትም ምባል መሪጽና ትብል መልሲ ኣላቶ። ድሒሩ ሰብ ምስ ተዛነየን ኵነታት ምስ ተቐየረን፡ ከምዚ ነይሩ ከምቲ’ባ ነይሩ ኢሉ ንሰማዕቱ ከታልል ይፍትን። ብዝኾነ፡ ኢሳያስ ሓደ ኣብ ዝበሎ ዘይሓድር ሓሳዊ ምዃኑ ኵሉ ሰብ ፈሊጡዎ’ኳ እንተ ኾነ፡ እዚ ጽሑፍዚ፡ ነቶም ትፈልጡዎ መዘኻከሪ ክኾነኩም፡ ነቶም ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዝብሉ ኣህባይ ድማ ጭቡጥ መረዳእታ ክኾኖም ተስፋ እገብር።

ቅድሚ ምጥያስ ተጋደልቲ ኣብ 1995 ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ።

ሕቶ፡ ቍጽሪ ተጋደልቲ ናብ 30 ሽሕ ክወርድ ተባሂሉ ነይሩ፡ እቲ 70 ሽሕ እንታይ ክኸውን’ዩ? መልሲ፡ ኣብ ከተማታት ምሸታዊ፡ ኣብ ገጠራት ድማ ምጥፋእ መሃይምነት ክጅምሩ’ዮም። ኣብዚ መወዳእታ ድማ መእተዊ ፈተና እናተዋህበ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ከም ዝከታተሉ ክግበር’ዩ። ብዘይካ’ዚ ሞያዊ ስልጠና ንምሃቦም ምደባት ወጺኦም ኣለዉ።

እዚ ሂቡዎ ዘሎ መልሲ ብልክዕ ካብ ሓደ ወላዲ ክወጽእ እትጽበዮ ቃል’ዩ። ኢሳያስ ግን ልክዕ ከም መምህሩ ጆሴፍ ስታሊን ሓደ ነገር እናበለ ካልእ ስለ ዝፍጽም፡ ንግዜኡ ህዝቢ ንምትላል ጥራይ ተዛሪቡዎ። ምኽንያቱ፡ ይትረፍ ንተጋደልቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃሩ ወይ ሞያዊ ስልጠና ክረኽቡ ከፍቅደሎም፡ ነቶም ብጻዕሮም ሓርኮትኮት ኢሎም መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ’ውን ዕድል ነፊጉዎም’ዩ። ነቶም ንሱ ከይፈለጠ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክመሃሩ ዝጀመሩ ተጋደልቲ ድማ ብትእዛዝ ብምሉኣቶም ከም ዘቋርጹ ገይሩዎም። ናይ ኢሳያስ ሓጢያት እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ገለ ተመሃሮ ኣጋ ምሸት ናብ ቤተምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ክጐዓዙ ምስ ረኣዮም፡ “ናበይ ክበጽሑ ኢዮም’ዞም ተጋደልቲ ክንድዚ ቦርሳ ኣንተልጢሎም ሸለብ ገለብ ዝብሉ ዘለዉ? እንተ’ደልዮም ዶዘር ወይ ትራክተር ግዳ  ዘይመሃሩ!” ከም ዝበለ ብብዙሓት ናይ ሽዑ ተመሃሮ ይገልጹ። ኢሳያስ ንባዕሉ ቀለም ስለ ዘይጸገበ፡ ሰብ ልዕሊኡ ክመሃር ኣይደልን’ዩ። ኣብ ሜዳ ንዝነበሩ ምሁራት ከይተረፈ ምሒር ይፍንፍኖምን ይጸልኦምን ከም ዝነበረ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ኣብ ገለ እዋን ኣብ ሜዳ ኸሎ ስሙ ክገልጾ ንዘይክእል ሓደ ምሁር “ብነብሰይ’ኮ እየ ዘይፈትዎ” ክብል ከም ዝተሰምዐ ዝገልጹ ብጾት ኣለዉ። እቲ ዝገደደ ግን ነታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ፡ ኣብ ኤርትራ ሽቕለተ ኣልቦነት የሎን፡ ገበን የሎን ክብሃለሉ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘልኣለማዊ ዕስክርና ቈሪኑ፡ ኣብ ክንዲ ዝመሃሩን ሊቅነት ክረኽቡ ዝጽዕሩን ብረት ክውልውሉ፡ ቦምባ ክፈታትሑ ይውዕሉ ኣለዉ። ኣበይ ኣሎ ደኣ እቲ ክመሃሩዮም ዝብል ቃል?

