Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድሽ ግንባር ዲፕሎማሲ

ሓድሽ ግንባር ዲፕሎማሲ ኣብዚ ቅንያት ዚ: መራሕ ናይ "ግንቦት ሸውዓተ" ዝተሰምየ: ሓደ ናይ ኢትዮጵያውያ ፓለቲካው ውድብ: ብዛዕባ ኣብ ሓንቲ ሃገር ምስ ራብዓይ ርእሱ ኮይኑ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ዑደት ጸብጻብ እናሃበ እንከሎ: ድምጹ ተቐዲሑ ናብ መርበባት ሓበሬታ

ሓድሽ ግንባር ዲፕሎማሲ

ኣብዚ ቅንያት ዚ: መራሕ ናይ “ግንቦት ሸውዓተ” ዝተሰምየ: ሓደ ናይ ኢትዮጵያውያ ፓለቲካው ውድብ: ብዛዕባ ኣብ ሓንቲ ሃገር ምስ ራብዓይ ርእሱ ኮይኑ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ዑደት ጸብጻብ እናሃበ እንከሎ: ድምጹ ተቐዲሑ ናብ መርበባት ሓበሬታ ስለዝለሓዀ: ትሕዝቶ ናይቲ ዘይተዓደምናዮ ምስጡር ኣኼባ ከም ሰብና ሰሚዕና:: እቲ መራሕ ናይታ ውድብ: ካብ መንግስቲ እታ ዝበጽሓ ሃገር ንሽዱሽተ ወርሒ መካየዲ ስራሕ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ክህቦ ከም ዝተሰማምዐ: ምስቲ ቀንዲ መራሒ ዘይኮነ: ምስ ኣብ ትሕቲኡ ኮይኑ ዝሰርሕ ሰብ ከምተራኸበ: ይገልጽ:: ወዲኡ ክማሳገን “የቐንየለይ” ምስ በለ: ኣይተመስግነና: ዘይንርእስና ኢልና ኢና ንገብሮ ከምዝተባህለ ሰሚዕና:: ንምምሕላላፍ: ናይቲ ገንዘብ ዝምልከት: 200 ሽሕ ዝኸውን ኣብ ዱበይ: 150 ሽሕ ኣብ ላንደን: 150 ሽሕ ድማ ኣብዚ ( ኣብ ኣመሪካ ስለ ዝነበር – ኣብ ኣመሪካ ማለቱ ክኸውን ኣለዎ) ክወሃብ ከምዝኾነ ገሊጹ:: ንመዓላ ናይቲ ገንዘብ ኣብ ዝምልከት ድማ: 200 ሽሕ ንኣብ ኣመሪካ ዝመደበራ መደበር ተለቭዥን ኢሳት: 200 ሽሕ ንጸጥታን ምክልኻንል: 100 ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዲፕሎማሲን ዝግበር ስራሕ ክውዕል ከምዝኾነ: ድሕሪ ምግላጹ: ኣብ መወዳእታ እታ ሃገር ኤርትራ ምዃና በጨቕ ኢልዎ:: ብዛዕባ ቀጺሉ ምትካል ናብ ኢትዮጵያ ዝጥምት ኣብ ኤርትራ ዝትከል ትራንስፎርመር ምስ ናይ ኤርትራ ወኪል ዜና (ሚኒስትሪ ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ) ማለቱ’ዩ ዝኸውን: ቅድሚ ሕጂ ዝተዘራረብዎ ነገር ከምዘሎ ድማ ይገልጽ እሞ: ኣብዚ ናይ ሕጂ እግሩ ከምዝረኸቦን ከምዘይረኸቦን ኣይገልጽን:: (ምዃን: ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ኮብሊሉ ካብ ዝሽረብ ኣዋርሕ ዝገበረ: ኣበይ ክረኽቦ? ዘየለ::) እቲ መራሕ ውድብ: መን ምዃኑ ድሮ ፈሊጥኩ’ሞ ኣለኹም: ብስሙ ምጽውዑ ምትዕብባዩ ስለዝኸውን: ስሙ ክጽውዕ ኣይደልን::

