Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕሰም መግዛእቲ መንግስቱሃይለማርያም ዘረስዕ ዝኸፍኤ ግፍዒ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ።

ክልቲኦም ውልቀ-መለኽቲ’ኳ እንተኾኑ፣ግፍዒ ኢሳይያስ ካብ ናይ መንግስቱ ጭቆና ይኸፍእ።      1.      ውልቃዊ ባህሪኦም ሓደ ኮይኑ ናይ ጨካን ኣራዊት ዘገዳም ጠባይ ዘለዎም፣ከም ሰብ መጠን ኣብ ደቂ ሰባት ርህራሄ ዘይብሎም’ዮም።ፍልልዮም ግን መንግስቱ ሃይለማርያም ዓገብ ብህዝቢ የንቅፈና’ዩ ንዝብሎ ናይ

ክልቲኦም ውልቀ-መለኽቲ’ኳ እንተኾኑ፣ግፍዒ ኢሳይያስ ካብ ናይ መንግስቱ ጭቆና ይኸፍእ።     

1.      ውልቃዊ ባህሪኦም ሓደ ኮይኑ ናይ ጨካን ኣራዊት ዘገዳም ጠባይ ዘለዎም፣ከም ሰብ መጠን ኣብ ደቂ ሰባት ርህራሄ ዘይብሎም’ዮም።ፍልልዮም ግን መንግስቱ ሃይለማርያም ዓገብ ብህዝቢ የንቅፈና’ዩ ንዝብሎ ናይ ብጻዩ ምኽሪ ኪሰምዕ ከሎ፣ንኢሳይያስ ዓገብ ዝበለ ግን ናብ ማእሰርቱ ስለ ዝኾነ፣ኩሎም እቶም ኣገልገልቱ ነቲ እከይ ተግባራቱ ጽቡቕ ኣሎኻ እናበሉ’ዮም ዝነብሩ።

2.     ንስልጣን ኣበጋግስኦም ሓደ ኮይኑ፡ኢሳይያስ ካብ ምጅማር ህዝባዊ ሓይልታት፣ካብ መንካዕ ጀሚሩ፣ነቶም ኣብታ ንግዚኡ ሕዙዋ ዝነበረ ስልጣን ይኹን ኣብ ግዜ ነጻነት ኣብ ስልጣን ከይወዳደርዎ ዘስግኡዎ በላሕትን ምሁራትን እናቐንጸለ ንውልቀ-መላኽነቱ እናጣጠሐ ክመጽእ ከሎ።በትረ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ጀሚሩ’ውን ነቶም መማህርቱን ሰላሳ ዓመት ኣብ ጎኑ ዝተቓለሱን ካልኦት ምሁራትን ኣብ ምሕቃቖም ይርከብ፣ መንግስቱ’ውን ’’ኣብዮት ልጆችዋን ትበላለች’’ ብዝብል መፈክር፣ጸረ-ኣብዮት ብዝብል ምስምስ ኣሽሓት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ክቕንጽል ከሎ፣ነቶም ምስኡ መፈንቅለ መንግስቲ ዝገበሩ 120 ናይ ደርጊ ኣባላት ብዘይካ 5-6 ዕሱባቱ ንኹሎም ቀንጺሉዎም’ዩ።ኣብዚ ኣገባብ ኣተሓሕዛ እሱራትን ኣቀነጻጽላን ግን ናይ ኢሳይያስ ዝኸፍአ ኢዩ፡ምኽንያቱ ነቲ ከሕቅቖ ዝደለዮ ሰብ ምስ ኣሰሮ ’’ከምቲ ዳስ ሓውያ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ኣይረኣናን’’ ዝበሃል ኮይኑ፡ብዘይ ፍርዲ፡ ቤተ ሰቡ ከይበጽሕዎን ከይረኣይዎን ሓቒቑ ይተርፍ።ብመንግስቱ ትእዛዝ ዝተኣስረ ግን ዝተኣስረሉ ቦታ ፍሉጥ፣ቤተ ሰቡ ቀዳመ-ሰንበት መግብን ክዳንን ሒዞም ይበጽሕዎ፣ሓድ ሓደ ግዜ ኣብ ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ይገብር፣ንገለ’ውን ብዘይፍርዲ ዘሕቅቖም ኣይሰኣኑን።

