Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ክሓትት ዝወጠነ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ናይ ጽዕነት ክፍሊ ናይ ሓንቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስቶክሆልም ዝበረረት ነፋሪት ኢትዮጵያ ተረኺቡ።

ሓደ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ክሓትት ዝወጠነ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ናይ ጽዕነት ክፍሊ ናይ ሓንቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስቶክሆልም ዝበረረት ነፋሪት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ ብፖሊስ ሽወደን ተታሒዙ ሕክምናዊ መርመራታት ከምዝተኻየደሉ ቢቢሲ ሓቢሩ። ከም ልሙድ እቲ ኣቑሑ ዝዕቀበሉ

ሓደ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ክሓትት ዝወጠነ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ናይ ጽዕነት ክፍሊ ናይ ሓንቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስቶክሆልም ዝበረረት ነፋሪት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ ብፖሊስ ሽወደን ተታሒዙ ሕክምናዊ መርመራታት ከምዝተኻየደሉ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ከም ልሙድ እቲ ኣቑሑ ዝዕቀበሉ ክፍሊ ናይታ ነፋሪት ኣዝዩ ቆራሪ ኳ እንተኾነ፣ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስቶክሆልም ኣብቲ ዘይንቡር ቦታ፣ በዚ ሳሕቲ ዝፍጸም ኣገባብ ንኣሽሓት ኪሎሜተራት ዝተጓዕዘ ኢትዮጵያዊ ብጥዕንኡ ከምዝተረኽበ እቲ ዜና የረድእ።

እታ ነፋሪት ኣብ ሮማ ንግዚኡ ዓሊባ ኳ እንተነበረት እቲ ኢትዮጵያዊ ግን ጉዕዙኡ ናብ ሽወደን ክቕጽል ከምዝመረጸ ተፈሊጡ።

ንሱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ከምዝሰርሕ ዘረጋግጽ መንቀሳቐሲ ዝሓዘ ክኸውን ከሎ፣ ኣብቲ ጽኑዕ ቁጽጽር ዝካየደሉ መዓርፎ ነፈርቲ ከምድላዩ ክንቀሳቐስ ዕድል ከምዝነበሮ፣ በቲ ዝጸንሖ ኣፍልጦ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ጽዕነት ክፍሊ እንስሳታት ኣብ ዝጓዓዙሉ ምዉቕ ክፋል ተሓቢኡ ነይሩ ከኸውን ከምዝኽእል እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይእምት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hilbub August 17, 2015

    It is none of our business. Let’s focus on our own Eri problems.

    • AHMED SALEH !!! August 17, 2015

      “It is none of our business ” as simple as that to rebuff ASSENNA reportage on news associated with Ethiopia .
      Are you serious ?
      Attempts of covering up the dirt won’t help for
      long term interest of any country .

  • Tsegai August 19, 2015

    Nai hade wedi-seb tzegem, nai kulatna tzegem sle zikone, Izi hawna inqua’i b dihan atewe. Miknyatu seb b mengedi Sahara, ab maikelay-Bahri etc.. diyu zitefi’i, weis ab nai cargo bota fililiy aibilun. Slezi kbur hawna inqua’i b zahli aytefaika.Bete-sebka kia inqua’i himaq were aysemi’u.

POST A COMMENT