Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ብደረጃ ሃገር ብሪጣንያ ዝነጥፍ ዓብዪ ኣካል ኣቚሙ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፡ ከምቲ ኣቐዲምና ብመራኸቢ ብዙኃን ገሊጽናዮ ዝነበርና፥ ብቀዳም ዕለት 25 መጋቢት 2017 ኣብ ከተማ ሎንዶን ተኣኪብና፥ 14 ዝኣባላታ፡ ብደረጃ ሃገር ብርጣንያ እትነጥፍ ኮሚቴ ሓድነት ኣቚምና ኣለና። ነዛ ዓባይ ኮሚቴ`ዚኣ ኬቑሙ፡ ካብ ዝተፈላለያ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፡ ከምቲ ኣቐዲምና ብመራኸቢ ብዙኃን ገሊጽናዮ ዝነበርና፥ ብቀዳም ዕለት 25 መጋቢት 2017 ኣብ ከተማ ሎንዶን ተኣኪብና፥ 14 ዝኣባላታ፡ ብደረጃ ሃገር ብርጣንያ እትነጥፍ ኮሚቴ ሓድነት ኣቚምና ኣለና። ነዛ ዓባይ ኮሚቴ`ዚኣ ኬቑሙ፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገረ ብሪጣንያ ዝተወከሉ ኣባላት ናይተን ንኡሳን ኮሚቴታት ተረኺቦም ኔርም። ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝተመሥረተትሉ ኣኼባ፥ ብዘይካ እቶም ኣባላት ኮሚቴታት፥ ዓበይቲ ዓድን፡ ውልቀ-ዜጋታትን፡ ኣባላት ዝተፈላለዩ ውድባትን እውን ተረኺቦም ኔሮም። ኣኼበኛታት፡ ነዛ ሓዳስ ኮሚቴ፡ ሃናጺ ምኽርታትን ርእይቶታትን ለጊሶም ብሓጎስን ብውዕዉዕ መንፈስን፥ ንሓድነትን ንድሕነት ንክብረትን ኤርትራውያን ክትሠርሕ መሪቖም ልኢኾምዋ ኣለዉ። ክቡር ዲያቆን ዮሓንስ ገብረሕይወት እውን ካብ ከተማ ማንቸስተር ተጓዒዞም ተሳቲፎም፡ ምኽሮምን ቡራኬኦምን ለጊሶም ኢዮም። ካብ ውልቀ-ሰባትን ካብ ጉጅለታትን ዝመጽኣና ናይ ዮሃና መልእትታት እውን ነይሩ ኢዩ። ንኩልኻትኩም ዝለዓለ ምስጋና ነቕርብ።

እዛ ቆይማ ዘላ ዓባይ ኮሚቴ ምስ ኩላተን ንኡሳን ኮሚቴታት ብቐረባ እናተራዳድኤትን ኣናሠርሔትን ነቲ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ከተማ ለንደን ኣቐዲማ ዝኣመመቶ ዕዮታት፡ ቀዳምነታቶም፡ ሠሪዓ መዳባት ዕዮ ኣውጺኣ፥ ድሮ ሰባት መዚዛ፡ ሥራሓት ክትጅምር ተዋዲዳ ኣላ። ተወሳኺ መደባት እንተ ኣድለየውን፡ ሓድሽ ገምጋም ጌራ፡ ክትፍጽሞ ኢያ። ኩሉ እትገብሮ መደባት ዕዮ፡ ንሕዝቢ ክትነግርን ክተመርቕን ድማ ኢያ።

ብድሕሪቲ ዘካየድናዮ ሕዝባዊ ኣኼባ፥ ኣባላት ኮሜቴ ተኣኪብና፥ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ሥራሕ ተማቒልና፡ ዝተዋህበና ዕማም ንምትግባር ኣብ ውሳኔ በጺሕና ኣለና። ኮሚቴና፥ ኣቦ መንበርን፡ ምኽትል ኣቦ መንበርን፡ ጸሓፍን፡ ታሓዚ ሕሳብን፡ መሪጻ መዚዛቶም ኣላ።

ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ ካልእ ብሕጊ ተመዝጊባ፡ ብዓለም ለኸ ደተጃ ከም ጽላል ኴይና እተገልግለና ኣካል ኣቚምና ኣለና። ሓላፍነታ ከኣ ብዓለም-ለኻዊ ደረጃ ዜሥርሕ ሕጊ ክተጻፍፍን ነዛ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኮሚቴን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዘለዋን፡ ወይውን ብሕጂ ንዝቖማን ኮሚቴ ሓድነት፡ ሓቚፋ ብሕግን ግሉጽነትን  ክትሠርሕን ክተሥርሕን ዝብል ኢዩ።

