Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ሓበሬታ ምስረታ መአረምታ

ማሕበር ረዲትን ምዕባለን ኤርትራ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ብኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብነጻ ድልየቶም ዝተመስረተ ኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ጽልእን ፍልልይን ድሑር ሕብረተሰባዊ ኣታሓሳስባ ኣብ ደቂ ሰባት ብሓፈሻ፥ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብዓቢ ጭቆና ተፋላልዩ ዝናጻጸግ

ማሕበር ረዲትን ምዕባለን ኤርትራ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ብኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብነጻ ድልየቶም ዝተመስረተ ኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ጽልእን ፍልልይን ድሑር ሕብረተሰባዊ ኣታሓሳስባ ኣብ ደቂ ሰባት ብሓፈሻ፥ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብዓቢ ጭቆና ተፋላልዩ ዝናጻጸግ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ መኪቶም ዝሰዓሩ እዩ ተመስሪቱ።

ነዚ ማሕበር ብዓላማ ክንምስርቶ ምስ ተሳማማዕና ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝጽበዩና ብዙሓት መስቀላዊ ሕቶታት ስለ ዝነበሩ፡ ዝተነጸረ መልሲ ከም ዝደልዩ ርኢና፡ እቶም ሕቶታት ከምዚ ይመስሉ ነይሮም፡ ኣበይ፥ ከመይ ንመን መዓስ፥

  1. ንመን? ንስደትኛታት ኤርትራውያን!!
  2. ኣበይ? ኣብ ዝሃልዉ ይሃልዉ!!
  3. ብኸመይ? ሓገዝ ምሕታት፡ ካብ ለገስቲ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት፡ ለገስቲ ውልቀ ሰባትን መስረትን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን!!
  4. መዓስ? ገንዘብ ኣብ ዝተኣከበሉ ብዘይ ውዓል ሕደር!!

ነዚ ምስ መለሽና ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ (ማረምኤ) ዝብል ሰይምናያ

ከምቲ ናይ ማሕበርና ዓንዲ ሕጊ ዘጽደቖ ብጽንዓት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ኣፋላላይ ጠጠው ከም ንብልን ዓቕምና ብዘፍቕዶ ከም ንላኣኽን

ተሳማሚዕና።

ብጽቡቕ ኣጋጣሚ መስረቲ ማረምኤ ካብ ኩሎም ሕብረተሰብ ኤርትራን ሃይማኖታት ኤርትራን ክኾኑ ከለዉ፡ ኮነ ኢልካ ብጥበብ ዝተገብረ ዘይኮነስ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ሓደ ኣታሓሳስባ ዘለዎም ባእታታት ብሓድሽ ምህዞ ንዝጋጥም ማሕበረሰባዊ ጸገማት መፍትሒ ንምንዳይ ኣብ ዉሱን ግዜ ክራኸቡ ግድን ስለ ዝኾነ እዩ።

ኣቐዲምና ዝተረዳእናዮን ዝገመትናዮን ነገር፡ ማለት ዝጽበየና ዘሎ ናይ ውሽጥን ደገን ዓቢ ብድሆታት ቀሊል ከም ዘይከውንን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ስደተኛታት ካምፕን ካብኡ ወጻእን።

Exif_JPEG_PICTURE

እቲ ዝጋጠመና ብድሆታት ኣብ ስራሕና ብሓቂ ካብ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ  ኮይኑ ረኺብናዮ፥ ምኽንያቱ ህዝብና ብኣውራጃ፡ ብሃይማኖት፡ ብፖለቲካ፡ ክሳብ ብዓዲ ተፋላልዩ ንኽትዕገሶን ክትገጥሞን ዘጸግም ኩነታት ክሳብ ክንደይ እቲ ገባቲ ስርዓት ንሕብረተሰብና ክሳባ ኣብ ኣሓትን ፡ኣሕዋትን፡ ሰበይትን ፡ሰብኣይን ምትእምማን  ኣጥፊኦም ጸኒሖሙና።

