Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሓንጎል”

“ሓንጎል”   ሓንጎል የብልካን፡ ሓንጎል የብላን/የብሉን ክበሃል ሰሚዕና ንኸውን። በሃላይ/በሃሊት ከአ እቲ ቆፎ ርእስና ባዶ ከምዘሎን፡ እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ሕዋሳት ኣካልና ክሰርሕ ዘድልዮ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ክፋል ሰውነትናን ዘንቀሳቅስ ሞተር ካብ ቦኸሮን ጎደሎን፡ ህየውትና ትርጉም ዘይብሉ ምንባር

“ሓንጎል”

 

ሓንጎል የብልካን፡ ሓንጎል የብላን/የብሉን ክበሃል ሰሚዕና ንኸውን። በሃላይ/በሃሊት ከአ እቲ ቆፎ ርእስና ባዶ ከምዘሎን፡ እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ሕዋሳት ኣካልና ክሰርሕ ዘድልዮ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ክፋል ሰውነትናን ዘንቀሳቅስ ሞተር ካብ ቦኸሮን ጎደሎን፡ ህየውትና ትርጉም ዘይብሉ ምንባር (Under Vegetation State) ምስ ኣተኻ፣ ንሽሙ እስትንፋስ ህይወት ስለዝህልወና ንነብር አለና ክንብሎ ጌጋ ኢዩ። ህይወትና መዓልቲ ክደፍእ እምበር ከፍሪ ኣይኽእልን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራውን ዳርጋ ናብኡ ሙሉእ ንሙሉእ ኣይብጻሕ እምበር፣ ኣብቲ ኣፍደገ በጺሑ ጠጠው ካብ ዝብል ዓመታት ኣቑጺሩ። ብርእሱ ዘይሓስብ፡ ብምልሓሱ ዘይዛረብ፡ ድሌቱ ዘይገብር፡ ናብ ድሌቱ ክኸይድ ዘይኽል፡ ትምኒት ሓሳብ ልቡ ከማልእ ብጻዕሪ ክሰርሕ ተሪፉስ ነታ ተስፋ ምግባር ናይ መወዳእታ ውሽጣዊ ስሚዒት እንኳን ተነፊጉ ተቐቢሊዎ ይኸይድ አሎ። ንስድረ ዶብ ሓሲብካ ተባሂሉ ክንደይ ዝይተኣስረን ዘይተቐጥቀጠን። እዚ ኹሉ ከአ ብሽም ልእላውነት ሃገርን ጸጥታን ዝግበር ግፍዒ ኣብ ዜጋታትና ካብ ውሑዱ ኢዩ። ከም እንስሳ ብሓይሊ ብበትሪ ዝኹብኮብ፡ እንተጻዓንዎ ዝሽከም፡ እንተ ሃረሙዎን ቀተልዎን ከም ናይ ውልቀታት ጥሪት ዝቑጸር ዝሓተሉ የሎን ጥራይ ከይኮነስ፣ ክሕተተሉ ዘኽእል ቅዋም ኮነ ሕጊ ኣብ ኤርትራ የለን።

 

ብዘይ ሕግን ቅዋም ዝናበር ከአ እንስሳ ናይ በረኻ (Wild Animals) እምበር እቶም ናይ ገዛ እንስሳ (Domestic Animals) ኣብ ምዕቡልን፣ ሕግን ቅዋምን ዘለወን ሃገራት ከም ከልብን ድሙን ከይተረፈ መከላኸሊ መሰለን ሕጊ ስለዘሎ፣ ዋና ኢየ ኢሉ ከምድላዩ ኣየከላብጦምን ኢዩ። ወላ እቶም በረኻ ወፊሮም ዝውዕሉ ኣማስእዮኦም ገዛ ዝኣትዩ ጠለ በጊዕን ከብትታት ከይተረፉ መሰል ዘኽብር ሕጊ ስለዘለዎም፣ ክሕረዱን ክጥብሑን ከለዉ እቲ ዋና በሃላይ ከምድላዩ ከይኮነስ በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ ንጥሪቱ ብስነ ስርዓት ክሓርደን ዝፍቀደሉ።

 

