Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓዘንናን ጓሂናን ባዕልና ንደብሶ – መልእኽቲ ካብ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምኽንያት ማዓልቲ ደቀንስትዮ

ሓዘንናን   ጓሂናን   ባዕልና  ንደብሶ   ዓለምለኻዊ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ሸሞንተ መጋቢት (International Women's Day (March 8) ካብ 1900ታት ኢንዱስትራዊ ለውጢ ነጥቢ መቐይሮ ንቁጠባዊ፣ ባህላዊ፣ ፕለቲካዊ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ ኔሩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ምግላል ደቀንስትዮ ካብ ኩሉ ጽላታት

ሓዘንናን   ጓሂናን   ባዕልና  ንደብሶ  

ዓለምለኻዊ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ሸሞንተ መጋቢት (International Women’s Day (March 8) ካብ 1900ታት ኢንዱስትራዊ ለውጢ ነጥቢ መቐይሮ ንቁጠባዊ፣ ባህላዊ፣ ፕለቲካዊ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ ኔሩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ምግላል ደቀንስትዮ ካብ ኩሉ ጽላታት ዝዓብለሉ እዋን ብምንባሩ ፡ ኣብ 1908 ኣብ ኒውርክ ደቀንስትዮ ሰለማዊ ሰልፊ ብምግባር መሰለን ክኽበር ሓተታ፣  ካብኡ ኣትሒዙ ድማ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ተዋሂቡወን፣  እነሆ ድማ ኣብ ማሓውር ቁጠባ፣ ባህላዊ፣ ፕለቲካዊ መዳያት ዓቢ ተራ ይጻወታ ኣለዋ።

ሓደ ካብቲ ውሳኔ ኣብ ሕቡራት ሃገራት  (United Nations) ኣብ መዝገብ ቁጹሪ 2011/6 ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ፓሊሲ ይኹን ፕሮግራም ማዕርነት ጾታ ክኽበር፣ ብፍላይ ሞያ ደቀንስትዮ ክምዕብል ምግባር ዝብል እዩ (Mainstreaming a gender perspective into all policies and programs in the United Nations system)

ኣብ ዝሓለፈ 2015 ብዓለማዊ መጽናዕታዊ መጋብኤያ (Global Research Council) ዝፈልጥ ትካል ኣብ ናሚብያ ዝተጋበኤ፣ ዝኾነ መጽናዕታዊ ምርምር (Research) ኣብ ኣፍሪቃ ብደቀንስትዮ ሳይንስት ክምራሕ፣ ኣብ ኣዝዩ ሕጽረት ዘለዎ ሞያ ከም ኢንጂነርስ፣ ሓካይም-ዶክተራት፣ ካልእ ሳይንስ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዝመጽእ 5-ዓመት ብ60% ክዓቢ ተሳማሚዑ ፣ ውሳኔ  ድማ  ሂቡ ጉባኤኡ ዛዙሙ።

ካልእ ክጥቀስ ዝግበኦ ሓበን ኣፍሪቃዊት ዝኾነት ሃገር፣ ዓዲ ማንዴላ፣ ዓዲ ፍትሒ፣ ዓዲ መሰል ሰብ ዝኽበረላ፣ ዓዲ ይቕረን ዕርቅን ሰላምን ደቡብ ኣፍሪቃ እውን፣ ሳላ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዘረጋገጸኦ ተወፋይነት፣ ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ 50% ሓላፍነት መንግስቲ ወሲደን ብዲሞክራሳዊ መንገዲ ይምርሻ ኣለዋ።