ናብ ውሽጢ ህዝብና ንምእታው ዓቢ ጸገም ነይሩና ካብ ክቱር ፍርሒ ክረኽቡና ኣይደልዩን ኔይሮም ፡ ስእልን ቪድዮን ንምልዓል ጠርሹ ኣይካኣልን ነይሩ፡ ካብ ካሜራ ይሃድሙን ገጾም ይሽፉንን ኔሮም፥ ምኽንያቱ ስእሎም ናብ ጸላኢ ኣሕሊፍና ነስረክቦ ይመስሎም ነይሩ፡ ክሳብ ክንድዚ ተዳሂሎምን ርዒዶምን እዮም ነይሮም።

ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት 4—5 ዓመታት ትሕዝቶ ማረምኤ ብጣዕሚ ትሑትን ዉሱንን ስለ ዝነበረ ናብ ኩለን ናይ ስደተኛታት ቦታታት ክንበጽሕ ንኽእል ስለ ዘይነበርና ተወሳኺ ጸገም ካብ ስደተኛታት የጋጥሙና ነይሮም እዮም።

እዚ ጸገም እዚ ገና ዉንዙፍ ዘይተፈትሐ ዘሎ ስለ ዝኾነ ኩሉ ግዜ ረዲኤት ዓቢ ተደላይ ረቛሒ እዩ። ምኽንያቱ ብምኽንያት ብልሹው ምሕደራ ህዝቢ ኤርትራ ዓዱ  ጠንጢኑ ካብ 200—-300 ሰደተኛ መዓልታዊ ንኢትዮጵያ ጥራይ ይኣቱ ምህላዉ እዋናዊ ጸብጻብ ናይ ስደተኛታት ተውከልቲ ሕቡራት መንግስታት ይሕብር።

እቶም ብድሆታት ከምዚ ዝሰዕብ ኔሮም!!!

  1. ምኽንያት፡ ዝዕደል ረዲኤት ሕጽረት ስለ ዘሎ!!
  2. “  ኣባና እምነት ስለ ዘየንበሩ!!
  3. ‘’   ኣብ ውሽጦም ምትእምማን ዘይምንባሩ!!
  4. ‘’  ጉጉይ ሓበሬታ ብዛዕባ ማረምኤ ካብ ዝተፋላለዩ ኤርትራውያን ወገናት!!
  5. ‘’ ነቲ ነዊሕ ኢድ ህግድፍ ዝብል መፋራርሒ ዘይምስዓሮምን ምድሃሎምን!!
  6. ‘’   ኣብቲ መጀመርታ ናብ ስደተኛታት ምብጻሕ ፍቓድ ምርካብ ብቅቡል ጸጥታዊ  ምኽንያት ቀሊል ዘይምንባሩ፡ ምኽንያቱ ስደተኛታት ተመሲሎም ሰለይቲ ይኣትዉ ምንባሮም።

እዞም ብድሆታት ብሓጺር ግዜ ንምሽናፎም ቀሊል ኣይነበረን፡ ነዊሕ ዓመታት  ወሲድልና።  ብደረጃ ውልቀ ሰባትን፡ ዉሱን ቁጽርን፡ ናይ መላእ ስደተኛታትን ሰፊሕ ኣስቶምሁሮን ምኽርን ሰሚናራትን ብምሃብ ናይ ስደተኛታት ተቐባልነትን እምነትን ከሲብና።

