Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ። – 1ይ ክፋል

ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ። ንተባዕ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ሓበሬታን ጻውዒትን ክንሰድድ ኮለና ሓበን ይስማዓና። ንዘይሕለል ሃገራውን ታሪኻውን ኣበርክትኡ ድማ፣ በዚ ኣጋጣሚ ደጊምና ከነመስግኖ ክብረት ይስምዓና። ጻውዒትን ሓበሬታን ንምስዳድ ዝተገደድናሉ ክልተ ዓበይቲ ዘሕዘነና ምኽንያታት ስለዘሎ’ዩ። ኣብ

ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ።

ንተባዕ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ሓበሬታን ጻውዒትን ክንሰድድ ኮለና ሓበን ይስማዓና። ንዘይሕለል ሃገራውን ታሪኻውን ኣበርክትኡ ድማ፣ በዚ ኣጋጣሚ ደጊምና ከነመስግኖ ክብረት ይስምዓና። ጻውዒትን ሓበሬታን ንምስዳድ ዝተገደድናሉ ክልተ ዓበይቲ ዘሕዘነና ምኽንያታት ስለዘሎ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ ስለዘየለ፣ ኩሉ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላትን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ዝተኸፍሎ ኩቡር ዋጋ ተባዓትን ንጹሃትን ብጣዕሚ ዘሕዘነና ረሲዕናዮ ወይ ጎሲና ክንከይድ ስለዝደለና ኣይኮናን።

ከም መበገሲ ኣብ እዋናዊ ክልተ ዘሕዝን ጉዳይ ዝያዳ ኣተኩርና፣ ነቲ ሕሉፍ ግፍዕን ዘይሕጋዊ ተግባርን ብዙሕ ግዜ ተቓሊሑ ኣውያቱ ተሰሚዑ ዋላ እንተኾነ፣ ንባህርያትን ፖለቲካዊ ጸወታ ስርዓት ኤርትራን ዘቓልዕ ምስ መሰረታውያን ኣርእስታት ኣዛሚድና ብሓጺሩ ክንጠቕሶ ግድነት’ዩ። እተን ክልተዘሕዘነና ዓበይቲ ጉዳያት ንምግላጽ፦

ቐዳማይ፦ መራሕ ሃገር ይኹን ባይቶ ኤርትራ፣ ንባህልን ስነ-ምግባር ሓዘን ናይ ክፋል ህዝብና ኣኽቢሮም፣ ንክብሪ ጃምላዊ ህልቒት ዜጋታትና ይኹን ንመሰል ወለዲ ዘኽብር፣ ዘጸናንዕን ዝድብስን ሃገራዊ ሓዘን ኣይኣወጁን። ዘርኣዮ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ድማ ብጣዕሚ ኣሕዚኑና።

ካልኣይ፦  ፖለቲካዊ ውዲት ኤርትራ፣ ንክብሪ ህዝቢ ዘድፍር ንሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ተወፋይነቱ ዝኽሕድ፣ ብትእዛዝ ኢሰያስ  ኣጽዋር መካይን ካብ ሎጂስቲክ ምክልኻል ብሜላ ተሳሒቡ ብሚስጥር ንደምሒት ተዓዲሉ።

ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፦ ገለክፋል ሰራዊት ደምሒት ብወገኑ ምስ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ዘጋጩ፣ ዶቡ ዝጠሓሰ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ይፍጽም ምህላዉ ድሮ ምልክቱ ተራእዩ ኣሉታዊ ስምዒታት ፈጢሩ ምህላዉ ብጥዕሚ ኣሕዚኑና።

ንሓዋሩ ኣብ ዝምድናታት ክልተ ኣህዛብ ኣብ ክንዲ ተኸባቢርካ ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናን ምምስራት፣ ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ዝዕድም ተግባራት ይካየድ ምህላዉ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ጉዳይ’ዩ። ሓደገኛነቱ ዕቱብ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ ሓላፍነታዊ ኣገባብ ኣፈታትሕ ግርጭት ከምዘድልዮ ብምእማን ብግሉጽነት ምቕራብ መሰረታዊ ጉዳይ’ዩ።

ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ንገለ ቕሉዕ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ደምሒት ብዓይኑ ዝተዓዘቦ ኣፍልጦ ኣለዎ። ይኹን’ምበር ኢሰያስ ነቲ ብረቒቕ ሜላን ሚስጥራዊ ትእዛዝን ገይሩ፣ ንብረት ህዝብን ምክልኻልን ንደምሒት ምዕጣቑ፣ ብጀካ ውሑዳት ኩሉ ከምዘይፈልጦ ንምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን።

ኢሰያስ ናይ ነዊሕ እስትራተጂካዊ ዕላምኡ እንታይ’ዩ? ንረቒቕ ሜላን ሚስጥራዊ ትእዛዝን ኢሰያስን፣ ኣፍልጦንን ተራን ሃገራዊ ባይቶ’ኸ? ተራን ኣፍልጦን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዞባዊ ኣምሓደርትን’ከ? እንተ ዘይፈሊጦሙዎ ሓበሬታ ንሰድድ ኣለና ሃየ የረጋግጽዎ ግብራዊ ስጉምቲ የርእዩና። እንተፈሊጦም’ከ ብከመይ ይሕዝዎ? ተቓዊሞም ተነጺጎም ዲዮም ወይ ተቐቢሎሙዎ ርዒሞሙሉ ዲዮም? ግዜ ዝምልሾም ሕቶታት ዋላ እንተኾነ ብግሉጽነት ክዝረበሉ ዘለዎ ከቢድን ኣሰካፍን  ፖለቲካዊ ሕቶ’ዩ። በዚ ኢልካ በቲ ግና ዕላምኡ ብዕምቖት መጽናዕቲ ስለዘድልዮ፣ ኩሉ ዜጋ ብጥንቃቕን ሓላፍነታዊ ኣገባብ ክከታተሎ፣ ቕኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ምቕልዑን ተራና ክዓዝዝ ኣገዳሲ’ዩ። ሓደ ካብ ቐንዲ ዘሕዘነና ዘሰክፈና ጉዳይ’ዩ።

ዕላማን ትርጉምን ጽሑፍና ኣብ ጉዳይ ደምሒት፦  ንኩሉ ሰማዕን ኣንባብን ብሓፈሻ፣ ንደምበ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ይኹን ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ መበገሲ ጽሑፍና ጌጋ ትርጉም ከይወስድ ኣድሚቕና ከነጽሮ ንፈቱ። ናይ ኢትዮጵያውያን ተቓውሞ ናይ ዝቓለስሉ ባይታ ምምራጽ ይኹን ናይ ቓልሶም ኣገባብ ብከመይ ይመርሑ ንኢትዮጵያውያን ይምልከት። ጉዳይና ስለዘይኮነ ኣብ መሰሎም ኣቲና ክንዛረብ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ምኻኑ ንኣምን። እንተኾነ ናይ ስርዓት ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸወታ ከነቓልዖ ዘይገሃስ ዜግነታዊ መሰልና’ዩ።