መራሕ ውድብ ቀጺሉ: ኣብ መግለጺኡ [ምስ መንግስቲ ኤርትራ] ንገብሮ ዝተወሃሃደ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕ ክህሉ ከምዝኾነ: ነዚ ንምስላጥ ትዕዝብትታትና / ሰነዳትና ከንለቓቓሕ (compare notes) ኢና: ይብል:: “ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን::” ይውስኽ:: ኣብ [ባይቶታት] ኣውሮጳን: ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካን: ኣብ ሓደ ሓደ: ማእከላት መጽናዕትን ግን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥርጣረ ከምዝሓድር ክንገብር ኢና: ይብል:: እዚ ኩሉ ድማ ንፓሊሲ ኣመሪካ ከነፋኹስ (soften) ዝብል ዕማም ከምዘለዎ: ይገልጽ:: ኣብዚ ንኹልና ንጹር ክኸውን ዘለዎ: ሓደ ክፎክስ እትደልዮ ነገር: ከሪሩ ኣሎ ኢልካ ትግምቶ ጥራይ ዩ:: መንግስቲ ኣመሪካ: ኣብ ልዕሊ ክልተ ካብዞም ሰለስተ ተዋሳእቲ (ውድብ ግንቦት ሸውዓተን: መንግስቲ ኢትዮጵያን) ዝኸረረ ፓሊሲ ኣለዎ ክብሃል ኣይከኣልን ዩ:: እቲ ዝኸረረ ፓሊሲ ኣብ ጠንቁ ብዘየገድስ: ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እዩ:: እምበኣርከስ: ዋላ ቃል ንቓሉ ኣብቲ ዝተቐድሐ ኣይሰማዕ: ንፓሊሲ ኣሜሪካ ከንፋኹስ ማለቱ: ንፓሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከፋኹስ ማለቱ ከምዝኾነ: ግሉጽ እዩ:: በዚ ክንበብ እንከሎ ጥራሕ’ዩ: እቲ ሰነዳትና ክንለቓቓሕን ዝብልን: ንርእስና ኢልና ኢና ንገብሮ ዝብልን: መግለጺ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ትርጉሙ ዝበርህ::

ሕጋውያን ሕቶታት

ኣብዚ ዝለዓሉ ሕጋውያን ሕቶታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም:: እዚ ውልቀ ሰብ ብዘይ ፍቓድ ከም ተጣባቒ ማለት ሎቢስት (lobbyist ) መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ክሰርሕ ይኽእል ድዩ? እቲ ኣብ ኣመሪካ ውድቡ እትቕበሎ ገንዘብ: መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታዊ መንገዲ ስለዘይህቦ: መጠኑ ብዘይገድስ ክሳብ ክንደይ ብመስርሕ ምሕጻብ ገንዘብ (money laundering) ዝሓለፈ ይኸውን? መደበር ተለቭዥን ኢሳት: ካብ ምንጩ ንህዝቢ ዘይገለጸቶን: ኣብ ኣመሪካ ዘይተመዝገበ ትካልን: ገንዘብ ክትቅበል ትኽእል ድያ? ምናልባት: ነዚ ገንዘብ ብኣብ ኣመሪካ እተመዝገበ ብሳልሳይ ኣካል ኣቢላ ትረኽቦ እንተኾይና: እቲ ሳልሳይ ኣካል: ከም መመሓላለፊ ገንዘብ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ነቲ ገንዘብ ግብሪ ከፊሉሉ ዶ ኣይከፈለሉን?  መን’ዩ ኸ?  መልሲ እዚ ኩሉ መቸም ደፋእ ኢልና ክንርእዮ ኢና:: ብዓቢኡ እቲ ጉዳይ ንኢትዮጵያውያንን ንኣመሪካውያንን ስለዝምልከት ግን: ነቲ ሕቶታት ኣልዒለ ጥራሕ ይገድፎ::