ኣብ ኤርትራ ግን ህይወት ወዲ ሰብ ዝኣክል ብዘይ ሕጊ ኣጥፊኢካ ሓታትን ተሓታትን ዘይብሉ ዓዲ፣ ካብቲ ካብ ናይ በረኻ እንስታት ዝገደደ ኣተሓሕዛ ህዝቢ ተታሒዙ ንግድያትን ጥፍኣትን ብስርዓት ህግደፍ ይፍጸም አሎ። ህግደፍ ከአ ፈትዩ ጸሊኡ ኣካል እቲ ህዝቢ ስለዝኾነ ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ኣረመናዊ ጭካነ ብሕጊ ዝሕተተሉ ጊዜ ከምዘሎ ኣይስሕቶን ኢዩ። እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ከአ ኣጥፍኤ ክጠፍእ ዝብል መርሆ ዝኽተል ሓደ ናይ እንስሳዊ ተግባር ዝፍጽም ገበነኛ ስርዓት ኢዩ። ህዝቢ ከአ ዓመት ዓመት መብጽዓ ይትረፈና፣ ሎሚ ብሕጊ ንመሓደር፣ መሰልና ይከበር ዘየብለሉ ምኽንያት ንዓይ ከም ሰብ ፍጡር ጥራይ ከይኮነስ ከም ሕልና ሰብ ብዛዕብኡ ምሕሳቡ ዘስደምም ኮይኑኒ አሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ብኣምሓርኛ ዝምስልዎ (“ላም አለኝ በሰማይ፣ ወተትዋንም ኣልኝ” ላሕሚ ኣብ ሰማይ ኣላትኒ፣ ንጸብኣ ግን ኣይርኦን’የ) ጥርሑ ተስፋ ኣሚኑ ስድራ ኤርትራዊያን ክበታተንን ክጥፍእን ኣጽቂጡ ተዓዛቢ ምኻን ዝመረጸሉ ምኽንያት ኣይርድኣንን። “ድሕሪ ሰለፋ፣ እንታይ ተረፋ” ዝብልዎስ ናይ ቀደም ምስላ ዓበይቲ አበይ ተጋሒፉ። ኤርትራን ኤርትርውያን ካብዚ ንታሕቲ ዘንቆልቁሉሉ ናይ ትዕግስቲ መወዳእታ አሎ ዝብል ዜጋ እንተሎ ኣብ ሕልሚ ዝነብር የዋህ ፍጡር ክኸውን አለዎ።

 

እቶም ሕልና ሰብ ዘይብሎም፣ ብህርፋንን ስስዐን ዝነብሩ፣ ሓላፊነት ዘይብሎም ዜጋታት ብዘይካ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብሉ ፍጥረት ኣረሜናን ክኾኑ ጥራይ አለዎም። እዚኦም ከአ ብጣዕሚ ዉሑዳት ስለዝኾኑ ንድሌት ህዝቢ ብሓይሊ ኣጽዋር ከንበርክኹ ኣይክእሉን።

እቲ ሽግር ግና እቶም ቁሩብ ሕልና ዘለዎም በጃ ፍትሕን ሕግን ክጠፍኡን ክስደዱ ከለው እቲ ካልእ ዜጋ ከምዘይምልከቶ ጌጋ መርገጽ ብምሓዝ ሓዎም ከግድዑ ዝመርጹ በዚሖም። እምበር ጥፍኣት ሓውኻ ሎሚ፡ ጽባሕ ናባኻ ከምዝኾነት ኣይስሕትዎን። እንታይ ደአ ከምዚ ነዊሕ ሰልፊ ተሰሊፍካ ናይ ኩፖን ባኒ ክትገዝእ ተራኻ ትጽበ፣ ነታ ናትካ ተራ ጥፍኣት ኮነ ስደት ኣብ መስርዕ ኣቲኻ ትጽበ ምህላውካ ኣይትስሕቶን። እቲ ኣጥፋኢኻ ከአ ንዓኻ ኣጥፊኡ ከም ዝጠፍእ እንዳፈለጠ እዩ እታ ወንጀል ዝፍጽማ። እዞም ገበነኛታት ከአ ተረኦም ክሳብ ዝበጽሖም ንብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት የጽንቱ። መፍትሒ ግን ህዝበይ ኣብ ኢድካ ከሎ፣ ካብ ዓመት ዓመት ባዶ መብጽዓ ዝገብረልካ ካብ ርእሲ ገበነኛታት ክትጽበ ብጣዕሚ የደንጺ። ንስኻም ወዲ ህዝቢ ወዲ ሃገር ኢኻ እሞ ሓላፊነት ገበንካ ተቐበል። ልዕሊ 23 ዓመት መግዛእትኻ ንነጻነት ህዝቢ ረጊጽካ፣ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ባርነትን ጥፍኣትን ኣንጊስካ። ይኣኽለና ባዕልኻ ንጥቕሚ ስልጣን ምግባት ዝፈጠርካዮ ስርዓት አልቦኻ ሒዝካ ጥፍአልና በልዎ። ሽዑ እቲ ጅግንነት ኤርትራውያንን ፍትሕነትን ብግብሪ ክርአ ዝዕንቅፎ ኣንጻር ሓይሊ ጥርናፈ ኣይክህልን ኢዩ።