ደምሒት ድማ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወስዱዎ ዘለዉ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከቓርጽዎ ግዴታ ኣለዎም። ምኽንያቱ ኣብ ዝምድናታት ኣህዛብ ክፈጥሮ ዝኽእል ሳዕቤን፣ ወይ ድሮ ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ህዝብናን ሰራዊትናን ተፈጢሩ ዘሎ ኣሉታዊ ስምዒት ንምህዳእ፣ መሪሕነት ደምሒት ብፍላይ፣ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብዓይኒ ፍትሒ ጠሚቶም ኣብ እዋኑ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ቕኑዕ ፍታሕ ክገብሩ ግዴታ ከምዘለዎም ስለንኣምን ጻውዒትና ብግሉጽ ነቕርብ ኣለና።

ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ውድብ ዋላ መንግስቲ፣ ዘይመልክዑ ኣትሒዙ ከይጥቀመሉ ከይምዝምዞ ድማ ብትሪ ንምሕጸን።

ክቡር ህዝብናን ጅግና ሰራዊትናን

ኣብ ሃገርና ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ዝያዳ ኩሉ ሰብ፣ ኣብ ኤርትራ ዘለኹም ህዝብን ሰራዊትን ከምትፈልጥዎ እምነትና’ዩ። ምኽንያቱ ኩሉ መዓልታዊ ሂወትኩም ጽቡቕን ሕማቕን ተሰከምቱ ስለዝኾንኩም። እንተኾነ ስርዓት ኤርትራ ግሉጽነት ዝጎደሎ ባህሊ ስለዘለዎ ንህዝቢ ቕኑዕ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ልምዲ የብሉን። ንሱ ዝጥቐመሉ ሜላ ሓበሬታ ዓፊኑ ከይቓላዕ ብሚስጥር ክሕዞ ይፍትን። ወይ ድማ ዝተፈጸሙ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብዙሕ ሰብ ፈልጢዎ’ዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፣ ንምሽፋኑ ወይ ንምህሳሱ ይጽዕር። ብጸጥታውን ፖርፖጋንዳውን ኣገባቡ ናይ ምትላል ሜላ ተጠቒሙ፣ ንህዝቢ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ጉጉይ ሓበሬታ ናይ ምዝርጋሕ ነዊሕ ተመኩሮን ልምድን ከምዘለዎ ካብ ትዕዝብቲ ብዙሓት ዝተኸወለ ኣይመስለናን።

ስለዚ ብወገና ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊት ኤርትራ ምስዳድ ዕላምኡ፣ ኣብ ልዕሊ ፍልጠትኩም ብተወሳኺ ንምህብታሙ። ወይ ኣብ ገለ ከባቢ ዝፍጸም ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ ስለዘይስማዕ፣ ንፍሉይ ሜላ ስርዓት ኤርትራ ንምቕላዕ ከም ኣገዳስን እዋናውን ስለንጥምቶ ጽቡቕ’ዩ ዝጋጮ ኣይኮነን። መንፈስን ዕላምኡን ድማ በብኩርናዕና ዘሎ ኣፍልጦ ንምስፋሕ ብሽርክነት ክንሰርሓሉ ግዴታ ኩሉ ዜጋ ስለዝኾነ’ዩ።

ህዝብና ካብ ተደራራቢ ምረት መግዛኣቲ ንምግልጋል፣ ራእይን ዕላማን ናጽነቱ ንምርግጋጽ ድሕሪ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ቓልሲ፣ መድረኽ ዝጠለቦ ብረታዊ ቓልሲ ምስተጀመረ ከም መትከል ኣሚኑ ህዝባዊ ተሳታፍነቱ ኣረጋጊጹ። ኩሉ ጸገም ተጻዊሩ ከይተሓለለ ብትብዓት መኪቱ። ህዝብና ስለ ናጽነት ካብ ህዝቢ ዝሕተት ኩሉ፣ ሂወቱ፣ ንብረቱ፣ ደቑ፣ ስደትን ማሕበራዊ ምዝንባሉ፣ ሞራላውን ኣእምሮኣውን ኩነታቱ ደሚሩ፣ ኣዝዩ ከቢድን ክቡርን ዋጋ ከፊሉ ናጽነት ኣረጋጊጹ። ድሌት ናጽነቱ ድማ ብረፈረንዱም ብ99.8% ብድምጹ ደጊሙ ኣመስኪሩ። ኣበርክቶ ህዝቢ፣ ሕድርን ታሪኽን  ድማ ተጨውዩ።

ስለዚ መበገሲ ጽሑፍና ስምዒት ሓዘና ከም ኩሉ በዓል ሕልናን ደላይ ለውጥን’ዩ። ልዕሊ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ብፍላይ ይኹን ልዕሊ ካልእ ዜጋታትና ብሓፈሻ ዝያዳ ስለዝተሰምዓና ስለዝሓዘና ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ንኹሉ ሓሳረ መከራ ተሰኪሙ፣ ንኹሉ ጸይሩ ክሓልፍ’ዩ ኢሉ ብተስፋ ይኸየድ ኣሎ። ሓሳቡ ክሰምር ድማ ጸሎቱ ንኣማላኹ ወይ ረቢ ኣዕሪጉ ይጉዓዝ ስለዘሎ፣ ቐጥታዊ ግዳይን ተሰካምን ናይቲ ሽግር ብቐዳምነት ናይ ውሽጢ ሃገር ህዝብና’ዩ። ንመሰሉ ተቓሊሱ ፍታሕ ከምዝረክብ ድማ እምነትና ስለዝኾነ ናይ ግዜ ጉዳይ’ዩ። ስለዚ ተሓጋማይ ኮሎ ተሓዛይ ይጠርጥር ከየምስል፣ ምኽንያት መንቐሊ ጽሑፍና ስምዒት ሓዘና ብንጹር ምግላጽ፣ ንኣንባብን ሰማዕን ቕኑዕ መረዳኣታ ምሃብ ኣገዳሲ ይመስለና።

ምኽንያቱ ንሕናውንኣካልህዝብና ኢና። ብስድራ-ቤታዊ ዝምድና ደቕኹም ኣሕዋትኩም ኣሓትኩም ኢና። ብናይ መውስቦ ዝምድና ስለዝተዋለድና፣ ብትኹላውን ጋድማውን ማሕበራዊ ዝምድናታት ሰፊሑ ሰንሰለታዊ ምትእስሳር ወለዶ ስለዘለና ቐጥታዊ ኣካል ቤተ-ሰብኩም ኢና። ከም ዜጋታት ድማ ደቒ ሓንቲ ሃገር ኮይና ብስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቓውማ ሓደ ኢና።

