Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓቀኛ ግንቦት ንጽበ ኣሎና!

  ህዝቢ ኤርትራ፡ ይዝከረካ’ዶ ግንቦት 91 ብሓጎስ ክንዘልል ካብ ምንጋጋ ሓርገጽ ወጺና ካብ ጸልማት  መስገደል ተጋደልቲ ሓቑፍና ብዓውታ ናጽነት ጥዕምቲ ኢልና ክንዕልል መግዛእቲ ኣፋኒና  ኣውዳውና ዘርጊሕና ናጽነት  ክንቅበል፡፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ይዝከረካ’ዶ ግንቦት 91፡ ክንምሕል ንፍትሒ ማዕርነት ሕድሪ ክንፍጽም መብጽዓ ስውኣት ብሓባር ክንምርሽ

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ይዝከረካ’ዶ ግንቦት 91 ብሓጎስ ክንዘልል

ካብ ምንጋጋ ሓርገጽ ወጺና ካብ ጸልማት  መስገደል

ተጋደልቲ ሓቑፍና ብዓውታ ናጽነት ጥዕምቲ ኢልና ክንዕልል

መግዛእቲ ኣፋኒና  ኣውዳውና ዘርጊሕና ናጽነት  ክንቅበል፡፡

ህዝቢ ኤርትራ፡ ይዝከረካ’ዶ ግንቦት 91፡ ክንምሕል ንፍትሒ ማዕርነት

ሕድሪ ክንፍጽም መብጽዓ ስውኣት

ብሓባር ክንምርሽ ንሰላም ንልምዓት

ብኩርዓት ክንነብር ብሓጎስ ብጽንዓት።

ግንቦት 91፡ ነዚ ዲኺ መጺኽና ንውርደት ድኽነት

ኣብ ክንዲ ናጽነት ክንሙቋሕ ብሰንሰለት

ከይሞትና ክንቅበር ክንኣቱ ኣብ ደልሃመት

መን’ዩ ጠሊሙ መብጽዓ ስወኣትና ክንሕረም ቅሳነት።

ግንቦት 91 ንገርና መን’ዩ ፈሪዱና ክንክደን ካባ ሓዘን

ሕድሩ ከይትግበር ስውእ ከይቀስን

ጥሙይ ከይዕንገል እቶትና ከይስስን

ከይንሰምር፡ ሰላም ከይሰፍን-ነኻሲ ጡብ ኣደ መን’ዩ መን።

ኣቦ ኣደ ስውእ ኣብ ዕጹው ቤት ተኾርሚኻ ደባሲ ስኢንካ

ዝጥውረካ ውላድካ ቀቢርካ በረኻ ኣስፊርካ

ኣብ ጥሙይ ከብድኻ ብይንኻ ክትነብር ተፈሪድካ

ናተይ ዝበልካዮም  ክኣስሩኻ ክገፍዑ፡ ክንዲ ዘኾለስካ ኢድካ ተነኺስካ።

ናይ ትማሊ  ብርሃንካ ነበር ኮይኑ- ብጸልማት ተሸፊኑ

ናይ ትማሊ ሕልምኻ ብዘይ ኣሰር በኒኑ-መኺኑ

ግርማኻ ተቀንጢጡ ኣዳራሽካ ዓንዩ ዳስካ ቃዚኑ

ግንቦት 91 ሕሰም ወሊዳ ሽልማታ ጥልመት ኮይኑ።

ህዝቢ ኤርትራ፡  ሓርነት ኣይረኸብካን ዓስቢ መስዋእትኻ

ሩፍታ ኣይተዓደልካን  ዋጋ እምነትካ ከልበትበትካ

ግን፡ ኣብ ስቃይ ክትነብር ኣይተረገምካን በይንኻ

ኣብ ሓንቲ ጎደና ንሓደ ዕላማ ብሓባር እንተመሪሽኻ

መዓልቲ ክመጽእ’ዩ ዘረጋግጽ ክብረትካ ሓርነትካ- ብኽቡር መስዋትኻ።

ግንቦት 91 ዝተበታተና ስድራቤታት ኣኻኽብልና

ብዝሓለፈ ይኣክል በልና ኣእዳውኪ ዘርግሕልና

መዓትና ኣቁርርልና ብስም ኩሎም ሰማእታት ደብስና

ሓቀኛ ግንቦት ተመለስና ናይ መዋእል ቅሳነት ትኸልልና ኣብ ሃገርና።

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ግንቦት 2015)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Simon G. May 9, 2015

    ከመይ ዘይዝከረኒ! ይዝከረኒ ወ: ጽላል
    ኣነን ኣዕሩኽተይን: ዓሽሽሽሽሽሽ! ክንብል
    ተራእዩ ዘይፈልጥ: ነጎዳዊ ምዕላል
    ኣየ ክጥዕም ዕላል!
    ወይ ጽላል
    ኣቲ/ኣታ ሓላል
    ይዝከረኒ ወ: መን ኣሎ ከማና ክበሃል!

