Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት ዘይብሉ ህዝቢ ክሳቐ ይነብር

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ” ክኸውን ኣለዎ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ኣብ ገለ መድረኻት ናይ ሓባር ዓላማን ናይ ሓባር ጸላእን ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ነቲ ዝፈላሊዮ ንወሰን ሓዲጉ በቲ 

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ” ክኸውን ኣለዎ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ኣብ ገለ መድረኻት ናይ ሓባር ዓላማን ናይ ሓባር ጸላእን ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ነቲ ዝፈላሊዮ ንወሰን ሓዲጉ በቲ  ዘራኽቦ ሓቢሩ ክሰርሕ ናይ ግድን ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ናይ ሓባር ዓላማኡ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ምርግጋጽ ኢዩ። ናይ ሓባር ጸላኢኡ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ብርግጽ ስርዓት ህግደፍ ከየልገስካ ኣብዚ ዓላማ’ዚ  ክብጻሕ ኣይከኣልን። ፍትሕን   ዲሞክራስን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ሰላምን ርግኣትን ክህልዎ ኣይኽእልን። እዚ ሕብረተሰብኣዊ ሕጊ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሙሉእ ሕብረተሰብ ዓለም ዝሰርሕ ሕጊ ኢዩ። ፍትሕን ሕግን ደሞክራስን ንፍሉያት ሰባት ጥራይ ዝጠቅም ዘይኮነስ ነቶም ኩሎም ውጽዓት ኣህዛብ ዘገልግል ኢዩ። ስለዚ ውጹዕ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኩሉ ሓዲጉ ንጥቕሙ ክብል ነዚ ዓላማ’ዚ ከተግብር ክቃለስ ኣለዎ።

 

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝነብር፡ ዝኾነ ለውጢ ዘየተኣታቱ ጨካን ድሑር ስርዓት ኢዩ። ሕሉፍ ታሪኽ፡ ትመሃረሉ’ምበር ኣይትነብረሉን። ስርዓት ህግደፍ ግን እነሆለ ን23 ዓመታት ነቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዳዊት ክደግም ይነብር ኣሎ። ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትዎም ደቁ ከፊሉ ዝመጸት ናጽነት

ናይ ስልጣኑ መሽቐጢ ጌሩዋ። ካልኦት ውድባት ማዕረኡ ከም ዘይተቓለሳ “ኣነ ኢየ ናጽነት ኣምጺኤልካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደኒንካ ተገዛእ” ይብሎ።ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከም ዝጠቐስኩዎ፡ ሓደ ሃገራዊ ናጽነት መሳጋገሪ ምዕባሌ ኢዩ። ተዘይኮነ ናጽነት ንገዛእ ርእሱ መጨረሻ ዓላማ ኣይኮነን። የግዳስ ናብ ራህዋን ምዕባሌን ዘስግር መድረኽ ኢዩ። ዘገርም ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ድኽነትን ስደትን ማእሰርትን ኢዩ ማዕቢሉ። ከም ሪኢይቶይ’ኳ፡ ሃገራዊ ባንደራን ሃገራዊ ዲክታቶርን ጥራይ ኢዩ ተረኺቡ። እዚ ዝረአን ዝጭበጥን ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኢዩ። ዘካጥዕ ኣይኮነን። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ነዚ ድዩ ታቓሊሱ?

 

ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ማዓልቲ ናጽነት ዝኽበረሉ ወርሒ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮናስ ኢትዮጵያውያን እውን ኢህኣደግ ንደርግ ደምሲሶም ዝኣተውሉ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዝተጋነነ ኣይኹን’ምበር የኽብርዎ ኢዮም። በጋጣሚ ናይ ክልቲኡ ዘኽርታት ብተለዠን ብምክትታለይ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግንቦት 20 ኢ.ዓ.ም.ዘምጽኦ ምዕባሌ ከርኢዩ ከለው፡ ማለት መጋቢ መንገድታት፤መንገዲ ባቡራት፤ሓይሊ ኤለትሪክ፤ እቶት ሓረስቶት፡ዝተሃንጹ ዩኒቨርስታት፡ ሆሰፒታላት ወ.ዘ.ተ. ከርእዩ ከለው፡ ኣይትሓዙለይ ከየጋነንኩ ኣብቲ ናይ ምኽነያት 24 ግንቦተ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ኤረ-ቲቪ ዝረኣኹዎ ግን ናይቲ ዝሓለፈ ኵናትን ጓይላን ጥራይ ኢዩ። ኣይገርመንን ከኣ ዘይብሎም ካሊእ ከርእዩ ኣይኽእሉን። ብፍላይ ዝሓለፈ በዓል ናጽነት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓደ ገጠር ናይ ጋሽ-ባርካ ከርኢ ከሎ ዝተዓዘብኩዎ ብዙሕ ኢየ ተገሪመ። ነቶም ገባር ከካብ ኣጉድኦም ጸዊዖም ኣብ ሓደ ሜዳ ይእክብዎም። ቁሩብ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ገሊጾም ናብ ጓይላ ይኣትው። እቲ ቀንዲ ከርሰነገር ኣብዚ ግን፡ እዞም ህዝቢ ዚኦም ነቲ ንሽሙ ናጽነት ዝኸፈልዎ ዋጋ ኣብ መነባብረኦም ለውጢ ኣምጺእሎመ’ዶ? እታ ኣጉዶ፡ ኣጉዶ ቀደሞም። ዝተሰርሐ ጽርግያ የለን። ኣብ ኣካባቢኦም ክልኒክ የለን። ደቆም ተኣርዮም ሳዋ ሰፊሮም። እቲ ዝሓለፈ ኵናት ተደጋጊሙ እንተ ተነግረ፡ ነዚ ድኻ ህዝቢ እንታይ ኢዩ ዝዓብሰሉ? ካብ መስዋእቲ ዝተረፉ ደቁ ከይመሃሩን ከየፍርዩን፡ ስደት መሪጾም ኣብ ፎቖዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ይወድቁ ኣለው። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመት ነዚ ድዩ ተቓሊሱ? እብል ሞ፡ ቀጺለ ድማ ስለምንታይ ከ እዚ ውጹዕ ህዝቢ’ዚ ሕጅኸ ብሓባር ዘይቃለስ? ኢለ ድማ ንነብሰይ ይሓታ?

ካሊእ ኣስደማሚ ነገር ዘሎ፡ እዚ ፈውሲ ሕንኪ ዝወሓጠ ስርዓት፡ ሎምስ ኢሉ-ኢሉ ናይ 70ታትን 80ታትን ትዝታ ተራኢዩዎ ናብ ፈስቲቫል ቦሎኛ ተመሊሱ? እቲ ዘገርም ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ተጸንቂቕዎ ናብዚ ጉዳይ ቦሎኛ መምላሱ ኣይኮነን ዘገርም። ንሱ ስዓብቲ እንተ ረኺቡ ኩሉ ዘይግበር ነገር ገይሩ ኢዩ። ይገብር ከኣ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን እቶም ኣብ ዝኣጎዶ ኳይላ ዝዕጠቑ ኢዩ። ትማሊ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ 400 ዕሸል መንእሰያት ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ተቐዚፎም፡ ካብታ ዝዝረበላ ዘሎ ቦሎኛ ዘይረሓቐ ትኩስ መቓብሮም ከይነቐጸ፡ ወለዲ ንብዓተን ከይደረቐ፡ ኣብዚ ዘሕፍር ጓይላ ዝመጹ ዘጋታት ኢዩ። ሎሚ ናይ ኤርትራ ኩነታት ካብ ፖለቲካዊ ሕቶ ሓሊፉ ናይ ሞራል (ሕልና) ሕቶ ኢዩ ኮይኑ። ኣቱም ኣብዚ ቦታ’ዚ መጺኹም ክትስዕስዑ ተዳሊኹም ዘሎኹም፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ረሳታት ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን ምርኻስ ምዃኑ ክትፈልጡ ኣሎኩም። ኣብ ነብሲ ወከፍ ታሪኽኩም ሓበላ ተቐምጡ ከምዘሎኹም’ውን ፍለጡ።

ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ናብ ቦሎኛ ምምላሱ ቆለ ናይ ቦሎኛ ኣገዲድዎ ኣይኮነን። ነቶም ካብ ግዳይ ምድረባዳን ባሕርን ድሒኖም ዝተሳገሩ መንእሰያት ኣብ ዘዘለውዎ እናሰዓብካ ምምዝማዝ ኢዩ። ብቐንዱ ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ከሲሩ ሰለ ዘሎ ነቶም ሓደ ክልተ ከይተረድኦም ጠቕሚ ዘይብሉ ናብ ሓዲገምዎ ዝመጹ ዝጠፈሸ መንግሰቲ(ኢምባሲ) ዝመለሱ ንምንዳይ ኢዩ። ከይዱ ከይዱ ድማ ካብዞም ድኻታት ቆልዑ ገንዘብ ምንዳይ ኢዩ። እቲ ስርዓት ዝገበሮ ኩሉ ዘሕፍር ኢዩ። ታማሊ”ከዳዓት፡ጸጊቦም ይሃድሙ ኣለው” ዝበልካዮም ተመሊሰካ ተናዲዮም? እቶም ናብዚ ስርዓት ዝምለሱ’ውን ዘኹርዑ ዘጋታት ኣይኮኑን። እቲ ስርዓት ተስፋ ዘይብሉ ምዃኑ ሪኦምዎ ኢዮም። እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ’ውን ንዓኦም ዝምልከቶም ኢዩ።

 

ካሊእ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም፡ናይ ሓባር ዓላማ ብሓባር ዘይምቅላስ ኢዩ። እቲ ዘኸተሎን ዘኸትሎ ዘሎ ሳዕቤናት ብዙሕ ኢዩ። ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትና፡ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲ፡ ብፍላይ ድማ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ይኹን ዘስዓቦ ድኹም ቁጠባዊ ትሕዝቶ፡ ዝፈትውዋ ሃገሮም ሓዲጎም፡ ፈቖዶ ስደት ከርተት ይብሉ ኣለው። ይኹን’ምበር ኣብ ስደትውን ንጥቕምኻ ክትብል ክትተሓባበር ኣሎካ። ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሕኻ መጺኻ ኣብ ደሞክራስያዊ ሃገራት ምስ በጻሕካ ናብ ኢምባሲ ስርዓት ህግደፍ ምእታው፡ ዝተፋእኻዮ መሊሰካ ምውሓጥ መለት ኢዩ። እዚ ተግባርት’ዚ ውጽኢቱ ኣብ እስራኤል ዘጋጥም ዘሎ ሽግራት ኢዩ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ውሑዳት ካብ ደምበ ስርዓት ህግደፍ ኣተሓሳስባ ዘይወጹ፡ ናብ ኢምባሲ ስርዓት ህግደፍ ብምእታው፡ክልተ ካብ ሚኢይቲ ብኽፋል፡ከምኡ ድማ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር  ፈስቲቫላት ብምክፋሎም፡ እሞ እታ ጽሓፊት ኢምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ እሰራኤል፡ እስራላዊት ስለ ዝኾነት፡ እቲ ጸብጻብ ናብ መንግስታ ስለ ዘማሓላለፈት፡ እቲ  ሕጂ ዝረኤ ዘሎ ጸገም ወሪዱ ማለት ኢዩ። መንግሰቲ እስራኤ ድማ “እዞም ስደተኛታት’ዚኣቶም ምስ መንግሰቶም ዘለዎም ዝምድና ጽቡቕ ስለ ዘኾነ ከም ስደተኛታት ኣይሪኦምን ኢየ።” ኢዩ ዝበለ። እዚ ንዓይ ካሊእ ይተረፍ ኣብታ ጥቕምኻ ከማን ዘይምትሕብባር ዘምጽኦ ሳዕቤን ኢዩ። በሻሓት ዝቑጸሩ ኤርትረውያን ከኣ ኣብ ሽግር ወዲቖም ይርከቡ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ መንግስቲ ኖርወይ እውን ከይድገም ይፍራሕ ኣሎ። ነዚ መፈትሒ ክኸውን ዝነበሮ ግን፡ እንተኾነ እቶም ተመሊሶም ካብ ስደት ናብ ስርዓት ህግደፍ ዝኣትው ኢዶምን እግሮም ቆጢቦም ክነብሩ ነይሩዎም። ተዘይኮነ ድማ እቶም ናይ ሓቂ ስደተኛታት በቲ ሕጊ ናይቲ ዝነብሩሉ ሃገር ተመዝጊቦም፡ ተወዲቦም ተቓወምቲ ምዃኖም ኣፍሊጦም፡ ነቶም ወይጦታት ነቲ መንግሰቲ ኣሕሊፎም ከጋልጽዎም ነይርዎም። ተዘይኮነ ተተሓሒዘካ ኣብ ኢድ ህግደፍ ምውዳቕ ኢዩ።

