Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓዲስ ዓመት 2017፡ ራኢ ፍትሒ ብግብሪ እነረጋግጸሉ ዓመት ይግበረልና!!!

ሓዲስ ዓመት 2017፡ ራኢ ፍትሒ ብግብሪ እነረጋግጸሉ ዓመት ይግበረልና!!! ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) ታሕሳስ 31፡ 2016 ********* መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከም ዝበሃል፡ እነሆ ሎሚ ከም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዳት ሓዲስ ዓመት ንርከብ። ሓዲስ ዓመት ኩሉ ጊዜ መጻኢ

ሓዲስ ዓመት 2017፡ ራኢ ፍትሒ ብግብሪ እነረጋግጸሉ ዓመት ይግበረልና!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ታሕሳስ 31፡ 2016

*********

መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከም ዝበሃል፡ እነሆ ሎሚ ከም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዳት ሓዲስ ዓመት ንርከብ። ሓዲስ ዓመት ኩሉ ጊዜ መጻኢ ተስፋ ዝሓቘፈ ስለ ዝኾነ፡ ብትፍስህቲ ክትቅበሎ ግቡእን ባህሪያውን ኢዩ። ህይወት ጽቡቕ`ዩ፡ መተካእታ፡ ካልኣይ ዕድል ስለ ዘይብሉ፣ ብፍላይ ካብቲ ጽቡቕን ሕማቕን ተማሂርካ ብሓርነት ደው ምስ እትብል፤ ሓይሊ ለውጢ ጨቢጥካ ጸጋ ራህዋን ምዕባለን ክትርኢ ስለ ዘኽእለካ። ብሓርነት ክትነብር ምርጫ እናሃለወካ፡ ኣብ ባርነትን ጸልማትን ክትነብር እንተ መሪጽካ ግን፡ ዘስተንፍስ ምዉት ካብ ምዃን ኣይትሓልፍን፣ ሓቀኛ ምልኣት ህይወት ብሓርነት ጥራይ ስለ ዝረጋገጽ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ፣ ከይጋባእን ከይዝትን ተኸልኪሉ፣ ኣብ ትሕቲ ውልቀምልካዊ ፋሺስታዊ ባርነት ይሳቐን ይጠፍእን ኣሎ። ግን እቲ ኣብ ፍትሒ እኣምን`የ ዝብል ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ባዕሉ እንታይ ገዲሱኒ ወጻኢ፡ ከይጋባእን ከይዝትን ዝኽልክሎ ሓይሊ እንታይ ኣሎ? ፍጹም የለን። እዚ ቍስልና ሓቢእና፡ ንስቓይ ህዝብናን፡ ዕንወትን ድሕረትን ሃገርናን ጸማማት ኣእዛን ሂብና ናብ ጓይላን ዳንኬራን ክንጐዪ ዝሰልጠልና፣ ደለይቲ ፍትሒ ኢልና ንርእስና እናጸዋዕና፣ ደኺሙና ብዝብል ዘይምኽኑይነት፡ ብሓባር  ዘቲና ናብ ቃልሲ ከነተኵር ዘይንደሊ ህዝቢ ኴንና፣ ታሪኽ ዝሓተና ዘሎ ቅዱስ ሓላፍነት ዘንጊዕና ምህላውና ኢዩ ዝሕብር። እዚ ኸኣ ብግመ ርእሰ-ፍትወት ዝተዓፈነ ጸቢብ ኣረኣእያ ሳዕሪሩ ምህላዉ`ዩ ዘረጋግጽ።

ብፍላይ መንእሰይ ኤርትራ፡ ግዳይ ስእነት ብቑዕን ልዑል ትምህርትን፣ ግዳይ ማእሰርትን ባርነትን፣ ግዳይ ስደትን ጥፍኣት ምድረበዳ ሰሃራን፡ ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ብምዃኑ፡ ኣብ ዓለም  መወዳድርቲ ብዘይብሉ ጭቆና ዝሳቐ ዘሎ ዜጋ ኢዩ። ገለ ክፋል ናይቲ ኣብ መሬት ስደት ምስ በጽሐ ናብ አምባሲታት ናይቲ ስርዓት ተመሊሱ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ዝመልእ፡ ብሰሪ ትሑት ደረጃ ንቕሓቱ፡ ጠንቂ ስቓዩን ጥፍኣቱን እቲ ውልቀምልካዊ  ፋሺስታዊ  ስርዓት ዘይኮነ፡ እቶም ቀጥታ ዘጋፍዑዎ ዝነበሩ መራሕቲ ሰራዊት ጥራይ ምዃኖም  ስለ ዝኣምን እመስለኒ።  እዚ ኸኣ፡ መረዳእታኡ ንምቕናዕን ፍቕሪ ሃገሩ ንምሕዳስን ሓያል ናይ ምንቃሕ ጻዕሪ ከካይድ ከም ዘሎዎ ኢዩ ዝሕብር።  ብውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን መንእሰይ መንኮርኮር ለውጢ ምዃኑ ዘንጊዑ ታሪኻዊ ተርኡ ምስ ዘይጻወት ግን፡ ተስፋ ሃገር ከም ብልጭታ ሓዊ-ለይቶ እናረሓቐት ከም ትኸይድ ኣየጣራጥርን።  ህዝብኻ እናጠፍአ፡ ሃገርካ እናዓነወ ብውልቃዊ ረብሓ ተገዚእካ ምኻድ ከኣ፡ ይግባይ ዘይበሃለሉ፡ ጥሒልካ ዘይትወጸሉ ናይ ሕልና መቕጻዕቲ ከም ዘስዕብ ምስትውዓል የድሊ። ሕልናኻ ንፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኣረኪብካ፣ ንኣውያት ህዝብኻ ጸማም እዝኒ፣ ንጸልማት ሃገር ዕዉር ዓይኒ ካብ ምሃብ ዝዓቢ በደልን፡ ዝመጽእ ዓሚቝ ስቓይን የለን። ብናይ ሕልና  ዑረት፡ ብናይ ሓርነት ውሽጣዊ ጸልማት ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ብኣካል ደው ኢሉ ይሃሉ`ምበር፡ ብመንፈስን ብኣእምሮንስ ህይወት የብሉን። እዚ ኸኣ ልዕሊ ኣካላዊ ሞት`ዩ።