እዚ ነብዕሎ ዘለና 8- መጋቢት መዓልቲ ደቅንስትዮ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ – መስተንክራዊ ኣበርክቶ ደቂንስትዮ – ልዑላዊት ነጻ ኤርትራ ንክትህልወና፣ ኣብ ጎድኒ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ማዓረ መስዋእትን፣ ስንክልናን ተቛዲሰን፣ ኣንጻር ሓያላን ሃገራትን ዓርሞሽሽ ሓይሊ ደርግ ድማ ገጢመን ስዒረን፣ እቲ ኣይካኣልን ዝብሃል ዝነበረ ናጽነት ጋህዲ ኾይኑ እዩ። ወተሃደራዊን ፓለቲኮዊን ብቕዓተን ኣረጋጊጸን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዔን ተዋጊን ኣዋጊኤን። ፓሎቲካዊ ንቕሓተን ደረት ደይቡ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ሓላፍነት ተሸኪመን ህዝበን ኣብ ምግልጋል ዘበርከተኦ ኣብርክቶ ዓቢ እዩ ኔሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ጥምጥም ምኽባር ዶባት ኤርትራ፣ ደቂ ኣንስትዮ ዘመዝገበኦ ታሪኽ ፍጽም መዳርግቲ የብሉን።ኩሉ በብሓደ ክንዝርዝሮ እንተፈቲና ክንበጽሖን ክንድህስሶን ስለዘይክኣል ፣ንኩሉ ኤርትራዊ ድማ ብሩህ ስለዝኾነ ናብ ዝርዝሩ ምእታው ኣየድልን። ተስፋ ንገብር እቶም ክእለት ዘለዎም ጸሓፍትን ተመራመርትን ብዕምቆት መጽናዕቲ ብምክያድ  ጅግንነታዊ ተራ  ደቂኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ  ናብ’ዚ ሓድሽ ወለዶ ከሰጋግርዎ።

ንስለ ኤርትራን ህዝባን ዴሞክራሳዊት ሃገር ክትህልውና፣ ደቂንስትዮ ንከርተት ገደሊ ነቲ ዘይንቡር ፈታኒ ሂውት፣ ንሞት ከም መርዓ፡ ንስንክልና ከም ስልማት፡ ወሲደን ተወፍየን ተቓሊሰን፣ ነዚ ዘይንቡር ዝተቐበለት ኣደ ካሕሳኣ ንብዓትን ሓዘንን እንዶሞ ጌርዎ ህግደፍ።

ኣዴታትና እውን ኣብ እዋን ገዲሊ ይኹን ኣብ ምጥምጣም ምኽባር ዶባት ደቅን ከዐንግላ ውጉኣተን ክኣልያ ደድሕሪ ደቀን ማዕረ መስዋእቲ ከፊለን፣ ደቀን መሪቐን ንቃልሲ ወፍየን ክንሰን ታሪኸን ተረሲዑ እንዳጓሓፍ እንደሞ እትዩ።

ኣብ ምቕያር ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ዝተጻወተኦ ተራ ድማ ዓቢ እዩ ኔሩ። ጓል-ኣንስተይቲ ዕድላ ሓዳር ጥራይ እዩ ኔሩ ኣብ ሕብረተሰብና። ደቃ እንዳኣለየት ሃገር ኣብ ምህናጽ መሪሕ ተራ ክትጻወት ክምትክእል ብቃልሳ ኣረጋጊጻቶ እያ።

ዘይፍትሓዊ ፍጻምታት ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ብዙሕ እዩ።  እታ ዝዓበየት ከም ኣደ ወላዲት፣ እታ ዝነኣሰት ከም ሓብቲ፣ ኣብ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕድሕድ ኩናት ጀሚሩ ደቀ ሓንቲ ማህጸን ሓመድ ክሰተዩ፣ ዳሳ ተኺላ ሓዘና እኳ እንተዘይገበረት፣ ሞት ክልተ ደቃ ኸቢዱዋ ተዓጽያ ድግድጊታ ተዓጢቓ በይና ነብዔት። ድሕሪ ናጽነት እውን ኣደን ሓብትን ቐጻሊ ነብዔን ኣልቂሰን፣ ኩሉ ግፍዕታት ክጥቀስ ኣብዛ ሓጻር መልእክቲ ስለዘይካኣል፣ ሰለስተ መድረኽ ግፍዒ ክንጠቅስ ንብዓት ኣደ ክጥቀስ፣

