Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሕርቃን”

እስኪ ንሓንቲ መዓልቲ ከም ሰብ ንሕሰብ። ባህርያት ደቂ ሰባት ግን ካብ ኤርትራውያን ዝረሓቐ ከይትብሎ፣ ኩሉ እቲ ናይ ተመሳሲልካን ናይ በለጽን፣ ናይ ቅርሕንታን ስስዐን ተሰኪምናዮ ወይ ተለማሚድናዮ ከይከውን እምበር ንሱስ ካባና ክርሕቅን ክጠፍእን ኣይከአለን። ወላ ንሕና

እስኪ ንሓንቲ መዓልቲ ከም ሰብ ንሕሰብ። ባህርያት ደቂ ሰባት ግን ካብ ኤርትራውያን ዝረሓቐ ከይትብሎ፣ ኩሉ እቲ ናይ ተመሳሲልካን ናይ በለጽን፣ ናይ ቅርሕንታን ስስዐን ተሰኪምናዮ ወይ ተለማሚድናዮ ከይከውን እምበር ንሱስ ካባና ክርሕቅን ክጠፍእን ኣይከአለን። ወላ ንሕና ማራ እንተፈተናዮ ንምንታይ ንሱ ዘይጸልኣናን ዘርሕቀናን ንብል ሐደ ሐደ ጊዜ ብሕርቃን። ንኤርትራውያን ብዙሕ ዝሕርቕን ዘሕዝንን ኩነታት ኣጥለቕሊቑና ከሎ ግና ክንመስል፣ ነቲ ዘሕረቐናን ዘሕዝነናን ዘሎ ጉዳይ ይኹን ሰብ ክንብርከኸሉ ከም ብልሒ ንቖጽሮ። ነቲ ርእዩን፣ ግሁዱን ነጺግና ነቲ ብፍርሂ ዝተላዕጠጠ ምኽንያታት ክንኣምን ንመርጽ። ስለምንታይ እንተበልና ነቲ ንኹላህና ጠቓሚ ሓሳብ ኮነ ግብሪ ገዲፍና ነቲ ናይ ውልቃዊ ብዝያዳ ስለንመርጽ ይመስለኒ። ኩሉ ናይ ሓበራዊ ጥቕምን ኣተሓሳስባን ከአ ንጎኒ ኣወንዚፍና፣ ካልኦት ጥራይ ብዝገበርዎ ተጠቀምትን ተበለጽትን ክንከውን ንመርጽ።

እዚ ጉዳይ እዚ ብፍላይ ነቶም ኣብ ዓዲ ዘለው ዜጋታት ብሕልፊ ይምልከቶም እንተበልኩ ኣይተጋገኹን። ደቆም ከም ዘይናታምን ዘዕበዩዎምን ንዘይኣምኑሉ ስርዓት ከገልግሉ ከም ገጸ በረኸት የረክቡ። ሕጂሞ ባዕላቶም እቶም ኣዛውንቲ ዝበሃሉ ንደቆምን ደቂ ደቆምን ብጭካነን ብዘይንሕስያ ኣሕሊፎም ክህቡ ዝጋየዩ ኣይወሓዱን። ህግደፍ ከአ ከም ውራያ ዘጸበቐላ ወሓለ

ኣራዕጢጡ ኮፍ ኢሉ ክነብር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወጠኖ መደብ ይሰርሓሉ አሎ። ከላሽን ንኹሉ ህዝቢ ሂቡ ነንሕድሕዱ ክዋዳእ ዝመሃዞ  ሽጣራ ብሽም ልዕላዊ ሃገራዊነት ብውጺኢቱ ዕጉቡን ሕጉሱን ኮይኑ። እዚ ከአ መኣስ ኢና ከም ሰብ ንሓስብን እቲ ኣጢዕቕናዮ ዘሎ ከላሽን ናብ እቶም በደልትናን፣ ጨከንቲ ሕጊ ኣልቦ ነቕንዖ ዘብል ሕቶ የለዓዕል። ህግደፍ ቀሲኑ ክሓድር ስድራ ንስርዳ ክባላዕ ምእንትን ዝመሃዞ ብልሓት ፈሊጥና ክንምክቶ መኣስ ኢና ከም ህዝቢ ይኣክል ኢልና ንትንስእ። ወይስ ጽባሕ ጽባሕ ደቅና ኣዕቢና ንባርነትን ንስልጣን ህግደፍ ከነናውሕ ከም ህያብ ምርካብ ይሕሽ ኢዩ እቲ ምርጫ።

