Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብረት ኣፍሪቃ = ሕብረት መራሕቲ ኣፍሪቃ

ሕብረት ኣፍሪቃ = ሕብረት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ከም ኣህጉራዊ ዉድብ ክምስረት ከሎ፣ ብዘገምታዊ ጉዕዞ ንብምልእታ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲን ሓንቲ ባንዴራን ናይ ምጥርናፍ ዕላማ ነይርዎ። እዚ ሓሳብ’ዚ ክልሰ ሓሳባዊ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ እምበር

ሕብረት ኣፍሪቃ = ሕብረት መራሕቲ ኣፍሪቃ

ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ከም ኣህጉራዊ ዉድብ ክምስረት ከሎ፣ ብዘገምታዊ ጉዕዞ ንብምልእታ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲን ሓንቲ ባንዴራን ናይ ምጥርናፍ ዕላማ ነይርዎ። እዚ ሓሳብ’ዚ ክልሰ ሓሳባዊ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ እምበር ከም ሓሳብስ ኣመና ዓቢ ሓሳብ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዉድብ፣ ሓሲብዎ ዝተበገሰ ዓቢ ሓሳብ ከይሰመረሉ ፍርቂ ዘመን መሊኡስ ድሮ እኳ ደኣ ነቲ ዓቢ ሓሳብ ደርብዩ ብሓገዝ ቻይና ኣኼባታቱ ዘካይደሉ ዓቢ ህንጻ ናብ ምስራሕ ኣትዩ። ኣብዚ እዋን መራሕቲ ኣህጉርና ዓመታዊ ሚልዮናት ዝዉድእ እኽለ ማይ እናኣህለኹ ኣብ ዓቢ ህንጻ ክእከቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ ግን ዓቢ ሓሳብን ዓቢ ህንጻን ንበይኑ ቁም ነገር ከም ዘይሰርሕ ክስወጦም ኣይከኣለን። ምዃን ብቐደሙስ ዕዮ ገዝኦም ባዕሎም ዘይሰርሑ፣ “እኒ ብዕራይ ሕረሰለይ” እንድዮም! ካብዚኣቶም እንታይ ክንጽበ ንኽእል!?

ከምቲ ትፈልጥዎ ሰብ ቀደም ብቋንቋ ሃብታማት እንድዮም ነይሮም! ተኣኪቦም ቁም ነገር ንዘይሰርሑ ሰባት ክገልጽዎም ከለዉ “ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ይብሉዎም። ብዙሓት ግን ከኣ ዘይረብሑ ንምባል ዝጥቀምሉ ስነ-ቃል እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ መራሕቲ ናይ ልዕሊ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ፣  መበል 50 ዓመት ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸንበሉሉ ኣጋጣሚ ብሓባር ዝተሳእልዎ ስእሊ ምስ ረኣኹ ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝበለኒ ነገር እንተልዩ እዚ ኣበሃህላ’ዚ እዩ። ንካርታ ዓለም ካብ ዘቑማ ሸዉዓተ ኣህጉራት፣ ዝበዝሓ ሃገራት እትሓቁፍ ኣህጉር ኣፍሪቃ እያ። ዛጊት ብደረጃ ኣህጉር ካብ ዝተመስረቱ ዉድባት ድማ ብዕድመ ኮነ ብግዝፊ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ እዩ። እንተኾነ ግን ሕብረት ኣፍሪቃ ምስቲ ናይ ሒደት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ ሕብረት ኤዉሮጳ ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ ዘፈንፍን ምስሊ እዩ ዝዉንን። ስለዚ ድማ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስቲ ኩሉ ኣጸቢቕና እንፈልጦን ብጭብጢታት ክንዛረበሉ እንኽእልን ልምሰቶምን መጋበርያነቶምን፣ “ብዙሓትን ጥምዙሓትን እዮም” እንተተባህሉ ዝንእሶም እምበር ዝበዝሖም ኣይኮነን። እምበኣርከስ ከምዚኦም ዓይነት መራሕቲ ዝመስረትዎ ሕብረት፣ ንሕብረቶም እምበር ንሕብረት ህዝብታት ኣፍሪቃ ዝዉክል ክኸዉን ኣይክእልን።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ “I am African. I am the African Union” ዝብል፣ ግን ከኣ ንግብሪ ዘየንጸባርቕ ጭርሖ ኣተኣታትዩ ኣሎ። ዝደናገር ሰብ እንተተረኺቡስ ያኢ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ኣፍሪቃዉነት ከም ዝኾነ ንምምሳል ዝተማህዘ ጭርሖ እዩ።