ንሓፋሽ ሓቂ እንተ ነጊርካዮን እሞ ኣብ ቅድሚኡ ብተግባር ኣርኢኻዮን ይስዕበካ እዩ።

ነቲ ኩውንነት ብምርዳእ ማረምኤ ክሳብ ናይ ተቐባልነትን ምርድዳእን ምትእምማንን ምትሕብባርን ኣብ ሞንጎ ማረምኤን ስደተኛታትን ጥጡሕ ሃዋሁው ዝፍጠር ማለት፡ ንሕና ንዕኦም ኣብ መዓልታዊ ጸገሞም ብዓቕምና ክንረድእ ዝመጻእና ምዃና ነረደኦም ኣባላት ማረምኤ ዝናኣድ ትዕግስትን ተጸማምነትን ንዓመታት ከይሰልከዩ ኣርእዮም።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ጸገማት ብሓያል ተሳትፎን ሽርክነትን  ማረምኤን፡ ኣራን፡ ዩኤንን፡ ሎሚ ኣብ ስደትኛታት ካምፕ ዘሰክፉ ጸገማት ኣይኮኑን። ብዝምድናዊ ኣዛራርባ ኣምላኽ ይመስገን ዝነበሮም ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ፈቲሖም እቲ ጸገም ታሪኽ ኮይኑ እዩ።

ዝተፋላለዩ ስደተኛታት እዮም ዘሉዉ፥ ንሶም ከኣ፡ ማሕበር ስንኩላን፡ ኣረጋውያን፡ ደቀኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ኣብ ውሽጦም ድማ ማሕበር ናይ ኣእምሮ ሕሙማት፡ ሽኮርያ፡ ኤችኣቪ ይርከብዎም።

ማረምኤ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ይሕግዞም እዩ።

ክቡራንን ክቡራትን፥ ኩሉኹም ፍጡራት ብሓፈሻ፥ ብፍላይ ድማ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾንኩም ኤርትራውያን፥ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ህዝብናን ሃገርናን  ኣብ ልዕሊ ከቢድ ጭቆናን ቃራና መንገድን ንርከብ።

ስለዚ ሕጂ ቅድሚ ዳሕራይ ሎሚ ቅድሚ ጽባሕ ህዝብና ካብዚ ሓደገኛ ደመና ኣብ ርእስና ዝዝንቢ ዘሎ ንምድሓን ግዜ ክህልወና ይኽእል እዩ፥

ነዚ ንምዕዋት ሓንቲ መንገዲ ድማ ካብ ናይ ትማሊ ጌጋታት ተማሂርናን ተጣዒስናን ሓይልና ኣስሚርና ንቕድሚት ብምጥማት ናይ ሓባር ጸላኢና ምስዓር እዩ።

ክቡራንን ክቡራትን!! ታሪኻዊ ምስረታ ማረምኤ ብሓጺር ከላልየኩም ፈቲነ፡ ኣብ ሕሉፍ እንታይ ኣዐዊትናን፡  ናይ 2018 መደባትናን ክገልጸልኩም ኣፍቅዱለይ።

  1. ኣብዚ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ 4 ናይ ስደተኛታት ካምፕታት ኣብ ሰምየን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ በጺሕናን ዝተፋላለዩ ኣቑሑት ዓዲልናን።

Exif_JPEG_PICTURE

ንኣብነት፡ ውሽጢ ስረ ንሰበይቲ ንሰብኣይ፡ ሳእኒ ንሰበይቲ ሰብእይ፡ ከዘራን፡ ክራንች፡ዘይቲ ርእሲ፡ ክሬም፡፡ መመሸጥ፡ ሳምና ናይ ነብሲ፡ ኣጃክስ፡ ኦሞ፡ ናይ ሆስፒታል ዓራት፡ኣንሶላ፡ ክዳውንቲ፡ ናይ ስፖርት ጫማ፡ ቁምጣ፡ ማልያ፡ መጻሕፍቲ ፡ርሳስ፡ ቢሮ፡ ብራሽ ናይ ስኒ ምስ ኮልገት፡ እዚ ድማ ብማዕረ ብተሳትፎ ኣራን ዩኤን እዩ ተዓዲሉ።