ድሉዋት ንኹን

እቲ ንዓይ ዘገድሰኒ ግን ዝያዳ ዓሰርተ ዓመት መመላእታ: ክንደይ ኤርትራውያን ግዚኦምን ጉልበቶምን ገንዘቦምን ከፊሎም: እከይ ግብሪ መንግስቲ ኤርትራ ንዓለም ከቃልዑ ዝሰርሑዎ ስራሕ: ሓደ ብገንዘብ ዝተዓስበ ከፋኹሶ እየ: እናበለ ኣብ ዘይምልከቶ ጦብሎቕሎቕ ክብል ክርእዮ እንከለኹ ዩ:: መንግስቲ ኤርትራ: ዲፕሎማሲያዊ ህላወኡ ኣብ ዘኽተመሉ: ስለምንታይ ንከምዚ ዓይነት ሰብን ውድቡን ከም ተማጎትቲ ምምራጾም ዘገርም የብሉን:: ብኣንጻሩ እዚ ሰብ ግን: ኣብ ዝተፈላለያ ባይቶታት ዝረኽቦ ክፉት ማዕጾ: ብኣምሳያ ገንዘብ: ንመሸጣ ብምቕራብ: ነቲ ኣብ ርእሲ መንግስቲ ኤርትራ ከሪሩ ዘሎ ፓሊሲ “ከነፋኹስ ኢና”  ክብል እንከሎ: ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ይመጻኒ:: ስለምንታይ ንዝሰራሕናዮ ከተፍርስ ትጽዕር: ስለምንታይ ዝኣከብናዮ ክትብትን ትቃለስ: እንተበልካዮ ዝተፈላለየ መልሲ ክህብ ይኽእል ዩ: እታ ንኹለን ትጥርንፈን ግን “ብዛዕባ ኤርትራውያ ድኣ መዓስ ይግድሰኒ ኮይኑ” ዝብል ክኸውን ኣለዎ:: እዚ ድማ ካብቲ ገዛእቲ ሓይልታት ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ: ኣየድልየናን ዝብሉዎ ዝነበሩ ዝፈልዮ የብሉን:: ነዚ ዘእምነና: ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘለዎ መርገጺ ኣብ 2005 ኣብ ዝነበረ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝገለጾ ሎም ውን ኣብ መርበብ ኢንተርነት ስለዘሎዩ:: ሽዑ ኣብ 2005 “ኢትዮጵያ መሬታ ክቑረሳ ትዳሎ ኣላ:: (ንውሳነ ዶብ ማለት’ዩ): ወሰናስን ዶባት ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ዩ:: ሃጸይ እያሱ: ፈረሰይ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ከይሰተየ ንግስነት ኣይቅበልን እየ ኢሉ ነይሩ: ሃይለስላሰ: ብዓቢ ድፕሎማሲ ንኤርትራ ናብ ወላዲ ሃገራ መሊሱዋ:: ወየንቲ ኢትዮጵያ ብቐሊል ባሕሪ ትረኽበሉ ዕድል ረኺቦም ነይሮም ግን ኣብዮም” (ንዂናት ዓሰብ 2000 ማለቱ እዩ) እናበለ ዝጎስጎሰ ሰብ ዩ::ከሲቡሉን ተዓዊቱሉን ድማ’ዩ:: ነዚ ብመብጽዓ ኩናት ዝጎስጎሶ ጎስጓስ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከም ዓወት እዩ ዝጽብጽቦ:: ካብ ሽዑ ንንዮ ነዚ ሓሳብ እዚ ምስ ግዝየ ከምዝለወጦ ዘርእይ ነገር የለን:: እኳ ድኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ: “ኣይንዋገየሉን ኢና” ክብል ደጊሙዎ እዩ:: ስለዚ ኣብ ታስኪን ስርኡ ሒዝዎ ዘሎ ኣጀንዳ ምዃኑ ነቶም ንዕዘብ ግሉጽ’ዩ:: እቲ ክበርሃሉ ዘለዎ ግን: ኣጀንድኡ: ኣብ ታስኪን ስርኡ ከይወጸ ክበሊ ምዃኑ’ዩ:: እቲ ምንታይ: ኣሽንኳይ’ዶ ሎም: እቲ ቀደም’ኳ ክሳብ ኣፍንጭኦም ዝተዓጥቁ ኣያታቱ ንክብሪ ውህደት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ክሒዶም ኣብ ዝበጽሑዎ ዘይነበሮም: ሎም ኣብዚ መበል 21 ክፍለዘመን: መራሕ ናይ ሓንቲ እተወራረቐ ቃላት ኣብ ባይቶታትን መናብራትን ናይ ምቕራብ ክእለት ጥራይ እትውንን ጥፍረሪያ ውድብ ንክብሪ ህዝብታት እናኸሓደት ኣብ ትበጽሖ ኣይህልዋን’ዩ:: በዚ እምበኣር’ ዩ ኤርትራ ገንዘብ ህዝባ እምበር: ስቓይ ህዝባ ኣይግድሰናን እዩ ክብለና እንከሎ: መምዓልትና ‘ለና ኢልና ንሓልፎ:: ካብ ዝንቡዕ ታሪኻዊ ኣረዳድኡኡ ብምብጋስ: ወይ ድማ ንመወልቱ ንምትዕብባይ ኣብ ዝገብሮ ሃቐነ: ንቓልስና ኣብ ተጻባኢ ዝኾነ ባይታ ደው ክብል ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ:: በዚ መረዳእታ ዝገብሮ ስራሓት ድማ: ንቓልስና ኣየጎናድቦን ወይ ኣይዕንቅፈናን ማለት ኣይኮነን:: ስለዚ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ድኹም ወስታ ክውርውረልና: ብኩሊት  ክጎጥየና ስለዝኾነ ድሉዋት ክንከውን ኣድላይ እዩ::