ኮሚቴና ኣብ ሓጺር ግዜ ዝፍጸሙን ኣብ ዝተናውሔ ዝሥርሑን መደባ ሓንጺጻ ኣላ። እተን ሕጂ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክንጅምረን ብቕድሚት ሠሪዕናየን ዘለና መደባት፡ እዘን ዝስዕባ ኢየን፥

  1. ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ስኒትን ፍቕርን መታን ክነግሥ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ዕርቅን ምትእምማንን ዝፍጠረሉ ንጥፈታት ክትፍጽም እያ። ምስ ኩላቶም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ፡ ፖለቲካውያን ውድባትን፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን፡ ጉጅለታትን ብምርኻብ፥ ዝተሓባበሩሉ መገዲ ክትድህስስ ኢያ። ብእኡ ኣቢልካ ድማ፥ ዓለምለኻዊ ናይ ኤርትራውያን ምትእኽኻብ ክፍጠር ድፍኢት ክንገብር ሓደ ጉጅለ መዚዛ ኣላ።
  1. ኣብ ሃገር ብሪጣንያ ዝነብሩ፡ ገለ ምሁራንን ምኩራትን ደቂ ሃገርና ኣኪብና፡ ኩነታት ኤርትራውያን ኣዕሚቑ ዘረድእ፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መወከሲ ዝኸውን ሰነድ ኽንቅርብውን ሰባት ተመዲቦሙሉ ኣሎና።
  1. ኮሚቴና፥ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ኣዝዩ ዝኸፍኤ በደላት፡ ናብ ዝምልከቶም ኣክኣላት ክተብጽሖ፡ ዝቃለለሉ መገዲ ኣብ ምድህሳስ ከኣ ክትነጥፍ ኢያ። በዚ መሠረት፥ ጸገማት ኤርትራውያን ንምቅላልን፡ መሰላትና ንምሕላውን፥ ብዝለዓለን ዝተወሃሃደን ድምጺ ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ንዝምልከቶም መንግሥትውያንን ዘይመንግሥታውያንን ኣካላት ክተስምዕ ኢያ። ነዚ ዕማምዚ እተካዪድ ጉጅለ መዲብና ኣለና።
  1. ንኤርትራውያን ዝወሃቦም ዘሎ ማሕበረሰብኣዊ ኣገልግሎት ብዝተወሃሃደን ብዝሓሸን ደረጃ መታን ክሳለጥ፡ ኮሚቴና ኣቃልቦ ጌራትሉ፥ ኣብዚ መዳይዚ ዝሰረሑ ሰባት ድማ መዚዛትሉ ኣላ። ነተን ድሮ ቆይመን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ ማሕበረሰባት ከነተባብዕን ክንሕግዝን ኣብ ከባቢታትና ማሕበረሰብ እንተዘይ ሃልዩ ድማ ኣብ ከባቢታትና ሓደስቲ ኣቚምና፡ ሓድነትና ክነደልድል፡ ጸገማትና ክነቃልል፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዝለዓለ ደረጃ ክንዋሳእ፥ ዝሓሸ ኣገልግሎት ድማ ክንረክብ ክንጽዕር ኢና። መጀምርታ ግን ግቡእ መጽናዕቲ ስለዘድሊ፡ እታ ተመዚዛ ዘላ ጉጅለ፡ ብመጽናዕቲ ክትጅምሮ ኢያ።

ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ውጥን ንምትግባር ብዙሕ ጻዕርን ክእለትን ከም ዘድልዮ ኩላትና ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ናይ ሕዝቢ ተሳታፍነት ብዝዓዘዘ ዓቐን ኬድልየና ኢዩ። በዚ መሠረት፥ ነቶም ኣብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ እትርከቡን ኣብ ካልኦት ሃገርት ዘለኹምን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን እዚ ዚስዕብ መጸዋዕታ ነቕርብ፦