ታሪኻዊ ፍሽለት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብቲ “ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ” ብዝብል ስም ዝተመስረተሉ ዓመት እዩ ዝጅምር። ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብ1963 ክምስረት ከሎ ከም ሸቶ ሒዝዎም ዝተበገሰ ናይ ቀረባን ርሑቕን ዕላማታት እኳ እንተነበርዎ፣ ቀዳማይ ሸቶኡ ግን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ኤዉሮጳ ተገላጊለን ኣብ ጎደና ሓርነት ከም ዝምርሻ ምግባር እዩ ነይሩ። ቀዳማይ ዕላማኡ ከምዚ ካብ ነበረ እምበኣር ቤት ጽሕፈቱ ኣብታ ንኤርትራ እትገዝእ ዝነበረት ኢትዮጵያ ከም ዝድኮን ምግባሩ ፈላሚ ፍሽለት ናይቲ ዝቖመሉ ዕላማ እዩ። ንታሪኽ ካብ ኣልዓልኩስ ንእግረ መገደይ፣ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ) ኣብ ሕቶ ኤርትራ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ታሪኻዊ ጌጋ ገለ ክብል፦

እቲ ብግንቦት 1963 (ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕድመ ጎበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያ) ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገይሩ ዝተመስረተ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ታሪኹ ንሕቶ ኤርትራ ኣልዒሉ ዘትዩ ኣይፈልጥን። ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ካብ ጉጅለታት ካዛብላንካን ሞንሮቭያን ክዉለድ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሃጸይ ሃይለስላሰ ካብቶም ኣብ ምምስራት’ዚ ዉድብ ቁልፊ ተራ ዝነበሮም ሃገራት ብምንባራ፣ ነዚ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ዉድብ ከም መሳርሒ ረብሓታታ ተገልጊላትሉ እያ። ከም ዉጽኢቱ ድማ፣ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ነቲ መግዛእታዊን ናይ መሰል ርእሰ-ዉሳነን ሕቶ ኤርትራ ከም ዉሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክጥምቶ እዩ ወሲኑ። ብተመሳሳሊ፣ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኦጋዴንን ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝመንቀሊኡ ግጭት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስ ተወልዐ፣ ኣብ ጉዳይ እዘን ክልተ ኣባላቱ ድምጹ ካብ ምስማዕ ዝተቖጠበሉ ምኽንያት እዉን ንስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን ንዘይምቕያም እዩ።

ብኣንጻሩ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ሞሮኮ ብታሪኽን ባህላዊ ምትእስሳርን ንምዕራብ ሰሃራ “ይግብኣኒ እዩ” ኣብ ዝበለትሉ እዋን ነቲ ምእንቲ መሰል ርእሰ-ዉሳነ ህዝቢ ምዕራብ ሰሃራ ዝቃለስ ዝነበረ ግንባር ፖሊሳርዮ ኣፍልጦ ሂብዎ። ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ሰሃራ ዘቕረበቶ ናይ “ይግብኣኒ” ሕቶ ግና ካብቲ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ዘይትንጸል ኣካል ኢትዮጵያ እያ” እናበለት ተቕርቦ ዝነበረት ምጉት ዝፍለ ኣይነበረን። ብተወሳኺ እዚ ገና ፍጥር ክብል ኣትሒዙ ንፍትሓዊን መግዛእታዉን ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝኸልአ ዉድብ፣ ሽማግለ ሓርነት ብምቛም ንኹለን ምንቅስቓሳት ናጽነት ኣፍሪቃ እንተላይ ናይ ዚምባብዌ፣ ጊኒ ቢሳዉ፣ ሞዛምቢክ፣ ኣንጎላ፣ ናሚብያን ናይ ጸረ-ኣፓርታይድ ምንቅስቓስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ይሕግዝ ነይሩ እዩ። ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ግን ጉዳዩ ኣይነበረን። ብዛዕባ ታሪኽ ክንዲ’ዚ እንተ ደኣ ኢለ እኹል ይመስለኒ። ስለዚ ናብቲ ዝቕጽል ክሰግር።

ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ ዝጸሓፍኩዎ “ፖለቲካ ኣፍሪቃን ማሕለኻታቱን” ዘርእስቱ ዓንቀጽ፣ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኤዮቤልዩ ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሓድሽ ህንጻ ናይቲ “ሕብረት” ከም ዝተጸንበለ ገሊጸ ነይረ። እዚ ህንጻ’ዚ፣ መንግስቲ ቻይና ኣምሳያ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይዶ ዘሎ ናይ 150 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ፣ 200 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ከም “ህያብ” ዝሃነጾ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ግሩም ህንጻ እዩ። እቲ ካልእ ፍሉይነቱ ድማ ኣብቲ ቀደም ብልምዲ “ኣለም በቃኝ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ኣሰቃቒ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረሉ ቦታ ዝተደኮነ ምዃኑ እዩ። እቲ ዝገርም ግን እቶም ኣብ ዉሽጢ እዚ ህንጻ’ዚ ተኣኪቦም ኣብ ምዕራብ ተወዲኡ ዝመጸ ፖለቲካዊ ዉሳነ ዝፍጽሙ መራሕቲ ኣፍሪቃ፣ ኣብተን ዝመርሕወን ሃገራት ካብ “ኣለም በቃኝ” ዝገዳ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጾም ኣብ ስልጣኖም ንዝመጽዎም ንጹሃን ኣፍሪቃዉያን ዘሳቕዩ ምዃኖም እዩ።

ተገዳስነት ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ መዓስ ከም ዝጀመረን፣ ዝምድና ቻይናን ኣፍሪቃን ኣብ ኣካይዳ መራሕቲ ኣፍሪቃ እንታይ ዓይነት ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኸተለን ኣብቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ዓንቀጽ ገሊጸዮ ነይረ። ኣብዚ እዉን ደጊመ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ቻይና ንቦታ ምዕራባዉያን ተኪኣ ናይ ልዕሊ መሬትን ትሕቲ መሬትን ሃብቲ ኣፍሪቃ ክትጉሕጉሕ እምበር ንኣፍሪቃዉያን መስተርሆት ክትፈጥረሎም ኢላ ኣዒንታ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ኣየዉደቐትን። ንኣፍሪቃዉያን ናይ ምትዕሽሻዉ ጥበብ ካብ ምዕራባዉያን ተማሂራቶ እያ። ነቲ ምዕራባዉያን ጎይቶት ሃጸይነት ፈቲኖም ዝተዓወቱሉ ሜላ ምዝመዛ ተሓንጊጣ ድማ እያ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ወፍሪ ተካይድ ዘላ። ንታሪኽ እንተተወኪስና፡ ምዕራባዉያን ገዛእቲ፣ ሃብቲ ኣፍሪቃ ንምዝማት መሬት ኣፍሪቃ ክረግጹ ከለዉ፣ ፈለማ ወንጌል ንሰብክ ኢና ብዝብሉ ሚስዮናዉያን ገይሮም እዮም ኣትዮም። ንምሸቱ እንታይ ከም ዝገበሩና ከኣ ቃል መራሒ ኬንያ ዝነበረ ጀሞ ኬንያታ ኣጸቢቑ ይገልጾ እዩ። ጀሞ ኬንያታ ንተግባራት ሚስዮናዉያን ክገልጽ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኢሉ፦

“ኤዉሮጳዉያን ኣብ ኢዶም መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ቃል ኣምላኽ ክሰብኩ መጺኦምና። ንሕና ኣፍሪቃዉያን ድማ በቲ ዝመሃሩና ጸሎተ ሃይማኖት መሰረት ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርና ጸሎት እናገበርና ከለና ንሳቶም ንመሬትና ዳህሲሶም ንመግዛእቲ ብዝጥዕም ኣገባብ ተቖጻጸርዎ። መወዳእትኡ ከኣ ንሕና መጽሓፍ ቅዱስን እምነትን ጥራይ ሒዝና ተሪፍና ንሳቶም ከኣ ንመሬትና ወኒኖሞ።”   

ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ተካይዶ ዘላ ወፍሪ ዉዒሉ ሓዲሩ ዝኽሻሕ ሕቡእ ተልእኾ ኣለዎ። ቻይናዉያን ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጣይስዎ ዘለዉ ናይ 150 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ንምዉሓስ ካብቲ ቀዳሞት ኤዉሮጳዉያን ጎይቶት መግዛእቲ ዝፈጸምዎ ዘይንእስ ተግባር ካብ ምፍጻም ከም ዘይቁጠቡ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ።