2ይ ዓመት ቍጽሪ ሓደ ረቡዕ 2 መስከረም ዘካየዶ ቃለመሕትት

ሕቶ፡ ህዝባዊ ግንባርን ውድባቱን እንታይ ክኾኑ’ዮም ድሕሪ ረፈረንደም? ህዝባዊ ግንባር ብሓድሽ ስም ከም ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኑ ኪቕጽል ድዩስ ጨሪሹ ክፈርስ’ዩ?

መልሲ፡ ቅድሚ ሓርነት’ውን እንተኾነ ህግሓኤ ተልእኾኡን ህላወኡን ክሳብ ሓርነት ዝርከብ ጥራይ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኢዩ። እዚ ሕጂ ህግሓኤ ከም መንግስቲ ኮይና ተመሓድረሉ ዘላ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ’ዚ ግን መቐጸልታ መስርሕ ሓርነት’ዩ። ድሕሪ ረፈረንደም ህግሓኤ ዝብሃል ኣይክህሉን’ዩ። ነዚ ውሳኔ’ዚ ጭቡጥ ስጕምትታት ብምውሳድ ክነረጋግጾ ኢና። መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ኣብቲ ንፖለቲካዊ ሰልፍ ታትን ትካላትን ዝውስን ቅዋምን ሕግን ዝተመስረተ ክኸውን’ዩ። ሽዑ ኣብ መንግስትን ኣብ ፖለቲካውን ንጥፈታት ምስታፍ ንዅሉ ኤርትራዊ ከከም ድሌቱ ክፉት ክኸውን’ዩ። ኣብቲ መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወት ናይታ ሃገር ህግሓኤ ከም ውድብ መጠን ኣይክህሉን’ዩ።

ሕቶ፡ ህግሓኤ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኑ ክቕጽል እንተ ወሲኑ ግን በቲ ዝነበሮ ታሪኽን ካድረታትን ኪዕብልል’ዩ። ኣይመስ ለካንዶ? ፖለቲካዊ ሰልፊ ክኸውን ድዩ ወይስ ንሓዋሩ ክጠፍእ?

መልሲ፡ እዚ ግምታት ጥራይ’ዩ። ብዙሓት ሰባት ብጌጋ፡ ህግሓኤ እንተ በዚ እንተ በቲ ስማ ለዊጣ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ክትህሉ’ያ ይብሉ። ሓደ ነገር ኣሎ። ህግሓኤ ምስ ፈረሰት ኵሎም እቶም ኣባላታ ዝነበሩ ካብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ተሰናቢቶም ኪነብሩ’ዮም ኣይብልን። ድሕሪ ረፈረንደም ህግሓኤ ዝብሃል ውድብ ከም ዘይህሉ ግን አረጋግጸልካ። ክትህሉ እንተ ኾይና ኣንጻር መትከላታ ክትከይድ’ያ ማለት’ዩ። ትፈልጦ ኢኻህግሓኤ መተኣኻኸቢ ካብ ኵሉ ክፋላት ህዝብና ዝመጹን ነንበይኑ ዝኾነ ፖለቲካዊ እምነታት ዝነበሮም’ዮም። ንሕሉፋት ጸጋማውያንን ሕሉፋት የማና ውያንን ዝጠርነፈ ኢዩ። እቲ ዝነበረ ኵነታት ነዞም ነንበይኑ ዝኾነ ፖለቲካዊ እምነታት ዝነበሮም ሰባት ንሓርነት ሃገሮም ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ገይሩዎም። ሕጂ እዚ ዅሉ ኵነታት የሎን። ስለዚ ከመይ ጌርካ ኣብ ሓደ ውድብ ተጠርነፉ ክትብሎም ትኽእል? ልክዕ’ዩ ድሕሪ ረፈረንደም ናቶም ፖለቲካዊ ውድብ ንኽምስርቱ ወይ ምስ ካልኦት ሓደስቲ ውድባት  ክጥርነፉ ናጻ ኢዮም።