ስለዚ ጹቡቕኩምየሓጉሰና። ሕማቕኩም የጉህየና የሳቕየና። በደልኩም ድማ የሕዝነና ድቓስ ይኸልኣና ክንጣበቕ ንግደድ።

ምስ ህዝብና ሃገርና ይኹን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ዘራኽበና ካልእ ዝዓበየ ጉዳይ ሃገራውን ታሪኻውን መስርሕ’ዩ። ከም ኩሉ ዜጋ፣ ንሕና’ውን ኣብ በበይኑ መድረኻት ከከም ዕድሜና፣ ኣብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ሚኒስትሪታት ይኹን ኣብ ምክልኻል ተመዲብና ሃገራዊ ግዴታና ፈጺምና ኢና። ገሌና ኣብ ግዜ ብረታዊ ቓልሲ ተጋዲልና። ገሌና ድማ ዳሕረዋይ ወለዶ መንእሰይ ኮይና፣ ሕድሪ ተሰኪምና ኣብ በበይኑ ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈጺምና። ክልተ በበይኑ ወለዶ ድማ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ልኡላውነት ኣብ ምውሓስ በጃ ህዝብን ሃገርን ሓቢርና ተቓሊስና ብዓቕምና እጃምና ኣበርኪትና።

ብኣጣቓላሊ ከም ኩሉ ዜጋ፣ ንሕና’ውን ሃገራዊ ግዴታ ተሰኪምና ኣብቲ መሪር ኩነታት ምሳኻትኩም ኮይና ብሓባር ዕድመ ንእስነትና ዝኸፈልና ሂወትና ዝወፈና ኢና። ገሌና ድማ ስልማት ሰንከልና ዘለና ዜጋታት ኢና። ስለዚ ከም ናይ ኩሉ ሃገራዊ ኣበርክቶና ከም ሰብና ስለዝፈጸምና ተራና ኣይነጋንኖን። ግን’ከ ኣበርክቶና ድማ ኣትሒትና ኣይንርእዮን። ምኽንያቱ ኣብ ኣዋን ሃገራዊ ልምዓት ሃገር ኣብ ምህናጽ፣ ኣብ ርሱን ኩናት ግዜ ተጠማጠም፣ በጃ ህዝብን ሃገር እቲ ዝለዓለ ዝሕተት ዕድመ ንእስነትካ ምኽፋል፣ ሂወትካ ምውፋይ መተካእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ጉቡእ ከም ኩሉ ዜጋ ስለዝፈጸምና፣ ብሕልና ዕጉባት ኢና ብታሪኽ ድማ ዘይድምሰስ’ዩ።

ስለዚ ዋላ’ኻ ግዜን ኩነታትን ዝፈጠሮ ካብ ሃገር ወጺእና ኣብ ውሑስ ሃገራት እንተለና፣ ሕልናውን ኣእምሮኣውን ቕሳነት ስለዘይብልና ኣካልን ተኻፈልትን ሽግርኩም ስለዝኾና ብመንፈስ ሓደ ኢና።

ብኣንጻሩ ግና ስርዓት ኤርትራ ንኹሉ ታሪኽና ኪሒዱ ብሃገራዊ ክድዓት ብገበን ጸሊም ሕብሪ ለኽዩና። ኣብ ስድራ ቤትና ግዝያዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ወሲዱ። ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዉሑዳት ደገፍቲ ስርዓት ድማ ብፖሮፖጋንዳ ተታሊሎም ስምና ኣጸሊሞም፣ ከም ከድዓት ቖጺሮም ክንጽሉና ዝፈተኑ ታሪኽ ዝርስዖ ኣይኮነን። ዘገርም ድማ ከም ሰቦም ንሃገር ተወፍዮም ረሃጾም ንጣብ ደም ከፍስሱ ከቲቶም ክውፈዩ ኣይተራእዩን። ብኣንጻሩ ገሊኦም ኣብ እዋን ሳልሳይ ወርራ ርእሰ-ተኣማንነቶም ኣጥፊኦም፣ ናብ ዝነብርሉ ውሑስ ሃገር ንኽምለሱ ዝነበረ ተብ-ተብን ሻቕሎትን መን ዘይፈልጦ። ናብ ናይ ወጸኢ ኤምባሲታቶም ዘብ-ዘብ ክብሉ፣ ናይ ባንክ ሕሳቦም ከውጽኡ ሪጋ ክቐዳደሙ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ክጋየዩ ተዓዚብናዮም ኢና። ስለዚ ስርዓት ኤርትራን ገለ ውሑዳት ደገፍቱን፣ ሃገራዊ ኣበርክቶና ታሪኽና እንተኸሓዱ ዘገርም ኣይኮነን። ሓቐኛ ሃገራውን ታሪኻውን ኣበርክቶ ህዝቢ ድማ ብግዝያዊ ሓሶትን ጸለመን ዝድምስስ ዝቕይር ኣይኮነን ንኹሉ ግዜ ኣለዎ።

ንሕና ኣብ ዓዲ ሕጊ ኣብ ኣብ ውሑስ ቦታ ስለዘለና፣ ዝያዳኹም ሰላም ቕሳነትን ኣለና። ኣብ ናብራና መዓልታዊ ቑጠባዊ ሂወትና ድማ ካባኹም ኣጸቢቕና ዝሓሸ ዕድል ረኺብና ኢና። ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ መሰላት ተጠቐምቱ ኢና። ስለዚ መሰል ናጻ ምንቕስቓስ፣ መሰል ናጻ ሓሳባካ ምግላጽ፣ መሰል ምጽሓፍን ዕድል ኣለና። ብዝረኸብናዮ ጽቡቕ ዕድል ውሑስ ሂወትን፣ ምቾትን ሰላምን ከይተዓሸና፣ ብሰብኣዊ ሕልና ይኹን ሃገራዊ ግዴታ ብድርብ መምዘኒ ተደሪኽና፣ ንጸገምኩም ዓገብ ክንብል ክንጣበቕ ንጽዕር። ሞራላውን ታሪኻውን ሓላፍነትና ንምፍጻም ንግደድ ኢና።