http://demo.archive.assenna.com

*  *  *

ንሕብረት ኣፍሪቃ ብመንጽር ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ወገን፣ ብመንጽር ረብሓታት ህግደፍ ድማ ብኻልእ ወገን እናኣነጻጸርካ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። ሕቶ ኤርትራ ብቐንዱ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሕቶ ኤርትራ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንኽዕፈን ሰሪሑ ማለት እዩ። ስለዚ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝቐደመ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን ከም ዝፈጸመ ዘይከሓድ እዩ። ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን እዩ ፈጺሙ ዘብሎ ድማ እቲ ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሌና ዝተፈጸመ ጥልመት በቲ ንብዓት ህዝብታት ኣፍሪቃ ክሕብስ ዝተመስረት ዉድብ ዝተፈጸመ ብምዃኑ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ሕብረት ኣፍሪቃ መንግስታት እምበር ህዝብታት ዝዉከሉሉ ዉድብ ስለዘይኮነ፣ ድሕሪ ናጽነት ህግደፍ ዝመስረቶ መንግስቲ ኣባል እዚ ሕብረት‘ዚ ክኸዉን ዘጸግሞ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዲፕሎማስያዊ ባሪስትነት ኣጸቢቑ ንዝመልኽ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ መንግስቲ ዝበለጸ ማሕበር እዩ። ህግደፍ እዉን ነቲ ባሪስትነት ክሳብ ዝኸኣሎ ኣባል ኮይኑ ቀጺሉ እኳ እንተነበረ ንዲፕሎማስያዊ ሕምቀቱ ብኮርነፍነፍ ክሽፍኖ ብምፍታን ኣባልነቱ ንነዊሕ ዓመታት ኣደስኪሉዎ ድሕሪ ምጽናሕ እንደገና ተመሊስዎ ኣሎ።

ነቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ገዲፍና ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት እዋን ከነተኩር። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ባዕሉ ናብ ስልጣን ዘምጽኦ ስርዓት ተጠሊሙ ካብ ግዜ መግዛእቲ ዝኸፍእ ሓሳረ መከራ ምስ ወረዶ ኣእዳዉ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘርጊሑ እንታይ ረኺቡ!? ምንም! ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነት ከቕርብ። ስርሒት ፎርቶ ምስ ተኻየደ ኣብ ዓስራይ መዓልቱ (31 ጥሪ 2013) ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣዲስ ኣበባ) ክሳብ 200 ዝበጽሑ ኤርትራዉያን ስደተኛታትን ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ። ዕላማ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ስርዓት ህግደፍ ደድሕሪ ፍጻመ 21 ጥሪ ንዘካይዶ ዝነበረ ዓፈናን ኣልማማ ማእሰርቲን ደዉ ንኸብሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓላፍነቱ ከልዕል ንምዝኽኻር እዩ።

ኣብቲ ካብ ሰዓት 9 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣደ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባላታን ኣእዛኖምን ኣፍደጊኦምን ዓጽዮም ነቲ ብእንግሊዝኛ ዝተዳለወ መዘክር ንዘይምቕባል ሓንጊዶም። እቶም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኤርትራዉያን ጎረሮኦም ጭርሖታት ብምጭራሕ እናላሕተተን መንበስብስቶም ብመራር ጸሓይ እናነደደን ከሎ ኣዉያቶም ንኽሰምዕ ኣብ ኣፍደጊኡ ተሰጢሖም ዝተማሕጸንዎ ዉድብ ኣእዛኑን መዓጹኡን ለኲቱ “ይርዳእኩም!” ዘይብሉ ብስቕታ ተዓዚብዎም። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ደንበ ተቓዉሞ ተቓሊሑ እኳ እንተነበረ ንስቕታ ዶክተር ንኮሳዛና ድላሚኒ ዙማ ዝኹንን ዝኾነ ይኹን ቃል ግን ኣይተዘርበን። እቲ መዘክር ንሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤዉሮጳን ክወሃብ ተመዲቡ ስለዝነበረ፣ ዶክተር ንኮሳዛና ጸማም እዝኒ ምስ ሃበት፣ ሰልፈኛታት ብሕርቃን ነናብ ገዝኦም ድሕሪ ምብትታኖም ተወከልቶም ብኣካል ናብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤዉሮጳ ብምኻድ ነቲ መዘክር ኣረከብዎ። በቲ ኣብ ሕብረት ኤዉሮጳ ዝተገብረሎም ፍሕሽዉ ኣቀባብላ ድማ ፍናን ረኸቡ። ምኽንያቱ ዉዕሎ ሰልፈኛታት ኣይ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይ ካብ ሕብረት ኤዉሮጳ ኮይኑ ንብላሽ ኣይተረፈን።

ስርሒት ፎርቶ ወጽዓ ህዝቢ ዘንቀሎ ፍጻመ ከም ዝነበረ ንሕብረት ኣፍሪቃ ምሕባር ንቀባሪ ምርዳእ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ንኽግበር ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዝነበረ ዉድብ፣ ኣንጻር ህግደፍ ንዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ምስ ምንታይ እዩ ዝቑጸር!? ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጉጅለ ተቖጻጸርቲ (Monitoring Group) ብሓምለ 2011 ዝዘርግሖ በዓል 417 ገጽ ጸብጻብ ትዝክርዎ ትኾኑ ኢኹም። ልዕሊ 60 ገጻት ናይዚ ጸብጻብ ንእከይ ተግባራት ህግደፍ ዘቃልዕ እዩ። ካብቲ በቲ ጉጅለ ዝቐረበ መርትዖታት እቲ ዝዓበየ ጭብጢ፣ “ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ግብረሽበራዊ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ክፍጽም ሓሲቡ ፈሺልዎ” ዝብል እዩ። ንምዝኽኻር ንገለ ምሉእ ሓሳባት ናይቲ ጸብጻብ ከም ዘለዎ ከቐምጦ፦

