Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድሽ ፕረዚደንት ጋምብያ ኣዳማ ባሮው ፕረዚደንታዊ መሪሕነቱ ንምጅማር ካብ ጎረቤት ሃገር ናብ ጋምብያ ተመሊሱ።

ኣብ ጋምብያ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ድሕር ምዕዋቱ ብዝተኽስተ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ጎረቤት ሃገር ተዓቚቡ ዝጸንሐ ሓድሽ ፕረዚደንት ጋምብያ ኣዳማ ባሮው፣ ፕረዚደንታዊ መሪሕነቱ ንምጅማር ብክብ ዝበለ ህዝባዊ ኣቀባብላ ተዓጂቡ ሎሚ ሓሙስ 26 ጥሪ ሃገሩ ከምዝተመልሰ

ኣብ ጋምብያ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ድሕር ምዕዋቱ ብዝተኽስተ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ጎረቤት ሃገር ተዓቚቡ ዝጸንሐ ሓድሽ ፕረዚደንት ጋምብያ ኣዳማ ባሮው፣ ፕረዚደንታዊ መሪሕነቱ ንምጅማር ብክብ ዝበለ ህዝባዊ ኣቀባብላ ተዓጂቡ ሎሚ ሓሙስ 26 ጥሪ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣረጋጊጸን።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ ኣጋጣሚ ብህዝቢ ጋምብያ ዝተገብረሉሉ ምዉቕ ኣቀባብላ፣ እታ ድኽነት ዘጥቅዓ ንእሽቶ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተስፋ ብሩህ መጻኢ ከምዘለዋ ዘመልክት ምዃኑ  ዘ ጋርድያ ጠቒሱ።

ባረው ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ‘ታ ሃገር ኣብ ዝኣተወሉ ኣጋጣሚ ንዝተቐበሉዎ ኣማኢት ደገፍቱ፣ “ሕማቕ ዘበን ጋምብያ ኣብቂዑ እዩ” ክብል ሓጎሱ ከምዝገለጸሎም እቲ ዜና ብተወሳኺ ይሕብር።

ምምላስ ኣዳማ ባሮው ኣብታ ሃገር ከንጠጢ ንዝወርሐ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከተመ ገይሩሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጋምብያ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ እቲ ን 22 ዓመታት ዝመርሐ ያሕያ ጅምዕ ከይተጸብዮ ዘጋጠሞ ስዕረት ክወሓጠሉ ስለዘይከኣለ፣ ፈለማ ንዘርኣዮ ናይ ምቕባል ወስታ ቀይሩ ካብ ስልጣን ምውራድ ድሕሪ ምሕንጋዱ፣ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ከምዝቐነየ ይፍለጥ። ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዘካየዳኦ ወተሃደራዊ ጸቕጢ እቲ ውልቀመላኺ ስዕረቱ ተቐቢሉ ስልጣን ክገድፍ ስለዝተገደደ ግን እቲ ኣብ ምርጫ ዝተዓወተ ወዲ 51 ዓመት ኣዳማ ባረው ናብ ሃገሩ ክምለስ በቒዑ ‘ሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT