Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት ትካላት መርበብ ሓበሬታ ደምበ ተቃውሞ! ሕጂ!!!

ሓድነት ትካላት መርበብ ሓበሬታ ደምበ ተቃውሞ! ሕጂ!!! ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ሓድነት ኣብ ሓደ መስርሕን ክውን ነገርን ዘለዎ ጥቕሚ ብምግላጽ ‘ዬ ዝጅምር። እስኪ ሓድነት ኣብ ስድራቤት ዘለዎ ጥቅሚ ንርአ። ስድራቤት ምስሊ ናይ መንግስቲ እዩ። ኣላይ ስድራ ኣቦ

ሓድነት ትካላት መርበብ ሓበሬታ ደምበ ተቃውሞ! ሕጂ!!!

ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ሓድነት ኣብ ሓደ መስርሕን ክውን ነገርን ዘለዎ ጥቕሚ ብምግላጽ ‘ዬ ዝጅምር። እስኪ ሓድነት ኣብ ስድራቤት ዘለዎ ጥቅሚ ንርአ። ስድራቤት ምስሊ ናይ መንግስቲ እዩ። ኣላይ ስድራ ኣቦ ኣደ ዓቢ ሓዊ ወዘተ እንዳበለ ዝወርድ ሰንሰለታዊ መስርሕ ‘ዩ። ሓድነት ስድራ ብደምን ስጋን ዝተኣሳሰረ ይኹን ‘ምበር፡ እቲ ዝዓበየ ዘተኣሳስሮም ምንባርን ቀጻልነት ናይታ ስድራ ‘ዩ። ሰላምን ራህዋን ዝዓሰላ ስድራቤት ክህልወካ ምሕደራ ናይታ ገዛ ዓቢ ተራ ይሕዝ። ጥዑይን ብኣገባብ ዝኣልይ ምሕደራ ጥዑይ ኣባላት ስድራቤት ይህልዎ። መለለይ ጥዑይ ስድራቤት ሓድነት’ዩ።

መንግስቲ ጥምረ ናይ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ‘ዩ። እታ ዝነኣሰት እኩብ ኣባል መንግስቲ ሓንቲ ስድራቤት’ያ። ብዙሕ እኩባት ጥዑያት ስድራቤታት ሓደ ጥዑይ መንግስቲ የቊማ። ብስርዓት፡ ብሕግን ቁዋምን  ዝምራሕ መንግስቲ ብናይ ሓባር ረቋሒታት ዝጥርነፍ፡ ነንሕድሕዱ ዝደጋገፍ፡ ስርዓት ዘለዎም ስድራቤታት የመሓድርን ይመርሕን። ጥዑይ መንግስቲ ኣብ መንጎ ስድራቤታት ብዝፈጥሮ ሓድነት ይምዘን።

ብኣንጻሩ ሓንቲ ስድራቤት ሓድነት እንተዘይብላ ዘርሞ ዘርሞ እያ ትተርፍ። ኣባላት እታ ስድራቤት ነንሕድሕዶም ምክብባር ገዲፎም ንምንዕዓቅ ባይታ ወይ ጋግ ይኸፍቱ። ኣብ መንጎ እታ ስድራቤት ምትፍናን ይፍጠር። ሓደ ዓብላሊ እቲ ካልእ ከኣ ተዓብላሊ ይኸውን። መሰል ይገሃስ። መንግስትም ኣብ መንጎ ዜጋታቱ ሓድነት ክፈጥር እንተዘይኪኢሉ ሕንፍሽፍሽ እዩ ዝፍጠር። ኣነነት ይነግስ። ምኑቋት ይስዕብ። መሰል ዜጋታት ብሰበስልጣናት ሃገር ይገሃስ።  ርጉእ ስድራቤት ርጉእ ስድራቤት ይምስርት። ርቡጽ መንግስቲ ዜጋታቱ ይዘርው። ከምዚ ሕጂ ገጢምና ዘሎ ህዝብና ኣብ ፈቀዶ ሃገር ተዘርዮም ዘለዉ።