ስለዚ ብስርዓት ኤርትራ መሰል ሓበሬታ ዜጋታት ኮነ ኢልካ ስለዝተደፍነ፣ ሓቐና ሓበሬታ ናይ ምዝርጋሕ ግዴታ ተሰኪምና ድምጽኹም ክንሰምዕ፣ ብስርዓት ኤርትራ ዝፍጸሙ ዘይሕጋዊ ተግባርን ምግሃስ ኩሉ ዓይነትመሰላት ከነቓልዕ ኢና። ሽግርኩም መከራኹም ንዓለምና  ክንሕብር፣ ኣውያትኩም ከነሰምዕ ጥርዓናት ከነቕርብ ኩሉ ዝከኣለና ንገብር ኣለና። ናይ ሎሚ ጽሑፍና ድማ መቐጸልታ’ምበር ሓዲሽ ኣይኮነን። ከም ኣካልኩም ድማ ተኻፈልቲ ሽግርኩም ስለዝኾና፣ ንዘጋጠመኩም ሓዘን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።ንሕሰምኩም ኩሉ ምረት ናብራኹም ዝተሰምዓና ሓዘንን ሻቕሎትን ደጊምና ክንገልጸልኩም ንፈቱ።

ስርዓት ኤርትራ ክሳብ ዘሎ ጸገማትና ክውስኽ’ምበር ክጎድል ኣይኮነን። ስለዚ ከም ማይን ጸባን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ሓባራዊ ፍታሕ ንምርካብ ናይ ኩልና ሓላፍነት’ዩ። ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ብቐዳምነት ከምዝምልከት ዘይከሓድ ሓቒ ስለዝኾነ፣ ሓበሬታን ጻውዒትን ክንሰድድ ተገዲድና። ንሕና’ውን ከምቲ ዝግብኣና ተራ ከምዘይተጻወትና ዝሽፈን ሓቒ ኣይኮነን። ክሳብ ኣብ ኤርትራ ዝነበርናሉ ግዜ ድማ ካብ ሞራላውን ታሪኻውን ተሓታትነት ናጻ ከምዘይኮና ሕልናና ዝቕበሎ ሓቒ’ዩ። ሕጂ ግና ኩነታት ኤርትራ ኣዝዩ መሪሩ ዝጽወር ስለዘይኮነ ንለውጢ ብሱል ኩነታት ስለዘሎ፣ ሰራዊትና ዋልታ ህዝብና ኮይኑ ንፍትሒ ደው ክብል ህዝባዊ ምልዕዓል ክህሉ፣ ኣጆኹም ኣጆና ክንብል ሞራላዊ ደገፍና ምስ ኣኽብሮቱ ክንገልጽ ንፈቱ። ካባን ዝሕተት ድማ ከም ወትሩ ኣብ ጎንኹም ኣለና ድሉዋት ኢና።

ኦ-ክቡርህዝብንሰራዊትንምክልኻልኤርትራ

ህዝብና ጅግና ሰራዊትና ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ተሕልፎ ዘለኻ ሓሰረ መከራ ጸብጺብካ ኣይውዳእን’ዩ። ንኹሉ በደላትን ንኹሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝባንካ ንስኻ ትስከሞ። ንኹሉ ኣድራዕን ምረትን ክሳብ ዓንቐርካ በጺሑ ኮሎ ትጻወሮ ከምዘለኻ ባዕልካ ትፈልጦ። ስለዚ ህዝብና ሰራዊትና ልዕሌኻ ካልእ ምስክርነቱ ክህብ ውርዙይን ሓላፍነታውን ኣይኮነን። ንሕና ድማ ካብ ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝወጻእና ሰባት ስለዝኾና ከመይ ከምዝነበርና፣ ስድራና ህዝብና ኣብ ከመይ ኩነታት ገዲፍናዮ ብዓቕምና ነረጋግጾ’ዩ።

ብኣንጻሩ ድማ ንዘሎ ጉድለት ምምሕዳር፣ ምግሃስ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ክትሽፍን፣ ህዝብን ሰራዊት ኤርትራ ጽቡቕ ከምዘሎ ኣምሲልካ ካልእ ፖለቲካዊ ምቕንጃው ዘለዎ መግለጺ ምሃብ ኩውንነታዊ ኣይኮነን። ዋላ መራሕ ሃገር ንመሰረታዊ ጸገማት ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ይኣምነሉ’ዩ ኣይክሕዶን’ዩ።  ምኽንያቱ ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ሓሶት’ዩ የለን ኣይበለን። ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣይተፈጸመን ኢሉ ኣይክሕዶን’ዩ ጸገማት ከምዘሎ ይቕበሎ’ዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ ኣቐራርብኡንሱ ዝጥቐመሉ ናይ ፖለቲካዊ ጸወታ ኣሎ። ጉድለቱ ንምሽፋን ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ንጠንቕታት ጸገማት ኣዘንቢዑ ካልእ መልክዕ ከትሕዞ ይፍትን። ንኩሉ ምኽንያት ሕጋዊ ተሓታትነት ከይስከም  ነብሱ ናጻ ገይሩ ንትሕቲኡ ዘለዉ ኣካላት ኣሕሊፉ ክህብ ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ። ወይ ድማ ናይ ካልኦት ሃገራት ውዲት’ዩ ኢሉ ክውንጅል ሓላፍነት ከሰክም ይጽዕር። እዚ ኩሉ ግዜ ዝጥቐመሉ ናይ ፖለቲካ ሜላ እዩ። ብኣብነት ንምቕራብ ኣገዳሲ ይገብሮ፦

ልዕልና ሕጊ ምንጋስን ምግሃስን፦ ኣብ ዝኾነ ሃገር መንግስቲ ብቕዋም መሰረት ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ኮይኑ ንዝተወሰነ ግዜ ናይ ምምሕዳር ስልጣን ይህልዎ’ዩ። ኣብ ሞንጎ ወካሊ ህዝብን፣ ተወካሊ መንግስትን ሰለስተ ዓበይቲ ቕዋማዊ ውዕል ይገብሩ።

ቀዳማይ፦ ብናጻ ውድድር ሰልፍታት፣ ብህዝቢ ብደሞክራስያዊ ምርጫ መንግስቲ ይምረጽ። ዝተዓወተ ሰልፊ ብቕዋም መሰረት ዝህቦ ብዝሒ ድምጺ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ዝተሳዕሩ ብሽርክነት ልፍንቲ ኣብ ባይቶ ይሰርሑ።

ካልኣይ ዝኾነ መንግስቲ ንቕዋም ይምእዘዝ። ሕጋዊ ስልጣን ሰለስተ ኣካላት መንግስቲ ተደንጊጉ ስለዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ከም ሓጋጊ ኣካል ዝለዓለ ስልጣን ስለዘለዎ፣ ብምድቡን ህጹጽን ኣኼባ ውሳኔ ክውስን ወይ ክስርዝ ቕዋም ሙሉእ ስልጣን ይህቦ። ዝኾነ ሰብ ወይ ኣካል ንቕዋም ከኽብሮ’ምበር ክግህሶ ኣየፍቕድን። ኣብ ቕዋም ዝሰፈሩ ሰብኣዊ መሰል፣ ደሞክራስያዊ መሰል፣ ግቡእን መሰልን ዜጋታት፣ ናጻ ናይ ምንእስቓስ መሰል፣ ናይ እምነት መሰል፣ መሰላት ናጻ ሚድያ፣ ናጽነት ምዝራብ ምጽሓፍ፣ ምእካብ ምምስራት ማሕበርን ሰላማዊ ሰልፍን፣ ደረት ስልጣን ፖሊስ፣ ጸጥታ ሰራዊት መንግስቲ ከኽብሮ ይእዝዝ ቕዋም።