  1. እቶም ስንኩላን ማይሓባር ብጥይት ብተመልከተለይ ክቑለቡ በኸየትን ሓዘነትን፣ መን ነበረ ሓዘና ዘጸናናዓ፧
  2. ኣብ 1993 ተጋደልቲ መሰሎም ብምሕታቶም ክእሰሩ ብኡ ኣቢሎም ሃለዋቶም ከጥፍኡ እንከለው እታ ኣደ ሓብትን በኸየት፣
  3. ብG-15 ዝፈለጡ ተባዓት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ነበር፣ ምስኣቶም ጋዘጠኛታት፣ ኣብ ዒራዕሮ ተዳጒኖም ክሕየሩ። ምስ እዞም ብሉጻት ደቒ ሃገር ኣስቴር ፍስሓጼዮን ፡ምርያም ሓጎስን ካለኦትን ገንሸል ምስግጋር ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክኾኑን/ክኾናን። ሕጂ እውን እተን ኣዴታቶም ነብዓን በኸያን። ህዝቢ ኤርትራ ግን ንብዓተን ኣየቕለብናሉን፣ ኣብ ነብስና ስለዘይበጽሐ ወይ ስለዝፈራሕና።

እቲ ካልእ ዘሕዝን ዘስካሕክሕ ገበን ዝፍጽምን ዝቅጽል ዘሎ፣ ነተን ዝናኣሳ ኣሓትና ፣ ኣብ ክንዲ ዝግበአን ክብርን ሓልዮትን ዝረኽባ፣ እቶም ብዕደመ ኣቦታተን ዝኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ከም ከድምቶምን መርወዪ ናይ ነውራም እንስሳዊ ስነምግባሮምን ጌሮም ገበን ኣብ ልዕሊ የሕዋትና እንዳተፈጸመ  ምክልኻል ኤርትራ ማዓስ እሞ ምስታ ሓብቱ ቆይሙ፣ ኣብክንዲ ምድንጋጽን ምክልኻልን፣ ገጽ ሂባቶ ኢልና ንገበን ዓገብ ካብ ምብል ነጽቅጥ።

ስለዝኾነ ድማ መንእሰይ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ሞራላ ተሰይሩ፣ ብመሰታ ወላዲኣ ተደፊራ፣ ሓወይ ትብሎ እንግዳዓ ምስ ሰኣነት፣ ኣብ ሃገራ ፍትሒ ስኢና ዕድላ ተበላሽዩ፣ ኣይሓዳር ኣይትምህርቲ ኮይና። ስምብራታ ክትርስዕ ናጽነትን ዲሞክራሲ ዓዲ ሃገር ከተናዲ ንስደት ኣብ ዘምራሓትሉ ድማ ኣብ በረኻታት ሲናይ ከም ኣቕሓ ትሽየጥ፣ ባሕሪ ሜዲተራንያን  ምስ ዕሸል ውላዳ  ይበልዓን። ላምፓዱዛ ሓዘን ጓሂ ካብ ሓንጎልና ዘይሃሰሰ እንዳሃለወ፣ ማዓልታዊ ምሻጥ፣ ምሕራድ ብበደዊን ምዕማጽ፣ መዓልታዊ ዜና ኮይኑ ኣሎ። አረ ሎሚስ ሓንጎልና/ሕልናና ለሚድዎ ሞት ዘየሰንብዶ ጉኡዝ ሰብኣውያን ደኣ ኮይና ከይንኸውን፧ ኣዴታት ድማ ንዓመጽ ከምቅቡል ወሲደን ጓለይ ዓዲ-ጣልያን ሰግራ ኢለን ይሕጎሳን፣  ከም በረከት  ቆጺረን ይጽምብላ ተካል ዘመን’ዶ ክንብል ክንነብር እና?  ኣይፋሉን!!

እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ድማ እዚ ዘይወግሕ ዝመስል ጸልማት ደልሃመት፡ ጽባሕ ክወግሕ ሙዃኑ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ።ምኽንያቱ፣ ነባሪት ሃገርን ህዝብን ደኣ እምበር ነባሪ መንግስቲ ስለዘየለ። ግን እቲ ዝገድፎ በሰላ ብቐሊሉ ክሓዊ ወይ ክጽገን ዝክእል ዓይነት ኣይኮነን። ሓንጎል ወዲ ሰብ ክጻወሮ ዘይክእል ኣደራዕ ዝወርደን ዘሎ ደቂኣንስትዮና፣  እቲ መንገዲ ሎሚ እንተዘይተጸሪጉ፣ ጊዜ እንዳነውሔ ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፊኤ ይሰጋገር ኣሎ። ናይ ወለዶ ጋግ ፈጢሩ ክጽገን ኣብ ዘይክእለሉ ኣጻጋሚ ምስበጽሔ ግና ጥዑይ ሕብረተሰብ ክህልወና ይክእልዶ፧ ዝብል ሕቶ ኩልና ኣብ ኣእሙሮና ከነሰላስሎን ክንሓስበሉን ክንሰርሓሉን ዘሎና ጉዳይ እዩ።

ሓደ ኽዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ጓል ኣንስተይቲ ማለት ዓንዲ ሕቖ ሃገር፣ መልሕቕ-መርከብ ሃገር፣ ብርሃን-ሃገር፣ መሰረት ተስፋ፣ እምነትን ፍቕሪ ሃገርን ስድራቤትን እያ። ኣደ ሓቚፋ-ሓዚላ ተዕቢ፣ ትንፋስ ዜጋ  ትንፋስ ኣደ እዩ፣  እሳ ትዕንግል ንሳ ትናቢ፣ ሰብኣያን ደቃን ትኣሊ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ጓል ኣንስተይቲ 80% ኣካል ቃልሲ እያ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ጓል-ኣንስተይቲ ቃልሲ እንተተሓወሰቶ ንውላዳ፣ ንሰብኣያ  ተዕጥቖም ጥራይ ዘይኾነ  ሰብኣይ ኩን እንተይላቶ ሞተር ጽናዓቱ ክውልዕ ሓቦ ክገብር ተቃላሳይ ምካኣለ፣ እዚ ንርእዮ ቃልሲ ግን፣ ጓላኣተንስትይቲ ከምቲ ዝድለ ሰለዘየላ፣ ሰብኣይ ጃጅዩ፣ ሃገር ብሃገሩ ፈሪሁ ወይ ድማ ተበላጺ መትከል ክሕግዝ ተቕሲቡ፣ ኣደን ሓብትን  እቲ ቃልሲ ከምቀደመን እንተዝጽንበረኦ  ምሉእ ሕብረተሰብ መሳተፈ ኔሩ።

ንለውጢ ኣብዝግበር ቃልሲ መንእሰይ (ወዱን ጓሉን) ሞተረ ለውጢ ክኸውን እንከሎ፣ ብፍላይ ደቂኣንስትዮ ድማ መንኮርኮር ለውጢ ሙዃነን ክዝንጋዕ የብሉን። ንዲሞክራሳዊት ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ሞተረን መንኮርኮርን ግና ከምዝሓጽሮ ንኹሉ ሰብ ቡሩህ እዩ። ብርግጽ እተን ግዳያት ህግደፍ ኮይነን ዘለዋ ደቂኣንስትዮ ሙዃነን ድማ ካብ ማንም ሰብ ዝኽወል ኣይኮነን። ኣብ ንፍትሒ ንገብሮ ዘልና  ቃልሲ ኣይግድን ኣሕዋትናን፣ ኣደታትናን ኣይትብኮራና። ስለ’ዚ ኣሓትናን ኣዴታትናን እቲ ዕማማ ናይ ኩልና እዩ’ሞ እስኽን ዘይብሉ መንገዲ ድማ ፍጽም ኣይሰልጥን እዩ፣ ስለዝኾነ ድማ  ሓደራኽን ነዚ ዝተበታተነ ቃልሲ፣  ብስም ደላይ ፍትሒ ንንሕድሕዱ ክራጽም ጸሓይ ዝዓረቦ መእሰር ኩነኦ ከም ማእዶ ሓደራክን።