3.     ጃምላዊ ህልቂት መንግስቱ፣ቆልዑ ሰብኣይ ሰበይቲ ከፈለየ ብኣልማማ ብኣየር ህዝቢ ክውድእ ከሎ፣ኢሳይያስ ከኣ ካልእ ይትረፍ ነቶም ምእንቲ ሃገሮምን ነጻነቶም ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ከይተረፈ ብጃምላ ዝርሽርሽ ኢዩ።

4.     ምድስካል፣ካብቶም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝርከቡ ኣባላቱ፡ንኢሳይያስ እሺ ጎይታይ ኢሉ ዘይተኣዘዞ ሓንቲ ሕቶ ወይ ርእይቶ ዘቕረበሉ፣ከም ድፍረት ስለ ዝቖጽሮ ከም ዝድስክል ብምግባር ኣብ ናይ ስነ ኣእምሮ ስቅያት ወዲቑ፣ብጸቕጢ ደም፣ብሽኮርያ፣ብሕማም ጸላም ከብዲ(ፌጋቶ) ወይ ኣእምሮኦም ስሒቶም ብስቅያት ዝሞቱ ብዙሓት ኢዮም።መንግስቱ ግን ንሓደ ኤርትራዊ በዓል ሰልጣን ኣደስኪሉዎ ዝበሃል ኣይተሰምዐን ኣይተራእየን።

5.     ምኽባር መሰል ቂ ሰባት፣ እታ መሰል እትብል ቃል ኣብ ኣእምሮ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ቦታ የብላን።ምኽንያቱ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝሕሉን ዝጣበቕን ሕገ መንግስቲ ስለ ዘይብሉ።መንግስቱ ግን ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ኣብዮት ክሳዕ ዘይተጻረረ መሰል ናይ ጽሑፍ፣ናይ ዘረባ፣ናይ ሰላማዊ ሰልፊ፣ርእይቶን ነቐፌታን ናይ ምቕራብ፣መሰል ናይ ሰሪሕካ ምብላዕ፣መሰል ናይ ኣፍቂድካ ካብ ሃገር ምውጻእን ምእታውን ነይሩዎ’ዩ።

6.     መንግስቱ ሃይለማርያም ንሓደ ኣብ ከተማ ተልእኹኡ ኣብ ምፍጻም ዝተሰውኤ ኤርትራዊ  ተጋዳላይ ፣ጦር ሰራዊት  ንሬሳኡ ኣብ ማእከል ጽርግያ  ዘርጊሖሞ ምስ ጸንሕዎ፣እዚ መንእሰይ’ዚ ኣብ ዕላማኡ ዝተሰውኤ ጅግና ስለ ዝኾነ፣ብወታሃደራዊ ሰልፊ ብኽብሪ ቅበርዎ ክብል ከሎ፣ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ግን ነቲ ኣብ ጎኑ ተሰሊፉ ሃገር ዘምጽኤ(ካልእ ታሪኹ ገዲፍና) የማናይ ኢዱ ዝነበረ (ናይዝጊ ክፍሉ) ብናይ ውልቂ ቂም ኣብታ መበቆሉ ዝኾነት፣ መዳሕንቱ ዝተቐብረትላ፣መፍለጢት መንነቱ ዝኾነት ዓዱ ከይቕበር ከልኪሉዎ።

7.     ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ንወታሃደራት ዝኾኑ መንእሰያት ክምልምል ከሎ፣ኣብ ሓንቲ ስድራ-ቤት ምቕሊ ይገብር ነይሩ’ዩ፣ማለት ኣብ ሓንቲ ስድራ ክልተ መንእሰያት እንትድኣ ኣልዮም፣ሓደ ይውሰድ እቲ ሓደ ነታ ስድራ ይናብያ።ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ግን ኣብታ ስድራ ሓሙሽተ መንእሰያት እንተ ኣለዉ ብሓሙሽቲኦም ወሲዱ የሰውኦም፣ወለዲ ናባዪ ዘይብሎም ይተርፉ፣ኣብ ኤርትራ ድማ በዚ ኣገባብ’ዚ ዝበረሳ ስድራ ቤታት ከምዘለዋ ታሪኽ ክገልጾ’ዩ።

8.     መንእሰያት ደቂ ሃገር ከም ባርያ ጌርካ መግዛእቲ፣ኣብ ታሪኽ ከም እንፈልጦ ናይ ኣሜሪካ ትሕተ ቅርጺ ብጸለምቲ ኣፍሪቃዊያንን ብደቂ ጪናን ከም ባራዩ ኮይኖም ከም ዝሰርሕዎ ኢዩ፣ልክዕ ብውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ’ውን ይድገም ኣሎ።ንሱ ካብቶም ሃብታማት ሓረስቶት ናይ ጋሽ-ባርካ ገንዘብ እናኣከበ ነዞም ዕሸላት መንእሰያት ብዘይ ደሞዝ ከም ባርያ የስርሖም ኣሎ።እዚ ተግባር’ዚ ግን ኣብ ስርዓት መንግስቱ ኣይተራእየን ኣይተሰምዐን።