ሳልሳይ፦ ብህዝቢ ዝተወከለ መንግስቲ ብቕዋማዊ ውዕሉ መሰረት፣ ናይ ምምሕዳር ዕድመ ስልጣኑ ሓሙሽተ/5/ ዓመት’ዩ። መንግስቲ ብቕዋማዊ ውዕል ገደብ ግዜ ምሳብቕዔ ተመሊሱ ንዝወከሎ ህዝቢ ተሓታትነቱን ከረጋግጽ ሓላፍነቱ የውርድ ዳግማይ ምርጫ ይካየድ። ገለ ካብቶም መሰረታውያን ቕዋምን ቕዋማዊ ውዕል ህዝብን መንግስትን ጥራይ ተገሊጹ ዘሎ። ቕዋም ካልእ ሰፊሕ ዝርዝር ከምዘለዎ ከም ርዱእ ጠቒስና ክንሰግሮ።

ስለዚ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ነጊሱ’ዶ ወይስ ተጋሂሱ? ቕዋማዊ ውዕል ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከመይ ይመስል ኩልና ንፈልጦ’ዩ ግና ከም ዜጋታት እስከ ሓቢርና ንዳህስሶ። ኣብ ሃገርና ኮሚሽን ቖይሙ ቕዋም ተነዲፉ። 530 ኣባላት ዘለዋ ቕዋማዊ ባይቶ ዘላቶ ድማ ኣብ ሚያዝያ 1997 ጸዲቑ። ቕዋማዊ ባይቶ ዝበሃል ብጀካ 150 ኣባላት ሃገራዊ ኤርትራ፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ካብ ህዝቢ ብምርጫ ዝተወከሉ ኣባላት ዘጠቓልል’ዩ። ቕዋም ከምዝእዝዞ ድማ ድሕሪ ወርሒ ብጋዜጣዊ ኣዋጅ ክወጽእ ይግብኦ ነይሩ።

ስርዓት ኤርትራ ነዚ ኩሉ መስርሕ ሰጊሩ ዝጸደቐ ቕዋም ከይእወጅ ከልኪሉ ኣብ ከብሒ ደርብዩዎ ኣሎ። ስለዚ ልዕልና ሕጊ ተረጊጹ 16 ዓመታት ሃገር ብዘይ ቕዋም ብዘይ ህዝባዊ ምርጫ ትመሓደር ኣላ። እስከ ካብ ዘቕርቡዎ ምኽንያት ድማ ንፈትሾ፦

ሓንሳብ ቕድም ተታሒዙ ዘሎ ዶብና ከነምልስ ይብሉ። ብተወሳኺ ከም ናይ ካልኦት ደሞክራሲ መሸቐጢ ኣይንገብር ኢና። ኢሰያስ ምስ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ሚድያን ጋዜጠኛታትን ዝገብሮ ቓለ ምልልስ፣ ምርጫ ኣብ ዝጥዕመና ግዜ ኢና ንገብር ዋላ ዓሰርተታ ዓመታት Decades ይወስድ ኢሉ፣ ብቓላቱ ኣነጺሩ ገሊጹዎ ኣረጋጊጽዎ’ዩ ኢሰያስ። ካብዚ ንላዕሊጭብጢየለን።

ዶብና ክሕንጸጽ ከም መትከል ኩልና ንኣምነሉ ንሕጎሰሉ’ዩ። ግና ዶብን ምርጫን እንታይ የራኽቦ? ዶብ ንምርጫ ምኽንያት እንተኾይኑ፣ ምሳና ናይ ዶብና ጉዳይ ዘለዋ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ያ። ንሶም ሰለስተ ምርጫታት ኣካይዶም ጉዳይ ዶብ ምርጫ ኣይዓገቶሙን። ስርዓት ኤርትራ ከምዝብሎ ምርጫ ኢትዮጵያ ቕኑዕ ዲዩ ጌጋ? ድምጺ ተጨውዩ ዲዩ ካልእ ምኽንያት ዲዩ? ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት’ዩ። ናይ ሃገርና ጉዳይ ስለዘይኮነ ኣብ ዘይምልከተና ካልእ መሰል ምዝራብ ሓላፍነታዊ ኣይኮነን።

ሕጋዊስልጣንሰለሰተኣካላትመንግስቲ፣ ማለት ሃገራዊ ባይቶ፣ ካቢነ ሚኒስተራትን ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ለሚሶም ኣለዉ። ብህጹጽን ስሩዕን ኣኼባ ባይቶ ሓባራዊ ውሳኔ ዝሓልፍ የለን። ኢሰያስ በይናዊ ወይ ጉጅለ ህ.ግደፍን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብምዝራብ ይውሰን። ክልተ ጭቡጥ ኣብነት ንምግላጽ፦ ውግእ 1998 ካቢነ ሚኒስተር ይኹን ባይቶ ኣይወሰነን። ጉጅለ 15 ሓደ ቐንዲ መዛረቢ ብቕዋማዊ ሕጊ ሃገራዊ ባይቶ ምጥሓስ፣ ንሃገር ዘየርብሕ በይናውን ጉጅላዊ ሓደገኛ ውሳኔ ይውሰድ ኣሎ ስለዘሎ ስልጣን ሃገራዊ ብጉቡእ ይከበር ኢሎም።

ካልኣይ ኣብነት ጉጅለ 15 ኣባላት ባይቶን ፈጸምቲ ኣካላትን እዮም። ቕድሚ ምእሳሮም ኣብ ባይቶ ክዝተየሉ ይግባእ ነይሩ። ኢሰያስ ነጺግዎ ኣኼባ ባይቶ ከልኪልዎ። ብትእዛዝ ኢሰያስን መሪሕነት ህግደፍ ብዘይ ናይ ባይቶ ኣፍልጦ ተኣሲሮም። ድሕሪ ማእሰርቶም ባይቶ ጸዊዑ መርቑለይ ኢሉ ሕጋውነት ከትሕዞ ፈቲኑ ከም ልሙድ ዘይሓላፍነታዊ ተግባሩ። ልክዕ ከም ናይ 1973 ምንቕስቓስ መንካዕ 4 ዓመት ተኣሲሮም ኣብ ጉባ9ኤ 1977 ውሳኔኡ ሕጋውነት ከልብሶ ዝተጠቐመሉ ሜላ ተደጊሙ። እዚ’ውን ንመሰል ሓጋጊ ኣካል ሃገራዊ ባይቶ ዝግህስ ዘይሕጋዊ ተግባር’ዩ። ልዕሊ’ዚ ጭብጢ ምግሃስ ልዕልና ሕጊ የለን።