ኤርትራ ማለት ህግደፍ፡ ሕጊ ማለት ህግደፍ። ኣብ ክንዲ ሓቂ ምትላል፡ ኣብ ክንዲ ምህናጽ ምዕናው፡ኣብ ክንዲ ሰብኣዊነት ኢ-ሰብኣዊነት፡ አብ ክንዲ ድንጋጸ ጭካኔ፡ ኣብ ክንዲ ይቕረ ቂም፡ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ስርዓተ-ሕጊን ምኽባር፣ ምጉዕጻጽ። ኣብ ክንዲ በሊሕን ኣፍራይ ዜጋ፡ ልሙስ ዜጋ ከይንኸውን ፣ ዲግዲግትና ተዓጢቕና ንቃለሲ ቀይሰኦ ኣንፈቱ ኣቕነዐኦ ሓደራ።

ብርግጽ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ መዋእል ነቢዕክን፣ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ተካፋሊ ሓዘንክን ኣይንበረን። ሕማቅ ባህሪ ኣጥሪና ግዲ ኮይና፣ ኣብ ክንዲ ብሓደ ድምጺ ምቅላስ ፣ እቲ ዝበዝሔ ኣካል ህዝቢ ኣብ ደገ ዝነብር ሕጂ እውን “ሱቅ ምባል መሪጹ” ። ብሓድነት ዘቃልሰና፣ ሃገራዊ ትካል ተሳኢኑ፣ ብውልቂ ዝግበር ቃልሲ በዚሑ፣ ትካላትና ብስም ውልቀ ሰባት ምጽዋዕ ልሙድ ኾይኑ፣ ዲክታቶራት ዘፍርይ ሃገር ከይንኸውን የፍርህ ኣሎ ኣንፈትና፣ ግዳማውያን ሓይልታት እውን ንጥቕመን ንሃገርና ውጥም/ቅልቅል ይብላ ኣለዋ እሞ፣ ዘጥፈኣና ዘሎ  “ስቕታ” ወይ ድማ  “ዓገብ ዝይምባልና” ሓንጎልና ከም ማሽን ብካልእ ክዝወር ፈቒድና፣  ህግደፍ ክቕጥቅጠና፣ ግዳማውያን ከጙባዕብዑልና ከም ዘኽታም፡ ፍርሂ ወይ ድማ ንዓይ ይጥዓመኒ ኢልና ግዲ ኾይና ኣንፈት ቃልሲ ጠፊኡና።

ስለዝኾነ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና ኣወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ነጢፎም ካብ ምስታፍ ዓጊቱዎም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፣ ንዓና ወኪሉ ንጥፈታትና ዘወሃህድን፡ ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ዝመርሕ ናይ   ህዝቢ/ናይ ዜጋ ትካላትን ብድሞክራሲያዊ ኣጋባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነትን ብዘይምህላው ኢዩ።

ስለዝኾነ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ፡ ኲናት ብሰላም፡ ዓመጽ ብፍትሒ ዝትክእ፣ሓድነት ዝሕላገቱ፡ ፍትሒ  ዝባይትኡ፡ትርግታ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንክሮ ዝሰምዕ፣ ኣራግጻ እግሪ ሓደ፣  ንጥምርትን፣ ስምርትን፣ ብልጽግትን ኤርትራ ዝሰርሕ ህዝብዊ ቃልሲ ክህልወና፣  ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ በታ ኣብ ሃገርና ውርሻና ዝኾነት እንፈልጣ – ባይቶ ዓዲ –  ሰረተ እምነት ብምግባር፣ ብቑዓት  መራሕቲ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ በቶም ምስኦም ዝነብሩ ዜጋታት ተመሪጾም፡ ብተመሳሳሊ ምስርሕ ናይ ሃገር/ዞባዊ ወከልቲ ይምረጹ፣ ኩሎም  ዞባታት ድማ ዓለምለኻዊ ባይቶ ከቑሙ ደጋጊሙ ይጽውዕ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ፣ ውከልትና ኣብ ምምልማልን ምምራጽን ጻዕርታት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንጥፈታቱ ካብ ዝጅምር እንሆ ክልተ ዓመቱ ቀሪቡ።  በዚ ኣጋጣሚ፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ እተን ሞቶር ለውጢ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ክድግፈኦ፡ ክሳተፎኦን ክውንኖኦን ብኣኽብሮት ይጽውዕ –  ጓሂናን ሓዘንናን ደቢስና ሃገርናን ህዝብናን ክነድሕን ወዓል ሕደር ዝበሃሎ ጉዳይ ኣይኮነን ፣ ሃየ ኢደይ-ኢድካ  በላ ዓንዲ-ሕቖ ሃገር።