ሓደ ካብቲ መምርሒ ማረምኤ ምዕባለን ነብስኻ ምኽኣልን ስለ ዝኾነ ነብሶም ንኽኽእሉ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ደጋጊምና ንማሕበራቶም መማዕበሊ ዝኸውን ኣበርኪታናሎም ኢና። ንእሽቱ ንግዲ ጌሮም ይምዕብሉ ምህላዎም ሓቢሮም።

  1. ብተወሳኺ መደባትና ንምስፋሕ ማለት ካብ ረዲኤት ናብ ምዕባለ ንምስግጋር ዝተፋላለዩ መሓዙትን ተሻረኽትን ክንፈጥር ክኢልና ኢና።

ናይ ቀረባን ርሑቕን ዓላማ ማረምኤ ኣብ ረዲኤት ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነስ ቀንዲ መጻኢ መዳባት መንእሰያት ብኸመይ ናብሮኦም ክመርሑን ተጸበይቲ ረዲኤት ከይኮኑን ብዝተፋላለየ ሞያ በብደረጀኦም ክስልጡኑን ክመሃሩን ምግባር ውን እዩ።

ኣብ ርእሲ ነካይዶም ናይ ረዲኤት ስራሓት ማረምኤ ኣብ ክኒንን ቅኒቶን ጽሩይ ማይን፡ መባኣታዊ ቤት ትምህርትን፡ ከነስርሕ በቒዕና ኢና ኣምላኻ ይመስገን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 120 ተማሃሮ ክጽሕፉን ከንብቡን በቒዖም፡ እዮም።

ኣዚ ናይ ጹሩይ ማይን ኣብ ዓዶም ቤት ትምህርቲ ምህላዎም ኣብ ታሪኾም መጀመርታ እዩ።

እቶም ተሻረኽትን ደገፍትን!!

Exif_JPEG_PICTURE

1 ’ከም  ማርዮን ስፕሪንገር ጀርመናዊት ሰበይቲ ኣብ 2015 ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ስደተኛታት ቦታ ናይ ዓይኒ ሕክምና ሰብ ሞያ ቆጺርና ንልዕሊ 1300 ስደተኛታት ኣብ 4 ናይ ስደተኛታት ካምፕ ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ሽመልባ፡ ሕንጻጽ፡ ብዓወት ኣካይድና።

2 ,ስታር ፎር አ ስታር ኣመሪካውያን ናይ ስኒ ሓካይም ኣብ 2015, 2017, እዞም ዉፉያት ሓካይምን ሓገዝቶምን ምስ ኩሉ መሳርያታቶምን ኣድላይ ዘበለ መድሃኒትን ሒዞም ኣብ 2015 ልዕሊ 600 ሕሙማት ኣብ 5 መዓልቲ ኣብ 2017 ድማ ልዕሊ 540  ኣብ 5 መዓልቲ ዕዉት ስራሓት ኣካይድና።

3, ኣደ ኬር ዝባሃላ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበር ኣብ ኣመሪካ ኣብ 2016 ናይ ገንዘብ ሓገዝን ሓጺበን ዝጥቀማሉ ፍሉይ ሞዴስን ነሕዋተን ማሕበር ደቂ ኣንስቶዮ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ሓጊዘን ማረምኤ ድማ ብሽመን ኣበርኪቱ ቪደዮ ኣብ ዩ ቱብ 2016 ተመልከቱ።

4 ፒስ ኤንድ ራይትስ ዝባሃሉ መሃንድሳት ካብ ዝተፋላለየ ዓልየትን ሃይማኖትን ካብኣቶም ሓደ ኤርትራዊ መሃንድስ ዳኒኤል ብርሃነ ንብጾቱ የእሚኑ ናይ ገንዘብ ሓገዝን ነቲ ናይ ሆስፒታል ዓራውቲ መጽዓንን ብምኽፋል ኣብ 2012—13—14 ብርክት ዝበለ ረዲኤት ስለ ዝሓገዙ እቲ ዓራት ኣብ 3 ስደተኛታት ቦታ ተመዲቡ ይሰርሕ ኣሎ።