“The Eritrean Government conceived, planned, organized and directed a failed plot to disrupt the African Union summit in Addis Ababa by bombing a variety of civilian and governmental targets……..If executed as planned, the operation would almost certainly have caused mass civilian casualties, damaged the Ethiopian economy and disrupted the African Union summit……….Since the Eritrean intelligence apparatus responsible for the African Union summit plot is also active in Kenya, Somalia, the Sudan and Uganda, the level of threat it poses to these other countries must be re-evaluated.”

ትርጉሙ፦

“መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሲቪላዉን መንግስታዉን ዒላማታት መጥቃዕቲ ቦምባ ብምፍጻም ንኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምዝራግ ፍሹል ፈተነ ሓሲቡ፣ ወጢኑ፣ ወዲቡን መሪሑን እዩ።………. እቲ ስርሒት ብኸምቲ ዝተወጠኖ ተፈጺሙ እንተዝነብር ህልቂት ንጹሃን መጋጠመ፣ ቁጠባ ኢትዮጵያ ምተሃስየ፡ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ምተሰናኸለ። …….እቲ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝራግ ተዋፊሩ ዝነበረ ኣሃዱ ስለያ ኤርትራ ኣብ ኬንያ፣ ሶማል፣ ሱዳንን ኡጋንዳን እዉን ስለዝንቀሳቐስ፣ ኣብ ልዕሊ እዘን ሃገራት እዚኣተን ክፈጥሮ ዝኽእል ስግኣት ክሳብ ክንደይ ከም ዝኾነ ዳግም ክጽናዕ ኣለዎ።”

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ቀዳማይ ዉሳነ እገዳ ከሕልፍ ከሎ እቲ ዉሳነ “ኣፍሪቃዊ ተበግሶ” ዝብል ስም ዝተዋቦ፣ እቲ ናይ እገዳ ሓሳብ ፈለማ ብኢጋድ ጸኒሑ ድማ ብሕብረት ኣፍሪቃ ስለዝተበገሰ እዩ። ስለዚ እምበኣር እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኤርትራዉያን ነቲ “መንግስቲ ኤርትራ ብመጥቃዕቲ ቦምባ ኣኼባይ ክዘርገለይ ሓሲቡ ነይሩ” ኢሉ ዝኸሰሰ ዉድብ እዮም ንህግደፍ ክኹንነሎም ሓቲቶሞ። እቲ ዝተዋህቦም ግብረ መልሲ ድማ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ እዩ። እሞ’ኸ ደኣ ብዛዕባ ሓቅነት ናይዚ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተመስረት ክሲ እንተተጠራጠርናስ ኣየምሕረልናን’ዶ ትብሉ!?

ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ 16 ግንቦት 2013 ሕታም ሓዳስ ኤርትራ እንተተመልኪትና ምስዚ ዝብሎ ዘለኩ ዝተኣሳሰር ካልእ ዘስደምም ዜና ንረክብ ኢና። እቲ ዜና ኣደ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብምኽንያት መበል 22 ዓመት ጽንብል ናጽነት ናብ “ፕረዚደንት” ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከም ዝሰደደት ዝገልጽ ኮይኑ ገለ ክፋል ካብ ትሕዝቶኡ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦

“ኣደመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ንኮሳዛና ኣብ መልእኽታ፡ ዘላቒ ሰላም፡ ምርግጋእን ሓድነትን ኣህጉርና ብሓፈሻ ዞባና ድማ ብፍላይ ኣብ ምስፋንን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምሕያልን፡ መንግስቲ ኤርትራ ደገፉ ከም ዝቕጽሎ ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ገሊጻ። ዶክተር ንኮሳዛና ኣስዒባ፡ ራእይ ናይ ውድብ ንምስማርን ብድሆታቱ ንምግጣምን፡ ምስ ኤርትራ ብቐረባ ክትሰርሕ ከም እትደሊ ኣስሚራትሉ።”

