Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደ ካብ ወደብ ካሌስ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ዝፈተነ ኤርትራዊ መንእሰይ ብናይ ጽዕነት ባቡር ተረጊጹ ከምዝሞተ ተፈሊጡ።

ሓደ ካብ ወደብ ካሌስ ናይ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ዝፈተነ 20 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ ብናይ ጽዕነት ባቡር ተረጊጹ ከምዝሞተ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። ንሱ ናብ ትማሊ 30 መስከረም ኣብ ዝወግሐ ለይቲ እዩ ብ ኣባላት

ሓደ ካብ ወደብ ካሌስ ናይ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ዝፈተነ 20 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ ብናይ ጽዕነት ባቡር ተረጊጹ ከምዝሞተ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ንሱ ናብ ትማሊ 30 መስከረም ኣብ ዝወግሐ ለይቲ እዩ ብ ኣባላት ጸጥታ፣ ኣብ ካሌስ ኣብቲ ብChannel tunnel ዝፍለጥ መንገዲ ባቡር ሞይቱ ተረኺቡ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 2 ሰሙን ብተመሳሳሊ ሓደጋ ናይ ኣርባዕተ ስደተኛታት ህይወት ሓሊፉ ‘ሎ። ሓደ ካብቶም ኣቐዲሞም በቲ ዘሕዘን ሓደጋ ዝሞቱ ስደተኛታት ኤርትራዊ ድዩ ሱዳናዊ መረጋገጺ ዘይተረኽበሉ ግዳይ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን መንግስቲ እንግሊዝን ፈረንሳን ቁጽሪ ናይቶም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምጕዳል ዝወሰዱዎ ናይ ምሕጻር ስጉምቲ ቁጽሪ ናይቶም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፍትኑ ኳ ኣዝዩ እንተነከዮ፣ በንጻሩ ሓደጋ ሞት ስደተኛታት ወሲኹ ይርከብ።

እዚ መንገዲ እዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምእታው ብብዝሒ ዝፍትኑሉ መስሎዅ ምዃኑ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde October 1, 2015

    Eritrean Youngsters die, life goes on back home and in diaspora.Amazing.For how long can we sustain this enormous loss that we seem to take as a norm? Ahhhhhhhhh………………………………..

  • Yemane October 1, 2015

    There is only one man & five million women in Eritrea. Worse the only man is from tembien Abi adi.

  • AHMED SALEH October 2, 2015

    Either to leave the snake bite you to death or smash his head depends on choice .

POST A COMMENT