 

ነቶም ብዛዕባኻ ንሕና ካባኻ ንፈልጥ፣ ብዛዕባኻ ናትካ መሰልን ክብርን ንሕና ጥራይ ክንዛረብ እምበር መሰል የብልካን ዝብሉ ከም ከልብን ድሙን ንኸብዶም ዝነብሩ ናይ ጎይትኦም ተኣዘዝቲ እምበር ንባዕሎም መሰል ዘይብሎም ክውክሉኻ ኣይትጸበ። ድሕሪ ሎሚ ከአ እንታይ ዘይተዛረበኩሞ ተረፊኩም ኢልኮም ሕተቱዎም። ትማሊ ንሕዋትኩም ከም ከልቢ ውሕ ክትብሉ ተኣዚዝኩም ዝተዋፈርኩም እምበር ብዛዕባ ምኽንያትን ምኽንያታት ምፍጣር ዝነበርኩም ናይ ተስፋ ሓሶት ጎይታኹም ባዕሉ በቲኹልኩም አሎ። ጊዜ እምበር ቅዋም ክትግበር’ዩ። ምስምስ ናይ ኢትዮጵያ ምትእትታውን ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ምኽንያት ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ሓሶትን ተንኮልን ዕላማ ኢሳያስ ጎይታኹም ባዕሉ ኣግሂድልኩም። ንሐደ ሰብ ድሌት ክትነብሩ ናይ ህዝብኹም መሰልን ክብርን ዝቐበርኩም ተለኣእኽቲ እንቓዕ ደስ በለኩም በሉዎም። ካብ ሓሶትን ሕፍረትን ዓዲ ውዒልኩም ስለዘለኹም ኮራኹር ኢሳያስ ንሕልናኹም እስኪ ሕተቱን ኣስተንትኑ። ትማሊ ዘይነበረ ሕልና ግን ሎሚ ከም ሳዕሪ ክቦቁል ኣይጽበይን። ከምቲ ሕማቕ ቆፎ እኽሊ ዘነቅዝ ወይ ከአ ቀዳድ ኮይኑ ከዋህልል ዘይክእል፤ ናታትኩም ሓንጎል ከአ ነቒዙን ሰቢቡን ንዓመታት ዘሕለፎ እዋን ንድሕሪት ከይዱ ክሓስብ ኣይክእልን’ዩ። እታ ምሕሳውን ምኽንያታት ምፍጣርን ግና ከም ሐደ ዓይቢ ፍልጠትን ጎራሓትን ገይሩ ስለ ዝሕስበኩም፣ ነታ ትፈልጥዋ ስራሕን ተመኩሮን ግን ከምትቕጽሉላ እምነት አለኒ።

 

እንተኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 23 ዓመታት ናይ ሓሶትን ጥልመት ጸብጻብ ክተቕርቡ ስለዘለኩም ከመይ ንገጹ ብሓቂ ከምትርኢዎ ሕሰብሉ። ኣብ ታሪኽ መዝገብኩም ሎሚ ጽሓፍዎ ኩሉ። ደሊኹም ጸሊእኹም ግና ህዝቢ ባዕሉ ምጽሓፉ ኣይተርፎን። ክተሓሳስበኩም ከአ ደብተርኩም ሒዝኩም ቅረቡ። ወላ እቶም ጽገና ትብሉ ዝነበርኩም ብሽም ተቓውሞ ናይ ሐደ ሰልዲ ካልኣይ ገጽ ህግደፍ ከአ ፍርቂ ርእስኹም ተላጺዩ ከምዘሎ ፈሊጥኩም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፍርቂ ጎተና ፍርቂ መላጥ ኮይንኩም ክትጽንበሩ ኣይትሕሰቡ። ንዕድመኹም ከምዞም መንእሰያት ፓንክ (pank) ዝበሃሉ ዝገብሩዎ ፋሽን ምሳኻትኩም ዝኸይድ ኣይመስለንን። ክንደይ ጊዜ ንህዝቢ ክተታልሉ። ንነፍሱ ነጻ ዘይወጽአ ሰብ ንኻልእ ከውጽእ ስለ ዘይክእል ንስኻትኩም’ውን ነብስኹም መርምሩ።