    ኣየ ጃህራ ዝነበረ
    ነዚ ዓሮምሾሽ ሰራዊት ዝሰዓረ
    ካብ ህልው: ናብ ነበረ
    ዝቐየረ!
    ዝተረፉ: ብኣካል ዝቐበረ
    ንህዝቡ ዘበሰረ!

    መን ክዓግቶ?
    መንከ ክሓቶ
    ሆ! ጥራይ በል
    ኮይኑ ጽላል
    ወይ ምጽላል!

    ጥርጠራ: ኣይነበረን
    ዓዲ: ከምዚ ክትከውን
    ተስፋና ክበንን
    ክመክን
    ጠሪሱ: ክብርዕን

    ዝተነግረና: ኩሉ ኣመንናዮ
    ብዘይመንፊት: ቋሓምናዮ
    ግድፍ: ግደፍ ‘ታይ ኢልካዮ
    ሓሕ! በልና: ከም እንስሳ ዘገዳም
    ወይ ሕማም

    ሕጂ ስሒናያ
    ጸገም: ቁሒምናያ
    ከምዘይሓልፍ፥ ኣስተማቒርናያ

    ብዘይ መማቕርቲ: ተኸሺና
    ወያ መጥፊኢትና
    ሃገር ኮነ ሰብና
    ተቐይርና: ናብ ዑና

    ግን: ኣለና ኣይሞትናን
    ሃለዋትና ኣየጥፋእናን
    ተዓንቂፍና ‘ምበር: ሮማዕሲ ኣይበልናን

    ኣላትና: ሓጻር ዕድል
    ዳግማይ ከንዕልል
    ክንጽንብል
    መን ከማና ክንብል
    ኣየ ኣመል
    በል ይኣኽለኒ ሓፍቲ/ሓው ጽላል
    ግዜ ኣኺሉ: ቀዪሕ ነቢት ምግምጣል
    ባህልናዩ መስለኒ: ቺርስ! ምባል

  • Anti-Higdef May 10, 2015

    Teclay (nickname) is a Tigreyan who hates Eritrea and Eritreans, in particular Eritrean Muslims.
    His real name is Mahari Araya (finally exposed, thanks to people who know him well). He poses as Eritrean to confuse people and create a wedge among Eritreans along confessional lines. He is a very dangerous enemy of Eritrea.

  • Anti-Higdef May 10, 2015

    Teclay aka Jossy Wedi Toronto, Kombishtato ..etc (15 nicknames so far) is a Tigreyan who hates Eritrea and Eritreans, in particular Eritrean Muslims.

    His real name is MAHARI ARAYA (finally exposed, thanks to people who know him well). He poses as Eritrean to confuse people and create a wedge among Eritreans along confessional lines. He is a very dangerous enemy of Eritrea.

  • Dawit kflezghi May 10, 2015

    ብዳዊት ክፍለዝጊ”

    ትጽቢት-ንትጽቢት ትጽበያ
    ብዘይ ስራሕ ብዘይ ሞያ
    ዘይ ሩጡብ መንገዲ ጉያጉያ
    ሎምን ዓምን ዬብላን ኣምሰያ
    ብዘይ ትግባኢሬ ትጽቢት ኮንቱያ”

    ዘይትግበር መብጻዓ ዘኻዕብት ንወጽዓ
    በታ ዘይንሪኣ በእዛና ንሰምዓ
    ብዘይ እዋሓስ ኣግብእ ነብስና ነርትዓ
    ዝወለደት ማህጸን ደም ነቢዓ
    ተረፍ ምድረበዳ ሂልቂት ወገናትና ታባሕሪ ጎሲዓ”

    ስርዓት እንጉይ ብላዕ ኣብ ሃገርና ዘሎ
    ናይ ሐኣሶት ሞዛሙራት ዓመት ትቕበሎ
    ፋሕ ብትን ስድራቤት ወሎዶ ኣበይ ኣሎ
    ንጃምላዊ ሂልቂት ኣብ ናይ ስደት ንቕሎ
    ይሽዬጥ ይልወጥ ይሕረድ ብጥይት ይዕሎ
    ዝጸነተት ማይ ቤት ብዘይ ተረፍ ምቑሎ
    ብሕጂውን ከም ወትሩ ምልክነት እንከሎ
    ፍታሕ ካባናዩ፡ኣብ ኢድናዩ ዘሎ
    ጥምረ ሓድነትና ንሓርነት ንቕሎ
    ሃየ ንታኣከብ ሶባያ ንበሎ
    ማዓትና ንጸሮ መንዳዓት መንሽሮ
    ብናይ ሓባር ድምጺ ያክል ንበሎ”