እንተደኣ ገለ ኣባላት ህግሓኤ ዝነበሩ ሰባት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኖም ክቕጽሉ ዝደልዩ ተረኺቦም ግን ብዛዕባ’ዚ ኣብቲ ዘድሊ እዋን መግለጺ ኪወጽእ ኢዩ። ሕጂ ብዛዕባ’ዚ ንጹር መልሲ የብለይን። ድሕሪ ረፈረንደም ህግሓኤ ከም ውድብ ከም ዘይትህሉ ግን ቈሪጹ ኣሎ። ገለ ሰባት ህግሓኤ ዓብን በዓል ብዙሕ ጽልዋን ስለ ዝኾነ፡ እንተ ደኣ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ክቐውም ኮይኑ ኪዕብልል’ዩ ኢሎም ይፈርሑ ይኾኑ። ህግሓኤ እዚ ጥርጣረ’ዚ ኣብ ገለ ሰባት ከም ዝህሉ ይፈልጥ ነይሩ’ዩ። ብኣኡ ኢዩ ኸኣ ህግሓኤ ገና ሓርነት ከይተረኽበ ከሎ፡ ሃገር ሓራ እንተ ደኣ ኾይና ከም ዝበታተን ዝወሰነ። ምኽንያቱ እንተ ደኣ ህግሓኤ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮይኑ ኪቕጽል ወሲኑ እቲ እንኮን ዝሓየለን ዝዓብለለን ክኸውን’ዩ። እዚ ኸኣ ኣንጻር’ቲ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ክኸውን’ዩ። እዚ ንኸይከውን’ዩ ድማ ህግሓኤ ባዕላ ንክትሓቅቕ ዝወሰነ። ርግጽ’ዩ ፍርሕን ጥርጣረታትን ክህሉ’ዩ። ህዝቢ ግን ብንጹህ ልቦና ክቕበሎ ይግባእ። ክፉእ ክሓስብ ኣይግባእን።

ሕቶ፡ ብዛዕባ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዘፍርሕ የብልናን ዲኻ ትብል ዘለኻ?

መልሲ፡ እቲ ንደሞክራሲ ዝፈርሕ ደሞክራሲያዊ ዘይኮነ ዕላማታት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። እንተ ደኣ ደሞክራሲ ናብ ርግኣትን ምዕባለን ዘብጽሕ ኣገባብ ኮይኑ፡ እንፈርሓሉ ምኽንያት የሎን። እዚ ንሰላሳ ዓመታት ንደሞ ክራሲ ዝተቓለሰ ህዝብና ንደሞክራሲ ከመይ ጌርካ ከም ትዕቅባ ይፈልጥ’ዩ። 

ሓዳስ ኤርትራ ርክብ ፕረሲደንት ምስ ህዝቢ ዕለት 26/2/98።

ሕቶ፡ ኣብያተ ፍርዲ ብግቡእ ይሰርሓ ኣለዋ ኢልካ ትኣምንዶ? ፍሉይ ቤትፍርዲ ስለምንታይ ንህዝቢ ዕጹው ዝኸውን? ስለምንታይከ ብማዕከናት ዜና ዘይቃላሕ? እቶም ኣብኡ ዝቐርቡ ጕዳያት ዓበይትን ንኣሽቱን’ዮም፡ ስለምንታይ ዶብ ክግበረሎም ዘይተኻእለ?