5 ’ዩናይተድ 4 ኤርትራ ብጣዕሚ ብጽፈት ዝተወደቡ ምሁራት መናእሰይ መሃንድሳት ሓካይም ዝተፋላለየ ሞያ ዘለዎም ኮይኖም ማሕበሮም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብዘይ ምቁራጽ ብሓሳብ ብተክኒክ ብገንዘብ ክድግፉ ጸኒሖም፡ እሞ መብዛሕትኦም ተማህሮ ክነሶም ካብ 2012–2017 ማረምኤ ኣብ ሕጽረት ምዕዳል ክወድቕ ከሎ እዩ ረዲአቶም ዘርክብ።

6፣’ስመር ሩም ቁጽሪ 1 ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብፍላይ ኣብ 2016—17 ዓቢ ኣገዳሲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ኣባላቶምን ደለይቲ ፍትሕን ኩልና ብሓባር ነቶም ዝግብኦም ህዝቢ ክኒንን ቅኒቶን ጹሩይ ማይ ንምብርካት ልዑል ግደ ተጻዊቶም እዮም። ብተግባር ድማ ኣብዚ ስራሕ እዚ ኣካላት ማረምኤ ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።

  1. ራዲዮ ኣሰና ክቡር ተጋዳላይ ኣማኒኤል እያሱ ምስ ተረባሕቲ ካብ ሎንዶን ቃል ማሕተት ኣብ እዋኑ እንዳ ኣግበረ ንኹሉ ኣብ ዓለም ዝርከብ ህዝብና ብምቅላሕ ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ናይ ረዲኤት ኮይኑ ናይ ማረምኤ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ ስደትን ብምቅላሕ ንሓያለ ደለይቲ ፍትሒ ኣባራቢሩ ምንጪ ሓገዝ ክርከብ ኣኽኢሉን እዩ። ከም ኣብነት ደቂ ክኒን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ።

8.ኣብ 2014 ስርክስ ትግራይን ማረምኤን ብምውህሃድ ብዓይነቱ ንመጀመርታ ግዜ ዝኾነ 9 ፍሉጣት ኣርቲስት ኢትዮጵያንን 9 ፍሉጣት ኣርቲስት ኤርትራውያንን ወዲቡ፡ ኣብ ትሕቲ ክልተ ሃገር ሓደ ህዝቢ ሓደ ባህሊ ሓደ ቋንቋ ዝብል ጭርሖ ሰፊሕ መደብ ብምድላው ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ንስደተኛታት መዓስከር ዕዉት ምርኢት ኣካይድና፡ እቲ መደብ ቀጺሉ ኣብ መቐለ ኣብ ኣኹሱም ሆተል ብ50 ብር መእተዊ ሓገዝ ንስደተኛታት ወጋሕ ትበል ለይቲ ተኻይዱ። እቲ መልእኽቲ ንኽልቲኡ ህዝብታት ዘሳኒ ትሕዝቶ ኔሩዎ። ነዚ ኣዝዩ ክቡር መድብ 75% ካብ ሓደ ሃብታም ኢትዮጵያዊ ክኽፈል ከሎ 25% ድማ ካብ ኣራ እዩ ተኸፊሉ። እቶም ኣርቲስትን እቲ ኣዳራሽን ብነጻ እዮም ንማረምኤ ተበጂዮሞ።  ።

በዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ማረምኤ ንኹሎም ኣባላትን መሻርኽትን መሓዙትን ደገፍትን ብእኩብ ወይ ብውልቀ ንማረምኤ ዘወፈኹሞ ሓገዝ ካብ ዜሮ ተበጊሳ ኣብዚ ደረጃ ክትበጽሕ ዝኻኣለት ልባዊ ምስጋና ንቕርብ።  ብዘይ ናታትኩም ኩሉ ሸነኻዊ ሓገዝን ምትብባዕን እዚ ዓወታትን ስራሓትን ክዉን ክኸውን ኣይምኻኣለን።

ናይ ማረምኤ 2018 ፕሮጀክት!!!