ወዮ’ቲ ዓንተቦ ዝበልኩዎ ነገር እንዶ ደኣ መጺኡ! ፖለቲካ ሕብረት ኣፍሪቃን ምንዝርናን – ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም! ዶክተር ንኮሳዛና ቀዳመይቲ ኣደ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይና ዝለዓለ ሓላፍነት ናይቲ ዉድብ ድሕሪ ምርካባ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ብጥሪ 2013 ኣብ ዘቃንዖ ጉባኤ መራሕቲ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምዉሓስ ቀጻልነት ዘለዎ ዕብየት ትምድር እያ ነይራ። እሞ’ኸ ደኣ ነዚ ጸረ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ዝኾነ ስርዓት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈትካ እናተኻየደ ከሎ ምጽቃጥ እንታይ እዩ ትርጉሙ!? ብርግጽ ሕብረት ኣፍሪቃ “ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ” ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ኣባል ሃገራት ጣልቃ ንምእታዉ ዝኽልክል ሕጊ ይዝዉተር ነይሩ እዩ። እንተኾነ ግን ስም ናይቲ ዉድብ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝቕየር ንደሓር እዚ ሕጊ’ዚ ከም ቀይዲ ክዉሰድ ኣይጸንሐን። ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምርሓሉ ቅዋማዊ ድንጋገ (Constitutive Act) ዓንቀጽ 4፣ ንኡስ ዓንቀጽ 8 ብንጹር ኣቐሚጥዎ ከም ዘሎ፣ ዕቱብ ኣቓልቦ ዘድልዮም ኩነታት ከም ገበናት ኲናት፣ ጃምላዊ ህልቂትን ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኣባል ሃገራት ክረአ ከሎ ምትእትታዉ ንኽግበር ይፍቀድ እዩ።

በዚ መሰረት፣ ኣተሓሕዛ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዘመነ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ፍኹስ ዝበለ ስለዝኾነ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዕድሚኡ፣ ዋላ እኳ ዕዉታት ወፍርታት እንተዘይኮኑ “ንኣፍሪቃዊ ሽግር ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ምንዳይ” ብዝብል ጉልባብ ብድርኺት ምዕራባዉያን ዝተፈጸሙ ዝተፈላለዩ ምትእትታዋት ኣብ ኮንጎ፤ ዳርፉር፤ ላይበርያ፤ ርዋንዳ፤ ብሩንዲ፤ ሶማል፣ ሊብያ፣ ማሊን ካልኦትን ተራእዮም እዮም። በዚ ዝገልጾ ዘለኹ ኣገባብ ዋላ ኣይኹን ንስርዓት ህግደፍ እዉን ሓደ መገዲ ክናደየሉ ኣለዎ። እንተዘየሎ፣ እዛ ካብ ምሒር ምንቁልቋል ዉድቕቲ ሃገር (Failed State) ናብ ምዃን ገጻ ትኸይድ ዘላ ሃገርና ንኣፍሪቃን ዓለምን ሰከም ክትከዉን እያ። ኣብዚ ዞባ’ዚ ካልእ ሶማልን ካልእ ማሊን ንኽትፍጠር ዕድል ክወሃብ የብሉን። እዚ ክብል ከለኹ ግን ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ንብሎ ዘለና ስጉምቲ ክዉዕሎ እንተኾይኑ ካብቶም ብሪሞት ኮንትሮል ዝቆጻጸርዎ መወልቱ ቀጠልያ መብራህቲ ክረክብ ኣለዎ። ካብኡ ዝተረፈ ግን ሕብረት ኣፍሪቃ ብናቱ ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣድማዒ ስጉምቲ ክወስድ ምጽባይ ሕልሚ ደርሆ ጥራይ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ምዕራባዉያን ከም ድላዮም ኢዱ ጠዉዮም ዘመንግግዎ ዉድብ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ነታ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ታቦ እምቤኪ ባዕሉ ዝጸሓፋ “THE AFRICAN UNION AT 10 YEARS OLD: A Dream Deferred!” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ምንባብ እኹል እዩ። ነታ ጽሕፍቲ ከተንብብዋ እንተ ኽኢልኩም ታቦ እምቤኪ ነዚ ብዘይግብኦ ስም ዝጽዋዕ ዘሎ ዉድብ ከመይ ገይሩ ከም ዝገለጾ ምረኣኹሞ’ሞ ምገረመኩም። ታቦ እምቤኪ ኣብዛ ጽሕፍቱ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ንዝፍጠሩ ኢ-ደሞክራስያዊ ስርዓታት ኣቐዲሙ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘየማዕበለን ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ዝበዝሕ ባጀት ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ በቶም ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ረብሓ ዘለዎም ምዕራባዉያን ስለዝሽፈን ምዃኑን ብምግላጽ ኣስዒቡ ከምዚ ይብል፦

“Thus in many respects, the failure of the AU to achieve what we visualized when it was established had little to do with the absence of will, but more to do with who would provide the resources to express Africa’s will in practice……This was expressed in its most acute form in the 2011 conflict in Libya during which the Western powers brazenly arrogated to themselves the unilateral right to decide the future of this African country, determined to treat the decisions of the AU with undisguised contempt.”