. ንኩልኻትኩም ኤርትራውያን፥ በብዓቕምኹም፡ ብፍልጠትኩም፡ ብጉልበትኩም፡ ብገንዘብኩም  ክትድግፉን ክትሳተፉን ብትሕትና ንሓትት። እዚ ኮሚቴና ጀሚራቶ ዘላ ዕማም፡ ጉዳይ ኩላትና ስለዝኾነ፥ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ እጃሙ ኬበርክተሉ ይግባእ። ከም እትፈልጡዎ፥ ኮሚቴና ክሳዕ ሕጂ፡ ብዘይ ንዋታዊ ሓገዝ፡ ብውልቀ ተገዳስነት ኣባላታ እያ ክትሠርሕ ጸኒሓ። እንተኾነ ግን፥ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማማት ሰፊሕ ከም ምዃኑ መጠን፥ ኮሚቴ ሓድነት፡ ብዙሓት ትጉሃት ሰባት ኬድልዩዋ እዮም። ብተወሳኺ፥ እኹል ገንዘብ እንተረኺብና፡ ደሞዝ ተሰሊዑሉ፡ ንጉዳይ ሓድነት ኤርትራውያን ዝሠርሕ ሰብ ክንቆጽር መደብ ኣለና። ሓደ ቀዋሚ ሰብ እንተ ተመዲብሉ፡ ነቲ ኣውጺእናዮ ዘለና መደባት ብቐረባ ምተወሃሃደ፣ እቲ ዕማም ድማ ቀልጢፉ ምተሳለጠ ነይሩ። እዚ ሓሳብዚ ኣብ ልብናኳ እንተነበረ፥ ኣኼበኛታት ደጋጊሞም ኣቕሪቦምዎ፣ እጃሞም ኬበርክቱ እዉን ቅሩባት ከምዝኾኑ ገሊጾም ኢዮም። ኣብ ቀርባ እዋን ገንዘብ ዝዋጽኣሉ ኣገባብ ናብ ሕዝቢ ክነቕርብ ኢና።

. እቶም ብሕዝቢ ዝተመርጹ ኮሚቴ ዘየቖምኩም ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥ ብዝከኣለኩም መጠን ብሕዝቢ   ዝተመርጸ፥ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘለዎ ኣካል ኣቚምኩም፥ ንሓድነትን ንድሕነትን ሕዝብና ክትጽዕሩ ብትሕትና ንላበወኩም። ፋሕ ኢሉ ዝተበተነ፡ እሞ ድማ ውሑድ ዝቑጽሩ ሕዝቢ፥ ክጠፍእ እምበር ክለምዕ ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ፈሊጥና፡ ኩላትና ደቂ ኤርትራ፡ ብሓደ ኴንና መገዲ ድሕነት ንኺድ። ኩላትና ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለናዮ እንተ ተጥርኒፍና፥ ብቕንዕና ድማ ምእንቲ ሕዝቢ እንተ ሠሪሕና፡ ሓደ ዓለምለኻዊ ኣካል ኣቚምና፥ ንሕዝብና ክነድሕን ንኽእል ኢና።

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣፈርክቡ፥ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዘሎ ሃልዩ፡ ከፊኡዎ ኣብዘለሉ እዋን፡ ኩላትና ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለናዮ ተኣኻኺብና፡ ሕዝብና ነድሕን፡ ክብረትና ንምለስ። ዝዓበናን ዝነእስናን፥ ዝተወደብናን ዘይተወደብናን፥ ኩላትና ብህጹጽ ንታኣኻኸበሉ መገዲ ክንምህዝ ኣለና።  ምስ ተኣኻኸብና፥ ኩሉ እቲ ክንበጽሖ እንደሊ ዘለና ሠናይ ዝኾነ ነገራት ክንጭብጦ ኢና።  ሓድነት ሓይሊ ኢዩ። ምብትታን ግን መገዲ ጥፍኣት ስለ ዚኾነ፥ ዘለና ኡንኮ ኣማራጺ፡ ብሓንሳብ ተጣሚርና ምምራሽ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ኩላትና ብሕዝባዊ ተሳትፎን፡ ብሕጋዊ ኣገባብን፡ ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ እንተ ተንቀሳቒስና፥ ካብዛ ዘመን ኣፈርክቡ ክንገላገል ንኽእል ኢና።

ኣብ መወዳእታ ነቶም ኮሚቴ ሕድነት ሥርሓ ክተሳልጥ ክሕግዙዋ ዝጸንሑ ሰባት ዓበይቶም ንኣሽቱኦም፣ በብውልቆም ይኹን ብጉጅለ፡ ክነምስግኖም ንደሊ። ንዝመጽእ ድማ ሓገዞምን ሓልዮቶምን ከየጒድሉልና ብትሕትና ንላብዎም።

ለቡ፥ ቁሩብ ከተማታት፡ ብዝተፋላለየ ምኽንያታት፡ ኣብዚ ሓድሽ ኮሚቴ ክሳተፋ ኣይከኣላን፥ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ወከልተን ክሕውሳ መደብ ኣሎና። ንእግረ መገድና ንኣኼበኛታት ዕዙስ ተሳትፎ ክንዲ ዜርኣዩ፡ ክነመስግኖም እንደሊ።

ኣሕዋትኩም፡ ኮሚቴ ሓደነት ኤርትራዉያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ፈ.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde April 3, 2017

    In the face of adversity keep your heads up and keep plugging away,keep your eyes on the prize,even though the odds seem stacked up against the justice seeker,history has proven true time and time again the story line of David and Goliath.Together,Yes we can!!!!!!!!

POST A COMMENT