ማረምኤ ኣብ 2018 ንዝወጠናዮ ሰፊሕ መደብ፡ ህዝብና ንምርዳእ ብምድግጋፍ ደለይቲ ናጽነትን፡ሰላምን፥ ፍትሕን ፡ ደሞክራስን፥ ሕጂውን ከምቲ ልሙድ ከነዐውቶ ዓቢ ተስፋ ኣሎና።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ማረምኤ ካብ ዜሮ ክንምስርቶ ከሎና እምነት ኣምላኽ ሒዝና ነዚ ቅዱስ ህዝባዊ ዓላማ ስራሓት ብናታትኩም ሓገዝ ንምዕዋቱ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ዕዉት ስራሓት ከም ዘካየድና ኣብ ላዕሊ ጠቒስና ኢና፡ እዚ ዓወታት እዚ ብተሳትፎ ዘይመንግስታዊ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን፥ ብንጹህ ሕልናን ድሌትን ለገስቲ ውልቀ ሰባትን፥ በቶም ዉፉያትን፡ ጹኑዓትን፡ ኣባላቱን ናይ ቀረባ ፈተውቱን እዩ ተዓዊቱ።

እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ መደባት ብፍቓድ ኣምላኽ ኣብ 2018 ከነዐውቶም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ይጽበዩና ኣለዉ።

  1. መብዛሕትና ከም ንዝክሮ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ፕሮጀክትና ብዛዕባ ንስንኩላን ዝተወፈየ ዊልቸር ብሰንኪ ሕጽረት ናይ መጎዓዚ ገንዘብ ክላእኽ ኣይከኣለን ንዕኡ ዝኸውን ክሳብ  3000$ የድሊ።
  2. ነተን ዝተጠቐሳ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክኒን፡ ቅኒቶን፡ ንመማህራን ደሞዝ፡ መስረታዊ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና፥ ንተማሃሮ ዩኒፎርም፡ ንተወሳኺ መምህር፥ ምኽንያቱ ክሳብ ሕጂ ካብ መውዓሊ ሕጻንት ክሳብ 2ይ ክፍሊ ጥራይ ስለ ዝኾነ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ኣብ ዓዶም ክማሃሩ፥ ምኽንያቱ ደቂ 8—9 ዓመት ቆልዑ ዶብ ሰጊሮም ናይ 4 ሰዓታት ክኸዱ ክምለሱ ከቢድን ሓደገኛን ስለ ዝኾነ ነዚ ንምዕዋት ብግምት 5000$
  3. ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ኣብ ልዕሊ ቶም ዝነበሩ ማሕበራት ናይ ስንኩላትን፥ ሽማግለታትን፥ ደቀ ኣንስትዮን፥ ተወሰኽቲ 3 ማሕበራት ማለት፥ ሀ። ናይ ሽኮር ሕሙማት፥ ለ፥ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ሐ፣ ናይ ኤች ኣይቪ ሕሙማት ነዚኦም ፍሉይ ክንክን ክግበረሎም መጀመሪ ዝኸውን ብግምት 6000$ ።
  4. ከምቲ ኣብ ስመር ሩም 1 ንለውጢ ኣብ 15 ታሕሳስ 2017 ዝጠቐስናዮ ሕክምና ዓይኒ ነቲ ናይ ድኻታት ድኻ ኮይኑ ዘሎ ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ተደላይ ስለ ዝኾነ ብጻይ ሃብተጽዮን1974 ኣብ ስመር ሩም 1 ሓላፍነት ናይ ህዝቡ  ወሲዱ 2200 መነጸር ኣኪቡ ስለ ዘሎ ንመጓዓዝን ሰብ ሞያ መቑጸርን  ብግምት 1500$።
  5. ከምቲ ኣብ ዝተፋላለየ መራኸቢ ብዙሃን ዝኣወጅናዮ ህዝብና ኩሉ ዓይነት ረዲኤት ሕክምና ስለ ዘድልዮ፥ እቶም ዉፉያትን ጹኑዓትን ናይ ስኒ ሓካይም ኣካላት ማረምኤ ንሕዳር 2018 እቲ ልሙድ ኣብ ህዝብና ዘካይድዎ ሕክምና ንምስልሳል ይመጹ ስለ ኣለዉ። እዚ ብጣዕሚ ክቡር ወጻኢ 100% ብስታር ፎር አ ስታር እዩ ዝምወን ብግምት 50,000$ ኣቢሉ ይውድእ። ንመራሒት እዚ ፕሮጀክት ክብርቲ ጓልና ዶ/ ኣስቴር ርስቶም ገብረሚካኤልን ንኹሎም መሳርሕታን ልባዊ ምስጋና ይብጻሓዮም።