ኣብ ‘ዚ ስድራቤት ምስ መንግስቲ እንዳመሳስልኩ ጥቅሚ ሓድነት ክገልጽ ምፍታነይ፡ ኣንባቢ ነዚ ነገር ይጠፍኦ ‘ዩ ኢለ ኣይኮንኩን።  ነፍስ ወከፍና ነንስድራ ቤትና እንዳዘከርና ገዛናን ሓዳርናን ክንዝክር ስለዝደለኹ ‘የ። ጌለና ምስ ስድራና ንነብር ነዚ ኣበሃህላ ብዙሕ ኣይክሱቀረናን ይኽእል ይኸውን። ነቶም ምስ ስድራና ዘይንነብር ግን ብዙሕ ተዘክሮታት እዩ ዘለዎ። ፋሕ ዝተኣታተዋ ስድራቤት ከም እንደገና ክትጥርንፋ ዝተሓላለኸ መስርሕን ነዊሕ ጊዜን እዩ ዝወስደልካ። ብባህርይ ይኹን ብቅርጺ ከምቲ ናይ ቀደሙ ከተምጽኦ ‘ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን።

ጥቅሚ ሓድነት ግልጽ ካብ ኮነ፣ እዘን ብሓደ ስድራ ቤት ዝምደባ ተቃወምቲ ውድባት ይኹና ትካላት መርበብ ሓበሬታት ሓደ ኣብነት ናይ ዘይምሕባር ኮይነን ንረኽበን። ሓድነት ፈጢረን ተባሂለን ዝሰማዕናየን ፋሕ ኣትይወን ሰሚዕና። ብሱሩ ኣብ መንጎና ሓድነት ክንፈጥር ዘይምኽኣልና ሓደ እቲ ዝዓበየ ድኽመትና እዩ። እዚ ከኣ ኩሉ ሰብ ዝዛረበሉ ዘሎ ናይ ኣደባባይ ዛዕባ ኮይኑ እዩ ዘሎ። ከም ሕንፍሽፍሽ ዝኣተዋ ስድራቤት ነንሕድሕደን ከምዝተፋነና ትሰምዕ። እዚ ከኣ ናብ ዓወት ከብጽሐን ኣይክእልን እዩ። ድኽመታትና ብኑጹር ከነለልዮም ኣለና። እንታይ ስለዝኾንና ኢና ሓድነት ክንገብር ዘይከኣልና? እንታይ ስለዝረኸብና ኢና ነንሕድሕድና ንተፋነን? ብንጹር ክምለሳ ዘለወን ሕቶታት ‘የን።? ስለምንታይ? እቲ ፍልልይ ስለዝዛየደ ወይስ ኣብ ጽኑዕ ናይ ምትእምማን መንፈስ መሰረት ዘይገበርና?

ኣብዚ ቅነ ጽቡቅ ነፋስ ካብ ሸነኽ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ይነፍስ ኣሎ። ንነዊሕ ጊዜ ኤርትራዊያን ከእዉዩሉ ዝጸንሑ ምግሃስ መሰላት ሰብ ኣብ ኤርትራ ከምዘሎ ዓለም ኣፍልጦ ሂቡሉ ኣሎ። እዚ ዓወት እዚ ብቀሊሉ ዝመጸ ኣይኮነን። ዋላ እኳ እዚ ብኣጻራይት ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ  መሰላት ሰብ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፡ በቲ ትካል ይቅረብ ‘ምበር ብዘይ ኤርትራዊያን ተሳትፎ ከምዘይኮነ ኩሉ ኤርትራዊ  ክርድኦ ይግባእ። ብርክት ዝበሉ ትካላትን ውልቀሰባትን ትካላት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራን ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎ ‘ዩ። ከም ‘ቲ ዝተኸታተልናዮ ኣብ ኣወዳድባ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ እቲ ዝለዓለ ተራም ተጻዊቶም ‘ዮም። ኣብ መወዳእታውን እንተኾነ እቲ ፍታሕ ካብ ኤርትራዊያን እዩ ክመጽእ። ንሕና ባዕልና ዘይተሓወስናዮ ዘይተግበርናዮ ካብ ካልእ ክመጽእ ኣይክእልን። ካብ ካልኦት ንጽበዮ እንተሃልዩ ሓገዝ ጥራይ እዩ ክኸውን።

