Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓበሬታ ሽማግለ ረድኤት ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን – ብዛዕባ ደበስ ስድራቤት ግዳያት ላምፐዱዛ

ሓበሬታ ሽማግለ ረድኤት ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ኣብ ላምፓዶሳ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ናይ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን መንእሰያት ጃምላዊ ህልቂት ምኽንያት ብምግባር ብ10/13/2013 ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ መሪር ሓዘኖም ምግላጽ ብዝቐረበ ኣጀንዳ መሰረት

ሓበሬታ ሽማግለ ረድኤት ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን

ኣብ ላምፓዶሳ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ናይ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን መንእሰያት ጃምላዊ ህልቂት ምኽንያት ብምግባር ብ10/13/2013 ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ መሪር ሓዘኖም ምግላጽ ብዝቐረበ ኣጀንዳ መሰረት ብዛዕባ ኣድላይነት ሞራላውን ገንዘባውን ሓገዝ ንስድራ-ቤት መወቲ ዘትዩ። ኣኼበኛ ኣብ ዝሓለፊ ግዚያት ሓገዝ ዘይምግባር ቅሬትኡ ድሕሪ ምስማዕ ብሙሉኡ ከኣ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ንድሓር ዘጓነፈ ሓደጋታት ንስድራቤት መወቲ ሓገዝ ክግበር ተሰማሚዑ። ነቲ ጎስጓስ ሓገዝ ውጽኢት እትጉስጉስን፡ ገንዘብ እትእክብን ኣብ መወዳእታ ከኣ ህዝቢ ብዝሃባ ሓፈሻዊ መምርሒ ገንዘብ ምስዳድ እተማሓድር ካብ ህዝቢ 5 ዝኣባላታ ምስ 2 ተጠባበቕቲ፡ ከምእውን ናይ ተክኖሎጂ ተሓባባርን ሓላፍን ኦዲተርን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጾም።

እዛ ሽማግለ’ዚኣ ኣቃውማኣ ይኹን ስራሓ ምስ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ዝምድና ዘይብላ ነጻ ናይ ህዝቢ ረድኤት ሽማግለ ከምዝኾነት ኩሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ክፈልጥዎ ነዘኻኽር። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ $2,400 ንስድራቤት መወቲ ሓገዝ ተመባጺዑ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ብዙሕ ምዝርራብ ነታ ዝቖመት ሽማግለ እዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ መምርሕን ለበዋን ሂብዋ።

  1. ሽማግለ ተኣኪባ ኣብ ውሽጣ ናይ ስራሕ ምምቕቓል ክትገብር
  2. ናይ ገንዘብ ውጽኢት ጎስጓስ ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብምርካብ ገንዘብ ተዋጽእን ነቲ ዝተማባጽዐ ገንዘብ ትእክብን።
  3. ናይ ስድራ-ቤት መወቲ ዝርዝር ኣስማትን ዝነብሩሉ ዓድን ክትእክብ
  4. ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ኣመሓዳድሩኡን ኣዘረጋግሑን ዕድመ ናይ’ታ ሽማግለን ወዘተ መጽናዕቲ ብምግባር ንድፊ ሓሳብ ብምድላው ናይ ህዝቢ ኣኼባ ክትዕድም።
  5. ኣሰራርሓኣ ብግሉጽነት ኮይኑ ተሓታትነታ ነታ ሓላፍነት ዝሃባን ድሕሩ ገንዘብ ዘዋጽኣ ህዝብን ምዃኑ መምርሒ ሂቡዋ።

ዝርዝር ኣስማት ሽማግለ ሓላፍነትን ቴለፎንን

  1. ሚኪኤል ኣማንዮስ  – ኣቦ-መንበር      317/640-4194
  2. ኑር ሓለፋ – ምክትል ኣቦ-መንበር       317/921-9999
  3. መድሃኔ ዓንደማርያም – ተሓዝ-ገንዘብ  317/531-4953
  4. መሓሪ ዓንደሓርያት  – ዋና-ጸሓፊ       317/339-1671
  5. ኪዳነ ገብረስላሴ   – ህዝባዊ-ርክብ      317/625-0487

ተጠባባቕቲ

1. ሃይሉ ቦኽረ

2. ዳዊት በራኺ

ኦዲተር  – ተስፋስላሴ ወልዱ

ናይ መራኸቢ ተክኖሎጂ ተሓባባርን ሓላፍን – ሳሙኤል ዘርኣጽዮን

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ዕውት ኮይኑ ኣብ ዝብጻሕ ክበጽሕ ክኽእል ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ምትሕብባር ስለዘድልያ ናብ ኣባላት ሽምግለ ቴለፎን ብምድዋልን ብምርካብን ገንዘባዊ ሓገዝኩም ንሽማግለ ረድኤት ክትህቡን ክትተሓባበሩን ንምሕጸን።

ንመወቲ መንግስተ ሰማያት ንስድራቤቶም ከኣ ጽንዓት ይሃብ!

ሽማግለ ረድኤት ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን

10/18/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • John October 18, 2013

    So you are going to collect donations in dollars and send it to Eritrea where PFDJ will be more than happy to keep the dollars and hand useless nakfa to the families. What a joke.

    • MID October 19, 2013

      abyet hangol?

      anta sdrabiet entay yTqemu kindi ktrey tiftn ny HGDEF TQmn kisaran tihasb? Tigraway entekhonka gn ayhizelkan eye. zixbeyo eyu.

      • John October 19, 2013

        MID,
        You have to call everybody that does not agree with PFDJ tegraway. The funny part is PFDJ is led by tegaru. Think before you make a statment. Now who is tigraway me or you?
        Bye for now dummy.

  • kilite mot October 18, 2013

    good idea.I hope you guys can cover for all north America donations.If so just post as your account numbers so we can wire you.cheers!!!

  • ganshera anbetha October 19, 2013

    Dear John you are right but it is better if they administered it by items I mean that if they transfer in dollar it will be 1USD =15NACFA instead it is better to send them items which are valuable.All of us responsible to make shorten life of PFDJ

  • ab ab October 19, 2013

    eritreawi kem zey kebts bezi yregagets. nsdrabet gdayat ztekaele hagez tsbuk nieru.entekone ntsbuk zhasebkumo kale kurnae keyfetrelkum. kem zmesleni donat zgebere seb nab zfeltom sdrabet gdayat bmengedi komitekum abilu bhbue katu memrhi entegerkum emo abalat komite kale kbelhatu entejemirom bksadom mhnak entezeykoinu hade seb anfetu keyru bzuh kanza kewrdelkum ykel eyu. bzkone gn eti tebegsokum btaemi tsbuk.well done.

  • ERITRAWIT October 19, 2013

    I’m sure pfdj antena is in America how he will take the dollar I hope the money want go through to them!!!

POST A COMMENT