ስለዚ ዝተኣስሩ ዝሞቱ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ደሚርካ ብዙሓት እዮም። ሕጋዊመተካእታኣይተገብረን።

ናጻፍርዳዊኣካል ስልጣኑ ተግፊፉ ብኣዋጅ ኢሰያስ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ቖይሙ። ንዘይሕጋውነቱ ዝተቓወመ ፕረሲደንት ቤት ፍርዲ ኣቶ ጠዓመ በየነ ድማ ካብ 2000 ክሳብ ሕጂ 13 ዓመታት ደስኪሉ ኣሎ። ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዘለዉ ደያኑ መባእታዊ ኮርስ ዘይወሰዱ ወትሃደራዊ መኮንናት ኣዮም። መሰል ይግባይን መሰል ጠበቓን ኣየፍቕድን። ሲቪልን ገበናውን ጉዳያት ኣሕቢሩ ይርኢ። መኽሰሲ ሕጊ ኣሎ እቲ ካብ 1992 ክስራሓሉ ዝጸንሔ’ዩ። Civil and Penal Codes ኣወሃህባ መቕጻዕቲ ግና ሲቪላውን ገበናውን ስነ-ስርዓት ሕጊ Civil and Penal Procedures ኣይክተልን’ዩ።  ርትዒ ዝበሃል ኣዘራርባ ኣሎ፣ ውሳኔ መቕጻዕቲ ኣብ ድሌትን ስምዒትን ምርድዳእን ደያኑ ይሙርኮስ ዝቕይድ ሕጊ ኣይተደልየን። ስለዚ ኣብ ቕድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ዜጋታት ምርግጋጽ መሰረታዊ ሰብኣዊ መስል ዝቕይድ ዘውሕስ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ስልጣኑ እንተተጋሂሱ’ ግድነት’ዩ ናብ ፍጹም ምልኪ ከምርሕ። ብኣንጻሩ ዘይሕጋዊ ስልጣናት ፖሊስ ጸጥታ ኣዘዚ ሰራዊት ምምሕዳራት ይስዕርር። ፍትሒ ዝጎደሎ ምምሕዳር ብጉቦን ሰበይ ሰብካን ጉዳያት ክበላሾ ዜጋታት መሰላቶ ክርገጹ ሰማዒ ክስእኑ ግድነት’ዩ።

ካልኦት መሰላት፣ ናጻ መሰል ምንቕስቓስ ብዝይፍርሕን ጸጥታዊ ጸቕጥን ይኹን፣ ናጻ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ክኸብር ይግብኦ ነይሩ።፣ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን ምምሕዳሩን ይኹን ካልእ ቕኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ናጻ ማዕከናት ክህልዋ፣ ናጻ ጋዜጣ ክፍቐድ ቕኑዕ ሓበሬታ ንህዝቢ ክዝርጋሕ መሰሉ ኣይከበረን። ብኣንጻሩ ብመንግስቲ ጥራይ ዝውነን ሚድያን ጋዜጣን ድማ ዝተባህላ ጥራይ’ያ ትገብር ተደናግር። ህዝቢ ናጽነቱ ተገፊፉ ብጸጥታዊ ፍርሕን ስግኣትን ይኸይድ ምህላዉ መን’ዩ ዝኽሕዶ?

ጃምላዊ ህልቒት ዜጋታትና፦ ኣብ ውሽጢ 4 መዓልታት ክልተ ግዜ ህልቒት ዜጋታትና ተራእዩ። ስርዓት ኤርትራ ድማ ዘይሕጋውያን ኣፍርቓውያን ኢሉ ብተለቪጅን ምግላጹ፣ ክሕደት ዜጋታቱ ዘነጽር ኣነዋሪ ተግባር’ዩ። ብፍላይ ናይ 03/ ጥቅምቲ/ 2013 ኣብ ኣብ ባሕሪ ጥልያን ላምፐዱሳ ልዕሊ 350 ዜጋታትና ክሞቱ ኮለዉ 155 ብሂወቶም ድሒኖም። እዚ ጃምላዊ ሓደጋ ዜጋታትና ብሓቒ ንኩሉ በዓል ሕልና ኣሰምቢድዎ ብጣዕሚ ኣሕዚኑዎ። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ ንዝሞቱ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም። ንወለድን ቤተሰብ መወቲ ድማ ዝንዓት ይሃብኩም እናበልና ናይ ሓዘንኩምተኻፈልቲ ምኻና ነረጋግጸልኩ።

ጳጳስ ቫቲካን፣ ፕረሲደንት ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ቐዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ብዕለት 09/ ጥቕምቲ/ 2013 ኣብ ቦታ ሓደጋ ላምፐዱሳ በጺሖም። ፓጳጳስ ናይ ሕፍረት መዓልቲ ሰምዩዋ። La Giornata Di Vergogna  ንጠንቒ ስደት ዝኮኑ መራሕቲ ሃገራት ወቒሱ። ንኤውሮፓዊ ሕብረት ድማ ወቒሱ። ናይ ጳጳስ ኣብ ላምፐዱሳ ምብጻሕን ንጹር ወቐሳ ምቕራቡን፣ ንጃምላዊ ህልቒት ዜጋታትን ልዑል ኣቃልቦ ስለዝሃቦ፣ ኩለን ዓበይቲ ሚድያ ዓለምና መራሕ ሃገራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝዓበየ ኣርእስቲ ብተኸታትሊ ክሳብ ሕጂ ይቓላሕ ኣሎ። ቐዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ባንዴራ ጥልያን ፍርቒ ተሰቒላ። ኣብ ኩሉ ኣብያተ ትምህርቲ ጥልያን ተመሃሮ ሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ገይሮም። ኤውሮጳዊ ሕብረት ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ኣብ ኣብሕሪ ናይ ምቑጽጽጻር ዓቕሚ ባጀትን መሳርሕታት ተወሲኹ ድሮ 270 ኤርትራውያን ኣብ ርሑቕን ሃደገኛ ናይ ማዕበል ግዜን ከምዝድሕኑ ተገይሩ ኣሎ። ኩሉ ብሰብኣዊ ሕልና ዝግበር’ዩ ኤውሮጳውያን ዜጋታቶም ስለዝሞቱ ኣይኮነን። ኣፍሪቓዊ ሕብረት ብዕለት ……….. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ ኣኼባ ዕለት 03/ ሕዳር/ 2013 ናይ ኣፍርቓውያን ናይ ሓዘን መዓልቲ ክትከውን ሰይሙ ባንዴራ ፍርቒ ሰቒሉ።