Exif_JPEG_PICTURE

ክቡራንን ክቡራትን፥ ፍጡራት ደቂ ሰባት ብሓፈሻ፥ ብፍላይ ድማ ንኹሎም ብጾትን፥ ኣዕሩኽን፥ ኣሓትን፥ ኣሕዋትን፥ ኩሎም ደቅናን፥ ከምቲ ናይ ትግርኛ ምስላ ኣቦታትና ዝብሎ 50 ለሚን ንሓደ ሰከሙ ን 50 ግና ፈውሶም ወይ (ጌጾም) ስለ ዝኾነ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ (ማረምኤ) ብትሑት ሕላና ናባኻትኩም እንዳ ኣማሕጸና ህዝብና ካብ ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ናይ እዋኑ ቃንዛ፥ ማለት ክሳብ ዘላቒ ፍታሕ ዝርከብ ካብቲ ጨካን ወንጀለኛ ስርዓት ክሃድሙ ኣብ ሽግር ይወድቁ ስለ ዘለዉ ግዝያዊ ረዲእት ክንገብረሎም ደጊምና ብትሕትና ነማሕጽን።

 

ብግምትና ናይ 2018 ዝወጥናዮም መድባት ንመጀመሪ ዝኾነና ባጀት ክሳብ 15,500 $ ኮይኑ ብዘይ ናይ ስታር ፎር አ ስታር ናይ ስኒ ፕሮጀክት እዩ።

እዚ ንምዕዋት ኩልና ብሓደ ጸኒዕና ብሓቦን፡ ሰናይ ድሌትን፡ ብልብን፡ 1$ ንመዓልቲ እንተ ወፊና ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ ብቐሊሉ ክንገብሮ ከም ንኽእል።

እንተ ሰሚርና ሓያላት ኢና ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ድማ ለውጢ ከነምጽእ ንኽእል ኢና።

እንተ ተፋላሊና ግና ድኹማት ኢና ድኹዒ ጸላኢና ድማ ንኸውን።

ማሕበርኩም ማረምኤ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ንኹሉ ግዜ ዘገልግል ማሕበር እዩ።

ማረምኤ ንኹሎም ብንጹህ ልቢ ክሳብ ሕጂ ዝደገፉ ክቡር ልባዊ ምስጋና ይብጻሓዮም ንመጻኢ ቀጻሊ ደገፎም ከይፍለየና ደጊምና እንዳማሕጸና ንሓደስቲ ብንጹህ ሕላና ክልግሱ ድማ ብትሕትና ንማሕጽን።

ማረምኤ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ብትዕግስትን ጽሮትን ንዝገበሩልናን ቀጻሊ ዝገብሩልናን ዘለዉ ኩሉ ዓይነት ሕውነታዊ ምትሕብባር ልባዊ ምስጋና ነቕርብ።