ካብቲ ናይ ክሳብ ሎም ወስታታቱ እምበኣር: እታ ብገንዘብ ህግደፍ ከም ትምወል ዝተረጋገጸላ: መደበር ተለቭዥን ኢሳት ንጸይቀ ግንንቲ ጓል ሕድርትና ሶፍያ ተስፋማርያም ዝሃበታ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዕድል ሓደ መርኣያ እዩ:: ሰዓት መመላእታ: ዘይኮኑ ናይ ሓሶት መናፍሕ ክትዝርግሕ እንከላ: ጋዜጠኛ ኢሳት ጥቁው ሕቶታት ክሓታስ ይተረፍ: ኣብ መናፍሓ ክተሓጋገዛ ርኢና “እንታ’ዩ ጉዱ እዚ ነገር” ዝበልናዮ: መልሱ ሎም በሪሁልና:: ከፋሊት ደሞዙ ክሳብ ዝኾነት: እንታይ ክብል ወሪዱዎ::

መዓስ ዝጀመረ ዝምድና ዩ ዚ

ክሳብ ክንድዚ ይኸይድ ኣይበልናዮን እምበር: ምልክታታት ካብ ዘርእዩ: ሓያለ ኮይኑ እዩ:: ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን: ማደቦ ዝተባሃለ: ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ: ኣብ ኦክላንድ ኣብ ዝተገብረ ፈስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ ምዕራብ ኣመሪካ: ከም ናይ ክቡር ዕዱም ኮይኑ ብምቕራብ ዘስምዖ መደረ: ኣብ ንእስነተይ ኣብ መንጎ እንዳ ማርያምን መስጊድ ዓብን ዘሎ ከባቢ ይቕመጥ ነይረ ድሕሪ ምባሉ: ዝርዝር ኣስማት ዝውዕለሉ ዝነበረ ባራት ድሕሪ ምዝርዛር: እቲ ላሕ ኣቢሉ ዘረብረበና: “ኣንድ ናችን: ወንድም ናችን” ዝብል ሃበስ ቀደስ: ምስ ደጋገመ: ኣብ ግዝየ ሕቶ መልስን: እታ ኣብ ታስኪን ሓለቑኡ ዘላ ኣጀንዳ “ፈተነ: ሓደ ክልተ ሰለስተ” ኢሉ: ነግ ፈረግ እናበለ ፈነዋ: “ውድብና ንናጽነት ኤርትራ ይቕበል’ኳ እንተኾነ: ውድብና ወኪል ህዝቢ ኣይኮነን: ሕልፊ ዘለዎ ታሪኻዊ ሓድነትና ግን ኣብ ቦትኡ’ዩ:: እናበለ: ኢሉ ጸግዒ ጸግዒ ክሓልፍ ፈተነ:: ነዚ ኣዘራርባ’ዚ ዋላ’ኳ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ እንተጣቕዑሉ: እቶም ዝተረፍና ቀርቀብ ከምዘበልናያ: ክፈልጥ ይግብኦ:: ሎም ኣብ 21 ክፍለዘመን: ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ውዱእ ነገር (fait accompli) ክውሕጡ ዘይከኣሎም: ከም እተሰብረት ሰዓት: ሓንጎሎም ኣብ ሰማንያታት: ምናልባት’ውን ቅድሚኡ: ደው ዝበሎም: ምስ ግዝየ ክጎዓዙ ዘይክኣሉ: ንፓለቲካ በቲ ተፈቲኑን ሰብ ለኪሙን ዝወደቐ ታሪኻዊ-ነገርነት ጥራሕ ዝትንትኑ: ምህላዎም የሕዝን:: ምርጭኦም: ብምዃኑ ግን ንውስኸሎም ነገር የብልናን:: ምስቲ ንምድቋስ ህዝብና ከይደኸመ ዝሰርሕ: ክተሓጋገዙ ክንር እዮም እንከለና ግን: ፈላሊና ክንር እዮም ክንሽገር ኢና::