    ኣብ ክንዲ ዉሑዳት ኣሻሓት ይሃልቁ
    ምንጪ ናይዚ ኹሉ እንዳ ፈለጥና ጠንቁ
    እንታይ ዓዚምና ንፈርህ ካብ ሓቁ
    ታሪኽ ጅግንነትና ደብዚዙ ሪሒቑ
    ዓዲ ቶም ሰማእታት ህዝቢ ተናዒቑ

    ይአክል ንበሎ መከራ ሕሰሙ
    ድምጺ ቶም ዉጹዓት ኣፎም ዝተለጉሙ
    ኣብ ገዛእ ሃገሮም መሰል ዝተሓርሙ
    ንሰላም ቅሳነት ብርሃን ጸጸላሙ
    ዝሃሰሰ ታሪኽ ሕብርታት ቀለሙ
    ያታዊ ኣህልና ሂወት ከም ቀደሙ
    ነበረ ክኸውን ግናይ ሔሕሱሙ፡

    ኣብ ዘን ዝሓለፋ 23ዓታት መዋእል ነጻነት
    ከርፋሕ ጉዑዞ ሂወት መግዛእቲ ጊላነት
    ኤርትራ ትልለ ብሕጊ ኣልቦነት
    ብጉጉይ ምሕደራ ዙንቡዕ ሚዛንነት
    ንአደዳ ህማም ጥምየት ንጃምላዊ ስደት
    እንታይዩ” ነጻነት ብዘይ መሰል ክብረት
    ነዚ ኣይኮነን ዝተኸፍለ በጃ ንናጽነት ንሓርነት
    ናይቶ ዝሓለፉ ህያው መስዋእትነት፡

    በሉስከ”ንበል ቅራና ቅራና ንጹቡቅ ይምርሓና
    ብክብባር ኢኒት ዋዕላ ወለድና
    እንካን ሃባን ጥምሮ ሓድነትና
    ብህዝባዊ ናዕቢ መሰረት ኣፈና
    ንሰላም ቅሳንት ሸሽሻዩ ማና
    በረኸት ዘለዎ ምህቲ እቶትና
    ትውልዲ ዓደቦ ሓንቲ ብጽሒትና
    ቅራና ቅራና ንመሰል ረብሓና
    ኪኖ ጸልማት ብርሃን ንሂወት
    ንስልጣኔ ዕቤት ቅሳነት ህዝብና፡

    ሓድነትና እምነኹርናዕ
    ዓወትና”

  • Yohannes May 12, 2015

    Guayla after guayla,…, I don’t know how many times per year? I am tired of counting PFDJ endless guaylas and festivals. You can imagine the RESOURCES AND CAPABILITIES committed to this successive worthless guaylas.
    Eh, the damage is tantamount to destroying the basic foundations of the Eritrean social fabric, the future young talent and the dear Eritrean leaders of tomorrow. Imagine students are wasting their previous time in PFDJ training and hate camps for festivals.
    Artists and singers are just consistently wasting the time and talent just to fulfill the wishes and orders of PFDJ. Can you imagine??????? All these wastages of our human talent for propaganda and sheer power hungry dictatorship of the ignorant and the malicious, etc,……., and to protect the vindictive power monopoly.
    AGAIN, Please note that thousands of students spending thousands hours of their precious time and energy to conduct rehearsals and getting prepared for the unproductive and rent seeking festivals. At this information technology epoch, TIME is very important factor. Wow, how can we Eritreans tolerate the imminent destruction of our beloved country if we continue being passive while observing the looming scorch earth socio-cultural PFDJism? Let us work hard to get read of this evil system.

  • Yohannes May 12, 2015

    Guayla after guayla,…, I don’t know how many times per year? I am tired of counting PFDJ endless guaylas and festivals. You can imagine the RESOURCES AND CAPABILITIES committed to these successive worthless guaylas.
    Eh, the damage is tantamount to destroying the basic foundations of the Eritrean social fabric, the future young talent and the dear Eritrean leaders of tomorrow. Imagine students are wasting their previous time in PFDJ training and hate camps for festivals.
    Artists and singers are just consistently wasting the time and talent just to fulfill the wishes and orders of PFDJ. Can you imagine??????? All these wastages of our human talent for propaganda and sheer power hungry dictatorship of the ignorant and the malicious, etc,……., and to protect the vindictive power monopoly.
    AGAIN, Please note that thousands of students spending thousands hours of their precious time and energy to conduct rehearsals and getting prepared for the unproductive and rent seeking festivals. At this information technology epoch, TIME is very important factor. Wow, how can we Eritreans tolerate the imminent destruction of our beloved country if we continue being passive while observing the looming scorch earth socio-cultural PFDJism? Let us work hard to get rid of this evil system.

POST A COMMENT