 

ኣውራጃዊ፣ ቀቢላዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ከበሳ መታሓት ኢልካ ዘፈላሊ ምኽንያት ናይ ተንኮል ዝነበረ ሕጂ ሓቢሩ ምስቲ ቅዋም ሕጊ ሞይቱ’ዩ። ሕጂ ኢሳያስ ንኹላ ህዝበይ መሰል ከም ዘይብልና ኣፍሊጡና ስለዘሎ፣ ሐደ ናይ ሕብረት መጠርነፊ ባይታ መቃለሲ ንኤርትራውያን ከይሓሰቦ ተፈጢሩልና አሎ። ድሕርጂ ደጋፊን ተቓዋሚን ዝበሃል የሎን። ኩላህና መሰልና ተጋሂሱ ስለ ዘሎ እቲ ፍልልይ ኣብ መትከልን ዕላማን፣ ኣብ ተበለጽትን ቅኑዓትን፣ ኣብ ፍትሒ ደሌትን ፍትሒ ኣልቦ ሰዓብቱን ናይ ጥቕሚ ሕቶ ህዝቢ ወይ ጥቕሚ ስልጣን ውልቀ መላኺ ጸቢቡ ስለዘሎ፣ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ህዝበይ ቀላጽምካ ንመሰልካ ኣልዕሎ።

 

“ሓንጎል”

 

ቆፎ ኣካቢ ዝህብዎ

ንእኽሊ መእከቢ ዝነድቁዎ

ንመዓር ንህቢ ዘዕስልዎ

ንዝብልዓን ዝለሓስን ጥዑም

ንጥዕና ንጸጋ መግለጺ

ቆፎ ሙሉእ መሕጎሲ

ቆፎ ጥርሑ መደንገጺ

ኣብ ርእሲ ኮነ ኣብ ናሕሲ።

 

ቆፎ ሓንጎል ፍልጠት መዋህለሊ

ቆፎ ከብዲ ንጥመት ዓንጋሊ

ቆፎ ልቢ የዋህ መስተውዓሊ

ቆፎ ልቢ ዓሻ መስተማሳሊ

ኩሉ ዝሃብካዮ እንደኣሉ መዋህለሊ

ቆፎ እንተኾይኑ ግና ነኻል

መዕቖሪ ዘይብሉ ዘይመልእ ዝጎድል

ካብ ዘህብትም ናብድኽነት የንቆልቁል

ባዶ ንፋስ ጥራይ ዝዓቁር

ዓመት ዓመት መብጽዓ ዝፈጥር

ዓመት መጸት ከደት መብጽዓ ዝቖጽር

ሓንጎል ህግደፍ’ዩ ፍሉጥ ብዘይሽግር።

 

መብጽዓ ተስፋ ብርእሲ ህግደፍ ይጅምር

ጣቓዒት እልልታ ተቐበልቱ መዛሙር

ትማሊን ሎሚን ዝረስዑ ደናቑር

ዘይፈልጡዎ ኩነታት ንመጻኢ ዝሕብር

ዳንኪራ ይሃርሙሉ ብተስፋ ክነብር

ነቲ ንድኻታት ኣድኪዩ ዝቐብር

ህርፋን ዘዕወሮ ይምራሕ ብዕውር

ሃገር እንዳዓነየት የለን ይብል ሽግር

ህዝቢ እንዳጸነተ ብቑሉዕ ብስውር።

 

ሕንጎል ህግደፍ ቀደም ምስ ደስከለ

ምስትውዓል ዘይፈልጥ ካብ ሙት ዘይፍለ

ንድሕሪት ይቖጽር ጅግንነት እንዳበለ

ሎሚ ዘመዝገቦ ፍረ ነጻነት ስለዘየለ

ምሕሳውን ምጥላምን ንመንከ ቐተለ

ኣብ ጽውጽዋይ ዝነብር ስርዓት ዝተበለለ

ንሓቂ ክዓብጥ እንዳአሰረ እንዳቐተለ

ባዶ ሓንጎል ህግደፍ ጥፍኣት ዘማዕበለ

ካብቶም ስዓብቱ ካብ ኣፎም እንዳመንጠለ

ብተንኮል ብሽርሒ ብቛላት እንዳዓሽካለለ

መብጽዓ ዝጠለመ ማይ ዝሓቖነ

ሰሚዕኹም’ዶ ህዝበይ ዘረባ ሎሚቅነ

ቅዋም ሕጊ ክነድፍ ዝደንዘዘ ዝደወነ

መጽናዕቲ ዝገብር ዝነበረ እንዳደፈነ

ኢሳያስ ወሓለ ንነብሱ ዘታለለ

ካብ ሓቂ ንሓሶት መመሪጹ ዘዳቐለ

ንእሙናት ሰዓብቱ ብደም እንዳበከለ

መጻወቲ ገይሩዎ ቅዋም ሕጊ ንዝበለ።

 