ሃደሽደሽ ሞራላዊ ባይታ

ናብ ኣርእስትና ምስ ንምለስ ግን: መራሕ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ: ድሕሪ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መደርኡ: ኣብ ዘሎ ቁሩብ መዓልታት’ዩ: ኣብ ባይቶ ኣመሪካ: “ፈላጥ ምስክር” ኮይኑ ብምቕራብ ብዛዕባ ፓለቲካው ኩነታት ኢትዮጵያ ትንታነ ዝሃበ:: ከም ኤርትራዊ: እቲ ውሽጣዊ ፓለቲካ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ስለዘይምልከተኒ ኣብኡ ብዙሕ ክብል ኣይመርጽን:: እቲ ንመምዘኒ ዝተጠቀመሉ: ሓርነት ፕረስ: ሓርነት እምነት: ምርጫታትን ካልእን ዝብል ኣርእስታት ግን: ኣድማሳዊ ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ክብል:: ቅድሚ ኩሉ ግን: ንመራሕ ውድብ: ሓደ ኣድማሳዊ ሕቶ ኣልዒልሉ ዝምጉት: ብኣድማሳዊ ተጻይን ዓማጺን ናይቲ እምጉተሉ ኣለኹ ዝብሎ ሕቶ እናተደገፈ ምስዝቐርብ: እቲ ደው ዝበለሉ ሞራላዊ ባይታ ሃሚሙ ንታሕቲ ሸለው ከምዝብል: ከመይ ኣቢሉ ተሰዊሩካ ኢለ ክሓቶ ምደለኹ:: እቲ መልሱ ግን: ፍሉጥ እዩ: ምኽንያቱ: መራሕ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ: ኣብ ርእሲ’ቲ ውድባዊ ስልጣኑ: ኣብ ሓደ ትምህርታዊ ትካል: ከም መምህር ዝሰርሕ: ቅድሚ ስሙ ዶክተር ዝብል ደረጃ ትምህርቱ ዝገልጽ ቅጽል ዘለዎ: ኣብ ፓለቲካ ብዙሕ ዝብልን ዝጽሕፍን: ይጥቀሙ ኣይጥቀሙ ሰዓብቲ ዘለውዎ ብምዃኑን: እቲ ተሰዊሩካ ንብሎ ዘለና: ርግጽ ተሰዊሩዎ ዘይኮነስ: ገጹ ጠውዩ: ካብ ምርኣዩ ክሃድም ዝፍትን ዘሎ ናይ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዩ::

ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው ንዝበልካዮም ውጹዓት: ብዋጋ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው እሱራት: ግፉዓትን: ዓዶም ገዲፎም እተሰደዱ ከተድሕን ምፍታን ግን: ነቲ ካብ ኢትዮጵያውያን ክመጽእ ዝኽእል  ቅቡል ሕቶ በለቕ ለኽዩ ዘውድቕ: ነቶም ኤርትራውያን “ብዛዕባኹም: ኣነ መኣስ ይግድሰኒ” ኢሉ ዝንዕቕ ኣካይዳዩ:: ነቶም ርሕቕ ኢልና እንዕዘብ ግን: እንተወሓደ ወሓደ እቲ ጉዳይ: ናይ መትከል ከምዘይኮነ: ኣዝዩ ይበርሃልና:: ኣይፋልናን: ዝምድናና መተከላዊ ዝብሉ: እንተኾይኖም: ትማል ትማል ኣብ 2005: ኣብ ጉዳይ ዶብ: ኣብ ወሰን ዶባት ኢትዮጵያ: ጉዳይ ዓሰብ: ኣብ በበይኑ ረጊጾም ዝነበሩ: ሎም መትከልና ሓደ’ዩ እንተበሉ: መልስና: ከም ሓደ ኣመሪካዊ መምህር ዝብሎ: “ሓቅኹም ለይቲ ኢና ተወሊድና: ግና ትማል ለይቲ ኣይኮናን ተወሊድና’ዩ”::  ወይ ድማ ህግደፍ: ኣብ ዋንነት ባሕሪ ኤርትራ ዝነበሮ መርገጺኡ ከም ናይ ግንቦት ሸውዓተ ገይሩዎ እዩ:: ሰብ ምስተጨነቐ: ዘይገብሮ የብሉን::

