Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር ጽምብል ባሕቲ መስከረም ብዓቢ ድምቀት ተባዒሉ

ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር  ጽምብል ባሕቲ መስከረም ብዓቢ ድምቀት ተባዒሉ   ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር  ዝዳለዎ  ድሙቕ ጽምብል መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ከተማ ማንቸሰተር ተባዒሉ። እዚ ብዙሓት መንእሰያትን

ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ

ዓባይ ማንቸስተር  ጽምብል ባሕቲ መስከረም ብዓቢ ድምቀት ተባዒሉ

 

ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር  ዝዳለዎ  ድሙቕ ጽምብል መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ከተማ ማንቸሰተር ተባዒሉ።

እዚ ብዙሓት መንእሰያትን ኣቦታትን ኣዴታትን ደለይቲ ፍትሒ ዝተሳተፍዎ ብዓል ብዉዕውዕ መንፈስ  በቀዳም 06-09-2014 ኣብ ትሕቲ ‘ሓድነትና ቀዳማይቲ ስጉምቲ ጉዕዞ ዓወትና’ ዝብል ቴማ ዝተበዓለ ጽምብል ብጅግንነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን ከምእዉን ተራ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምትግባር ቁዱስ ዓላማታት ባሕቲ መስከረም ዝሓዘለ ጽሑፍ ብትግርኛን ብዓረብን ብምቕራብ እዩ ተኸፊቱ። ብምቕጻል ብክብርቲ ዶ/ር ሳራ ዕቕበ ን ብክቡር ዶ/ር ኢብራሂም ስራጅን ኣብ ሓድነት ዘተኮረ ዓቢ ቁምነገር ዘለዎ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ መንጎ መንጎ እቲ ፕሮግራማት ብዝተፈላለየ ቛንቛታት ነቲ በዓል ዘሰንዩ ግጥምታትን ንመንፈስ ተሳተፍቲ ዘሕድሱ ሰውራዊ ድርፍታትን  ቀሪቦም።ብምቕጻል እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ቃልሲ ምዃኑ ንምርኣይ፤ ክልተ ኣቦታትን ክልተ መንእሰያትን ነታ መዓልቲ ንምምዕራግ ዝተዳለዎት ቶርታ ሓቢሮም ቆሪሶም።

ኣብ መወዳእታ እታ ዉርይትን እዋናዊት ዝኾነት ፊልሚ “ስዉእ ተዛሪቡ” ንታዓዘብቲ ብምቕራብ እቲ ፕሮግራም ተዛዚሙ።

 

ባሕቲ መስከረም ንዘልኣለም ትዘከር!

ዘልኣለማዊ ፍትሕን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ !

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና !

ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር

 
احتفال ذكرى الفاتح من سبتمبر بمدينة مانشستر الكبرى

قام اتحاد الشباب الاريتري من اجل التغير الديمقراطي بمدينة مانشستر الكبرى بإقامة احتفال الفاتح من سبتمبر في يوم السبت الموافق ٢٠١٤/٠٩/٠٦ بحضور جماهير غفيره من الشباب و الآباء و الأمهات الراغبين بالتغير الديمقراطي بالوطن الحبيبب بعزيمه و إصرار. وكان شعار الحفل (وحدتنا هي اول خطوه في مسارنا الى النصر)
وفي هذه المناسبة قدمت خطب عده تتماشى مع عظمت هذا اليوم التاريخي و تعبيرا لدور الكبير و البطولي الذي لعبه ابو الشهداء حامد ادريس عواتي، و نبذه عن تاريخ النضال الاريتري و دور الشباب لتفعيل هذا الهدف النبيل.
ثم قدمت محاضرات قيمه توضح أهمية الوحدة و التلاحم من قبل الأخت الفاضلة الدكتوره سارة عوقباي و الاخ الفاضل الدكتور ابراهيم سراج. وخلال برنامج الحفل قدمت مقطوعات شعريه متنوعة و بلغات مختلفه تنسجم مع روح هذه المناسبة العظيمه. وكان هناك أيضاً أغاني و أناشيد ثوريه تعزز و تجدد معنويات الحضور و تبلور نضالنا ضد النظام الإجرامي وهذا هو واجب  على كل ارتيري شريف. كما قدمت تورته (كعكه) وتم تقطيعها من قبل اثنين من الآباء و اثنين من الشباب تعبيرا على ان النضال يشمل جميع الفئات الارتريه.
و في الختام تم عرض الفيلم الشهير و الحديث (نطق الشهيد).