 

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

 

ጋንታ ሜድያን መጽናዕትን

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን

8 መጋቢት – 2018

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Danilo March 7, 2018

    ብዘይ ኣእጋር የለን ምስግጋር
    ብዘይ ጓል-ሂዋን መን’ክነብር
    መጸዋዕታ እያ ስድራ-ሃገር።

    ንሰን እንተኣንቂለን ጉሒላ የለን
    ፈውሲ እዚ ዘለናዮ ዘመን ካብኤን
    ብዘይ ጥርጥር እንተድኣ ተወኪስናየን።

    የቀንየለይ!!!

  • k.tewolde March 7, 2018

    I dedicate this day to my mom who raised a total of 11 kids,5 of her own and 6 what I call brothers and sisters whome some of them she breast fed. She taught me respect,giving,dedication ,humility,unconditional love.She was the epitome of a matriarch neat,organized,smart,modern and traditional at the same time.She taught all the girls in the household the home skills they need for the rest of their lives.She was quick to respond to a neighbors need and a beautiful social butterfly who everybody loved.When she calls for a gathering,everybody shows up to taste the goodness in her plate.She is Eritrean in the truest sense from Kola Seraye the daughter of Hanetay. This one is for you.I wish the day will come for me to lay a wreath on her sacred grave.Miss you mom. Happy International Women’s day.

    • Nahon March 8, 2018

      Indeed an exemplary Eritrean mother …
      May her soul rest in peace.

  • AHMED SALEH !!! March 8, 2018

    From the beginning they came with notorious leader who doesn’t hesitate to eliminate
    anybody that stands in his path . We observed his reputation since he joined SEWRA .
    At the end of the day the whole country is facing the expected outcome .
    Incase ERITREAN fighters maltreatment which started shortly after independence was
    the result of unjust Issaias agenda . Before we play blame game lets look ourselves
    at a mirror and ask questions ;
    Did we as people expressed outrage in their defense ? Why ?

  • Nahon March 8, 2018

    We used to ignore the cries of even our neighbors and justify the crimes of the regime.
    We used to accuse the victims without even listening to their grievances
    Now we have started to understand that we need to stand with each other, because we are all suffering. It’s said that the people have the government they deserve.
    Had we stood, all of us, in defense of the first victims, and demanded justice for them, by now we would have a better country and would be leading a peaceful life.
    Dictators are created by people, by their attitudes and sub-culture.
    We need to put the country first, instead of the political organizations we belong to.
    We need to understand that injustice against one citizen is injustice against all.
    Only then we will get our freedom, dignity and God given right to life back in our hands.

    • k.tewolde March 8, 2018

      No human prudence can object to the soul jarring truth above.Thanks Nahon.

    • AHMED SALEH !!! March 8, 2018

      Selamat Nahon
      Sometimes humans act stupid to hate a person who stand against injustice
      inflicted upon helpless people .
      NIHNA-NISU blind followers are good example in our case .
      Bunch of cowards couldn’t come out to defend for their sisters safety . Strange
      personality which is foreign to ERITREANS culture that says ” NGUAL KULU AYA’A ” .
      .

  • meretse March 8, 2018

    ብምክንያት መዓልቲ ደቒ-ኣንስትዮ ኣዳልየያ ዝነበርኩ ጽሕፍቲ 1ይ — ብሕጽረት ግዜ፡ 2ይ– ከኣ ከም ኣጋጣሚ ምስ ሓው ኣማኒኤል ኢያሱ ዘዳሎዋ ካልኣይቲ ጎድና ኾይና ስለ ዝተሰመዓትኒ ፡ ጉዛያ ከቅርብ መሪጸ። ሓደ ዘተሓሳስበኒ ነገር እንተ ሃልዩ ግን፡ ነዚ መዓልቲ’ዚ ምክንያት ብምግባር ብወገን ደቒ -ኣንስትዮ ብርክት ዝበለ ጽሑፋት ዘይምንባበይ ኢዩ። እስኪ እቲ ሙሉእ ጽሑፉስ ይትረፍ ነቲ ነዚ መዓልቲ’ዚ ኣመላኪቱ ንዝወጸ ጽሑፍ’ዃ ኣንቢበን ሪእቶ ናይ ምሃብ ዓቕመን ትሑት ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ዘገርም ዋላ እተን ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ሓደ ሓደ ጽሑፋት ዘቕርባ ደቒ- ኣንስትዮ’ዃ ፡ ኣብ እዚ መርበብ እዚ በጺሐን ወይ ክነቕፋ ክድግፋ ክሳብ ሕጂ ኣይረኣኩን። ንምንታይ? እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግር’ኮ ናይ ሓደ ወገን፡ ሃይማኖት ወይ ጾታ ዝፈሊ ኣይኮነን። ስለዚ ፡ ናኡ ኩሉ ወዲ ሃገር ሽግር ክሳብ ዝኾነ፡ ንምእላዩ– “ከም ቀደምክን ፡ ከም ቀደምና፡ ኢደ-ኢድካ ምባል ንዕደም ኣሎና !
    ጎርዞ ኤረትራ – ዘይትጽገብ ሸዊት
    ካላሽን ደርቢያ – ብሬን ኣነቓዊት
    እዙይ’ዶ ኣይነበረን’ዩ – እቲ ሓቒ
    ኣብ ሎሚ – ከመይ ኢልኪ ትደቒ
    ናጽነትስ ኣትያ – ብናትኪ ዳገፋ
    ዘስዕባ ሲኢና – ሓርነት ተሪፋ
    ንድርብ ጨቖና – ከም ዘይተመከተ
    በሰር ዓይኒ ኾይኑ – ሎሚ ዝሓተተ
    እሞ ድምጺ ሃባ – ሃየ ሃየ በላ
    ከምቲ ናይ ቀደክን – ቕልጽምኽን ኣልዕላ
    ከፊእዋ’ሎ ‘ዛ ሃገር – ካብቲ ዝነበረቶ
    ፈውሲ ድቖሳሉ – ንሕማም በላዒቶ
    ጨቖና ኣብ ርእሲ ርእሲ – እንተ ተተራኢሱ
    ቅልጽምካ ምልዓልዶ – ኣይኮነን ‘ቲ ፈውሱ
    ሎሚ’ውን ከም ቀደምክን – ከም ቀደምና
    ኢደይ ኢድካ ምባል – ንዕደም ኣሎና

  • Bajet March 9, 2018

    Come every year, some people both inside Eritrea (mostly coerced by the state) and abroad celebrate the March 8th International Women’s Day without bothering to ask whether women in Eritrea are better off now or fifty years ago before the revolution/armed struggle and its program of women’s liberation and equality.
    What would be the opinion of people? We have no way of finding out for no poll has been made on the subject, nor has there been any significant writing on the subject. In Eritrea, women and girls have been and continue to be victims of systematic rape and abuse for many years in the hands of the regime, which allegedly fought for the rights of the women. Certainly, it is not worth celebrating the 8th March in today’s nation state of Eritrea.

Post a Reply to Nahon Cancel Reply