ብኹሉ መለክዒታት፡ መንእሰይ ዘይብላ ሃገር ብሩህ መጻኢ ዘይብላ ሃገር ማለት ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ርእሲ`ቲ ውሑድ ህዝባ፡ ብሰሪ ጐርፊ ስደት ማሕበራዊ ምድረበዳነት የንጸላልዋ ኣሎ። ሃገር ማለት ህዝቢ`ዩ፤ ሓመድን፡ ዕጨ እምንን ብዘይ ህዝቢ ሃገር ኪኸውን ኣይክእልን`ዩ። ስለዚ ፍቕሪ ሃገር ማለት ፍቕሪ ህዝብኻ ማለት`ዩ፤ ኣብ ሽግሩ ምፍታሕ ብግብሪ ምስ እትሳተፍ ከኣ ሓቀኝነት ፍቕርኻ የረጋግጽ። ካብኡ ተረፈ መቓልሕ ርሑቕ መዝሙር ኮይኑ`ዩ ዝተርፍ። ንዓና ንኤርትራውያን፡ ከም ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ሓዲስ ዓመት ፍሉይ ሚዛን፡ ፍሉይ ኣገድስነት ኣሎዎ። እቲ ምንታይ፡ እንዀርዓሉ መንነትና፣ እንቐስነሉ ሰላምና፣ ብርእሰ ምትእምማን እንጐዓዘሉ ሓርነትና ብሰሪ ብእንታይ ገዲሱኒ ትም ምባልና ተሰሪቕና፡ ኣብ ውርደትን መከራን ንነብር ስለ ዘለና።

ሓዲስ ዓመት ቍስልና ሓቢእና እንኣትዎ ልዳት ህይወት ዘይኮነ፡ ድኽመታትና ብግልጺ ገምጊምና፣ ንእንደልዮ ፍትሒ ብሓቅን ብትብዓትን ብግብሪ ህያው እንገብረሉ ኪኸውን`ዩ ዝግባእ። ብዘይ ግብሪ ፍትሒ ኪመጽእ ምጽባይ፡ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ፣ ድሕሪ ሕጂ`ውን ኪረአ ዘይኽእል ተኣምር ምጽባይ ማለት ስለ ዝኾነ፣ ንቕሓት ብምውናን ክንወጸሉ ዝግብኣና መዓሙ ድንቍርና`ዩ። ኣብ ቃል ጥራይ ዝተሓጽረ ድልየት ፍትሒ ምስሉይነት`ዩ። ንዘቲ! ንፍትሒ ብግብሪ ህያው ንግበራ። ምእንቲ ተዛሪብና ከነስምዕ፡ ተቓሊስና ከነድምዕ፣ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ብህዝቢ ኣገዳስነት ናይ ቅኑዕን፡ ውፉይን መትከላውን መሪሕነት ወሳኒ ምዃኑ ምስትውዓል ይግብኣና።

ስለዚ፡ ከም ኤርትራውያን፡ ናብ ውሽጥና ዕቱብ ጠመተ ብምግባር ንርእስና ክንምርምር ዝግብኣና ዝነበረ ጊዜ ብውሑዱ ርብዒ ዘመን ሓሊፉና፣  ኣብ ልዳት ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሃገራዊ ኣፈርክቡ ስለ እንርከብ፡ እቲ ንኻልእ ከነሰክሞ ዘይንኽእል ኣርዑት ታሪኻዊ ሓላፍነትና ብምቕባል፡ ብራኢ ተስፋ ተመሪሕና ንድሕነትና ብሓባር ንተዓጠቕ። እቲ ጽንዓትን ዓወትን ታሪኻዊ መለለዪና ዳግም ህያው ንግበሮ።

ፍትሒ ኪነግስ ምልኪ ይፍረስ!

ሓርነትን፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!

ስዉኣት ሓርነት ብግብሪ ይዘከሩ!!!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde January 1, 2017

    A reflective advice from a big brother we can use,I wish every Eritrean youngster had a one to one mentor like you growing up,we would have seen the Eritrea we envisioned today in full bloom.Thank you Ogbai,don’t deprive us of your hope full and invigorating at the same time humbling messages.Happy and healthy new year.

POST A COMMENT