በዓል ህልና ኤርትራዊ ካብ ብጃምላዊ ህዝልቒት ዜጋታትና ዝተሰሞዕ መሪር ሃዘንን ዘሕደረሉ ሻቕሎትን፣ ንክብሪ ዝሞቱ ዜጋታትና ካብ ዕለት06/ ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩሉ ሃገራት ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ይቕጽል ኣሎ። ንወለድን ቤተሰብ መውቲ ድማ ኣብ ኩሉ ቦታታ ጽንዓት ይሃብኩም ተባሂሉ። ኣብ ኣብያተ ቤተክርስትያን መሳጊድ ድማ ጸሎተ ፍትሃት ተኻይድሎም። ሬሳታት ኤርትራ ኣትዮም ክቕበሩ ጸቕጢ ክገብሩ፣ ብሰላማዊ ሰልፊ ማኒፈስተሽን ኣውያቱ የስምዕ ኣሎ።

ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ዜጋታትና ኣብ መዲተራንያን ዝርከባ ዝተፍላልየ መራኽብን መሳርሕታቱን፣ ንድሕነቶም ዝምልከት ህጹጽ ረድኤት ዘይተዋህበሉ ምኽንያታት ብናጻ ኣካላት ክምርመር ይጠልብ ኣሎ። ካብ ሞት ዝደሓኑ ዜጋታትና ሞራላውን ኣእምሮኣውን ጉዳቶም ንምፍዋስ፣ መጻኢ ዕድሎም ኣብ ማሕበራዊ ውሕስና ዝህባ ሃገራት ክሰጋገሩ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ቐይሕ መስቐልን ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መረርኡ የቕርብ ኣሎ።

ናይ ኤርትራውያንን ዓለምን ጸቕጢ ድማ ንስርዓት ኤርትራ ስለዘሻቐሎ ቕድም ዝኸሓዶ መሰል ዜግነትን መሰል ስድራ-ቤትን ብዕለት 09/ ጥቅምቲ/ 2013 ተገዲዱ ኣሚኑ። ሓደ ዘገርም ፖለቲካዊ ድራማ’ዩ። ምኽንያቱ ብ-30/ ጥቅምቲ ንዝሞቱ ዜጋታትና ኣፍሪቓውያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝብል ኣነዋሪ መግለጺ ሂቦም ብቲቪ አሬ። ኩሎም መራሕቲ ከም ጳጳስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ቐዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ኣብ ቦታ ሓደጋ ላምፐዱሳ ውዒሎም ኩሉ ናይ ሓዘኖም ተኻፋልነት ምስገለጹ፣ ዓለም ብዓለሙ ምሰዛረበሉ፣ ሓደ ዘገርም ፖለቲካዊ ድርማ ኤርትራ ሰሚዕና። ዕለት 09/ ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ሓደ እዋን ጋዜጣዊ መገልጺ ኤርትራ ወጺኡ። የማነ ገብረኣብ ሽዑ ምሸት ኣብ ድምጺ ኣመርካ መግለጺ ሂቡ። ኤምባሲ ኤርትራን ማሕበረ ኮምን ጥልያንን ንምሸቱ መግለጺ ሂቦም። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ 6ተ መዓልታት ብጸቕጢ ተገዲዶም ክኣምኑ ኮለዉ፣ ፖለቲካዊ ጸወታ ከምዘለዎ ካብ ግምት ብዙሓት ኣይተሰወረን። ብግብሪ ድማ ክግለጽ ይኽእል።

  1. መራሕ ሃገር ንባህልን ስነምግባርን ክፋል ህዝብና ከኽብር ግዴታ ኣለዎ። ንጃምላዊ ህልቒት ክብሪ ዜጋታትና 3- 4 ደቓይቕ ኣብ ተለቪጅን ወጺኡ ኣይተዛረበን።
  2.  ንክብሪ ዝሞቱን ወለዲ ንምጽንናዕ ምድባስ ሃገራዊ ሓዘን ኣይተኣወጀን።
  3.  ባንዴራ ፍርቒ ኣይተሰቕለትን።
  4. ወለዲ ናይ ዝምቱ ደቖም ብወግዒ ኣይተሓበሩን። ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ንኡስ ዞባታት ህዝባዊ ምምሕዳራት ከይዶም ደሃይ ደቖም ኽሓቱ ምስፈተኑ፣ ብጸጥታን ኣምሓደርትን ስነ-ምግባር ሓዘን ዝጎደሎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ተሰጉጎም፣ ገሊኦም ብምፍርራሕ ገለ’ውን ዝተኣስሩ ኣለዉ ዘይሓላፍነታዊ ተጋብር ተፈጺሙ።

ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ካብ ዓዲ ጥልያን ድማ ግዜ ንምዕዳግ ሬሳታት ን9ተ ኤርትራ ኣትዮም ክቕበሩ ዘሎ ዋዕዋዕታ ክሳብ ዝሃድእ ግዜ ንምርካብ፣ ኣብ ተለቪጅን እናቐረበ፣ ማሕበረ ኮም ጉግይ ሓበሬታ እናሃቡ ንህዝቢ የታልሉ ኣለዉ። ኣብ ዕለት21/ ጥቕምቲ/ 2013 ድማ ኣብ ኣግሪጄንቶ ስነ-ስርዓት ዝሞቱ ኣብ ዝተፈጸመሉ ብጉጅለ ህግደፍ ኣነዋሪ ውዲት ተካይዱ። ንስድራ-ቤት መወቲ ጉጉይ ሓበሬታ ሂቦም። ናይ ዲ.ኤን.ኤይ መርመራ 150 ኤውሮ ከምዝኽፈል ኣምሲሎም ምቕራቦም ተቓሊዖም ብፖሊስ ተሰጉጎም ፈሺሎም። ኣብ እዋን ሃዘን 06/ ጥቅምቲ/ 2013 ሰብ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ክገብር ኮሎ ኣብ ቦስቶን ባህሊ ኣካይዶም፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ድማ ይቕጽልዎ ኣለዉ።

ስለዚ ክቡር ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ

ሓበሬታን ጻውዒትን ክንሰድድ ኮለና ሓበን እናተሰምዓና፣ ህዝብና ሰራዊትና ነቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ባዕልኻ ትፈልጦ ተጻዊርካዮ ትከይድ ንስኻ ስለዝኾንካ ናይ ማንም ምስክርነት ዘድልየካ ኣይኮነን። ብወገና ከምቲ ደጋጊምና ዝገለጽናዮ፣ ከም ኣካልኩም ተኻፈልቲ ሽግርኩም ኢና። ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፣ ምግሃስ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፣ ዓገብ በሃልቲ ንመሰልኩም ተጣበቕቲ ኢና። ስለዚ መጸዋዕታና ነቲ ትፈልጥዎ ንምህብታም፣ ነቶም ዘይፈለጡ ድማ ሓበሬታ ንምስፋሕ ዝዓለመ’ዩ።