عاش الفاتح من سبتمبر
العدالة و الازدهار الأبدي للشعب الاريتري

المجد و الخلود لشهدائنا الأبرار

اتحاد الشباب الارتريين من اجل التغير الديمقراطي بمدينة مانشستر و ضواحيها

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Mesinas September 10, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት ደለይቲ ፍትሒ ዓባይ ማንቸስተር፡ ስለቲ ዘካየድኩሞ ሓድነታዊ ዝኽሪ ጽንብል ሳህር (ባሕቲ) መስከረም ዕዙዝ ምስጋናይ እናኣቕረብኩ፡ ከምቲ ኣብ ጽሑፍኩም ገሊጽኩሞ ዘለኹም፡ሓድነት መሰረት ኩሉ ዓወት ሙዃና ተረዲእኩም ብምትእኽኻብኩም ኣባኻትኩም ዘሎኒ ክብርን ኣድንቖትን እናገለጽኩ ደጊመ ከመስግነኩም እፈቱ። ኣገናዕ! ሃበርም እዞም ኣሕዋተይ! ስመሩ! በርትዑ!

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት መንእሰያት ኤርትራውያን፡ ነዛ ናይ ሓድነት ብስራት ዝሓዘት ጽሑፍኩም ብተሓጓስን ብተመስጦን ክነባ ከለኹ፡ እዘን ዝስዕባ ናይ ቃላትን ናይ ፊደላትን ጉድለታት ተዓዚበ’ሞ ከምቲ ግራት ሰነፍ ሓረስታይ ጻህያይ ተወሪሩ ዝረኣየ ዓዃይ፡ ንክጻህዮ ኣእዳዉ ዘስሕዮ፡ ኣነውን ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍኩም ገለ ጉድለታት ብምርኣየይ ንእግረ መገደይ ገለ እርማት ክገብረላ ሕልናይ ስለ ዚገደደንስ ጉድለታት ክእርም ፍቐዱለይ?

    መንእሰያትን ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ መንእሰያት፡ ኣቦታትን ኣደታትን
    ዝዳለዎ፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ዘዳለዎ ምኽንያቱ፡ ዝዳለዎ ካልእ ናቱ ትርጉም ስለ ዘሎዎ። ዝዳለዎ ማለት ኣነ ዝቕረቦ፡ ዝዳለወሉ ማለት’ዩ።
    ኣዴታት፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ኣደታት ምኽንያቱ፡ ኣደ ኢልና ኣደታት’ምበር ኣዴታት ኣይንብልን ኢና።

    ብዓል፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ በዓል ምኽንያቱ፡ ብዓል እከለ ወይ እኒ እከለ ንምባል ኢና ንጥቀመሉ፤ ንጽንብል ወይ ንድግስ እንተ ኮይኑ ግን በዓል ኢና ንብል።
    በቀዳም፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ብቐዳም ኪጽሓፍ ኔሩዎ።
    ዝብል፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ዚብል ምኽንያቱ፡ ንሳልሳይ ኣካል ስለ ዘመልክት።
    ከምእውን፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ከምኡውን ምኽንያቱ፡ ፈላሊና ክንጽሕፎ ከለና ከምኡ እውን እዩ ዚጽሓፍ። ኣብ እውን፡ ከምዚ፡ ከምቲ፡ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ኣመልከትቲ ቃላት፡ ብብዝሒ ስለ ንጥቀመሎም ጭረት (‘) ኣይነአቱን ኢና። ኣልጊብካ ኪጽሓፉ’ዩ ዚምረጽ።

    ቁዱስ፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ቅዱስ ኪጽሓፍ ኔሩዎ።
    ዕቕበ፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ዕቚበ ኪጽሓፍ ኔሩዎ።
    ቁምነገር፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ቁውም ነገር ኪጽሓፍ ኔሩዎ። ምኽንያቱ፡ ቁም ነገር ዚብሃል ብኣምሓርኛ እንተዘይኮይኑ ብትግርኛ የለን!

    ዘለዎ፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ዘሎዎ ኪጽሓፍ ኔሩዎ። ምኽንያቱ፡ ዘለዎ ማለት ኣብ ሓደ ቦታ ምህላው ከመልክት ከሎ፤ ዘሎዎ ማለት ከኣ ሓደ ነገር ምውናን’ዩ ዘመልክት።
    ዝተዳለዎት፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ዝተዳለወት ኪጽሓፍ ኔሩዎ።
    ቆሪሶም፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ቈሪሶም ኪጽሓፍ ኔሩዎ።
    ንታዓዘብቲ፡ ብከምዚ ኪጸሓፍ ይግባእ፥ ንተዓዘብቲ ኪጽሓፍ ኔሩዎ።
    ፕሮግራም፡ መደብ ኪብሃል ኔሩዎ። ምኽንያቱ፡ ፕሮግራም ትግርኛ ኣይኮነን።