ጥቕሚ ህግደፍ’ዶ ጥቕሚ ኤርትራ

ብሓቂ ግን: ህግደፍ ንልኣላውነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝጣበቕ እንተኾይኑ: ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ: እንተስ ብዓሌታዊ ትምክሕቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን: እንተስ ብክቱር ድልየት ምጭባጥ በትረ ስልጣን ኣብ ሃገሮም: ንታሪኽ ረጊጾም: ነቲ ቀይሕ ደም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተኸፍለሉ ቀይሕ ባሕሪ: ፈረስና ማይ ከይሰተየሉ ኣይንድቅስን እናበሉስ: ንምንታይ ይሓቑፎም:: ንምንታይ’ከ ካብ ኣፍ ጥሙያት ኤርትራውያን ኣሕዲጉ ይቕልቦም:: መስደመም እዩ:: እዞም ምስ ሰወዱ: ካልእ ኩናት ከም ዝኸፍቱልና ከይሓፈሩ ዝዛረቡ: ብንኡሶምን ብሩሑሶምን እንከለው: ነቲ ቕድም ኢሎምዎ ዝነበሩ ክልውጡዎ ከይሓተተ (ወይ ውን ብዘለዎ ጽልዋ ከይቀሰበ) ከተርንዖምን ከሰውዶምን ንጥቕሚ መን ዩ:: ምሕቋፎም ጥራይ ግን ኣይኮነንስ ዘገርም: መጠን እቲ ዝተሰልዓሎም ገንዘብ ውን ኣዝዩ ይገርም:: ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ: ብውሑዱ ዕስራ ሚልዮን ናቕፋ ብናይ ሎም ሸርፊ:: ኣብ ዓመት ድማ ኣርብዓ ሚልዮን ማለትዩ:: እዚ: ክንደይ ኣብ ሲናይ ዝተታሕዙ ቆልዑ መድሓነ:: ክንደይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት: ኣጣይሱ ስራሕ መጀመረ:: ንኽንደይ ዝተረፉ’ኸ ደሞዝ ምኾኖም:: ተገሪምኩም’ዶ: ድምጹ ተቐዲሑ: እንተዘይሰምዖ: ብሓቂ ኣነውን ኣይምኣመንኩዎን:: እዚ ባንክታትን ጥራዩ ጸኒሑና ኢሉ ክልምን ልብና ዘጥፍኣልና መንግስቲስ: ነቶም ሃገርነትና ዘይኣምኑ ሰባት ክንድዚ ከጥፍእ እንከሎ: ኣይናጥዕናን::

እቲ ጉዳይ ግን ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ’ዩ: እዚ ገንዘብ እዚ ግን: መንግስቲ ኤርትራ: ካብ ስድራ ድኻታት ሓምሳ ሽሕ ኣምጽኡ ኢሉ ዝኣከቦ ገንዘብ እዩ:: ብናጻ ጉልበት መሳኪን ፈርዩ ካብ ዝተሸጠ ዝመጸ ኣታዊ እዩ:: ካባና ሰሪቑ ንህልውና ሃገርና ዘይቅበሉ: ጽባሕ እንተጥዒምዎም ኲናት ከምዝኸፍቱልና ዝመባጽዑ ክህቦም እንከሎ ድማ የስደምመና:: ካባና መንዚዑ: ትምህርቲን ሕክምናን ይሰርሖ እንተዝበሃል’ሲ: ሓካይምን የለውን: መምሃራን’ውን የለውን: እንተወሓደ ግን እቲ እንተሃንጸ መናድቕ: ኣበይ ከይከይድ ምስተኣከብናን ምስረሃወን ቆልዑ ይመሃሩሉ: ህዝቢ ይሕከመሉ: ሓንትስ ቅብሊት ድኣ ኣምጽኡ ምበር ድሓን ኢልና ትም ምበልናዮም:: ቅብሊትና ግን ገንዘብና ንመሐመሲ ዓድ ሃገር ከም እተዘርወ ብእንተርነት ምስማዕ ኮይኑ::