9.     ሃይማኖታዊ  እምነት፣ክልቲኦምውልቀመለኽቲኣብዴስነትስለዝኣምኑ፣ዴሳዊስርዓትድማእምነቱኣብነገር(ማተር) ስለዝኾነህላዌናይኣምላኽኣይኣምኑንዮም።ይኹንእምበርኣብመንጎመንግስቱንኢሳይያስንዓቢፍልልይኢዩዘሎ።ንሱከኣመንግስቱብጥብቂዝከታተሎምዝነበረነቶምኣባላትናይታፓርቲ(ኢሰፓ) እንተዘይኮይኑእቲሰፊሕህዝቢኣብዝደለዮእምነትኣብዝደለዮቤተክርስትያንከይዱከምልኽምንምዝኽልክሎኣይነበረን።ውልቀመላኺኢሳይያስግንንኹለንነተንናእሽቱሃይማኖታትከምበዓልጴንጠቆስጤ፣የሆዋ፣ቃለሂወት፣ምሕረተኢየሱስ፣ሙሉወንጌልወዘተ…….. ክዓጽወንከሎ፣መራሕተንኣብቤትማእሰርቲኣብስቅያትይርከቡኣለዉ።ነተንዓበይቲሃይማኖታትሰዓብቲክርስትናበዓልኦርቶዶክስ፣ካቶሊክ፣ፕሮተስታንትድማኣብትሕቲቁጽጽሩብዓለማዊያን(ጭዋታት) ሰባት ከም ዝመሓደራ ብምግባር ናይ መንፈስ መራሕተንካህናትንምሁራትሊቃውንተንንኣሲሩ፣ዝተረፉካህናትንድያቆናትንከምዝዕስከሩንብረትከምዝዓጥቁንብምግባርኣይምዉታትኣይስሩራትጌሩውንትልኽይብላኣለዋ።መርገምዘይፈርሕ፣ህድግለነዘይብሉጨካንኣራዊትምዃኑድማነቶምዕድሚኦምምሉእኣብምንኩስናኣብገዳምዘሕለፉወዲ 85 ዓመትኣቦ ናይኦርቶዶክስተዋህዶቤተክርስትያንፓትሪያርክኣቡነእንጦንዮስኣሲሩኣብስቅያትይርከቡኣለዉ።ኣብማንምባዕዳዊገዛኢዘይተገብረድማሕጂናይተንዓበይቲኣብያተክርስትያናትመማሓደሪ ሞባእሰንበትሰንበትንካልእበዓለወልድንወተሃደራቱእናለኣኸይእክብኣሎ።                                                                                                                                                                                                 ኣብሃይማኖትምስልምናውንብእምነቶምዝተኣስሩንኣብስቅያትዘለዉንማእለያየብሎምን።

10.    መንግስቱ ሃይለማርታም ናይ መሳርሕቱ ሰበ-ስልጣን ክብሪ ብግቡእ ክሕሉ ከሎ፣ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ግን ንክልተ ሚኒስተራት ኣብ ዝተፈላለዩ መዓልታት ኣብ ሻምሩክ ሆተል ጉንዲ እዝኖም ብጽፍዒት ኣላሂሙዎም’ዩ። ኣየ ግፍዒ!!

11.     መንግስቱ ሃይለማርያም ከም መራሕ ሃገር መጠን ከይውቀስ ንበዓልቲ ቃል ኪዳኑ ብክብሪ ክሕዛ ከሎ፣ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ግን ከም መራሒ ሃገር መጠን የውቅሰኒ’ዩ ከይበለ ክብሪ ሃገርን ክብሪ በዓልቲ ቤቱን ብምግሃስ ኣብ ርእሲ በዓልቲ ቃል ኪዳኑ፣ንሓንቲ ኣብ ክፍሊ ዜና ትሰርሕ ዝነበረት ኣጥኒሱ(ንኽብሪ ናታ ስማ ዓቂበዮ) ኣብ ግዚኡ ክቃላዕ’ዩ።እቲ መንጎኛ ኮይኑ ዝፈልጥ ዝነበረ ነታ ነገር ምስ ኣንፈሳ ናብ ወጻኢ ኣህዲሙዋ፣ኣብ ወጻኢ ጓል ወሊዳ፣እቲ መንጎኛ ኮይኑ ዝፈልጥ ዝነበረ’ውን እታ ምስጢር ብሰንኩ ስለ ዝለሓኾት ከይቅተል ፈሪሑ ማእለያ ዘይብሉ ሃብትን ትካልን ራሕሪሑ ናብ ወጻኢ ሃዲሙ ተሪፉ።