ስርዓት ኤርትራ ክሳብ ዘሎ ኩሉ ሽግራትና ክውስኽ እንተዘይኮይኑ ኣይጎድልን’ዩ። ስለዚ ክሳብ ሕጂ ዝተኸፍለ ዋጋ ሰብና ንብረትና ውሑድ ስለዘይኮነ፣ ሰላምኩም ተዘሪጉ ብጸጥታዊ ፍርሕን ምሽቑራርን ክሳብ መኣስ? ብጉድለት ፍትሒ ክትሳቐዩ ስለምንታይ? ህዝብና ሰራዊትና ነዛ ሃገር እንታይ ዘይከፈለላ። እዚ ክፍደ ግና ኣይግብኦን ኢዱ ኣይረከበን ህዝብና።

ስለዚ ህዝብና ሰራዊትና ከም ሓደ ኣካል ንመሰላትኩም መሰል ኩልና ከተረጋግጹ ግዜ ዝጠልቦ ኣማራጺ ዘይብሉ’ዩ።  ምኽንያቱ ልቦና ህዝብን ሰራዊትን እምነቱ ተኻሒዱ’ዩ። ስለዚ ህዝብና ሰራዊትና ብምትሕብባር ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘረጋግጽ ህዝባዊ ናዕቢ ከተካይዱ ጻውዒትና ብኣኽብሮት ነቕርብ። ሰራዊት ድማ ዝያዳ ስለዝተገፋዕካ ትሓልፎ ዘለኻ ምረት ሂወት የብቕዕ ኢልካ ፣ ከም ወትሩ ዋልታ ሃገርን ህዝብን ስለዝኾንካ፣ ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ክትስለፍ ምስ ናይ ኣኽብሮቱ ጻውዒት ነመሓላልፍ።

ይቕጽል

eritreahelpnetwork@hotmail.com

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Eritras November 7, 2013

    1) መራሕ ሃገር ንባህልን ስነምግባርን ክፋል ህዝብና ከኽብር ግዴታ ኣለዎ። ንጃምላዊ ህልቒት ክብሪ ዜጋታትና 3- 4 ደቓይቕ ኣብ ተለቪጅን ወጺኡ ኣይተዛረበን።

    He never respected our people and our culture.

    2) ንክብሪ ዝሞቱን ወለዲ ንምጽንናዕ ምድባስ ሃገራዊ ሓዘን ኣይተኣወጀን።

    He never respected or cared for our people.

    3) ባንዴራ ፍርቒ ኣይተሰቕለትን።

    He buried our national liberation flag in 2003.
    The present flag is his personal flag.

    4) ወለዲ ናይ ዝምቱ ደቖም ብወግዒ ኣይተሓበሩን። ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ንኡስ ዞባታት ህዝባዊ ምምሕዳራት ከይዶም ደሃይ ደቖም ኽሓቱ ምስፈተኑ፣ ብጸጥታን ኣምሓደርትን ስነ-ምግባር ሓዘን ዝጎደሎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ተሰጉጎም፣ ገሊኦም ብምፍርራሕ ገለ’ውን ዝተኣስሩ ኣለዉ ዘይሓላፍነታዊ ተጋብር ተፈጺሙ።

    He never tell them the death of their love one.

  • Truly Truly i say to you November 7, 2013

    ናይ ብሃቂ ልቦና ሓላፊነት ፍቕሪ ዝመልኦ ኣገዳሲ ሃገራዊ ጻውኢት እዩ ቀሪቡ ዘሎ። ብፍላይ ዘሆገሰኒ ክሳብ ሎሚ እንተ ብፍላጥ ድዩ ብደይ ፍላጥ ምስቲ ንሕዝብና ብኹሉ መዳይ ደም እንዳንበኤ ብምጽናት ንቑጠባናን ልኡዊነት ሃገርና ብምድኻም ብኹሉ ሸነኽ ኣብ ሃደጋ ከምንሽመም ገሩና ምስዘሎ ስርዓት ብምድንጋጽ ክሳብ ሎሚ ደገፎም ንዝሃቡ ዜጋታት፣ ካብ ጌግኦም ተኣሪሙም ብዘይ ሃደ ስክፍታ ምስቲ ደላዪ ፍትሂ ንኵውግኑ ነቲ ዝቐረበ ምህጽንታ ኣዝዩ ኣገዳሲን ልቦና ዝመልኦን እዩ እብል። ርግጸኛ እዬ ብጀካ እቶም ምስቲ ሥርዓት ኢድ-ጛንቲ ብምዃን ብደም ዝተቖማጥኡን ሰብ ረብሃን እንተይይኮይኖም፣ እቶም ብገርሆም ነቲ ስርዓት መሲልዎም ዝድግፍዎ ዝነበሩ ኩሎም ነዚ ጻውኢት ብሙሉእ ልቦም ከምዝቕበልዎ ፈጺመ ኣይጠራጠርን።

  • ERITRAWIT November 7, 2013

    Truly Truly i say to you, I do agree with you 100% you are right. I hope people they will see clearly Isaias never care to our people imagine Demhit asking our youth Metawekia!!!! I think this is the last point of Isaias ajenda.

    • Tekle November 7, 2013

      I think this is not the last point of Isaias’s Agenda. We Eritreans deserve the existing situation – we are naive and bad – period!

      Don’t talk, go and kill him – basta, this is the only solution! I have never seen victory that comes from the mouth of a man/woman, but from a gun! Example Eritrean victory 1991.

  • samuel November 7, 2013

    Can someone PLEASE,PLEASE tell me is Eritrea a country or a company own by one man and only one man? I would like to answer my own question at this moment Eritrea is a company which own by one man and standing with one leg and about to face Bankruptcy and we Eritrean are the one who bail out our own country by get rid off, bad ownership. Now is the time to act and act quick. The Dictator ship about to sink with our wave and let keep pushing it.

    • Tekle November 7, 2013

      country or a company ? I wouild say alphabeticaly: company comes first!

      Tegadelti, the victory, the land, the people, Diaspora, the opposition groups, even myself belong to the Boss – Wedi Berad! You see you now how cheap and unimportant you are!

  • Hidat November 7, 2013

    SAMUEL
    ERITRA 24 GENBOT 1991 SALA SEMAIN MIDERN ZEFETERE AMLAK(REBBI) BGEGANU DEKA HARA ZEWEXET AB KERNI AFRIKA TIREKEB HAGER EYA.ETI BAELKA ZEMELESHKAYO KULU GEGA EYU. NEZI NMRGEGAX ER.TV. ELKA KITRE TIKEL IKA.

POST A COMMENT