እዚ ጥዑም ንፋስ ዘምጽኦ ካልእ ጽቡቅ ነገር ነዞም ነንበይኖም ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሓደ ቅርንዓት ኣብ ጀነባ ክኣኻኽቦም ምኽኣሉ እዩ። እቲ ዝዓበየ ብእኩብ ብደምበ ተቓውሞ (ደለይቲ ፍትሒ) ዝተገብረ ሰልፊ ኤርትራውያን ናይ ውሽጢ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ብሓደ ምእካቦምን ሓደ ድምጺ ምሃቦምን ናይ ውህደቶም መጀምርታ ኢልና ክንሓስብ ንኽእል። ማለት ዳርጋ ብደመነፍስ ኣኻኺቡ ብሓደ ልሳን ብሓደ ቃና ከዛርቦም ምውዓሉ ‘ዩ። እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ጽቡቅ ፍጻመ ኮይኑ ኣሎ።  ነዚ ሃዋሁ ሒጂ ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣሎና። እቲ ናይ ለውጢ መጀመርታ ሓደ ኢሉ ይጅምር ስለዘሎ ኩላህና ክንጽንበሮ ይግባእ። ውዳበ ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ብዙሕ ገንዘብ ዝበልዕ መስርሕ ‘ዩ። ካሕሳኹም እቲ ብብዝሒም ይኹን ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸበ ህዝቢ ‘ዩ። ብኸምዚ ብናይተናጸል ጉዕዞ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍረ ክሕፈስ ካብ ተኻእለ፡ ሕብረት እንተዝህልወና ነይሩ እቲ ዝሕፈስ ፍረ እንታይ ከምዝኸውን ምግማት ይከኣል ‘ዩ።

 

ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዝግበኣና ነገር ለውጢ ብድልየት ጥራይ ዝመጽእ ዘይምዃኑ ‘ዩ። ለውጢ ስለዝደለኻ ለውጢ ባዕሉ እግሪ ኣውጺኡ  ክመጻካ ኣይክእልን እዩ። ፋሕ ኢልካ ተቃሊስካውን ናይ ሓባር ለውጢ ከተምጽእ ከቢድ እዩ። ንናይ ሓባር ድልየት ዘማልእ ለውጢ ከተምጽእ ለውጢ ንኽመጽእ ናይ ኩሉ ዜጋ ተሳታፍነት ይሓትት። እዚ ከኣ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ውሑዳት ሰባት ተሳትፎ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዕማም ኣይኮነን። ኣነ እንታይ ክገብር እኽእል ኢልና ክንሓስብን ብኣኽእሎና ክንሳተፍ እዋኑ ዝጠልቦ ዘሎ ጉዳይ ‘ዩ። ሓቂ ‘ዩ ንለውጢ ባይታ ክትረክብ ኣለካ። ባይታ እንተዘይተጣጢሑ ከኣ ባይታ ከተጣጥሕ ክትምህዝ ‘ምበር ከም ናይ ማዕዶ ተዓዛባይ ክትሓልፎን ከተስተማስልን ኣይግባእን። ሓቂ ‘ዩ ለውጢ ብዘይተሳትፎ መንእሰያት ኣይሰምርን ‘ዩ። ተራ መንእሰያት ኣብ ለውጢ እቲ ዝለዓለ ቦታ ይሕዝ። እንተኾነ እቲ ለውጢ ካብ ተቃወምቲ ውድባትን መንእሰያትን ክትጽበ ጥራይ ግቡእ ኣይኮነን። ኩሉ ለውጢ ደላያይ ከይወዓለ ከይሓደረ ሕጂ ናይ ዓቕሙ ከበርክትን ኣብ ምምጻእ ለውጢ ክሳተፍ ክጅምር ኣለዎ። ምጽባይ ለውጢ ካብ ካልኦት እቲ ቀንዲ ማሕነቆ ቃልሲ ንለውጢ ኣብ መንጎ ደለይቲ ለውጢ ‘ዩ።