    ዝኸበርኩም ኣዳለውትን ጸሓፍትን’ዚ መደብ ሓደራ ኣብ ቋንቋና ዘሎኩም ተገዳስነትን ጥንቃቐን ኣዕብዩ። እዚ ዝረኣኹሞ ጉድለታት ንከምዚ ከማይ ትርጉሙ ስለ ዝርደኣና ነቢብናዮ ጥራይ ክንሓልፍ ንኽእል ኢና። እቶም ናይ ትግርኛ ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣሕዋትናን ደቅናን ግን ክመሃሩዎ’ዮም። ብከምዚ እንተ ተማሂሮሞ ከኣ ጌጋ’ዩ። እዚ መንነትናን መግለጽ መንነትናን ዚኾነ ቋንቋና ሓደራ ብቐሊል ከይርአ! ሓደ ሰብ እንግሊዝኛ ወይ ዓረብኛ ስለ ዚኽእል ንልምድን ባህልን ብሄረ ትግርኛ ኪገልጾ ይኽእል’የ እንተይሉ፡ እብለኩም ኣለኹ ብፍጹም ከምዘይኮነሉ! ነፍሲ ወከፍ ባህልን ልምድን በቲ ናቱ ቋንቋን ላህጃን ጥራይ እዩ ብልክዕ ኪግለጽ ዚኽእል!

    ካልእ ከም ሓበሬታ ንእግረ መገደይ ከዘኻኽረኩም ዝደሊ፥ ሓደራ ካብዚ ስርዓት ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ይምሰል ናይ ቋንቋ ማዕርነት ተገላጊልኩም፡ ከይተሰከፍኩም፡ ነቲ እትደልዩዎ መልእኽቲ በቲ ሃገራዊ ቋንቋ ኤርትራ፡ ብትግርኛ ኣማሓላልፉዎ። ኣይፋል ሃገራዊ ቋንቋ ኩናማ ወይ ናራ ኪኸውን ኣለዎ እንተ ተባሂሉውን ግርም! ሃገራዊ ቋንቋና ኩናማ ይኹን! ብከምዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ግን ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ እንተዘይኮይኑ ብግብሪ ከስርሕ ኣይክእልን’ዩ። ዓረብ ካብቲ ኣብ መበል ታሽዓይ ደረጃ ዚስራዕ ቋንቋ’ቶም ድሒሮም ካብ ሱዕዱያን የመንን ዝመጹ ብሄረ ራይሻይዳ ሙዃኑ’ዩ ዝፍለጥ!

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ቋንቋ ዓረብ ብስርዓት ህግደፍ ማንታ ትርግኛ ንሓንሳእ ድማ በዅሪ ኮይኑ ኣብ ኩሉ ኪጽሓፍን ኪንበብን ይርአ ኣሎ። ብፍላይ ህግደፍ፡ ንገለ የዋሃት ኣመንቲ ምስልምና ኣሕዋትና ንምትላል ኢሉ፡ ዋላ 50 ዝኾና ቁንናት ኣንስቲ ብሄረ ትግርኛ ኣኪቡ፡ መልእኽቱ ብትግርኛን ዓረብን’ዩ ዘንብበለን ዘሎ። እዚ ነቲ ቋንቋ ዓረብ ዘይፈልጥ ጋን ዚኾኖ፡ ነቲ ትግርኛን ዓረብን ዝፈልጥ ድማ ድግማ ዚኾኖ ዘሎ ኣህላኺ ግዜን ጉልበትን ኣካይዳ’ዩ! ከምቲ ግእዝ ንሃይማኖት ክርስትና ዘይደረኾ! ቋንቋ ዓረብውን ንሃይማኖት ምስልምና ኪድርኾ የብሉን!

    ህግደፍ፡ ቊርኣን ብዓረብ ስለ ዝተጻሕፈ ቋንቋ ዓረብ ይጥቀም ኣለኹ ይብል ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ብግእዝ ስለ ዝተጻሕፈ ግን ቋንቋ ግእዝ ክጥቀም’የ ኣይበለናን። ከምቲ ክርስትያን ኣሕዋትና ንቋንቋ ግእዝ ስለ ዘይርድኡዎ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመ፡ ቊርኣንውን ካብ ቋንቋ ዓረብ ናብ ትግርኛ ኪትርጐም’ዩ ዘለዎ። ኣይፋሉን ትግርኛ ኣይደልን ዓፋር ወይ ትግረ ይሕሸና እንተ ተባህለውን ጽቡቕ’ዩ! ይኹን! ጥራይ ንኹልና ዘረዳድእን ዝጠምርን ሓደ ሃገራዊ ቋንቋ ይሃልወና! እቲ ዝተረፈ ቋንቋ፡ በብሄሩ ህላወኡን ቀጻልነቱ ክሕልወሉ ይግባእ እብል። የቐንየለይ።

    ሓውኩም መሲናስ 10-09-2014

  • Abdul September 13, 2014

    Typical supremacist

POST A COMMENT