ዘረባ ክልተ ሰሚዕካ ፍረድ

መቸም: “ዘረባ ክልተ ሰሚዕካ ፍረድ” ዝብል ልቢ ኣቦታትና ክኸብር ስለዘለዎ: ምናልባት እዚ ቅዳሕ ድምጺ ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ: ተሰኒዑ ከይከውን ኢልካ ምጥርጣር’ውን ግቡእ’ዩ:: ዘዝተደርበየ ዋና ዘይብሉ ክስታት ክንኣምን ግቡእ ስለዘይኮነ: ዋላ ሕሉፍ ግብሮም ተኣመንቲ ኣይግበሮም: ሚዛናዊ ገምጋም ክህልው መታን: እቶም ስሞም ተጸዊዑ ዘሎ: መንግስቲ ህግደፍ ይኹኑ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ እንታይ ይብሉ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ’ዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲስ ኣብ ትዝርጋሕ ራዲዮ: መራሕ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ ቁሩብ ሸንኮለል ድሕሪ ምባል: እወ ተቐቢልና ክብል ኣሚኑ ዩ:: ብሕጂ ውን እንተተውሲኹና ክንቅበል ኢና ይብል:: ከምቲ ኣብቲ ጸብጻቡ ዝተሰምዖ: እቲ ኣቀራርባ ባጀት ፍርቂ ዓመታዊ ስለዝኾነ: ብድሕሪ ሕጂ ንዝለዓል ሕቶ ኢሉ ዘዳለዎ ጎራሕ መልሲ ክኸውን ይኽእል ዩ:: ብወገን ህግደፍ ግን: ኣብ መንቀራቕሮ ኣድብዮም ድሕሪ ምጽናሕ: ድማ ብሓድ “ረድ ሲ ፊሸር” ዝብል ጸሓፋይ ኣቢሎም መልሲ ሂቦም ኣለው:: እታ ጽሕፍቲ ካብ ድሃይ ጀሚርካ: ኣብ ዝተፈላለያ ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾና መርበባት ክትዝርጋሕ ቀንያ ኣላ:: ጸሓፊኣ “በል” ዝተባህለ ዝበለ እዩ ዝመስል:: ጽባሕ እታ ጽሕፍቱ: መራሕ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ “ያያ: ተቐቢልና ኢና” ኢሉ ኣፍሺሉዎ እዩ:: ጸሓፊ ግን ለሚዱዎ እዩ ዝመስል: ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ኣብ ጥሪ 21 ዘጋጠመ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበረን ምስ በለ: ኣይ ሰሙን ኣይ ሳልስቲ: ባዕሉ መራሕ ህግደፍ ኣፍሺሉዎ እዩ:: እቲ ንሜሮን እስቲፋኖስ ንምዝላፍ ዝጸሓፎ: መን ከምዘፍሸሎ ህዝቢ ይመስክር:: ተሓጓሚ እክንከሎ ተሓዝ ልቢ: ከምዝበሃል – ጓል ሕድርትና ትም ኢላ እንከላ: ሓሻካ ሰንኮፍ ረጊጹ ክመላልሰን ክትርእዮ እንከለኻ የሕዝን:: ኣብ እግሪ ጓል ሕድርትና ከም ሕዋር ሕልኽልኽን ንኽብል ክፍቀድሉ: ጽሑፋቱ ብመርበብ ህግደፍ ክዝርጋሓሉ: ከም ሽልማት ቆጺሩ: ኣእምሮኡ ኣብ ብያቲ ገይሩ ዘረከበ ሰብ:: እቲ ካልእ ድማ – ድማ ጽሒፋ ትህቦ ትኸውን:: ክልተኡ ኣይግርምን:: ንሱ ዝሃቦ መልሲ ብዘይ ባርኾት ህግደፍ’ዩ ወጽዩ ዝብል ግን: ፍጹም ቅቡል ክኽውን ኣይክእልን:: በዚ ኮይኑ በቲ: መልሲ ህግደፍ: ወይ ውጹእ ክሕደት – ብዝተመስከረሎም ከሓድቲ: ወይ ድማ እቲ ኢድ ብኢድ ክተሓዙ እንከለው “ትም ምባል” ዝብሉዎ ፓለቲካው ድቀት ኮይኑ ኣሎ::