ትርጉሙ፦

“ስለዚ ኣብ ብዙሕ መዳያት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ክምስረት ከሎ ዝቖመሎም ዕላማታት ክትግብር ዘይምኽኣሉ ድሌት ስለዘይብሉ ዘይኮነስ ነቲ ሕልሚ ንምግሃድ ዘድሊ ጸጋታት ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ስለዝርከብ እዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ድማ ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ ናይ 2011 ግጭት ሊብያ ተንጸባሪቑ። ምዕራባዉያን ንዉሳነ ሕብረት ኣፍሪቃ ዕሽሽ ብምባል ብዘይ ሕንከት ኣብ መጻኢ እዛ ሃገር በይናዊ ዉሳነ ንኽወስዱ ንነብሶም ስልጣን ሂቦማ።”

http://www.unisa.ac.za/contents/colleges/docs/THE%20AFRICAN%20UNION%20AT%2010%20YEARS%20OLD1%20(3)%20(Recovered).pdf

* * *

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ተሓሲምዎ ዝነበረ ኣባልነት ዳግመ ግምት ብምግባር ናብ ደንበ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝምለስ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ገይሩ ኣሎ። እቲ ምልሶት ዘርብሖ ክኸዉን ከም ዝኽእል ዝግምቱ ወገናት ኣለዉ። ኣብቲ ፈለማ እገዳ ምስ ተወሰነ ድማ የማነ ገብረኣብ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ቀሪቡ፦ “ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይምጽናሕና ንወያነ ዕድል ሂብናዮም ኢና ጸኒሕና” ብምባል ነቲ ግምት ዘራጉድ ዘረባ ተዛሪቡ ነይሩ። ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ብመንጽር እቲ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጸወታ እንተርኢናዮ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ መሰረታዊ ለዉጢ እንተዘይገይሩ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምምላስ ጥራይ ዝልወጥ ነገር ኣይህሉን። ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና እዉን ከምኡ እዩ።

ግርማ ኣስመሮም ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዝሒ ገጻቱ ዘይዉስኽ፣ ትሕዝቶኡ ዘይቅየር መደር ብምቕራብ ሰብ ከሰልቹ ጥራይ ኢና ንርኢ ዘለና። መደረታቱ ነቲ ልሙድ ናይ ልመና ቃላትን ሓረጋትን ዝሓዙ እዮም።

ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፦

“ኩሉኹም ከም ትፈልጥዎ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ኣዉሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ እዩ” ብዝብል ምሉእ ሓሳብ እንተጀሚሩ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፦

“ብሕጋዊ ብይን ዝተፈትሐ ‘ዶባዊ ግጭት’ ብሰንኪ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ግብሪ ንኸይዉዕል ተሰናኺሉ ኣሎ” ይብል።

ኣብ መደምደምታ ከኣ፦

“ስለዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ኣዉሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ከም ምዃኑ መጠን ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ እንተላይ ባድመ ንኽትወጽእ ጸቕጢ ክገብረላ ንጽዉዕ!” ኢሉ ይዛዝም።

እዚ ንባድመ ከምልሰሎም ዝልምንዎ ዉድብ ግን ደድሕሪ ነፍስ ወከፍ ኣኼባኡ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም “እስራኤል ካብቲ ወሪራ ዝሓዘቶ መሬት ፍልስጤም ክትወጽእ ኣለዋ” ዝብል ዉሳነ እምበር “ኢትዮጵያ ካብቲ ጎቢጣቶ ዘላ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ኣለዋ” ዝብል ዉሳነ ኣሕሊፉ ኣይፈልጥን።

