Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓበሬታ ኣሰና ንኹሉኹም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ – ብዛዕባ ህጹጽ ደገፍ ንስድራቤት ስዉእ ወዲ ዓሊ

ከም’ቲ ብዜና ዝሰማዕኩሞ፣ ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ፎርቶ መኪቱ በጃ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኤ ጅግና ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ወ/ሮ በኺታ እድሪስ ዑመር ምስ ክልተ ደቃ፣ ሪሃም ስዒድ ዓሊ

ከም’ቲ ብዜና ዝሰማዕኩሞ፣ ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ፎርቶ መኪቱ በጃ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኤ ጅግና ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ወ/ሮ በኺታ እድሪስ ዑመር ምስ ክልተ ደቃ፣ ሪሃም ስዒድ ዓሊ ከምኡ ‘ውን ሪም ስዒድ ዓሊ ካብቲ ምልካዊ ስርዓት ኣምሊጠን ኣዲስ ኣበባ ኣትየን ኣለዋ።

ከምቲ ድሮ ዝኣመትናዮ ስድራቤቱ ክሳብ ናብ ውሑስ ቦታ ከይደን ዝጣየሳ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልየን ርዱእ እዩ። ስለዚ፣ ከምቲ ስዉእ ወዲ ዓሊ ጅግና ዝኾነልና፣ ጀጋኑ ምዃን ‘ኳ እንተኣገመና ፣ ንስድራቤቱ “ኣጆኽን፣ ኣብ ክንዲ ጅግና ኣቦኽን ኣለናክን” ኢልና በብዓቕምና ገንዘባዊ ኣበርክቶ ብምግባር፣ ብግብሪ ሞራላዊ ደገፍ ክንህበን ሓላፍነትናን ግቡእናን እዩ።

ነዚ ህጹጽ ሓገዝ ንምብርካት ኮነ ናብ ውሑስ ቦታ ናይ ምስግጋርን ምጥያሰንን ዕማም ሓላፍነት ወሲዳ እተወሃሃድ ኮሜተ ክትመርሖ ኣገዳሲ ‘ኳ እንተኾነ፣ ከምኡ ዝዓይነታ ኣሳላጢት ኮሚተ ብወግዒ ክሳብ ትቐውም ብሎሚ ጽባሕ ንስድራቤት ወዲ ዓሊ ሓገዝ መታን ከይንፈገን ግን፣ ኣሰና ፋውንዴሽን፣ ኣብ ሕሳብ ባንኩ UNITY ተባሂሉ ዝፍለጥ ንኡስ ሕሳብ (SUB ACCOUNT) ኣዳልዩ ንግዚኡ ወፈያታት ተቐቢሉ ከተሓላልፈለን ተበግሶ ወሲዱ ከምዘሎ የዘኻኽረኩም። እቶም ኣብዚ ናይ ህጹጽ ደገፍ (Emergency Fund) ወፈያ ብምግባር ክትሕግዙ እትደልዩ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ፣ ነዚ ግዝያዊ ፍሉይ ሕሳብ ‘ዚ ተጠቒምኩም ደገፍኩም ከተበርክቱ ትኽእሉ።

እቲ ዝግበር ደገፍ ኣብ ዘዝበጽሓሉ እዋን ንህዝቢ ብራድዮ ኣሰና ብወግዒ ክግለጽ ምዃኑ፣ እታ ንኹነታት ስድራቤት ስዉእ ወዲ ዓሊ እትከታተል ሽማግለ ኣብ ዝቖመትሉ ግዜ እቲ ድሮ ዝተወፈየ ገንዘብ ኮነ እቲ ወፈያ ናይ ምቕባልን ናይ ምምሕዳርን ዕማም ብቐጥታ ናብታ ሽማግለ ክመሓላለፍ ምዃኑ ከኣ ነዘኻኽረኩም።

እዚ ወለንታዊ ወፈያ ምዃኑ፣ እቶም ወግዓዊት ሽማግለ ምስ ቆመት ከተበርክቱ እትደልዩ ክትጽበዩ ዕድል ከምዘለኩም ደጊምና ነዘኻኽር።

እዚ ንኡስ ሕሳብ ‘ዚ (UNITY Account) ካብቲ ንራድዮ ኣሰና ንምድጋፍ ዝግበር ወፈያ እንጥቀመሉ ሕሳብ ዝተፈልየ እዩ። ስለዚ ወፈያ ክትገብሩ ከለኹም ኣበየናይ ቁጽሪ ሕሳብ ተወፍዩ ከምዘለኹም ኣሃዛትን ዝርዝራትን ደጋጊምኩም ከተረጋግጹ ነዘኻኽረኩም። ንስድራ ወዲ ዓሊ ገንዘብ ኣብ እተወፍዩሉ ግዜ፣ በዚ ኢመይል herofortowediali@gmail.com  ከተፍልጡና ድማ ኣጥቢቕና ንምሕጸን።

ኣሰና ፋንውንዴሽን
29 December 2013

Bank Details
Assenna Foundation Ltd/ Unity Account
HSBC Bank
Brach Sort Code: 40 -05-31
Account Number: 41573098
Swift: MIDLGB22

IBAN: GB96MIDL40053141573098

aseye.asena@gmail.com

Review overview
75 COMMENTS
  • Abe January 2, 2014

    Gigna aynebrn eyu tariku eyu znebr.
    We will remember him for ever. Isayas will be trashed into a burning trash soon with no history . His black name will be buried under a burning hell.
    Wed ALI is our hero.
    Wedi Ere yakl mfllai, nkun hade lbi nmeresh nesmerana nab frdi kenemtsom nezom keteltna Isayas ms seabtu
    Rahwa kenemtse nhzbna higi nbel edei edka.
    We love Wedi Ali and family.

  • mean January 3, 2014

    men eyu wedi ali begko neza hger zehlfla yelan deyu wedi ali wedi ali teblo begkom zekwen mefthi delyu sedro ka kem kelom sedra sewat

1 3 4 5

POST A COMMENT