መልሲ፡ ዋሕዲ ናይ ሞያውያን ክኢላታት ኣሎ። ክኢላታት ናይ ሕግን ፍርድን የለዉን። ብዛዕባ ንህዝቢ ክፉት ዘይከውን ዝብል ዘረባ ግን ወረ ካብ ምድላይ ሓሊፍካ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ቤትፍርዲ ኮፍ ኢልካ ጕዳያት ብምስማዕ፡ እከለ ሰሪቑ፡ እንታይ ሰሪቑ? ክንደይ ሰሪቑ? ክንደይ ተፈሪዱ? ኢልካ ንምውርዛይ ክጥዕም እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ኣገባብ ዘጠራጥር ወይ ውዲት ስለ ዘሎ ንዑኡ ንምፍላጥ ስለ ዘድለየ ኣይመስለንን። ስለዚ እቲ ወረ ዝደሊ ሰብ ኣብ ገዝኡ ክመጾ ስለ ዝኾነ ዓቕሊ ገይሩ ክጽበ ኣለዎ። ፍሉይ ቤትፍርዲ ንህዝቢ ይከፈት ኣይከፈት ኣብ ዝብል ዘረባታት ኣይኣቱን’የ።

 

ድሕሪ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ኢሳያስ ብዛዕባ ደሞክራሲ ምስ ተሓተተ፡ “ደሞክራሲ እንታይ ማለት’ዩ?” ክብል በቃጫጭ ንሕቶ ብሕቶ ድሕሪ ምምላስ፡ “እሞ ክሳብ መዓስ ኣብ ስልጣን ክትጸንሕ ኢኻ ማለት’ዩ?” ዝብል ሕቶ ምስ ሰዓበ፡ ኣድላዪ ክሳብ ዝኾነ እዋን ክጸንሕ ከም ዝኾነ መሊሱ። ስለዚ፡ እቲ ኢሳያስ ዝገብሮ መደረታት ዓላማኡ ምስ ግዜ ዝኸይድን ብመደብ ንህዝቢ ንምትላል ተባሂሉ ዝቐርብን ምዃኑ ክንግንዘብ ንኽእል።

ክሳብ ካልኣይ ክፋል ሰላም ቅነ።

 

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • yonas kidane February 22, 2013

    ብራቮ እስቲፍ ጭብጢ-ብጭብጢ
    ከማካ ይ
    ብዝሑ።

  • Kalighe February 22, 2013

    Thank you, you exposed a notorious liar and serial killer.

  • tbrhane February 23, 2013

    This is an educational article with proofs and evidences and I am so eager to follow the following one or ones.

    • Hurui February 23, 2013

      Thank you Estifanus for your proved article submit to know the Eritrean people how is he far away from the facts good job continue let’s expose the dictator and to his dogs thanks again Estif

  • edwin February 23, 2013

    dear my compatriots[Eritreans] ,Issias has determined to destroy our beloved nation Eritrea .Now i doubt is he Eritrean or not;he hasn’t any love to our nation.He has already destroyed two generation now he reached on the third generation,Shame on you Issias!!

  • eyob February 23, 2013

    thank you estifanos, this what we need to expose the trues with facts and proofs , none of the higdef members and the assassin killer of isayas will despute it.

  • Mesinas February 23, 2013

    ዓምና ኢሳያስ ንዝኾነ ጭብጥታት ስለ ዝሓትት፡ እዚ ብድሆ’ዚ ኸኣ ምስ ጭብጥጣቱ ስለ ዝኾነ፡ ብኸመይኮን ይሓባብሎ ይኸውን? ሓው እስቲፋኖስ፡ ነዚ ኣዝዩ በዳሂ ስራሕካ ዘሎኒ ኣድንቖትን ምስጋናን ልዑል’ዩ። እዚ ኣድማዒ ኣበርክቶኻ ብዝለዓለ ኪትቅጽሎ ድማ ብተስፋን ብሃንቀውታን እጽበ።

POST A COMMENT