 

ናይ ሓባር ዓላማ ብሓባር፤ ክንብል ከሎና ብዝያዳ ዝምልከቶ ነቲ ተቓዋሚ ደምበ ኢዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ኣብተ ዝሐለፈ ብረታዊ ቃልሲ ምስ እንዝክር፡ ሰውራ ኤርትራ ዝዳኸም ዝነበረ፡ ኣፈታትሓ ግርጭታት ብግቡእ ዘይምሓዙ ኢዩ። እወ ልክዕ ኢዩ፡ “ካልኣዊ ግርጨት ብሰላማዊን ደሚክራስያውን ኣገባብ ምፍታሕ” ይበሃል ነይሩ። ብተግባር ግን ከምኡ ኣይነበረን። ሕጂ’ውን ከመምኡ ኣይኮነን። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝሓለፉ ኩሎም ግርጭታት፡ መንካዕ ኣብ ህባዊ ሓይልታት፤ ፋሉል ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፤ የሚን ኣብ ህዝባዊ ግንባር፤ ድሒሩ ዝነበረ ምፍንጫላት ኣብ ኩለን ጀበሃ ውድባት፤ G15 ኣብ ስርዓት ህግደፍ ወ.ዘ.ተ. እቲ ዝተወስደ ኣፈታትሓ ግርጭታት ብዓመጽ ኢዩ ነይሩ።

ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ናይ ሎሚ፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከሉ ነገር ገዲፎም፡ ዘለዎም ሰብኣዊ ጉልበትን ንብረትን ጠርኒፎም ናይ ሓባር ቃልሲ ከካይዱ ነይሩዎም። ኮይኑ ግን ከምቲ ህዝቢ ዝጽበዮ ኣይኮነን። ዳርጋ ኩለን ውደባትን ሰልፍታትን ቃልሰን ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ጸግዒ ዝተመርኮሰ ኢዩ። ሕድሕድ ምክኣኣል ወይ መጽውዋር ዝበሃል የለን። እቲ ወርቃዊ ግዜአን ዳርጋ ኣብ ናይ ሕድሕድ ምጽባእ ኢየን ዘሕልፋኦ። ከምኡ ስለ ዘኾነ ኢዩ ድማ ብሓቂ ተቓውሞ ደንቢ ንቕድሚት ክስጉም ዘይካኣለ። በመሰረቱ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ከተካይድ ከሎኻ ብዓይነቱ ናይ ሓባር ቃልሲ ኢዩ። ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ድማ ኣሎካ። ንህዝቢ ኢልካ ትቃለስ እንተ ኮንካ እቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣሊኻ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኢዩ ከተረክብ ዘሎካ።

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

03-07-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Semhar July 7, 2014

    ክቡር ኣቶ ኣድሓኖም ፍትዊ:
    
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
    ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
    ዓወትንህዝቢኤርትራ።

POST A COMMENT