ካብ ኩሎም ኣማሓደርትን ኣባላትን ማረምኤ

ብጻይኩም ካሕሳይ እሕደጎ

 

Our full Address:

Eritrean Relief & Development Association e.V.                                                                    Postfach 2306

76011 Karlsruhe, Gemany

Internet: www.Relief-Eritrea.Org

Email: Administration@Relief-Eritrea.org

Bank: Soarkasse Karlsruhe Ettlingen

IBAN: DE08 66050 0101 0108 1032 27

SWIFT- BIC; KARSDEXXX

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! February 9, 2018

    Let’s give credit to whom it belong including the good heart people
    from Tigray . May God bless everyone involved in this noble mission .

    • Asmerom February 9, 2018

      It seems the people of Tigray and Ethiopia have always been very friendly, caring and kind to Eritreans. And now since they got rid of you muslim cancerous for good they have become more kinder and prosperous to help Eritreans in higher educations, training and in medical fields. If it wasn’t for your evil Islamic Egyptian/Arabs backed Pan-Arabism shit garbage banditry and destructive, suicidal and mad evil ELF mendef adventure, we also would’ve been living in peace and would’ve been working for development and prosperity of our people like the Ethiopians. I also believeonce we get rid of you cancerous muslims we’ll prosper and live in peace too without our poor young generation scattered and shamed as refueges all over the world.

      • Asmerom February 9, 2018

        addition: evil Islamic Egyptian/Arabs initiated/backed Pan-Arabism shit garbage……..

      • Tesfit February 13, 2018

        Asmerom!
        ጽሑፋትካ መርዛምን ህዝብታት ፈላሊኻ ነንሕድሕዱ ንኹናቖት ዝዓለመ ይመስል። ካብቲ ጹሑፋትካ ኣዚኻ ብድሑር ሕብረተሰባዊ ሕማማት ዝተቛማጣዕካ ምኻንካ ክርዳእ ኪኢለ። እቲ ንዓኻ ዘቕርቦ ሕቶ እንተልዩ፣ እንታይ ክትረክብ ኢኻ እዚ ኹሉ ክፍኣት፧ እቶም ናይ ብሓቒ እስላም ገበርት ጽቡቕ ደኣ እምበር ብኸምዚ እስኻ ትገልጾ ኣይኮኑን። እታ ጀብሃ እናበልካ ትዘልፎ ዘረባሲ ኣይ ጀብሃ እንድያ ቓልሲ ጀሚራ ፍርቒ ናጽነት ዘረከበት። እኒ ኣቦኻን ኣቦይንስባ ኣንድነት ኢሎም ንኤርትራ ብስምብርን ሜስን’ዶ ኸይኮኑ ንኢትዮጵያ ዝሸጥዋ። እስኻ ዘይሓላፍነታዊ ስራሕ ኣትስራሕ። ኣሰናኸ ስቕ ኢሎም ድዮም ዝሪኡኻ። እንድሕሪ ጽልኢ ናይ ነብስኻ ኣሎካ ሓኪም ተርአ። ኣሰና መዛተይ ድኣ እምበር መጻልኢ ኣኮነን። እዚ ወደሓንካ።

  • Gedamu February 9, 2018

    Thank you to the good brotherly people of Tigray, Ethiopia and also more to the organizers of Mahber {MRME).

  • Sol February 10, 2018

    Asmerom, you are simply a socially sick person like your mafia boss DIA.

  • zigerim February 11, 2018

    It is funny how Assenna allow Asmerom to post here but most Eritreans who criticize Ethiopia or opposition are banned from posting. It is obvious Weyane is paying for this complicity.

  • Haile Berhane February 15, 2018

    Asmerom is one of those who try to damage the credit of the organization by looking as a supporter. He is sawing evil ideas because he is a PFDJ stooge.

Post a Reply to Haile Berhane Cancel Reply