ኤርትራ፣ አደ ለባማትን በላሕትን ከላ ክንሳ ፣ ብፍርህን ሽቑረራን ናብራ ህዝቡ ዘይንግደስ ካብ ኮና፣ ከመይ ኢልና ኢና አደ ጀግና ክትውጽዓን ክትጽቐጥን ከላ ክነጽምም ዝመረጽና። ወይስ ሐደ ሰብ ጥራይ ኢዩ ጅግናን፣ ለባምን በሊሒን ኣብ ኤርትራ ዝተውልደ። ጅግና ከአ ይውለድ እምበር መዋእል ኣይነብርን ምኻኑ ኸ ንፈልጥ ዲና። እቶም ኢሳያስ ኣፍወርቂ ከም ሐደ በደለኛን ኩሉ ዝቆጻጸሮ ገይሮም ንህዝቢ ከስምዑ ዝፍትኑ፣ ንሳቶም ውን ሎሚ ካብኡ ተፈልዮም፣ ካብኡ ግና ዘይሕሹን ተለኣኽኽቱ ዝነበሩ ገበኘናታት፣ ቅኑዓትን ተገደስትን ህዝቢ ኮይኖም ንነፍሶም ዘቅርቡ ደቂ ማሕበሩ ዝነበሩን ዘለውን ዕላምኦም ምፍላጥ ከድሊ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ መንነትካን ታሪካን ብግቡእ ክትዕቅብ እንተደሊኻ፣ ሎሚ ኣንጻር ገፋዒ ክትሓርቕን ክትስእን ኣለካ። ባዕልኻ መጻኢኻ ሓንጽጽ እምበር ብናይ ፖለቲካ ደለልቲ ኢና ዝብሉ ተጠቢርካ መሰልካ ብቐጻሊ ክርገጽ ኣይተፍቅድ። ሕረቕ! ሕረቕ! ሕረቕ! ንፍትሕን ሕግን ኣብ ዕድኻ ክሰፍን።

“ሕርቃን”

ሕርቃን መቆጻጸሪ ዘይብሉ

ካብ ውሽጢ ዝፈልሕ ነቒሉ

ንደጌ ዝድርጋሕ ገንፊሉ

ኣሕ የብል ሓሞት ኮምቲሩ

ንምታይ ስለምንታይ – ሕቶታት ኮሚሩ

መልሲ ብቐሊሉ – ኣብ ዘይትረኽበሉ

ምፍጣርካ ክትጸልእ እትግደደሉ

ሕርቃን ምስ ደፍአ ነዲሩ

ኩነታት ካብ ዓቕሙ ጸንኪሩ

ክወጽእ ብጋሂ ቦንቁሩ

ሕርቃን ንጋሂ ይውስኸሉ

ክንህር ክጽለል ሞቶሩ

ብዝሓለፈ ከይአክል አሓዲሩ

ንትዕግስቲ ቀስ ብቐስ ሲዒሩ

ንደረት ዓቕሊ ሰባቢሩ

ንለባም ዓሻ ገይሩ

ሓዲሽ እንዳወሰኸ ዝሓለፈ ዘኪሩ

ብሕማቕ ክምዝኖ ንጽቡቕ ከዊሉ።

 

ውሽጥኻ ምስ ገሃረ – ደምካ ምስ ፈልሐ

ሕርቃን ዘይላቡ – ዓቕልኻ ምስ ጓጕሐ

ስኣን ርግእ ኢልካ – ብዓቕሊ ተሓስቦ

ሕርቃን ይበታትኾ – ንጽቡቕ ትእክቦ

ጻዕርኻ ይብተን – ህይወትካ ይገማጠል

ግና ኣይትሰዓር – ዝበስበሰ ከም ዝበቁል

ንሓቂ ኣይትርገጻ – ክትሃድም ክትዘልል

ሕርቃን ንዘምጸአልካ – መሊስካ ኣቐብሎ

ጽኑዕ እምበር – ስሱዕ መአስ ይኽእሎ።

 

ዝሓለፈ ጌጋ – ብሰንኪ ሕርቃን

ዕማኾ ክቕየር – ናብ ጎቦ ዘይዕቀን

ዝረግአ ትዕግስቲ – ብሕርቃን ክበታተን

ዓለም ምስ ጠፍኦ – ንፍትሒ ንሚዛን

ጨካናት ስሱዓት – ፈጢሮማ ሕርቃን።

 

ራህዋን ብልጽግና ምስ ሰላም ንህዝብና

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትን።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

 

“ሕልና – 10/28/2011”

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • kebary December 24, 2015

    ehmmmmm menkon ykown eti eritrawi ktsie zdle zelo entay dhrebayta zelewo eske ngeruna eritrawi kulu tegadilu kulalu ab agelglit twafiru ksab 28 zuriya kemtiezaz koynuwo dma yserh rgtsegna eye bflay ksab 12 zur maere etom gedaym tehatati endabelna kemnewengilo ayeay akimi muhur dea ytesie hji entay dhre baytake khlwo alewo ???? ehmmmmmmm

  • jonus Jabar December 24, 2015

    wahale zereba selomen mene emo kismo ezi zerebaka.ember gebel wedi Afewerki
    da kiwuhtena kinebr eyu mistom esle aklabatu koynu.

POST A COMMENT