ሓድነት መፍትሒ ኹሉ መሓናዂላት ቃልሲ ‘ዩ። ተጻባእቲ ሓድነት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ውድባት ይኹና ትካላት መርበብ ሓበሬታታት ሓድነት ከይፍጠር ብምሉእ ዓቅሞም ሰሪሖሙሉ ‘ዮም። ብሕጂ ከኣ ክሰርሑሉ ‘ዮም። እቲ ዝጥቀምሉ እቲ ቀዳማይ ጥበብ መሳርሒ፡ ናቶም ዕሱብ ሰብ ኣብ ‘ቲ ዝፍጠር ሓድነት ምስዃዕን እቶም ሓድነት ንኽፈጥሩ ሓደራ ዝተሰከሙ ሰባት ወይ መራሕቲ ነንሕድሕዶም ዘየሰማማዕን ዘይቃዶን ብሓደ ከስርሖም ዘይክእል ተንኰላትን ምዝራእ ‘ዩ ዝኸውን ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ፍልልይ ምናልባሽም ናይ ውልቂ ረብሓ ዘቀድሙ መራሕቲ ምህላዎም ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። እዚ ግን ነቶም ረብሓ ህዝቦምን ውድቦምን ወይ ትካሎምን ዘቀድሙ ክዕብልሎ ኣይክእልን ‘ዩ። ምኽንያት እዚኦም ቀልጢፎም ‘ዮም ዝኽሽሑ።

ከምዚ ከማይ  ሓድነት ክህልወና ንደሊ ብዙሓት ንህሉ ኢና። እቲ ጸገም ነቲ መስርሕ ሓድነት በየን ክምንጅምሮ ዝሕርብተና ከኣ ብዙሓት ኢና። ነዚ ናይ ሓድነት መስርሕ ከሳስያን ክመርሓ ዝኽእላ ትካላት ባዕላተን ኣብ ምትፍናንን ምውድዳርን ኣትየን ክንርእየን ኮለና ከኣ መሊሱ ይጽልምተካ። ንኣብነት ትካላት መርበብ ሓበሬታ ደምበ ተቃውሞ ኽጥቀሳ ይኽእላ።  መደብረን ኣብ ኣውሮፓ ኣመሪካን ኣፍሪካን ዝገበራ መርበብ ሓበሬታ  ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ከምዘለዋ ንፈልጥ። ብቁጽርም ውሑዳት ኣይኮናን። እዘን ትካላት ከም ሓደ ሓድነት ክፈጥራ ዘይከኣለት ስድራቤት እንተወስድናየን፡ ኣብ መንጎአን ኣንነት ፈጢረን ውድድር ኣንጊሰን ዝተፋነና ዘለዋ ትካላት እየን ዝመስላ። ብምትፍናነን ዝፈጥርኦ ጋግ ነቲ ዝቃለስኦ ዘለዋ ጸላኢ ዕድመ ምንዋሕ ዕድል ዝህብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸላኢ ንኽግልገለለን ምቹእ ባይታ ክፈጥራሉ ይኽእላ። ንኣብነት መስከረም ዶት ነት ሓንቲ ከም ኣገልጋሊት ጉጅለ ኢሳይያስ ክትውሰድ ትኽእል።