12.    ንብረትህዝብንመንግስትንብዘይሕጊምህጋር፣ክልቲኦምውልቀመለኽቲብዘይሕጊናይህዝብንመንግስትንንብረትኳእንተሃገሩ፣ኣብኣተገባብርኡኣብመንጎመንግስቱንኢሳይያስንፍልልይኣለዎ።መንግስቱሃይለማርያም ’’መሬትንሓራሲኡ’’ብዝብልመፈክርኣዋጅኣዊጁ፣እቲ  ውሑዳትመሳፍንቲኣምሓራገቢቶሞዝነበሩመሬትናብህዝቢብምምላስ  ንብዙሓት  ዘርብሕንመሰልዘውህብንዩ።ካልእብዘይኣገባብዝተጠርየንብረትንዝተደለበገንዘብውን  እንተኾነካብቶምመሳፍንትንንጉሳዊያንቤተሰብንናብህዝቢከምዝምለስኢዩጌሩ።ኢሳይያስ ግን መሬት ናይ ደቀባት ንኣብነት ከባቢ ኣስመራን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራን ብዘይ ሕጊ ሃጊሩ፣ብዶላራት እናሸጠ፣ነቶም ደቀባት መጤሲ ዑና፣ማለት ናይ ወለደይ፡መበቆለይ ክብሉሉ ዘኽእሎም መስርሒ ንእሽቶ ኣግዶ’ውን ትኹን ዘይብሎም ነቒሉዎም ኢዩ።ከምኡ’ውን መሬት ጋሽ-ባርካ ክለምዕ’ኳ ኣድላዪ እንተኾነ ብርትዓዊ ዝኾነ ኣገባብ ነቶም ደቀባት ብዘይ ሃሲ ክለምዓሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ከይዋፈር፣ንመጻኢ ትውልዲ ዘየቕስንን ኣብ መንጎ ህዝቢ ቆላን ከበሳን ሰላም ዘይህብን ኮይኑ ብውሑዳት ሃረስቶትን በታ ውድብ ውልቐ-መላኺን  ከም ዝግበት ገይሩዎ ይርከብ።

13.    ካብ መንግስቲ ኢጣልያን ካብ ገለ ውሑዳት ደቂ የመንን ተወሪሱ ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሐ እልቢ ዘይብሉ ገዛውቲ፣ካብቶም ሒዞሞ ዝጸንሑ ሲቪላዊያን ደቂ ሃገር(ኤርትራዊያን) ኣሕዲጉ ንርእሱን ነቶም ውሑዳት ጭራኦም እናዘረጉ ዘገልግልዎ ዘለዉ ዕሱባት ሚኒስተራትን ዋናታት ኣመሓደርትን ጀነራላትን ንብምልእታ ኣስመራ ተማቒሉዋ ይርከብ።እዚ ግን ’’ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቡኽራ …….’’ ስለ ዝኾነ ኣብ ግዚኡ ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ከም ዝምለስ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

14.    ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ዝነበራ ኢንዱስትሪታትን ፋብሪካታትን ኣሪገን ብምንባረን ምእንቲ ክሕደሳሉ ገንዘብ ዘለኩም ኤርትራዊያን ግዝእወን ብማለት ናይ መታለሊ መምርሒ ሜላ ተጠቒሙ ምስ ገዝኡወንን ብሓዲሽ ማሺነሪታት ተኪኦም ከስርሕወን ምስ ጀመሩን፣ገለ ገለ ምስምሳት ፈጢሩ ናብታ ናይ ውልቁ ዝኾነት ውድብ ህግደፍ ሃጊሩውን ይርከብ።