ኣየ እንዳ ህግደፍ! እቲ ቀደም ዓለም እናለመነቶም ከላ ብትምክሕቲ ሰኺሮም “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግም ኣይትበርቕን እያ ማለት እዩ!” እናበሉ የዐሽዉና ከም ዘይነበሩ ሎሚ ዘመን ተገልቢጥዎም ኣብቲ ዝነዓቑዎ መንግስቲ ዘመሓድራ ሃገር ኮይኖም “ንባድመ ኣዉህቡና”  እናበሉ መዓጹ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኹሕኩሑ ክንርእዮም ከለና ኣብ ክንድኦም ንሕና ንሓንኽ። እንተ ንሳቶም ሕፍረቶም ሸይጦም በሊዖማ እዮም። ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ንነብሶም ጥራይ ግን ኣይኮኑን ኣዋሪዶማ ዘለዉ። ንህዝብና እዉን እዮም ኣዋሪዶሞ ዘለዉ። ህዝብና ልዕሊ ነገራዊ ሃብቲ ክብረትን ሓበንን ዘቐድም ህዝቢ እዩ። ሳላ ህግደፍ ግን ዝተሳእነ እምበር ዝተረኽበ የለን። ኣይ ነገራዊ ሃብቲ! ኣይ ሓበን! ካብ ክልቲኡ ዜሮ ኣትሪፎሞ ኣለዉ። ንሳቶም ግና ክንዲ’ታ ሕልሞም ደኣ ኣይትኸዉንን እምበር፣ ኣብታ ንበይኖም ብሒቶማ ዘለዉ ኤርትራ ካብ ዜሮ ናብ ሄሮ ተሰቒሎም ኣለዉ። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ግን ካብ ሄሮ ናብ ዜሮ ክወርዱ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን!! እዚ ግን ናብቲ ማሕበር መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ጥርዓን ብምቕራብ ዘይኮነ ቅልጽም ሓፋሽ ኣስሚርካ ብምቅላስ ጥራይ እዩ ዝትግበር።

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Daniel Teclegiorgis June 18, 2013

    ክቡር ኣማኑኤል ጻዕርኻን መጽናዕትኻን ዝድነቕ’ዩ። እንተኾነ ግን ተራ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ይኹን ተራ ማሕበር ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምፍታሕ ሽግራት ናይ ሃገራትን ህዝብታትን ዝኽእሎ ከበርክት ዝፍትን ራእይን ሓሳባት ሰብ-ጽቡቕ-ድላይ ካብ ምንጽብራቕ ንላዕሊ ክምዘን ዝግብኦ ዓቕሚ ዘለዎ ኣይመስለንን። ምናልባት ከም ዓቕሙ ሓገዙ ምእንቲ ከበርክት ድማ ናይ’ቶም ኣብ ሽግር ዝርከቡ ባእታት ሰናይ ተበግሶ ይደሊ’ዩ። ማለት’ሲ እቶም ዝተባእሱ ንኽዕረቑ ጽቡቕ ፍቓዶም ምስዝኸውን ጥራይ’ዩ ተራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ድማ ተራ ውድብ ማሕበር ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነቲ “ለውጥን-ዕርቅን መሰልን-ምክብባርን” ከተባብዕን ክምስክርን ዝበቅዕ። ምናልባት ሕጂ ግን ናይ ሓያላት ሃገራት (ኣመሪካ ሩስያ እንግሊዝ ፈረንሳይ … ) ላዕለዋይ ኢድ ዘይብሉ፡ ሓዲሽ ታሪኽ ክምዝገብ’ዩ – ማለት’ሲ፡ ንፈለማ እዋን ሰማያዊ ቆብዕ ዝወደዩ ወተሃደራት ሕቡራት ሃገርታ ዓለም ኣብ ኮንጎ ክዋግኦ’ዮም ይበሃላ’ሎ። ንርኢ! ስለ’ዚ እቲ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንርብዒ ዘመን ዝገዝአ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዚ ሕጂ ዝረኣየሉ ዘሎ ኩነታት ዘውደቖ ምኽንያት ካብ ድኻምነት ሕቡራት ሃገራት ወይ ድማ ሕመቕ ውድብ ማሕበር ሃገራት ኣፍሪቃ ንላዕሊ ውሽጣዊ ድኽምታት ናትና ናይ ኤርትራውያን’ዩ ዝሕተተሉ። እዚ መንቀሊ’ዚ ናፍ ፍታሕ ዘምርሕ ዝመስለኒ-ንኣይ። ከም ካልኣይቲ ነጥቢ ድማ እዛ ትስዕብ ጽሕፍትኻ’ሞ ደጊምካ ኣንብባ ኣማኑኤለ፡ “ህዝብና ልዕሊ ነገራዊ ሃብቲ ክብረትን ሓበንን ዘቐድም ህዝቢ እዩ።” ….. ዝኾነ ኾይኑ ኣጆኻ ኣይትድከም! ኣይትረብርብ!

    • belay nega June 19, 2013

      Amanue

      ” “ህዝብና ልዕሊ ነገራዊ ሃብቲ ክብረትን ሓበንን ዘቐድም ህዝቢ እዩ።” …..”

      The above commentator if he is Eritrean what he meant is :

      SO WHAT IS THE POINT OF OPPOSING A GOV WHOSE BASIC PRINCIPLE IS “pride” ?

      And if he is an Ethiopian is trying to tell you :

      DO NOT FORGET THAT OUR MAIN ISSUE WITH ERITREANS IS THE WORD “pride”

POST A COMMENT