ዝሓለፈ ጊዜ መምህር’ዩ። ብዙሕ ተመኩሮታት ተሓፊሱ ‘ዩ። ንሓድነት ዘህጥርን ዘሕንኩልን ተለልዮም ‘ዮም። ቃልሲ ብንጽል ሃስያኡ ተረዲኡና ‘ዩ። እቲ ሓድነት ዝፍጠረሉ እታ ጊዜ ሕጂ ትመስል። እቲ ናይ ሕብረት ምልክት ተጀሚሩ ከሎ ደረጃ ብደረጃ ሓድነት ክፍጠር ክከኣል ኣለዎ። ሓደ ዓይነት ዕላማ ዘለዎን፡ ንሓደ ደንበ ዘገልግላ፡ ግን ከኣ ኣሳጉመአን ዘጥፋኣ፡ በብውልቀን ዝነጥፋ፡ ብርክት ዝበላ መራከቢ ብዙሃን ከምዘለዋ ንፈልጥ። እቲ ሓድነት ብእአን ክጅመር ዓቢ ረብሓ ከምዘለዎ እምነት ኣሎኒ። እንተወሓደ ነቲ ጎጃጂለን ሒዘንኦ ዘለዋ ሰዓብተን ኣብ ሓደ መድረኽ ስለ ዘምጸኣ።

ሰላም ንኹሉኹም!

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ሓውኹም ደብረ

04/07/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • mm July 5, 2015

    I agree Debre. Thank you.

  • A.Berhane July 5, 2015

    good job Unity is corner stone.

  • Merhawi July 5, 2015

    Please I have more interest in hi tech in advertising digital online media please post it to my email thanks

  • geneva warrior July 5, 2015

    ሓው ደብረ,

    እቲ ርትዖኻ ዝወጾ የብሉን።ሓቅኻ ብዘይ ስምረት ዓወት የለን።ግን ሕማማት ኣዔርዩ ከይተገንዘበ ፈውሲ ዝእዝዝ ሓኪም እቲ ሃቐንኡ ቅኑዕ ክኸውን እንከሎ እቲ ፈውሲ ግን ከይሰርሕ ዝኽእለሉ ዳርጋ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እዩ።ን ኣብነት ረስንን ሕማም ርእስን ስለ ዘሎካ ኣይቢፕሮፊን ወይ ኣንቲባዮቲክ ግዝያዊ ህድ ኣት ክህበካ ይኽእል እዩ።ግን ረስንን ሕማምርእስን ፍረ ካልእ ሕማም እምበር ባዕሎም ዝኽ ኣሉ ሕማማት ኣይኮኑን።ኣነ እኳ እዚ ዓይነት እዚ ሲምፕቶም ካብ ዕስራ ዘይውሕዱ ሕማማት ዘለዎም ምዘርዘርኩ።ንኣብነት
    1) Malaria
    2) cancer
    3) hypertention
    4) prostate canse or prostatitis
    5) Flu…etc.
    እቲ ዓቢ ሕማምና ካብ ናይ ቀደም ኩዕሶ እግሪ ዘይተፈልየ ኣውራጃውን ወገናውን እዩ።ግን ኮንትራቨርሻል ስለ ዝኾነ ሸፈፍ ኢልናዮ ንሓልፍ።እቲ ዘይፍትሓሉ ምኽንያት ድማ ኣቡኡ ዘፍለጠ ዲዕ ዝበለ ርኡይ እንተዝኸውን ምዘተናሉ። እዚ ግን ብርኡይ ኣየባእሰና፣ ናይ ቃልዓለም ንባጻጻሕ ፣ግን ኣይንትኣማመንን።እዚ እቲ ዓቢ ሽግርና እዩ እዚ ድማ ኮፍ ኢልካ ብትምህርቲ ትፈትሖ ጉዳይ እዩ።ምኽንያቱ ኩላትና ኣዕናዊ ምዃኑ ንፈልጦ፣ ግን እቶም ሓደ ዓዲ ክጅምርዎ ንጽበ።ዓቕልን ትምህርትን ዘለዎ ዝተወደበ ናይ ምሁራትን ለባማትን ምትእኽኻብ ከምህረና የድሊ።ከም ሞት ሕጹይ ዓው ኢልካ ኣይብከዮ ኣይዝረበሉ ኮይኑ ይሃስየና ኣሎ።እምበር ሕብረት ድኣ እወ።ሕማም ከይተፋሕረን ከይተቛሰለን ፈውሲ የለን።Lack of our unity is the result of our illness ,not our illness!Regionalism is the # 1 culpable.

POST A COMMENT