ከምኡውንኣብወጻኢዝነብሩዝነበሩኤርትራዊያን፣ንሰውራኤርትራብገንዘቦምእግሪዘትከልዎንዘታተይዎን፣ነጻነትምስተረኽበናብሃገርናይምምላስሃንቀውታዝነበሮም፡ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ብሓባርትካልንግበርብማለት ኣታሊሉዎምዓበይቲትካላትምስገበሩ፣ንኣብነትከምበዓልኢንተርኮንቲነንታል፣ከምበዓልእቲዝዓበየንኣብኣፍሪቃተወዳዳሪዘይብሉንቤትማሕተም፣ከምበዓልኩባንያጀደክ፣ኣስቤኮወዘተንገለካብቶምዋናታትናብሃገርክኣትዉከምዘይክእሉራዕድንፍርሕንፈጢሩነቲብሚልዮናትዶላራትዘቋቖምዎትካሎምብዘይገለምኽንያትሃጊሩዎይርከብ።ስለዚውልቀመላኺኢሳይያስጨካንጥራይዘኮነስሱዕውንኢዩ።እንተኾነስኣማኒስለዘይኮነድኣግዲኣይገብረሉንእምበርስስዕቲዋጋከምዘይብሉ፣ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኩሉ ክፍኣት ምዃኑ፣ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከምዚ ይብሉ። ’’ሓደሰብከምቲካብማህጸንወላዲቱጥራዩ  ዚውለድ፣ከምኡከኣጥራዩኢዩዝመውት፣ካብቲዝጸዓረሉሓንቲኣይማላእን።ዘሕዝንነገር  ኣመጻጻኣናን  ኣካይዳናንሓደዩ።ደድሕሪንፋስ  ከም  ምጉያይኢዩ’’ ይብለና።መጽሓፍቅዱስዝብሎዘሎካብቲዝጸዓረሉዩ።ኢሳይያስግዳካብቲዘይጸዓረሉሰብርሂጹካብዘጥረዮብግፍዒመንዚዑዝኣከቦክንደይከይጥቀመሉ።ብግፍዒዝተጠርየሃብቲምንምረብሓከምዘይብሉ፣ኣቶኢሳይያስካብቲናይፖለቲካመማኽርቱዝነበረካብኣስራተካሳውንክመሃርምተገብኦ።ኣስራተካሳምስወንበዴታትተሓባበርቲኢኹምእናበለካብብዙሓትሃብታማትነጋዶኤርትራዊያንማእለያዘይብሉገንዘብኣኪቡ።ኣብኤርትራዝነበሩነጋዶደቂየመንንካልኦትን ’’ዓረብይውጽኡኢልኩምሰላማዊሰልፉግበሩኢሉ፡በቢኣውራጅኡንህዝቢወዲቡ፣ቁጽሪዘይብሉህዝቢሰላማዊሰልፊምስገበረ፣ተመሊሱእምበኣርክትጸንሑገንዘብክፈሉብማለትብስልዕቲከከምብዝሒሃብቶምኣኽፊሉውም።እቲብግፍዒዝተኣከበገንዘብግንኣስራተካሳይኹንደቁኣይተጠቕሙሉን።ከምኡውንካብናይሙዓመርቓዛፊዓርኩእንተዝመሃርሞህዝቢሰሪሑንብረትክገብርንብሰላምክነብርንእንተዘፍቅድመሓሾ፡ከምዚኪገብርግንባህሪኡኣይፈቕደሉንዩ።

15.    እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ከም ሓደ ረቛሒ’ኳ እንተ ተወስደ፣እቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ድኽነትን ስእነትን፣ግን ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ብዝፈጠሮ ሰብ-ሰርሖ ሽግር’ዩ።ምኽንያቱ እቶም ከፍርዩ ዝግብኦም መንእሰያት ከም ገላውኡን ገላዊ መሳርሕቱን ጌሩ ቀፊዱ ሕዝዎም ስለ ዘሎ፣ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግዜ ባዕዳዊያን ገዛእቲ መንግስቱ ይኹን ሃይለስላሴ ዘይተራእየ ናህሪ ዋጋ ይረኤ ኣሎ።በጊዕ ናቕፋ 3000-4000፣ ደርሆ ናቕፋ 800-1000 ክሽየጣ ምጾታት’ዶ ኣይኮነን።

እምበኣር ናይዞም ክልተ ውልቀ-መለኽቲ እንኮ ተመሳሳሊነት መንግስቱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፣ኢሳይያስ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ እቶም ሃብታማት ከም ዝደኽዩ ብምግባር ብድኽነት ማዕረ ብምግባሮም ጥራይ’ዩ።

 

ልዑል ኣምላኽ ዕምሪ ውልቀ-መላኺ ብምሕጻር፣

ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ይሃብ።

 

መሓረናዝጊ መርሃዊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS

POST A COMMENT