ንግዚኡስ አሎ ንበይኑኸ እንታይ ገበረ

ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ሓሶት እንዳመደረ

ሓታቲ ሲኢኑ ቆራጽ ወዲ ኤረ

ቅዋም ሕጊ ዘምህሮ ግፍዒ ዘማረሮ

ትርጉም ናይ ናጽነት ብፊደል ዘቑጽሮ

ዝበስበሰ ሓንጎሉ ከይሰበበ ዝቐብሮ

ባርነት ዘንገሰ ስራሕ ናይ ደንቆሮ

ንህዝቢ ብንዕቀት ደንዲኑ ካብደፈሮ

ሞት’ኳ ዘይትመጽእ ብድሌት ብቖጸሮ

ስብእነት የድሊ ሰብ ሕሊና ዝገብሮ።

 

ህዝብና መሲልዎ ዘይርድኦ ዘይስቆሮ

ጋኔን ተሰኪሙስ መልኣኽ ደልዩ ክገብሮ

መዘዙ ብዙሕ’ዩ ሳጥናኤል ዝሓንገሮ

መስካ አለዎ ግፍዒ ተንኮል ዝፈሓሮ

ተሓታቲ አለዎ ስልጣን ዘይቅይሮ

ንሓታቲ ቅዋም ሕጊ ዘኽብሮ

ቅልጽም ህዝቢ ጉሒፉ ምስ ቀበሮ።

 

ቆፎ ባዶ ሓንጎል መዋህለሊ ዘይብሉ

ንባዶስ ባዶ ዘይመልኦ ወሲካሉ

ካብ ባዶ ምጽባይ ዘይቀበጹ አሉ

ካብ ባዶ ስኸስቡ አሉ ጎሓላሉ

ምስጢር ኣይኮነን’ዚ ንህዝቢ ዘይተገለጸሉ

ሕብረት ስኒት’ዩ ጠፊኡ ካባና ተኸዊሉ

ኢሳያስ ምስ ሰዓብቱ ህዝብና ክፈላልዩ።

 

ህዝብና ብዙሓት ኢሳያሳት ርእዩ

ንስርሖም መደቦም ብደቂቅ ኣለልዩ

ንደቂ መዘምርቱ ካብኡ ዘይፍለዩ

ብሽም ህዝቢ ዝንግዱ ኣብዘለዉ አለዉ

ዕላምኦም ሓንቲ ንስልጣን ዝዓዩ

ብሽም ገድሊ ህዝቢ ብሐደ ዝዓበዩ

ንስልጣን ኮረሻ ድሌት ህዝቢ ዘዕንዩ።

 

ብሰንኩ ህዝብና ብዙሕ ተሳቐዩ

ዓገብ ምባል ነብስኻ ንመንከ ጎዲኡ

ዕንቅፋት ካብኮኑ ዝውዕሉ ክሓምዩ

ንፍትሒ እንተኾይኖም ንሃገር ዝሓልዩ

ተናሲሖም ንህዝቢ ካብ ቃልሲ ይተኣለዩ

ስቅያት ህዝብና ራህዋ ቅሳነት ክዓስለሉ።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና 01-06- 2014”

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • yared January 9, 2015

    kela metewi hasabatka zetayes entay tuey hasabat kereklebeka .ensesa elkayo n merahi hager eska ke emni malet eu .tebeges were fethi ayemetsen eu

  • Mesinas January 9, 2015

    ሕልና ንዘይብሉ ሰብ ሕልና ንኽገብር ዘዘኻኽር እዋናዊ ጽሑፍ ሓው ሰሎሞን! ተሳትፎኻ ኣይፈለየና!

  • mahta January 11, 2015

    Nay behaki abi meleekty naemro zelewo eu ezy meleekty kestlo sthufka. Hade hade hade alew nkeyh stelim. Nstaeda ketelia ena belu znebru lomi gn kulu ety msmtrat tekelieu endiu

POST A COMMENT