Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደ

ሓደ ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003 ናይ ሎሚ’ኳ ጠፊኡና ንግሩ ዘበን ግርምቢጥ ጊዜ ተቐይሩ እጃም ብዙሕ ሓደ ይሃጥረሉ ንሪም ኣኅዋት ሓደ ይኾርዓሉ ጓይላ ሓደ ደሚቝ ሂር ኢሉ ‘ቶም ብዙሓት ይነብዑ የስቈርቍሩ ሕዝቢ ይደንን ንሱ ኣንቃዕሪሩ ኵልኹም ተዓዘብቲኸ ምንታይ ትብሉ? ርኢናኩም ገጽኩም ክትክውሉ ኣቱም ርኣይቲ ምንታይ ትብሉ? ሰሚዕና’በር

ሓደ

ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003

ናይ ሎሚ’ኳ ጠፊኡና ንግሩ

ዘበን ግርምቢጥ ጊዜ ተቐይሩ

እጃም ብዙሕ ሓደ ይሃጥረሉ

ንሪም ኣኅዋት ሓደ ይኾርዓሉ

ጓይላ ሓደ ደሚቝ ሂር ኢሉ

‘ቶም ብዙሓት ይነብዑ የስቈርቍሩ

ሕዝቢ ይደንን ንሱ ኣንቃዕሪሩ

ኵልኹም ተዓዘብቲኸ ምንታይ ትብሉ?

ርኢናኩም ገጽኩም ክትክውሉ

ኣቱም ርኣይቲ ምንታይ ትብሉ?

ሰሚዕና’በር ኣይረኣናን ትብሉ

ኣቱም ሰማዕቲ ምንታይ ትብሉ?

ርኢና’በር ኣይሰማዕናን ትብሉ

ኣቱም ጸሓፍቲ ምንታይ ትብሉ?

ኣይረኣና ኣይሰማዕና ትብሉ

ኣቱም ተዛረብቲ ምንታይ ትብሉ?

ንኅልናኹም ካብ በልኵሞ ኣሉ

ኣፍ ሂቡኩም ትምሕሉ ትጥሕሉ

ኣዋጅ ሓደ ብግዲ ተተግብሩ

ድሌት ሓፋሽ ተህጕጉ ተዕብሩ

ዘረባ ሓደ ኣጽኒዕኩም ቀጥ ተብሉ

ምስክር ብዙሓት ተብንኑ ተፍሽሉ

ምልኪን ኣምልኾን ተደናግሩ

በጃ ሓደ ’ሽሓት ተስቅሉ

ብኣሜን ጎይታይ ተቀባጥሩ

ዘይከማኹም ፍጥሩ እንድኣሉ

ብጊዝያዊ ጥቕሚ ትጥበሩ

ሰለሓደ ብዙሕ ‘ተጠቅሩ

ክንዲ ሓቂ ሓሶት ትውቅሩ

ገና’ሎኹም መዓት ተዋህልሉ

ጽባሕ ንግሆ ኣበይ ከይተብሉ

ትኣትዉሉ መቓብር ትፍሕሩ
ዚጸቕጠኩም ደንጎላ ትወቕሩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Habte K March 22, 2015

    Dear Fissehaye,

    A great and very expressive poem.
    HITER SEWIDDDD!!!

POST A COMMENT