መደምደምታ

እቲ ገምጋም ኩልና ግን: ብሓደ ብገንዘብ እተዓስበ ኣቢሉ – ሓድሽ ግንባር ዲፕሎማሲ ከፊቱልና ከምዘሎ ምርዳእ እዩ:: እዚ ዕሱብ እዚ: ሎም ብዘይሓሰቦ ስልኳ ብመቕድሒ ድምጺ’ኳ እንተተገርሀ: ጎራሕ ኣቀራርብኡ ሸለል ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን:: እንተስ ንልምዓት እንተስ ንጥፍኣት የውዕሎ ብዘየገድስ: ጨለነቱ ውን ኣይከሓድን:: እቲ ፈጢረዮ ኣለኹ ዝብሎ ዘሎ ዝምድና ውን ብሸለልታ ዝርኣ ክኸውን የብሉን:: ብኣማላድነት: ንሱን ውድቡን: ንመንግስቲ ኤርትራ ምስ ገለ ኣመሪካውያን ከቀራርብ ከምዝፈተነ ዘይተጨበጠ ሓበሬታታት ኣሎ:: ብናቱ ጻዕሪ ድዩ ብናይ ካልእ ዝምድና ህግደፍን ኣመሪካን ኣብ ገለ ደረጃ ዝበጽሐ ይመስል::

እቲ መራሕ ውድብ ምስ ማእከላት መጽናዕቲ ርክባት ኣለና ዝብሎ ዘሎን: ጉጅለ ክራይስስ ግሩፕ: ብዛዕባ ማዕቀብ ኤርትራ ክግምገም ዝብል ዘውጽኦ መግለጺ: ምስቲ ኣብ ግዝየ ሞት መለስ እቲ ጉጅለ ክራይስስ ንመደበር ኢሳት ዘልሓኾ ሓበሬታን: ህግደፍ ኣብቲ መጽናዕታዊ ትካል: ናይ ናይሮቢ ቤት ጽሕፈት ኣስሊኹዎ ክኸውን ዝኽእል ኣምባሳደሩ ነበርን: እቲ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ዝነበረ ዘተ ዝተዋህቦ ቴማ ምስቲ ብጉጅለ ክራሲስ ግሩፕ ኣብ ዓሚ ነሓሰ ዝወጸ ጸብጻብ ዝተዋህበ ኣርእስቲ ሓደ ምዃኑ: ናይ ኣጋጣሚ ድዩ ወይ እተደርሰን ኣብ ልቢ ሰባት ክስቆር ዝተደለየ ክደጋገም እተደልየ ኣርእስቲ እዩ:: በቲ ኣርእስቲ እቲ ዝጥቀም እቲ ንነብሱ ከም ኣማራጺ ገይሩ ከቕርብ ዝፍትን ህግደፍ ይኽእል’ዶ ኢልካ ምሕታት ነውሪ ዘለዎ ኣይመስለንን::

በዚ ኮይኑ በቲ: ከም ኩሉ ግዝየ ስራሕና ኣብ ምውዳብ ኤርትራውያን ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ክንሰርሓሉ ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ: ነዚ ሓድሽ ግንባር ዲፕሎማሲ: ብብቕዓት ክንገጥሞ ሓላፍነት ኩልና ዩ::

Biko

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • New Hope Eritrea July 5, 2013

    Dr Berhanu is a business man doing his thing,at the same time ,helping Isaias become the leader of ethiopia prior 1991.

  • tekle July 5, 2013

    It is amazing !people of Eritrean knew what they heading this Gangs,PFDJ.

POST A COMMENT